ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብቲ ብርሃን ኪድ

ናብቲ ብርሃን ኪድ

ናብቲ ብርሃን ኪድ

ግምቢ መብራህቲ ህይወት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣድሒኑ እዩ። ሓደ ዝደኸመ ተጓዓዛይ ካብ ማዕዶ ዚርእዮ መብራህቲ ግን: ካብ ሓደገኛ ኣኻውሕ ጥራይ ኣይኰነን ዜጠንቅቖ። ናብ መዓርፎኡ ኸም ዝቐረበ እውን ይሕብሮ እዩ። ብተመሳሳሊ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነታ ጸልማት ዝወረሳን ብመንፈሳዊ ሓደገኛ ዝዀነትን ዓለም ሓዲጎም: ናብ መወዳእታ እቲ ነዊሕ ጕዕዞኦም እዮም ዚቐርቡ ዘለዉ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ዘለዉ ደቅሰብ ብሓፈሻ: “ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም: ኪሀድእ ኣይክእልን እዩ እሞ: ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ” ተባሂሎም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 57:20) ህዝቢ ኣምላኽ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዮም ተኸቢቦም ዘለዉ። ኰይኑ ግን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ዜተኣማምን ብርሃን ገይሮም ዚርእይዎ ብሩህ ተስፋ ድሕነት ኣለዎም። (ሚክያስ 7:8) ሳላ የሆዋን ሳላ እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን: “ብርሃን ንጻድቃን: ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።”—መዝሙር 97:11 a

ገሊኦም ክርስትያናት ግን ካብቲ ብርሃን የሆዋ ናብ ካልእ ስለ ዘላገሱ: ናይ እምነት መርከቦም ብሰንኪ እቲ ምስ ኣኻውሕ ከነመሳስሎ እንኽእል ፍቕረ-ንዋይ: ርኽሰት: ወይ ክሕደት ተሰቢራ እያ። እወ: ሎሚ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ “ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ።” (1 ጢሞቴዎስ 1:19፣ 2 ጴጥሮስ 2:13-15, 20-22) ሓዳስ ዓለም ምስታ መዓርፎና ዝዀነት ወደብ ክትመሳሰል ትኽእል እያ። ናብኣ ኣዚና ቐሪብና ስለ ዘለና: ሓደ ክርስትያን ሕጂ ሞገስ ኣምላኽ እንተ ኣጥፊኡስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ ዚኸውን!

‘ናይ እምነት መርከብካ ኸይትስበረካ’ ተጠንቀቕ

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ሓንቲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ ብደሓን ክትጐዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ወደብ ምስ ቀረበት እትስበረሉ ኣጋጣሚ ይፍጠር ነይሩ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እታ መርከብ ናብ ምድሪ ምስ ቀረበት እዩ ዝያዳ ሓደጋታት ዜጋጥም ነይሩ። ብተመሳሳሊ: ንብዙሓት ሰባት ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ እቲ ልዕሊ ዅሉ ሓደገኛ እዋን: “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ እዩ። ነዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “ክፉእ ዘመን” ኢሉ ይጽውዖ: ብፍላይ ርእሶም ንዝወፈዩ ክርስትያናት ከኣ ጽንኩር ይዀኖም እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ኣዝየን ጽንኩራት ዝዀና ስለምንታይ እየን፧ ሰይጣን ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዚዋግኣሉ “ቕሩብ ዘመን” ጥራይ ከም ዝተረፎ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ: እምነቶም ንምስባር ሓያል ወፈራ ይገብር ኣሎ። (ራእይ 12:12, 17) ይኹን እምበር: ብዘይ ሓገዝን መምርሕን ኣይተሓደግናን። የሆዋ ነቶም ናብ ምኽሩ ዜቕልቡ ዋልታኦም እዩ። (2 ሳሙኤል 22:31) ነቲ እኩይ ውዲት ሰይጣን ዜቃልዕ መለበሚ ሂቡና ኣሎ። ሕጂ እምበኣር ህዝቢ እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ቀረቡ ዘጋጠሞም ክልተ ኻብዚ ኣብነታት እዚ እስከ ንርአ።—1 ቈረንቶስ 10:11፣ 2 ቈረንቶስ 2:11

ጥቓ እታ ምድሪ ተስፋ

ህዝቢ እስራኤል ብሙሴ እናተመርሑ ኻብ ግብጺ ኺወጹ ኸኣሉ። ነዊሕ ከይጸንሑ ጥቓ ደቡባዊ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ በጽሑ። ሙሴ 12 ሰለይቲ ናብታ ምድሪ ለኣኸ። ዓሰርተ እምነት ዝጐደሎም ሰለይቲ ሕማቕ ወረ ሒዞም ተመልሱ፣ ከነኣናውያን “ነዋሕትን” ሓያል ሰራዊት ዘለዎምን ስለ ዝዀኑ: እስራኤል ኪስዕሮም ከም ዘይክእል ተዛረቡ። እዚ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ጸለዎም፧ “ንሕና ብሴፍ ክንወድቕ: ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ኪማረኹ: ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና፧ . . . ሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ” ኢሎም ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጕረምረሙ።—ዘሁልቍ 13:1, 2, 28-32፣ 14:1-4

ሕስብ እሞ ኣብሎ! እዞም ሰባት እዚኣቶም: የሆዋ ነታ ኣብቲ ግዜ እቲ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ግብጺ ብዓሰርተ መዓትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝገበሮ መስተንክር ተኣምርን ኣቢሉ ኼምበርክኻ ኸሎ ርእዮም እዮም። ምድሪ ተስፋ ድማ ኣብ ቅድሚኦም እያ ነይራ: ስለዚ ኸምቲ መርከብ ናብታ ንመዓርፎኣ ምልክት እትዀና ብርሃን እትኸይድ: ንሳቶም እውን ናብኣ ገጾም እዮም ኪኸዱ ነይርዎም። ኰይኑ ግን: የሆዋ ነተን ብኸተማታት ዝቘማ ዘይረብሓ መንግስትታት ከነኣን ምግልባጥ ዚጨንቆ መሰሎም። እዚ እምነት ከም ዘይብሎም ዜርኢ ተግባሮም: ንኣምላኽ ኰነ ነቶም ንከነኣናውያን ከም “እንጌራ” እስራኤል ገይሮም ዝርኣይዎም እያሱን ካሌብን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣጕህይዎም ኪኸውን ኣለዎ! እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኣቶም ንብምልእታ ከነኣን ስለ ዝዀለልዋ: ብዓይኖም ርእዮምዋ እዮም። እቶም ህዝቢ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኸይኣተዉ ምስ ተረፉ: እያሱን ካሌብን ንሓያሎ ዓመታት ኣብ በረኻ ዀለል ኪብሉ ነበሮም: ኰይኑ ግን ምስቶም እምነት ዘይብሎም እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣይሞቱን። እወ: እያሱን ካሌብን ነቲ ዚቕጽል ወለዶ ኻብቲ በረኻ ናብታ ምድሪ ተስፋ ንኺኣቱ መሪሖምዎ እዮም። (ዘሁልቍ 14:9, 30) እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን: እተፈልየ ፈተና ኣጋጠሞም። ኣብዚኸ እንታይ እዮም ገይሮም፧

ባላቕ ንጉስ ሞኣብ በቲ ናይ ሓሶት ነብዪ በላዓም ኣቢሉ ንእስራኤል ኪረግም ፈተነ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንበላዓም ኣብ ክንዲ መርገም: ምርቓ ኸም ዚዛረብ ብምግባር ነቲ ውዲት ኣፍሸሎ። (ዘሁልቍ 22:1-7፣ 24:10) በላዓም በዚ ተስፋ ኸይቈረጸ ኻልእ እኩይ ውዲት ኣለመ: እዚ ኸኣ ህዝቢ ኣምላኽ ነታ ምድሪ ንኺወርስዋ ብቕዓት ከም ዘይህልዎም ዚገብር ነበረ። ብኸመይ፧ ርኽሰትን ኣምልኾ በዓልን ንኺፍጽሙ ብምስዳዕ እዩ ነይሩ። እዚ ውዲት እዚ ብሓፈሻ እኳ እንተ ፈሸለ: ን24,000 እስራኤላውያን ግን ኣስሒትዎም እዩ። ምስ ሞኣባውያን ኣንስቲ ርኹስ ጾታዊ ርክብ ፈጸሙ: ምስ በዓል-ጴዖር ድማ ሓበሩ።—ዘሁልቍ 25:1-9

ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሓያሎ ኻብቶም እስራኤላውያን: የሆዋ ኣብቲ “ዓብዪን ዜፍርህን በረኻ” ብደሓን ኪመርሖም ከሎ ርእዮም እዮም። (ዘዳግም 1:19) ኣብ ድርኵዂት እታ ርስቶም ምስ በጽሑ ግን: ካብቶም ህዝቢ ኣምላኽ 24,000 ብስጋዊ ትምኒቶም ተሰኒፎም ብኢድ የሆዋ ሞቱ። እዝስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ናብቲ ኣጸቢቑ ዝዓበየ ርስቶም ቀሪቦም ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ መለበሚ ዀን እዩ!

ሰይጣን ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ዓስቦም ንኸይረኽቡ ኣብ ዚገብሮ ናይ መወዳእታ ፈተነ: ሓድሽ ስልትታት ኣይኰነን ዜድልዮ። ከምቲ እስራኤላውያን ኣብ ፈለማ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኪቐርቡ ኸለዉ ዘጋጠሞም: ሕጂ እውን ሰይጣን ብምፍርራህ: ብመስጐጕቲ: ወይ ብላግጺ ገይሩ ፍርሂ ወይ ጥርጣረ ኼሕድረልና ይፍትን እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምፍርራህ ኢዶም ሂቦም እዮም። (ማቴዎስ 13:20, 21) ካልእ ዕዉት ዝዀነሉ ውዲት ከኣ: ንውልቀ-ሰባት ብስነ-ምግባር ምብልሻው እዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: ገሊኦም ስሉዅ ኢሎም ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝኣተዉ ሰባት: ነቶም በቲ መለኮታዊ ብርሃን ብምትእምማን ዘይመላለሱ ብመንፈሳዊ ድኹማት ዘበሉ ኼበላሽውዎም ፈቲኖም እዮም።—ይሁዳ 8, 12-16

እቶም ብመንፈስ ብሱላትን ንቑሓትን ውልቀ-ሰባት: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርአ ዘሎ ቕልጡፍ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት: ሰይጣን ዓቕሉ ኸም ዝጸበቦ ዚሕብር ሓያል መርትዖ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እወ: ሰይጣን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ነቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኬረኻኽበሎም ከም ዘይክእል ይፈልጥ እዩ። ስለዚ: እዚ እዋን እዚ ንጻዕርታት ሰይጣን ብመንፈስ ነቒሕና እንከታተለሉ እዋን እዩ።

ብመንፈስ ንቑሕ ንኽትከውን ዚሕግዝ ነገራት

ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ: “ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዜብርህ መብራህቲ” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ፣ ከምዚ ኢሉ ዝጸውዓሉ ምኽንያት ከኣ ትንቢታዊ ቓል ኣምላኽ ንክርስትያናት ዕላማ ኣምላኽ ይፍጸም ከም ዘሎ ንኺግንዘቡ ስለ ዚሕግዞም እዩ። (2 ጴጥሮስ 1:19-21) እቶም ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ዜሕድሩን ብቐጻሊ ብእኡ ዚምርሑን: የሆዋ ኣኻይዳኦም ከም ዜቕንዕ ርእዮምዎ እዮም። (ምሳሌ 3:5, 6) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መማሰውቲ ሰባት ብተስፋ ተመሊኦም: “ብሓጐስ ልቢ እልል ኪብሉ” ኸለዉ: እቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ወይ እቶም መገዱ ዚገድፍዎ ግን ‘ጓሂ ልብን እተሰባበረ መንፈስን’ ኪህልዎም እዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14) ስለዚ: ብትግሃት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን: ኣዒንትና ኣብቲ ሓላፊ ተድላ እዚ ስርዓት እዚ ዘይኰነስ: ኣብቲ ርግጽ ተስፋና ኸም ዜተኵር ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

ብመንፈሳዊ ንቑሓት ኴንና ንኽንቅጽል: ጸሎት እውን ኣገዳሲ እዩ። የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኺዛረብ ከሎ: “ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ” በለ። (ሉቃስ 21:34-36) የሱስ ብትግሃት ክንጽሊ ኸም ዜድሊ ኣጕሊሑ ኣሎ። ኣብዚ ወሳኒ እዋን ናይ ዘለኣለም ህይወትና ኣብ ሓደጋ ኸም ዚኣቱ ይፈልጥ እዩ። ጸሎትካ ብመንፈሳዊ ኣጸቢቕካ ኽትነቅሕ ባህጊ ኸም ዘሎካ ዜንጸባርቕ ድዩ፧

እቲ ናብ ርስትና እንገብሮ ኣዝዩ ሓደገኛ ኽፋል እቲ ጕዕዞ: እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋሉ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ስለዚ: ኣዒንትና ኻብቲ ናብ ድሕነትና ኺመርሓና ዚኽእል ብርሃን ናብ ካልእ ኬላግሳ የብለንን።

ካብ ናይ ሓሶት ብርሃናት ተጠንቀቕ

ብግዜ ጥንቲ ኣብቲ ብርሃን ወርሒ ዘይህልወሉ ለይቲ ንባሕረኛታት ገማግም ኪርእዩ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: እኩያት ሰባት ንመራኽብ ሓደገኛ ዝዀነ ተግባር ይገብሩ ነበሩ። እቶም እኩያት ሰባት ኣብ ሓደገኛ ገማግም ብርሃናት ይገብሩ እሞ: ነቶም ሓላቑ መርከብ መገዶም ኬቐይርዎም ይፍትኑ። እቶም በዚ እተታለሉ መርከቦም ትስበሮም: ጽዕነቶም ይዝረፍ: ህይወቶም እውን ይስእኑ ነበሩ።

ብተመሳሳሊ: እቲ ንርእሱ “መልኣኽ ብርሃን” ዜምስል ሰይጣን: ንህዝቢ ኣምላኽ ካብቲ ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብ ኬስሕቶም ይደሊ እዩ። ድያብሎስ ንገርህታት ንምትላል “ሃዋርያት ሓሶት” ከምኡውን ከሓድቲ “ኣገልገልቲ ጽድቂ” ኺጥቀም ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 11:13-15) ኰይኑ ግን: ከምቲ ሓደ ንቑሕን ምኩርን ሓለቓ መርከብ ኰነ ባሕረኛታቱ በዚ መታለሊ ብርሃናት ዘይዕሸዉ: እቶም “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ” ክርስትያናት ከኣ በቶም ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ጐዳኢ ፍልስፍናታትን ዚዝርግሑ ሰባት ኣይታለሉን እዮም።—እብራውያን 5:14፣ ራእይ 2:2

ባሕረኛታት ኣብ መገዲ ዜጋጥሞም ዝርዝር ግምብታት መብራህቲ ዝሓዘ ነገር ምሳታቶም ይማልኡ ነበሩ። እቲ ዝርዝር ንባህርያት ነፍሲ ወከፍ ግምቢ መብራህቲ: እንተላይ ነቲ ኻብቲ ግምቢ መብራህቲ ዚፍኖ ፍሉይ ምልክት ዚገልጽ እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እዚ: “ባሕረኛታት ባህርያት ግምቢ መብራህቲ ብምርኣይን ዝርዝር መብራህቲ ብምውካስን ኣየነይቲ ግምቢ መብራህቲ ምዃናን ኣበይ ከም ዘለዉን ይፈልጡ ነበሩ” ይብል። ብተመሳሳሊ: ቃል ኣምላኽ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣይናይ ምዃኑን ነዚ ዚስዕቡ ዘለዉ መን ምዃኖምን ንኼለልዩ ይሕግዞም እዩ፣ ብፍላይ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት የሆዋ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ልዕል ስለ ዘበሎ ብቐሊሉ ኼለልይዎ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳይያስ 2:2, 3፣ ሚልክያስ 3:18) ኢሳይያስ 60:2, 3 ኣብ መንጎ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ኣምልኾ ዘሎ ዓብዪ ፍልልይ ክትገልጽ ከላ: “እንሆ: ጸልማት ንምድሪ: ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም: ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእ: ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ: ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም” ትብል።

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰባት ብብርሃን የሆዋ ስለ ዚምርሑ: ኣብዚ መወዳእታ ኽፋል እዚ ጕዕዞኦም እምነቶም ኣይክትስበርን እያ። ኣብ ክንዳኡስ: ነዚ ኣብዚ ስርዓት እዚ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ብደሓን ስጊሮም ናብታ ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቅዱሳት ጽሑፋት ነታ “ብርሃን” እትብል ቃል ብሓያሎ ተምሳላዊ ወይ ምሳልያዊ መገድታት ይጥቀመላ እዩ። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ምስ ብርሃን የተሓሕዞ እዩ። (መዝሙር 104:1, 2፣ 1 ዮሃንስ 1:5) ካብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ መንፈሳዊ ምብራህ ምስ ብርሃን ተመሳሲሉ ኣሎ። (ኢሳይያስ 2:3-5፣ 2 ቈረንቶስ 4:6) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣገልግሎቱ ኣብ ዚፍጽመሉ ዝነበረ እዋን ብርሃን እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 8:12፣ 9:5፣ 12:35) ሰዓብቲ የሱስ ከኣ ብርሃኖም ኬብርሁ ትእዛዝ ተዋህቦም።—ማቴዎስ 5:14, 16

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ከም ባሕረኛታት ብናይ ሓሶት ብርሃናት ከይታለሉ ይጥንቀቑ እዮም