ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ውሽጥኻ ዚነግረካ ስምዓዮ

ነቲ ውሽጥኻ ዚነግረካ ስምዓዮ

ነቲ ውሽጥኻ ዚነግረካ ስምዓዮ

“እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: . . . ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም [ይገብርዎ]።”—ሮሜ 2:14

1, 2. (ሀ) ብዙሓት ንኻልኦት ሓልዮት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት እዩ ሰባት ንኻልኦት ከም ዚሓልዩ ዜርኢ፧

 ሓደ ወዲ 20 ዓመት በጽሒ ኣብቲ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ መደበር ባቡር ከሎ: ውኖኡ ኣጥፊኡ ናብቲ መገዲ ባቡር ወደቐ። ሓደ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ሰብኣይ ነዚ ምስ ረኣየ: ንኽልተ ኣዋልዱ ሓዲጉ ናብቲ መገዲ ባቡር ዘሊሉ ኣተወ። ነቲ ሕማም ባርያ ዘለዎ በጽሒ ናብቲ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ መገዲ ባቡር ዚርከብ ዝጐድጐደ ቦታ ድሕሪ ምእታው: ካብታ ኣብ ልዕሊኦም ሕጭጭ እናበለት ደው እትብል ዝነበረት ባቡር ንምዕቋብ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ። ገሊኦም ነቲ ኻብ ሓደጋ ዘድሓነ ሰብ ጅግና ይብልዎ ይዀኑ: ንሱ ግን: “ቅኑዕ ክትገብር ኣሎካ። ብሕያውነት ተደሪኸ እየ ገይረዮ። ተፈላጥነት ወይ ክብሪ ንምርካብ ኣይኰነን” በለ።

2 ንኻልኦት ኪሕግዝ ኢሉ ንርእሱ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ሰብ ትፈልጥ ትኸውን። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዙሓት ሰባት ንዘይፈልጥዎም ብምሕባእ ከምኡ ገይሮም እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስን 257 ካልኦት ሰባትን ኣብታ ጥቓ ሲስሊ እትርከብ መሊጠ መርከብ ምስ ተሰብረቶም ዘሕለፍዎ ተመክሮ እሞ ዘክሮ። እቶም ደቂ እታ ዓዲ ነቶም ጓኖት ሓገዝዎም: ‘ኣዝዮም ከኣ ደንገጹሎም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 27:27–28:2) እታ እስራኤላዊት ጓል እውን ህይወታ እኳ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ኺበሃል ዚከኣል እንተ ዘይኰነ: ንሓደ ኻብቶም ማረኽታ ዝዀነ ሶርያዊ ግን ሓልዮት ገይራትሉ እያ። (2 ነገስት 5:1-4) ነቲ የሱስ ዘዘንተዎ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ምሳሌ እውን ሕስብ ኣብለሉ። ሓደ ኻህንን ሓደ ሌዋውን ነቲ ኣብ ኣፍ ሞት ዝነበረ ኣይሁዳዊ ብጻዮም ረጊጾምዎ ኪኸዱ ኸለዉ: ሓደ ሳምራዊ ግን ንኺሕግዞ ብዙሕ ጻዕሪ ገበረ። እዛ ምሳሌ እዚኣ ንሓያሎ ዘመናት ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ንዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ልቦም ተንኪፋቶም እያ።—ሉቃስ 10:29-37

3, 4. ኬር ምግባር ኣብ ኵሉ ዘስፋሕፍሐ ምዃኑ: ብዛዕባ ኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀት እንታይ ይሕብረና፧

3 ልክዕ እዩ: ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና እንነብር ዘሎና፣ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት “ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ” ዀይኖም ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-3) ግናኸ ሰናይ ተግባር ተዓዚብና: ምናልባት እውን ካብቲ ሰናይ ተጠቀምቲ ዄንናዶ ኣይንፈልጥን ኢና፧ መስዋእቲ ኸፊልካ እውን ከይተረፈ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ ዝንባለ ኣዝዩ ልሙድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ገሊኦም ነዚ ተግባር እዚ “ሰብኣውነት” ኢሎም ይጽውዕዎ።

4 መስዋእቲ ኸፊልካ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ፍቓደኛ ምዃን ኣብ ኵሉ ዓሌታትን ባህልታትን ይርከብ: ነቲ ሰብ ንናቱ ዘበሉ ጥራይ ከም ዚሓሊ ዚገልጽ ኣተሓሳስባ ፍልቀት ድማ ዜፍርስ እዩ። ሕ.መ.ኣ. ምስጢር ዲ.ኤን.ኤ. ንምፍታሕ ኣብ ዝገበረቶ ጻዕሪ መራሒ ዝነበረ ብዛዕባ ጂን መጽናዕቲ ዚገብር ፍራንሲስ ሰለርስ ኮሊንስ ዚበሃል ክኢላ: “ኬር ምግባር ንፍልቀታውያን ዓብዪ ብድሆ እዩ ዝዀኖም። . . . ናይ ርእስና ጂን ንምዕቃብ ድራኸ ኣሎና ዚብልዎ ኣምር ነዚ ኺገልጾ ኣይክእልን እዩ” በለ። ብተወሳኺ እውን ከምዚ በለ:- “ገሊኦም ሰባት ካብ ጕጅለኦም ወጻኢ ንዝዀኑን ሓባራዊ ዜራኽቦም ንዘይብሎሞን ሰባት ርእሶም መስዋእቲ ይገብሩ። . . . ሞደል ዳርዊን ነዚ ዚገልጾ ኣይመስልን እዩ።”

‘ሕልናና ይነግረና’

5. ብዙሕ ግዜ ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚርኣዩ፧

5 ዶ/ር ኮሊንስ ሓደ ኻብቲ ኼር እንገብረሉ መዳይ ኪሕብር ከሎ: “ዋላ ሓንቲ ውሬታ እኳ እንተ ዘይተኸፍለና: ሕልናና ንኻልኦት ንኽንሕግዝ ይነግረና” በለ። a እዚ ሰብ እዚ ን“ሕልና” ምጥቃሱ: ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ዘጕልሖ ነገር የዘኻኽረና:- “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም።”—ሮሜ 2:14, 15

6. ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ተሓተትቲ ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

6 ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ህላወን ባህርያትን ኣምላኽ ብዚርአ ነገራት ንጹር ኰይኑ ስለ ዘሎ: ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ምዃኖም ኣርእዩ ኣሎ። እዚ “ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ” ዝዀነ እዩ። (ሮሜ 1:18-20፣ መዝሙር 19:1-4) ብዙሓት ንፈጣሪኦም ግዲ ኸም ዘይብሎምን ብልሹው መገዲ ኸም ዚስዕቡን ዚከሓድ ኣይኰነን። ግናኸ ኣምላኽ ንሰባት ጽድቁ ኣፍልጦ ኺህቡሉን ካብ ሕማቕ ተግባራቶም ኪንስሑን እዩ ዚደልዮም። (ሮሜ 1:22–2:6) ኣይሁድ ከምኡ ንኺገብሩ ሓያል ምኽንያት ነበሮም፣ እወ: ብሙሴ ኣቢልካ ሕጊ ኣምላኽ ተዋሂብዎም ነበረ። እቶም “ቃል ኣምላኽ” ዘይተዋህቦም ህዝብታት እውን ከይተረፉ: ኣምላኽ ከም ዘሎ ኺኣምኑ ነበሮም።—ሮሜ 2:8-13፣ 3:2

7, 8. ፍትሒ ናይ ምድላይ ስምዒት ክሳዕ ክንደይ እዩ ልሙድ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዚሕብር፧

7 ኵሎም ሰባት ንህላወ ኣምላኽ ኪኣምኑን ምስኡ ተሰማሚዖም ኪመላለሱን ዚግብኣሉ ሓያል ምኽንያት: እቲ ቕኑዕን ጌጋን ዚፈሊ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ስምዒት እዩ። ፍትሒ እንደሊ ምዃንና: ሕልና ኸም ዘሎና ዚሕብር እዩ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ:- ገሊኦም ቈልዑ ሰለል እናበሉ ንኺጻወቱ ተራ ይጽበዩ ኣለዉ ንበል። ድሕሪኡ ሓደ ቘልዓ ነቶም ዚጽበዩ ዝነበሩ ዕሽሽ ኢሉ ኣብ ቅድሚት ኪኣቱ ይፍትን። ብዙሓት ‘ኣይትቐሽሽ!’ ይብሉ። ‘ብዙሓት ቈልዑ ብኡንብኡ ፍትሒ ኸም ዚደልዩ ኼርእዩ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ከምኡ ምግባሮም ነቲ ውሽጣዊ ስነ-ምግባራዊ ስምዒቶም ዜንጸባርቕ እዩ። ጳውሎስ: “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: . . . ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ” ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ ኣይንረስዕ። ሳሕቲ ኸም ዜጋጥም ንምጥቃስ: “እንተ ዚገብርዎስ” ኣይበለን። የግዳስ: ብዙሕ ግዜ ኸም ዜጋጥም ንምሕባር “ካብ” ዚብል ቃል ተጠቕመ። እዚ ድማ ሰባት “ብባህርዮም ተደሪኾም” ከም ዚገብሩ: ማለት ምስቲ ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ ንኺመላለሱ ውሽጣዊ ስነ-ምግባራዊ ስምዒቶም ድራኸ ኸም ዚገብረሎም የመልክት።

8 እዚ ስነ-ምግባራዊ ዝንባለ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይርአ እዩ። ሓደ ኣብ ካምብሪጅ ዚዓዪ ፕሮፌሰር: ባቢሎናውያን: ግብጻውያን: ግሪኻውያን: ከምኡውን ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብሩ ኣቦርጅናውያን ኰኑ ደቀባት ኣመሪካውያን ኣብ ዚስዕብዎ ስርዓታት: “ጭቈናን ቅትለትን ምትላልን ሓሶትን ተዀኒኑ: ንኣረጋውያንን ንንኣሽቱን ንድኹማትን ሕያውነት ኪገብር ትእዛዝ ተዋሂቡ” ኸም ዝነበረ ሓበረ። ዶ/ር ኮሊንስ ከኣ: “ቅኑዕን ጌጋን ዚብል ኣምር ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ዅሎም ኣባላት ዘርኢ ወድሰብ ዘሎ እዩ ዚመስል” ኢሉ ጸሓፈ። እዝስ ንሮሜ 2:14 ደይኰነን ዜዘኻኽረና፧

ሕልናኻ ብኸመይ ይዓዪ፧

9. ሕልና እንታይ እዩ፧ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድካኸ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

9 ሕልና ንተግባራትካ ዚምልከትን ዚግምግምን ውሽጣዊ ኽእለት ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ሓደ ተግባር ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምዃኑ ዚሕብር ውሽጥኻ ዚነግረካ ነገር ኪበሃል ይከኣል እዩ። ጳውሎስ ነዚ ነገር እዚ: “ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ አሎ” ኢሉ ጠቐሶ። (ሮሜ 9:1) ንኣብነት: ሓደ ንስነ-ምግባር ዚምልከት ነገር ክትገብር ክትሓስብ ከለኻ: ሕልናኻ ኣቐዲሙ ኺዛረብ ይኽእል እዩ። ሕልናኻ ነቲ ኣብ መጻኢ እትገብሮ ገምጊሙ: እንተ ጌርካዮ ኸመይ ከም ዚስምዓካ ሓሳብ ኪህበካ ይኽእል እዩ።

10. ሕልናና መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧

10 መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሕልናኻ ሓደ ነገር ድሕሪ ምግባርካ እዩ ዚዛረብ። ዳዊት ካብ ንጉስ ሳኦል ኪሃድም ከሎ: ነቲ ኣምላኽ ዝቐብኦ ንጉስ ዜሕስር ነገር ኪገብር ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ረኸበ: ከምኡ ድማ ገበረ። ድሕሪኡ: “ንዳዊት ልቡ ወቕዖ።” (1 ሳሙኤል 24:2-6፣ መዝሙር 32:3, 5) እታ “ሕልና” እትብል ቃል ኣብዚ ጸብጻብ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰት: ዳዊት እተሰምዖ ነገር ግን ሕልናኡ ዝበሎ ነገር እዩ። ኵላትና ብተመሳሳሊ ሕልናና ዚወግኣና እዋን ተሰሚዑና ይፈልጥ እዩ። ሓደ ነገር ድሕሪ ምግባርና: በቲ ዝገበርናዮ ንርበሽ ወይ ንርበጽ። ገሊኦም ዚግብኦም ግብሪ ዘይኸፈሉ ሰባት ሕልናኦም ኣጸቢቑ ስለ ዘሳቐዮም: ጸኒሖም ዕዳኦም ከፊሎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ከም ዝዘመዉ ንመጻምድቶም ኪናዘዙ ተደሪኾም እዮም። (እብራውያን 13:4) ኰይኑ ግን: ሓደ ሰብ ምስ ሕልናኡ ተሰማሚዑ ምስ ዚኸይድ: ዕግበትን ሰላምን ኪረክብ ይኽእል እዩ።

11. ‘ሕልናና ጥራይ ከም ዚመርሓና’ ምግባር ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

11 ስለዚ ‘ሕልናና ጥራይ ከም ዚመርሓና’ ኽንገብር ንኽእል ዲና፧ ንሕልናና ምስማዕ ጽቡቕ እኳ እንተ ዀነ: መልእኽቱ ግን ኬጋግየና ዚኽእለሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። እወ: እቲ “ውሽጥና” ዚነግረና ነገር ኬጋግየና ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:16, 17) ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እስጢፋኖስ ዚበሃል ውፉይ ሰዓቢ ክርስቶስ ኪገልጽ ከሎ: “ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ” ይብል። ገሊኦም ኣይሁድ ንእስጢፋኖስ ናብ ወጻኢ የሩሳሌም ወሲዶም ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ሳውል (ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዀነ) ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ: “ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ።” እቶም ኣይሁድ ግቡእ ይገብሩ ዘለዉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም ሕልናኦም ኣይረበሾምን። ሳውል እውን ከምኡ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ድሕሪኡ “ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ።” ሕልናኡ ብቕኑዕ ይዛረቦ ኸም ዘይነበረ ንጹር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 6:8፣ 7:57–8:1፣ 9:1

12. ሕልናኻ ተጸልዩሉ ኪኸውን ዚኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

12 ንሕልና ሳውል ኪጸልዎ ዝኸኣለ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ሓደ ጽልዋ ዝገበረሉ ምስ ካልኦት ዝነበሮ ጥብቂ ርክብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትና ምስ ሓደ ናይ ኣቦኡ ዚመስል ድምጺ ዘለዎ ሰብኣይ ብተሌፎን ተዘራሪብና ንኸውን ኢና። ብእተወሰነ ደረጃ ቓና ድምጹ ኻብ ወለዱ ዝወረሶ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ብኣዘራርባ ኣቦኡ እውን ተጸልዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ: ሳውል በቲ ምስቶም ንየሱስ ዚጸልእዎን ንትምህርትታቱ ዚጻርሩን ኣይሁድ ዝነበሮ ጥብቂ ርክብ ተጸልዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 11:47-50፣ 18:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:27, 28, 33) እወ: ምስ ሳውል ዚቀራረቡ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ውሽጡ ዚነግሮ ነገር: ማለት ንሕልናኡ ጸልዮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

13. ከባቢ ንሕልና ሓደ ሰብ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

13 ከምቲ ሓደ ሰብ ዝዓበየሉ ኸባቢ ንኣዘራርባኡ ወይ ላህጃኡ ዚጸልዎ: ሕልና እውን ብባህሊ ወይ በቲ እትነብረሉ ኸባቢ ኪቕረጽ ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 26:73) ጥንታውያን ኣሶራውያን ከምኡ ኣጋጢምዎም ኪኸውን ኣለዎ። ብወተሃደራዊ ሓይሎም ፍሉጣት ነበሩ: እቲ ዝሓደግዎ ቕርጽታት ድማ ንምሩኻቶም ኬሳቕዩ ኸለዉ ዜርኢ እዩ። (ናሆም 2:11, 12፣ 3:1) እቶም ብግዜ ዮናስ ዝነበሩ ሰብ ነነዌ “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ብዓይኒ ኣምላኽ ግቡእ ወይ ዘይግቡእ እንታይ ምዃኑ ንምግምጋም ዚሕግዝ ቅኑዕ መለክዒ ኣይነበሮምን ማለት እዩ። እቲ ሃዋህው ንሕልና ሓደ ኣብ ነነዌ ዝዓበየ ሰብ ከመይ ከም ዚጸልዎ እሞ ሕስብ ኣብሎ! (ዮናስ 3:4, 5፣ 4:11) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ሕልና ሓደ ሰብ ብኣረኣእያ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ኪጽሎ ይኽእል እዩ።

ነቲ ውሽጥኻ ዚነግረካ ምምሕያሹ

14. ሕልናና ነቲ ዘፍጥረት 1:27 እትብሎ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

14 የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ሕልና ሂብዎም እዩ: ንሕና ኸኣ ሕልናና ኻባታቶም ኢና ወሪስናዮ። ዘፍጥረት 1:27 ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ ከም እተፈጥሩ ትሕብር። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ኣካላዊ ቕርጽና ኸም ናይ ኣምላኽ እዩ ማለት ኣይኰነን። ከመይሲ: ኣምላኽ መንፈስ ኪኸውን ከሎ: ንሕና ስጋ ኢና። ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢርና ኺበሃል ከሎ: ኣብ ውሽጥና ባህርያቱ ኣሎና ማለት እዩ: እዚ ድማ ነቲ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ዚመሚ ሕልና ዜጠቓልል እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ንሕልናና እነደልድለሉን ዝያዳ ዜተኣማምን እንገብረሉን ሓደ መገዲ ይሕብረና። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ፈጣሪ ብዙሕ ምፍላጥን ናብኡ ብዝያዳ ምቕራብን እዩ።

15. ንኣቦና ብምፍላጥና ኽንጥቀመሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

15 የሆዋ ኣቦ ዅልና ኺበሃል ከም ዚከኣል መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (ኢሳይያስ 64:8) እቶም ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ኰኑ እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ኺነብሩ ተስፋ ዘለዎም እሙናት ክርስትያናት: ንኣምላኽ ኣቦና ኢሎም ኪጽውዕዎ ይኽእሉ እዮም። (ማቴዎስ 6:9) ወትሩ ናብ ኣቦና ብዝያዳ ኽንቀርብ: ብእኡ ኣቢልና ድማ ኣረኣእያኡን መለክዒታቱን ክንመሃር ንደሊ ኢና። (ያእቆብ 4:8) ብዙሓት ከምዚ ኺገብሩ ኣይደልዩን እዮም። ከምቶም የሱስ: “ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን። . . . ቃሉውን ኣይሐደረኩምን” ኢሉ ዝገለጾም ኣይሁድ እዮም። (ዮሃንስ 5:37, 38) ድምጺ ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ኣይሰማዕናን: ኰይኑ ግን ቃሉ ኺሓድረና: በዚ ኸምዚ ድማ ክንመስሎን ከም ናቱ ዓይነት ስምዒት ኪህልወናን ይኽእል እዩ።

16. ታሪኽ ዮሴፍ ንሕልናና ምስልጣኑን ምስማዑን ኣገዳሲ ምዃኑ ዜረድኣና ብኸመይ እዩ፧

16 እቲ ዮሴፍ ኣብ ቤት ጶጢፋር ዘሕለፎ ተመክሮ ዚገልጽ ዛንታ ነዚ ዜርኢ እዩ። ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ከተስሕቶ ፈተነት። ዮሴፍ ዋላ ሓደ ኻብ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘይተጻሕፈሉን እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ገና ኣብ ዘይተዋህባሉን እዋን እኳ ይነብር እንተ ነበረ: “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ መለሰላ። (ዘፍጥረት 39:9) ስድራቤቱ ኣብ ርሑቕ ቦታ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ: ከምኡ ዝገበረ ንዓታቶም ንምሕጓስ ኣይኰነን። ብቐዳምነት ንኣምላኽ እዩ ኼሐጕስ ደልዩ። ዮሴፍ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዘለዎ ስርዓት: ማለት ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ” ስለ ዝዀኑ: ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ከም ዚግባእ ይፈልጥ ነበረ። ርብቃ ድሮ ኸም እተመርዓወት ኣቢሜሌክ ምስ ሰምዐ ኸመይ ከም እተሰምዖ: እንተ ዚወስዳ ነይሩ ኸኣ ኣብ ህዝቡ በደል ዜምጽእ ምንባሩ: ዮሴፍ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ነቲ ውጽኢት ብምብራኽ: ብዛዕባ ዝሙት ዘለዎ ኣርኣእያ ገሊጹ እዩ። ዮሴፍ ነዚ ዅሉ ምፍላጡ ነቲ ዝወረሶ ሕልናኡ ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ: እዚ ድማ ካብ ጾታዊ ርኽሰት ንኺርሕቕ ደረኾ።—ዘፍጥረት 2:24፣ 12:17-19፣ 20:1-18፣ 26:7-14

17. ንኣቦና ብምምሳል ዝመጸ: ካብ ናይ ዮሴፍ ኣብ ዚሓይሽ ኵነታት ኣሎና ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

17 ልክዕ እዩ: ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ዅነታት ኢና ዘሎና። ብዛዕባ ሓሳብን ስምዒትን ኣቦና: እንተላይ ዚፈቕዶን ዚኽልክሎን ነገራት ክንፈልጠሉ እንኽእል ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝያዳ ብዝፈለጥናዮ መጠን: ብዝያዳ ንኣምላኽ ንቐርቦን ንመስሎን ኢና። ከምኡ ኽንገብር ከለና: ሕልናና ዚነግረና ነገር ናብ ሓሳባት ኣቦና እናቐረበ ይኸይድ። ብኻልእ ኣበሃህላ ምስ ፍቓዱ ብዝያዳ ዚሰማማዕ ይኸውን።—ኤፌሶን 5:1-5

18. ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጽልዋ ዝገበረልና ብዘየገድስ: ንሕልናና ዝያዳ ዜተኣማምን ንምግባር እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

18 ከባቢና ንሕልናና ብዛዕባ ምቕራጽ ዚምልከትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ብኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣዝማድና ዀነ በቲ ዝዓበናሉ ኸባቢ ተጸሊና ኽንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ: እቲ ሕልናና ዚነግረና ነገር ኪቐንን ወይ ኪዕበስ ይኽእል እዩ። ኣረኣእያ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ኻልኦት ሰባት ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሕሉፍ ኵነታትና ኽንቅይሮ ኸም ዘይንኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግን: ንሕልናና ብጽቡቕ መገዲ ኺጸልዉ ዚኽእሉ ኣዕሩኽን ከባብን ክንመርጽ ንኽእል ኢና። ምስቶም ንነዊሕ እዋን ንኣቦኦም ኪመስሉ ዚጽዕሩ ዝጸንሑ ውፉያት ክርስትያናት ኣዘውቲርካ ምቅርራብ ሓደ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። ኣኼባታት ጉባኤ: እንተላይ እቲ ቕድሚ ኣኼባን ድሕሪኡን እንገብሮ ምቅርራብ: ነዚ ብሉጽ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። ነቲ ክርስትያናት ብጾትና ዘለዎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣተሓሳስባ ኸምኡውን ሕልናኦም ኣመለኻኽታን መገድታትን ኣምላኽ ኪነግሮም ከሎ ንኺስምዑ ኽሳዕ ክንደይ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ምስ ግዜ ሕልናና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሰማሚዕና መልክዕ ኣምላኽ ብዝያዳ ኸነንጸባርቕ ንኽንክእል ኪሕግዘና እዩ። ውሽጥና ዚነግረና ነገር ምስ ስርዓታት ኣቦና ኸም ዚሰማማዕን ብክርስትያናት ብጾትና ንጽቡቕ ከም ዚጽሎን እንተ ጌርና: ሕልናና ዝያዳ ዜተኣማምን ይኸውን: ንሕና እውን ነቲ ዚነግረና ንኽንሰምዕ ዝያዳ ድሉዋት ንኸውን።—ኢሳይያስ 30:21

19. እንታይ መዳያት ሕልና እዩ ገና ቘላሕታ ኽንህቦ ዚግባእ፧

19 ገሊኦም ግን ሕጂ እውን እንተ ዀነ መዓልታዊ ንሕልናኦም ንምስማዕ ይቃለሱ እዮም። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ገለ ኻብቲ ንክርስትያናት ዜጋጥሞም ኵነታት ክትገልጽ እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብምምርማር: ሕልና ዘለዎ ግደ: ሕልና እተፈላለዩ ሰባት ስለምንታይ ከም ዚፈላለ: ከምኡውን ነቲ ውሽጥና ዚነግረና ብኸመይ ዝያዳ ኽንሰምዖ ኸም እንኽእል ብዝነጸረ ኺርድኣና እዩ።—እብራውያን 6:11, 12.

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስነ-ኰዀብ ኰይኑ ዚዓዪ ኦወን ጊንገሪች: “ኬር ናይ ምግባር ባህርይ . . . ንመንግስቲ እንስሳ ብምዕዛብ ስነ-ፍልጠታዊ መልሲ ኺርከበሉ ዘይከኣል ሕቶ ኼበግስ ይኽእል እዩ። እቲ ዝያዳ ዜእምን መልሲ ኣብ ካልእ ዓውዲ ይርከብ ይኸውን: ምስቲ ንሕልና ዜጠቓልል ኣምላኽ ዝሃበና ሰብኣዊ ባህርያት ዚተሓሓዝ ድማ ኪኸውን ይኽእል እዩ” በለ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• እቲ ቕኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ዚሕግዝ ስምዒት ወይ ሕልና: ኣብ ኵሉ ባህልታት ዚርከብ ስለምንታይ እዩ፧

• ሕልናና ጥራይ ከም ዚመርሓና ኸይንገብር ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ውሽጥና ዚነግረና ነገር ከም ዚመሓየሽ ክንገብረሉ እንኽእል ገሊኡ መገድታት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንዳዊት ሕልናኡ ወግኦ . . .

ንሳውል ብዓል ጠርሴስ ግን ሕልናኡ ኣይረበሾን

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ንሕልናና ኸነሰልጥኖ ንኽእል ኢና