ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስራት ንምብጻሕ ዚስገር ብድሆታት

ብስራት ንምብጻሕ ዚስገር ብድሆታት

ብስራት ንምብጻሕ ዚስገር ብድሆታት

እታ ዝነበርናያ ማኪና ጽዕነት ኣብ ሓደ ብ60 ዕጡቓት ሰብኡትን ኣንስትን ኰተቴታትን ዚሕሎ መፈተሺ ነቝጣ በጽሐት። ገሊኦም ዩኒፎርም ዝለበሱ ኪዀኑ ኸለዉ: ገሊኦም ግን ሲቭላዊ ኽዳን እዮም ተኸዲኖም ነይሮም። ብዙሓት ኣውቶማቲክ ብረቶም ኣወጣወጡልና። ዚጽበዩና ዝነበሩ እዮም ዚመስሉ። ኣብቲ ዓዲ ዘይምርግጋእ ኣሎ።

ዓሰርተ ቶን ዚኸውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ሒዝና ጕዕዞ ኻብ እንጅምር ኣርባዕተ መዓልቲ ሓሊፉ ነበረ። ‘የሕልፉና ደዀን ይዀኑ፧ ገንዘብ ይሓቱና ደዀን ይዀኑ፧ ተልእኾና ሰላማዊ ምዃኑ ንኸነእምኖም ክንደይ ዚኣክል ግዜ ይወስድ ይኸውን፧’ ኢልና ኽንሓስብ ጀመርና።

ሓደ ምትኳስ ቃሕ ዝበሎ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ምህላውና ንኼርእየና ኢሉ ናብ ሰማይ ተኰሰ። ሞባይል ተሌፎናትና ምስ ረኣየ: ክንህቦ ጠለበ። ድሕር ምሕር ምስ በልና: እንተ ዘይሂብናዮ ኸም ዚሓርደና ብምልክት ኣርኣየና። ተሌፎናትና ኣረከብናዮ።

ብሃንደበት ሓንቲ ዩኒፎርም እተኸድነት ሰበይቲ ብረታ ሒዛ መጸትና። “ጸሓፊት” እያ ተባሂላትና: ንሳ እውን ገለ ነገር ኪወሃባ ደለየት። ኣብቲ ቦታ መነባብሮ ጽንኩር ስለ ዝዀነ: ንእሽቶ “ህያብ” እውን ትጠቅም እያ። ድሕሪኡ ኻልእ ወተሃደር ነቲ ማኪናና ነዳዲ እትሕዘሉ መዕቈሪ ኸፊቱ ናብ ጀሪካኑ ኺመልእ ጀመረ። ተቓውሞና እኳ እንተ ገለጽና: እተዋህቦ ትእዛዝ ይፍጽም ጥራይ ከም ዘሎ ነገረና። ካልኦት ተመሳሳሊ ነገር ከይገብሩ ኻብ ምምናይ ሓሊፍና: ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣይነበረን።

ኣብ መወዳእታ: ክንከይድ ተፈቕደልና: ክንጐዓዝ ድማ ጀመርና። ኣነን ብጻየይን እፎይ በልና። ሕማቕ ኵነታት እኳ እንተ ነበረ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መፈተሺ ነቝጣ ዜጋጥም ዜበሳጩ ተግባራት ግን ለሚድናዮ ኢና። ካብ ሚያዝያ 2002 ክሳዕ ጥሪ 2004 ኣብ ዝነበረ እዋን: ካብታ ኣብ ካመሩን እትርከብ ወደብ ዱዋላ ናብታ ርእሲ ኸተማ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝዀነት ባንጒ 18 ሳዕ ተመላሊስና ኢና። እቲ 1,600 ኪሎ ሜተር ዚወስድ ጕዕዞ ወትሩ ሓደጋታትን ሃንደበታዊ ነገራትን ዝመልኦ እዩ። a

እቶም ኣዘውቲሮም በዚ ዚመላለሱ ጆሴፍን ኢማንወልን ከምዚ በሉ:- “እዚ ጕዕዞታት እዚ ብዙሕ ትምህርቲ እዩ ምሂሩና። ደጋጊምካ ብልብኻ ምጽላይን ህድእ ምባልን ጥበባዊ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን: ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧’ ኢሉ ጸሓፈ። ንሕና እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኢና እንጽዕር። ጕዕዞና ነቲ ልዑል ኣድላይነት ዘለዎ መልእኽቲ ተስፋ ንኸነብጽሕ ምዃኑ የሆዋ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጥ ርግጸኛታት ኢና።”—መዝሙር 56:11

መንፈሳዊ ምግቢ ንምብጻሕ ዚግበር ኣህጉራዊ ጻዕሪ

ኣብዚ ኽፋል ኣፍሪቃ ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስማዕ የሐጕሶም እዩ። እቲ እነብጽሓሎም ጽሑፋት ነቲ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት ዜማልእ እዩ። (ማቴዎስ 5:3፣ 24:14) እቲ ኣብ ዱዋላ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካመሩን ኣብ ካመሩንን ኣብ ኣርባዕተ ጐረባብቲ ሃገራትን ንዚርከቡ ልዕሊ 30,000 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽን ተገደስትን ጽሑፋት ብስሩዕ የቕርብ እዩ።

እዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ካመሩን ንኺብጽሕ ጥራይ ነዊሕ እዩ ዚጐዓዝ። መብዛሕትኡ ኣብ ስጳኛ: ኢጣልያ: ዓዲ እንግሊዝ: ጀርመን: ከምኡውን ፊንላንድ ይሕተም። ድሕሪኡ ብመርከብ ካብ ፈረንሳ ይለኣኽ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረት ጽሑፋት ዝሓዘ ኮንተይነር ናብ ወደብ ዱዋላ ይበጽሕ።

እቲ ኮንተይነር ኣብ ማኪና ጽዕነት ተጻዒኑ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይውሰድ። ኣብ ክፍሊ ምልኣኽ ዚዓዩ ሰራሕተኛታት ነቲ ጽሑፋት ብመሰረት እቲ ናይ መወዳእታ መዓርፎኡ ይሰርዕዎ። ነቲ ጽሑፋት ናብዚ ግሉል ቦታታት ምብጻሕ ቀሊል ኣይኰነን። እዚ ግን ሓደ ኻብቲ እቲ ብስራት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ዚበጽሓሉ መገዲ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) እቶም ነተን ማካይን ጽዕነት መሪሖም ሓደገኛ ጕዕዞ ዚገብሩ ሰባት: ኵሎም ጥቕሚ ርእሶም መስዋእቲ ዚገበሩ ወለንተኛታት እዮም። በዚ ኸምዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናብቶም ኣብ ማእከላይ ክፋል ኣፍሪቃ ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ብስሩዕ ይውሕዝ።

ሓደ ጕዕዞ

ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ: ኤኳቶርያዊ ጊኒ: ካመሩን: ጋቦን: ከምኡውን ናብ ጫድ ዚለኣኽ ጽሑፋት ብማካይን ጽዕነት እዩ ዚለኣኽ። ምስ ሓንቲ ኻብተን ማካይን ጽዕነትን መራሕታን ዝገበርናዮ ጕዕዞ እስከ ኸነዘንትወልኩም። ምስ መራሕቲ ማኪና ኾፍ ኢልካ: ዓሰርተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መዓልቲ ዚወስድ ዜስደምም ጕዕዞ ንምግባር ክትዳሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ።

ሽዱሽተ መራሕቲ ማኪና ኣብዛ ጕዕዞ እዚ ኺጐዓዙ እዮም። ብርቱዓት: ክኢላታት: ዕጉሳት: ከምኡውን ብግቡእ እተኸድኑ ኪዀኑ ኣለዎም። ክዳን ኣፍሪቃውያን ወይ ካምቻን ክራቫታን እዮም ዚኽደኑ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን: ሰራሕተኛታት ጉምሩኽ: “ነዘን ጽሩያት ማካይንን ብግቡእ እተኸድኑ መራሕተንን እሞ ርኣዩ: ከምቲ ኣብ ጽሑፋቶም ዚወጽእ ስእልታት እኮ እዮም” ኢሎም ተዛሪቦም እዮም። ካብቲ ትርኢት እቶም መራሕቲ ማኪና ንላዕሊ ግን: እቲ ንኻልኦት ንምግልጋል ናብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንምኻድ ዘለዎም ፍቓደኛነት እዩ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ።—መዝሙር 110:3

ካብቲ ኣብታ እናሰፍሐት እትኸይድ ዘላ ኸተማ ዱዋላ ዚርከባ ብዙሓት ማካይን ዚፈጥራኦ ጽበት መገዲ ንምምላጥ: ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ ጸሓይ ምስ በረቐት ካብ ዱዋላ ንቕሎ ይኸውን። በቲ ጥቓ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚርከብ ድልድል ድሕሪ ምስጋርናን ነታ ዕምርቲ ኸተማ ድሕሪ ምሕላፍናን: ናብታ ናይ መጀመርታ መዓርፎና: ማለት ናብታ ርእሲ ኸተማ ያዉንደ ገጽና ናብ ምብራቕ ክንጐዓዝ ንጅምር።

ኵሎም እቶም ሽዱሽተ መራሕቲ ማካይን ነቲ ዓሰርተ ቶን ዚምዘን መጻሕፍቲ እተጻዕነት ማኪና ጽዕነት ምምራሕ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኺነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልቲ ምሉእ ኣቓልቦን ኣትኵሮን ዜድሊ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ጕዕዞ ኣብ እተጸርገ መገዲ ስለ ዚግበር ግን ብዙሕ ጸገማት ኣየጋጠመን። ድሕሪኡ ብሃንደበት ብርቱዕ ዝናም ኣጋጠመና። ካብዚ ንንየው ዚህሉ መገዲ እተጸርገ ኣይኰነን። ማዕዶ ዘሎ ምርኣይ የጸግም: እቲ መገዲ ሸታሕታሕ የብል: ኵርኳሕ ስለ ዝዀነ እውን ቀስ ኢልና ኽንጐዓዝ ኣሎና። እዋን ዕራርቦ ቐረበ። እዚ እዋን እዚ ኸኣ ሓንሳእ ደው ኢልና ምግቢ እንምገበሉን ኣእጋርና ኣብቲ ቕድሜና ሰቒልና እንድቅሰሉን ግዜ እዩ። ኣብዚ ጕዕዞታት እዚ ህይወት ከምዚ ትመስል።

ንጽብሒቱ ኣንጊህና ተንሲእና ጕዕዞና ንቕጽል። ሓደ ኻብቶም መራሕቲ ማካይን ንዅነታት እቲ መገዲ ተጠንቂቑ እናረኣየ ይሕግዝ። ናብቲ ኣብ ደረት መገዲ ዘሎ መትረብ እንተ ቐሪብና: ብኡንብኡ መጠንቀቕታ ይህብ። እቶም መራሕቲ ማካይን ናብቲ መትረብ እንተ ኣትዮም: ካብኡ ንኺወጹ መዓልትታት ከም ዚወስደሎም ይፈልጡ እዮም። ናብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ምስ ኣተና እውን ኵነታት እቲ መገድታት ብዙሕ ኣይመሓየሽን እዩ። ንዚቕጽል 650 ኪሎ ሜተር ብምልኩዕ ኵድዅዶታት ዝበዝሖ ለምለም ገጠራት ኢና እንጐዓዝ። ቈልዑን ኣረጋውያንን ሕጻናት ዝሓዘላ ኣዴታትን በቲ ኣቝሻቶም ክንሓልፍ ከለና ብኣእዳዎም ሰላም ይብሉና። ኣብቲ ኸባቢ ህውከት ስለ ዘሎ: በቲ መገዲ ብዙሓት ማካይን ኣይሓልፋን እየን: ስለዚ ሰባት ብምግራም ይጥምቱና።

ዜሐጕስ ተመክሮታት

ሓደ ኻብቶም መራሕቲ ማኪና ዝዀነ ጃንቭየር: ንኼዕርፉ ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ዘይብሎም: ቍሩብ ንኼዕርፉን ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንኼበርክቱን ብዙሕ ግዜ ኣብ ንኣሽቱ ኣቝሻት ከም ዜዕርፉ ነገረና። ከምዚ ኢሉ ድማ ተዘክሮኡ ገለጸ:- “ኣብ ባቡዋ ንሓደ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሓያል ተገዳስነት ዘርኣየ ኣብ ሆስፒታል ዚዓዪ ሰብኣይ ወትሩ ኸነዘራርቦ ንፍትን ነበርና: ሓጺር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንመርሓሉ ኢና። ሓደ መዓልቲ እሞ ኸኣ ብዛዕባ ኖህ እትገልጽ ቪድዮ ካሴት ንዕኡን ንስድራቤቱን ከነርእዮም ጀመርና። ሽዑ ፈተውቱን ጐረባብቱን መጹ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ቤቱ ብህንጡያት ተዓዘብቲ መልአት። ኵሎም ብዛዕባ ኖህ ሰሚዖም ነይሮም: ሽዑ ግን ነቲ ታሪኹ ኣብ ተለቪዥን ርኣይዎ። እቲ ዘርኣይዎ ሞሳ ልብና እዩ ተንኪፉና። ድሕሪኡ ምስጋናኦም ንምግላጽ ፍሉይ ምግቢ ኣዳለዉልና: ምሳታቶም ክንሓድር ድማ ለመኑና። ብኡንብኡ ኽንነቅልን ነዊሕ ጕዕዞና ኽንቅጽልን ነበረና: እቲ ብስራት ነቶም ትሑታት ሰባት ከነካፍሎም ምኽኣልና ግን ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱና።”

እስራኤል ዚበሃል ካልእ መራሕ ማኪና ኣብ ካልእ ግዜ ናብታ መዓርፎና ባንጒ ኪኸይድ ከሎ ዘጋጠሞ ነገር ዘከረ። “ናብ ባንጒ እናቐረብና ምስ ከድና: ዝያዳ መፈተሺ ነቝጣታት ኣጋጠመና። ሓያሎ ወተሃደራት ምቕሉላት ነበሩ: ነታ ማኪናና ኸኣ ዘከርዋ። ምሳታቶም ኮፍ ክንብል ዓደሙና: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከኣ ተሓጒሶም ተቐበሉ። ንመጽሓፍ ዓብዪ ኣኽብሮት እዩ ዘለዎም: ስለዚ ኣብታ መጽሓፍ ስሞምን ዕለትን ስም ዝሃቦም ሰብን ይጽሕፉ እዮም። ገሊኦም ወተሃደራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝማድ ኣለውዎም: ምቕሉላት ዝዀኑሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ።”

እቲ ኻብ ኵሎም ንላዕሊ ምኩር መራሕ ማኪና ዝዀነ ጆሴፍ: እቲ ኣብቲ ጕዕዞታት ልዕሊ ዅሉ ባህ ዜብል ነገር ኣብ መዓርፎኦም ኪበጽሑ ኸለዉ ምዃኑ ገለጸ። ብዛዕባ ሓደ ጕዕዞ ኣመልኪቱ ኸምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ገለጸ:- “ናብ ባንጒ ኽንበጽሕ ሒደት ኪሎ ሜተራት ምስ ተረፈና: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም እንበጽሕ ንኣሕዋት ንኽንሕብሮም ተሌፎን ደወልናሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ናይ መወዳእታ ዜድሊ ሰነዳት ንኸነማልእ ሓጊዞም ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝገበርናዮ ጕዕዞ ኣሰነዩና። ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምስ በጻሕና ዅሎም ኣብኡ ዚዓዩ ኻብ ዝነበርዎ ወጺኦም ሓቚፎም ሰላም በሉና። ካብታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ሓገዝቲ መጹ: ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ከኣ መጽሓፍ ቅዱሳት: መጻሕፍቲ: ከምኡውን መጽሔታት ዝሓዘ ብኣማእታት ዚቝጸር ካርቶናት ተራጊፉ ኣብቲ መኽዘን ተኸዘነ።”

ኣስዕብ ኣቢሉ “ሓድሓደ ግዜ ናብታ ጐረቤት ዝዀነት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እተላእከ ብወፈያ እተዋህበ ኽዳውንቲ: ጫማታት: ከምኡውን ንቘልዑ ዜድሊ ነገራት ሒዝና ንኸይድ ኢና። ፍሽኽታ እቶም መመስገንቲ ኣሕዋት ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!” በለ።

ንሓንቲ መዓልቲ ድሕሪ ምዕራፍና ማካይንና ኣዳሊና በቲ ዝመጻእናዮ ተመለስና። ጸገማት ይጽበየና እኳ እንተሎ: እቲ ዝረኸብናዮ ዜዕግብ ተመክሮ ግን ንዝዀነ ይኹን ጸገም ዚኽሕስ እዩ።

ነዊሕ ጕዕዞ: ብርቱዕ ዝናም: ሕማቕ መገዲ: ምንፋስ ጎማ: ከምኡውን ምብልሻው ማኪና ዜበሳጩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስርዓት ዘይብሎም ወተሃደራት ኵሉ ሳዕ ሽግር ይፈጥሩ እዮም። ኰይኑ ግን: ነዞም መራሕቲ ማካይን እዚኣቶም: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ግሉል ክፍልታት ኣፍሪቃ ኻብ ምብጻሕን እዚ ኣብ ህይወት ሰባት ዘለዎ ጽልዋ ኻብ ምርኣይን ዚዓቢ ዕግበት ኬምጽኣሎም ዚኽእል የልቦን።

ንኣብነት: ሳላ እዚ ምብጽጻሓት እዚ: ሓደ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ጥቓ ዶብ ሱዳን ዚርከብ ነባሪ ሓንቲ ግልልቲ ቝሸት: ዘመናዊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ክኢሉ ኣሎ። ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ቕዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ኸተጽንዕ: ደቁ ኸኣ ካብታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ b ኪጥቀሙ ኽኢሎም ኣለዉ። እዞም ኣብ ገጠራት ዚርከቡ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤትን ብዙሓት ካልኦትን ከምቶም ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዘለዉ ክርስትያናት ኣሕዋቶም መንፈሳዊ ምግቢ ይረኽቡ ኣለዉ። እዚ ብሓቂ ዓብዪ ዕግበት የምጽእ እዩ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ጸጥታዊ ዅነታት እቲ ንዱዋላን ባንጒን ዜራኽብ መገዲ ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ካመሩን

ዱዋላ

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ

ባንጒ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጆሴፍ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኢማንወል

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ባንጒ ዚርከብ ጨንፈር ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ባንጒ ጽዕነት ኬራግፉ ኸለዉ