ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ ዜደንቕ ቈራጽነቱ ኣድኒቐዮ”

“ነቲ ዜደንቕ ቈራጽነቱ ኣድኒቐዮ”

“ነቲ ዜደንቕ ቈራጽነቱ ኣድኒቐዮ”

ሓደ ጉንተር ግራስ ዝስሙ ጀርመናዊ ደራስን ብ1999 ብስነ-ጽሑፍ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤልን: ብ2006 ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱ እትገልጽ መጽሓፍ ኣሕቲሙ ነበረ። ኣብታ መጽሓፍ: ኣባል ሲቭላዊ ምክልኻል ጀርመን ኰይኑ ብዛዕባ እተኸትበሉ እዋን ገለጸ። ብዛዕባ እቲ ንልዕሊ 60 ዓመት ጦብላሕታ ዝሓደገሉ ሰብኣይ እውን ጽሒፉ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ: መስጐጕቲ እናወረዶ ኽነሱ: ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ደው ዝበለ እዩ ነይሩ።

ግራስ ኣብታ መዓልታዊ እትሕተም ፍራንክፈርተር ኣልገመይን ዘይቱንግ ዘርእስታ ጋዜጣ ተሓቲሙ ኣብ ዝወጸ ቓለ-መጠይቕ: ብዛዕባ እዚ ኣጽዋር ምሓዝ ዝኣበየ ዜደንቕ ሰብኣይ ተዛሪቡ ነበረ። “ነቲ ሽዑ ኣብ ኵሉ ዚርከብ ዝነበረ ስነ-ሓሳብ ፈጺሙ ኣይደገፎን፣ ናዚ: ኮምዩኒስት: ወይ ከኣ ሶሻሊስት እውን ኣይነበረን። ሓደ ኻብ ናይ መሰኻኽር እዩ ነይሩ” በለ። ግራስ ንስሙ ስለ ዘይዘከሮ ድማ: ከምኡ-ኣይንገብርን-ኢና ኢሉ ሰመዮ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እዚ ሰብኣይ እዚ ዮኣኪም ኣልፈርማን ምዃኑ ፈለጡ። ኣልፈርማን ብተደጋጋሚ ተቐጥቂጡን ተዋሪዱን እዩ: ድሕርዚ ድማ ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተኣስረ። ንሱ ግን ኣጽዋር ምሓዝ ብምእባይ ካብ መትከሉ ፈልከት ኣይበለን።

ግራስ “ነቲ ዜደንቕ ቈራጽነቱ ኣድኒቐዮ እየ። ንርእሰይ ድማ ‘ከመይ ገይሩ እዩ ነዚ ዅሉ ነገራት ኪዋጽኣሉን ኪጾሮን ክኢሉ፧’ ኢለ ሓተትክዋ” በለ። ንነዊሕ እዋን ነቲ ኣልፈርማን ንኣምላኽ ዝነበሮ ንጽህና ንምብልሻው ጻዕሪ ድሕሪ ምግባሮም: ኣብ ለካቲት 1944 ናብቲ መዳጐኒ ደምበ ሽቱትሆፍ ለኣኽዎ። ኣብ ሚያዝያ 1945 ሓራ ብምውጻእ ካብቲ ውግእ ደሓነ: ክሳዕ ብ1998 ዚመውት ድማ እሙን ምስክር የሆዋ ነበረ።

ኣልፈርማን ሓደ ኻብቶም ኣብ ጀርመን ይኹን ኣብተን ብናዚ ተታሒዘን ዝነበራ ዓድታት ብምኽንያት እምነቶም ዜስካሕክሕ መከራ ዝወረዶም ኣስታት 13,400 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ነይሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም: ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ብምዃንን ኣጽዋር ብዘይ ምሓዝን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ሰዓቡ። (ማቴዎስ 26:52፣ ዮሃንስ 18:36) ኣስታት 4,200 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተኣሲሮም ነበሩ: ገለ 1,490 ዝዀኑ ድማ ህይወቶም ጠፍአ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ: እቲ መትከሎም ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይኰኑ ንጽንዓቶም ግን ዜድንቑ ሰባት ይትንክፎም እዩ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ዮኣኪም ኣልፈርማን