ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሕልናኻ ምስማዕ

ንሕልናኻ ምስማዕ

ንሕልናኻ ምስማዕ

“ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዅሉ ንጹህ እዩ: ነቶም ርኹሳትን ዘይአምኑን ግና: . . . ከቶ ንጹህ የብሎምን።” —ቲቶስ 1:15

1. ጳውሎስ ምስተን ኣብ ቅሬጥስ ዝነበራ ጉባኤታት እንታይ ርክብ ነበሮ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ሰለስተ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ገይሩ ምስ ዛዘመ: ተኣሲሩ ናብ ሮሜ ተላእከ: ኣብኡ ኸኣ ክልተ ዓመት ተኣስረ። ምስ ተፈትሐ እንታይ ገበረ፧ ድሕሪ ገለ ግዜ ምስ ቲቶስ ናብ ደሴት ቅሬጥስ በጽሐ: ጸኒሑ ድማ ንቲቶስ: “ከምቲ ኣነ ዝአዘዝኩኻ ጌርካ: ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ: ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም: በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (ቲቶስ 1:5) ቲቶስ ኪዓዮ ዝነበሮ ዕዮ ንሕልና እውን ዚምልከት እዩ ነይሩ።

2. ቲቶስ ኣብ ደሴት ቅሬጥስ እንታይ ጸገማት እዩ ኺፈትሕ ነይርዎ፧

2 ጳውሎስ ንቲቶስ ብዛዕባ ብቕዓታት ሽማግለታት ጉባኤ ነገሮ: “ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን” ከም ዘለዉ እውን ሓበሮ። እዚኣቶም “ዘይግባእ እናመሀሩ: ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባብጡ” እዮም ነይሮም። ቲቶስ ‘ኪገንሖም’ ኣድልዩ ነበረ። (ቲቶስ 1:10-14፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:7) ጳውሎስ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪገልጽ ከሎ: ከምቲ ጽቡቕ ክዳን ብቐለም ኪጽየቕ ዚኽእል: ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን እውን ከም እተጸየቐ ንምሕባር “ርኹስ” ምዃኑ ገለጸ። (ቲቶስ 1:15) ገለ ኻብዞም ሰባት እዚኣቶም “ካብ ሰብ ግዝረት” ስለ ዝነበሩ: ኣይሁድነት ዚስዕቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሎሚ ጉባኤታት ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ብዘለዎም ሰባት ኣይገላበጣን እየን፣ ገና ግን ካብቲ ጳውሎስ ንቲቶስ ዝሃቦ ምኽሪ ብዛዕባ ሕልና ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና።

እቶም ርኹስ ሕልና ዘለዎም

3. ጳውሎስ ንቲቶስ ብዛዕባ ሕልና እንታይ ኢሉ ጸሓፈሉ፧

3 ጳውሎስ ንሕልና ዝጠቐሰሉ ዅነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። “ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዅሉ ንጹህ እዩ: ነቶም ርኹሳትን ዘይአምኑን ግና: እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር: ከቶ ንጹህ የብሎምን። ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ: . . . ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ” በለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ገሊኦም ሰባት “ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ” ለውጥታት ኪገብሩ ነበሮም። (ቲቶስ 1:13, 15, 16) ኣብ መንጎ ንጹህን ዘይንጹህን ምፍላይ የጸግሞም ነበረ: እዚ ኸኣ ንሕልናኦም ዚትንክፍ ነበረ።

4, 5. ገለ ኻብቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ እንታይ ጕድለት ነበሮም፧ እዚኸ ብኸመይ ጸለዎም፧

4 ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲሙ: እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ክርስትያናት: ግዝረት ናይ ሓቂ ኣምላኺ ንምዃን ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ወሰነ: ንጉባኤታት ድማ እዚ ውሳነታት ሓበረን። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2, 19-29) ኰይኑ ግን: ገለ ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ሰባት ገና “ሰብ ግዝረት” እዮም ነይሮም። “ዘይግባእ እናመሀሩ” ምስቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብግህዶ ፍልልዮም ይገልጹ ነበሩ። (ቲቶስ 1:10, 11) ቄናን ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበሮም: ኣብቲ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ብዛዕባ ምግብን ስርዓት ንጽህናን ዚምልከት መምርሒታት ኪሰዓብ ከም ዘለዎ ይጣበቑ ነይሮም ይዀኑ። ከምቲ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኸማታቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዝገበርዎ: ነቲ ሕጊ ይወሳስኹሉ: ንጽውጽዋያት ኣይሁድን ትእዛዛት ሰብን ከኣ ይጣበቑ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ማርቆስ 7:2, 3, 5, 15፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:3

5 ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኣብ ምምዝዛኖምን ስነ-ምግባራዊ ስምዒቶምን: ማለት ኣብ ሕልናኦም ኣሉታዊ ጽልዋ ነበሮ። ጳውሎስ “ነቶም ርኹሳትን ዘይአምኑን . . . ከቶ ንጹህ የብሎምን” ኢሉ ጸሓፈ። ሕልናኦም ኣዝዩ ቔናን ስለ ዝዀነ: ንተግባራቶምን ምምዝዛኖምን ዜተኣማምን መምርሒ ኪኸውን ኣይክእልን ነበረ። ብዘይካዚ: ንብጾቶም ክርስትያናት ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት: ማለት ኣብቲ ሓደ ክርስትያን ብሓደ መገዲ ኺውስን ከሎ ኻልእ ክርስትያን እተፈልየ ውሳነ ኺገብረሉ ዚኽእል ጕዳያት ይፈርድዎም ነበሩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቶም ሰብ ቅሬጥስ ነቲ ርኹስ ዘይኰነ ነገር: ከም ርኹስ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። (ሮሜ 14:17፣ ቈሎሴ 2:16) ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ይዛረቡ እኳ እንተ ነበሩ: ብግብሮም ግን ይኽሕድዎ ነበሩ።—ቲቶስ 1:16

“ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዅሉ ንጹህ እዩ”

6. ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ሰባት እዩ ዝጠቐሰ፧

6 ካብቲ ጳውሎስ ንቲቶስ ዝጸሓፈሉ እንታይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ነቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ጕጅለ ዝገለጾ ፍልልይ እሞ ንመልከት:- “ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዅሉ ንጹህ እዩ: ነቶም ርኹሳትን ዘይአምኑን ግና: እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር: ከቶ ንጹህ የብሎምን።” (ቲቶስ 1:15) ጳውሎስ ንሓደ ብስነ-ምግባር ንጹህ ዝዀነ ክርስትያን ኵሉ ነገር ንጹህን ፍቑድን ከም ዝዀነ ይዛረብ ከም ዘይነበረ እተረጋገጸ እዩ። ኣብ ካልእ መልእኽቱ ምንዝር: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዚገብሩ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ገሊጹ ስለ ዝነበረ: ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ገላትያ 5:19-21) ስለዚ: ጳውሎስ ብዛዕባ ኽልተ ዓይነት ሰባት: ማለት ብዛዕባ እቶም ብስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ንጹሃትን ብዛዕባ እቶም ዘይንጹሃትን ሓፈሻዊ ሓቂ ይገልጽ ምንባሩ ኣብ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና።

7. እብራውያን 13:4 እንታይ ጌጋ ምዃኑ እያ እትሕብር፧ እንታይ ሕቶታት ኪለዓል ይከኣል፧

7 ሓደ ቕኑዕ ክርስትያን ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዝኸልከሎ ነገራት ጥራይ ኪርሕቕ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ነዚ ብቐጥታ እተዋህበ መምርሒ እሞ ርአ:- “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን።” (እብራውያን 13:4) ክርስትያናት ዘይኰኑን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡን ሰባት እውን እንተ ዀነ: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዝሙት ከም እትኽልክል ብኡንብኡ ኺርድኡ ይኽእሉ እዮም። ኣምላኽ ነቲ እቶም ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ዚገብርዎ ጾታዊ ርክብ ከም ዚዅንኖ ኣብዝን ኣብ ካልእ ጥቕስታትን ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ክልተ ዘይተመርዓዉ ሰባት ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ እንተ ገይሮምከ፧ ብዙሓት ኣጕባዝን ጐራዙትን እዚ ተግባር እዚ ምስ ጾታዊ ርክብ ስለ ዘይቍጸር: ጕድኣት የብሉን ይብሉ። ሓደ ክርስትያን ብኣፍ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ከም ንጹህ ገይሩ ኺርእዮ ይኽእልዶ፧

8. ብኣፍ ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ብዚምልከት: ክርስትያናት ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዚፍለዩ ብኸመይ እዮም፧

8 እብራውያን 13:4 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 6:9 ኣምላኽ ንዝሙት ኰነ ምንዝር (ብግሪኽ ፖርንያ) ኸም ዚጸልእ ይሕብራና እየን። እታ ኻልአይቲ እንታይ እያ እተጠቓልል፧ እታ ናይ ግሪኽ ቃል ንጾታዊ ኣካላት ብባህርያዊ ወይ ብዘይባህርያዊ መገዲ ንብዕሉግ ተግባር ምጥቃም ተመልክት። ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መውስቦ ወጻኢ ዚግበር ኵሉ ዓይነት ዘይግቡእ ጾታዊ ርክባት ተጠቓልል። ስለዚ: ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት ኰተቴታት ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ቅቡል ምዃኑ እኳ እንተ ተነግሮም ወይ ባዕሎም ኣብቲ መደምደምታ እኳ እንተ በጽሑ: እዚ ተግባር እዚ ግን ምስ ምንዝር እዩ ዚቝጸር። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ብኣረኣእያ እቶም “ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን” ኣይመርሕዎን እዮም። (ቲቶስ 1:10) ዝለዓለ ስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት እዮም ዚስዕቡ። ነቲ ብኣፍ ዚግበር ጾታዊ ርክብ መመኽነይታ ኺህቡ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ: ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ምንዝር ወይ ፖርንያ ምዃኑ ይርድኡ: ንሕልናኦም ከኣ ኣብኡ ተመርኲሶም የሰልጥኑ። aግብሪ ሃዋርያት 21:25፣ 1 ቈረንቶስ 6:18፣ ኤፌሶን 5:3

እተፈላለየ ሕልና: እተፈላለየ ውሳነ

9. “ብዘሎ ዅሉ ንጹህ” እንተ ዀይኑ: ሕልና ዘለዎ ግደ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

9 ይኹን እምበር: ጳውሎስ “ነቶም ንጹሃት ብዘሎ ዅሉ ንጹህ እዩ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ጳውሎስ ነቶም ኣተሓሳስባኦምን ስነ-ምግባራዊ ስምዒታቶምን ምስቲ መንፈስ ኣብ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ መለክዒታት ዘሰማምዑ ክርስትያናት እዩ ዚዛረቦም ነይሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ኣብቲ ብቐጥታ ዘይተዀነነ ጕዳያት: ኣብ መንጎ ኣመንቲ ፍልልያት ኪህሉ ኸም ዚኽእል ይፈልጡ እዮም። ንኻልኦት ዚዅንኑ ኣብ ክንዲ ዚዀኑ: ነቲ ኣምላኽ ዘይኰነኖ ነገር ከም “ንጹህ” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር መምርሒ ዘይሃበሉ መዳያት: ኵሎም ካልኦት ሰባት ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ብዛዕባ ህይወት ዘለዎም ኣርኣእያ ኺህልዎም ኣይጽበዩን እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

10. መርዓ (ወይ ቀብሪ) ጸገም ኬምጽእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

10 ክርስትያን ዘይኰነ መጻምድቲ ዚርከበን ብዙሓት ስድራቤታት ኣለዋ። (1 ጴጥሮስ 3:1፣ 4:3) እዚ ድማ ኣብ ከም ናይ ኣዝማድ መርዓ ወይ ቀብሪ ብዙሕ ጸገማት ኬልዕል ይኽእል እዩ። ሓንቲ ኻልእ እምነት ዚስዕብ ሰብኣይ ዘለዋ ክርስትያን ሰበይቲ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ሓደ ኻብ ኣዝማዶም ይምርዖ ኣሎ ንበል: እቲ ስነ-ስርዓት መርዓ ኸኣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እዩ ኺግበር። (ወይ ከኣ ዘመድ ወይ ወላዲ ሞይትዎም ንበል: እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን እዩ ኺግበር።) እቶም ሰብ ሓዳር ኪመጹ ተነጊርዎም እዩ: እቲ ሰብኣይ ከኣ ንብዓልቲ ቤቱ ምስኡ ኽትከይድ ይደልያ። ሕልናኣ ብዛዕባ ናብቲ ቦታ ምኻድ እንታይ ይነግራ፧ እንታይ ክትገብር እያ፧ ስዒቡ ዘሎ ኽልተ ተኽእሎታት እስከ ንርአ።

11. ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ናብ ሓደ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዚግበር መርዓ ኽትከይድ ዝቐረበላ ዕድመ ብኸመይ ክትሓስበሉ ኸም እትኽእል ግለጽ: እዚኸ ናብ ምንታይ መደምደምታ ይመርሕ፧

11 ሎኢስ ነቲ ኻብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ‘ዓባይ ባቢሎን ውጹ’ ዚብል ኣርዚንካ ዚርአ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትእዛዝ ሓሰበትሉ። (ራእይ 18:2, 4) ቀደም ኣባል እቲ መርዓ ዚግበረሉ ቤተ-ክርስትያን እያ ነይራ: ኣብ መንጎ እቲ ስነ-ስርዓት ኵሎም እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ኣብ ከም ጸሎት: መዝሙር: ወይ ካልእ ሃይማኖታዊ ተግባራት ኪሳተፉ ኸም ዚሕተቱ እውን ትፈልጥ እያ። ኣብቲ ተግባራት ኢዳ ኸይተእቱ ቘሪጻ ስለ ዝነበረት: ንንጽህናኣ ኼበላሹ ዚኽእል ጸቕጢ ምእንቲ ኸይወርዳ ናብኡ ኽትከይድ ኣይደለየትን። ሎኢስ ነቲ ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ርእሳ ዝዀነ ብዓል ቤታ ተኽብሮ: ምስኡ ኽትተሓባበር ድማ ትደሊ እያ፣ ኰይኑ ግን: ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክትለማለም ኣይትደልን እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ስለዚ: ብዓል ቤታ ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ክትከይድ እኳ እንተ ደለያ: ንሳ ግን ከም ዘይትኽእል ብሜላ ትነግሮ። ናብኡ እንተ ኸይዳን ኣብ ገሊኡ ተግባራት ምክፋል እንተ ኣብያን: ኬዋርዶ ስለ ዚኽእል: ዘይምኻዳ ንዕኡ ዝሓሸ ምዃኑ ተረድኦ። ውሳኔኣ ንጹህ ሕልና ንኺህልዋ የኽእላ።

12. ኣብ ቤተ-ክርስትያን ናብ ዚግበር ስነ-ስርዓት መርዓ እተዓደመት ሓንቲ ክርስትያን ብኸመይ ክትሓስበሉ ትኽእል፧

12 ሩት እውን ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዋ። ንሰብኣያ ተኽብሮ እያ: ንኣምላኽ እምንቲ ንኽትከውን ቈሪጻ ኣላ: ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኣ ኸኣ ትሰምዖ እያ። ነቲ ሎኢስ ዝሓሰበትሉ ነጥብታት ድሕሪ ምምርማራ: ነቲ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ብጸሎት ሓሰበትሉ። እቶም ሰለስት እብራውያን ናብቲ ኣምልኾ ጣኦት ዚግበረሉ ቦታ ንኪኸዱ እተዋህቦም ትእዛዝ ከም እተኣዘዙ: ግናኸ ኣብቲ ኣምልኾ ጣኦት ብዘይምክፋል ንጽህናኦም ከም ዝሓለዉ ዘከረት። (ዳንኤል 3:15-18) ምስ ብዓል ቤታ ኽትከይድ: ግናኸ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ተግባራት ከይትሳተፍ ወሰነት። ምስ ሕልናኣ ተሰማሚዓ ኸኣ እያ ነዚ ገይራቶ። ንብዓል ቤታ ሕልናኣ ኽትገብሮ ዚፈቕደላን ዘይፈቕደላን ነገራት እንታይ ምዃኑ ብሜላ ኣነጺራ ሓበረቶ። ኣብ መንጎ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ኣምልኾ ዘሎ ፍልልይ ኪርድኦ ተስፋ ገበረት።—ግብሪ ሃዋርያት 24:16

13. ክልተ ክርስትያናት ኣብ እተፈላለየ መደምደምታ ምብጻሐን ኪርብሸና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

13 ክልተ ክርስትያናት ኣብ እተፈላለየ መደምደምታ ኺበጽሓ ምኽኣለን: ሓደ ሰብ ዚገብሮ ነገር ኣገዳሲ ዘይምዃኑ ወይ ሓንቲአን ድኹም ሕልና ኸም ዘለዋ ዚሕብር ድዩ፧ ኣይፋልን። ሎኢስ ነቲ ኻብ ሕሉፍ ተመክሮኣ እትፈልጦ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዚህሉ ሙዚቃን ጽምብላትን ኣብ ግምት ብምእታው: ናብኡ እንተ ኸይዳ ምናዳ ንዓኣ ሓደገኛ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይስምዓ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ዅነታት ምስ ሰብኣያ እተዘራረበቶ ነገራት እውን ንሕልናኣ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ: እቲ ውሳኔኣ ንዓኣ ዝሓሸ ምዃኑ ትኣምነሉ።

14. ክርስትያናት ብዛዕባ ብሕታዊ ውሳነ እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

14 ሩት ዝወሰነቶ ግን ሕማቕ ድዩ ነይሩ፧ ካልኦት ኪፈርድዋ መሰል የብሎምን። ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ክትከይድ ግናኸ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ተግባራት ከይትሳተፍ ብዝገበረቶ ውሳነ: ካልኦት ኪዅንንዋ ወይ ኪነቕፍዋ የብሎምን። ጳውሎስ ብዛዕባ ሓደ ዓይነት ምግቢ ምብላዕ ወይ ዘይምብላዕ ብሕታዊ ውሳነ ኸም ዝዀነ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምኽሪ እሞ ርአ:- “እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዐቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። . . . ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ: ደው ኪብል እዩ።” (ሮሜ 14:3, 4) ዋላ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ንኻልእ ክርስትያን ነቲ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ዚነግሮ ነገር ዕሽሽ ኪብሎ ኺደፋፍኦ ኣይደልን እዩ፣ ከመይሲ: ከምኡ ምግባር ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ዚነግረና ሕልናና ዘይምስማዕ እዩ ዚኸውን።

15. ሕልናን ስምዒታትን ካልኦት ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

15 ክልቲአን እተን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ኣሓት ተወሳኺ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኬእትዋ ኣለወን፣ ሓደ ኻብዚ ረቛሒታት ውሳነአን ኣብ ካልኦት ዜሕድሮ ጽልዋ እዩ። ጳውሎስ: “ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ: እዚ ፍረዱ” ዚብል ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ሮሜ 14:13) ሎኢስ ተመሳሳሊ ዅነታት ኣብታ ጉባኤ ወይ ኣብ ስድራቤታ ንዚርከቡ ሰባት ከም ዘጕሃየ ትፈልጥ ትኸውን: እቲ እትገብሮ ድማ ኣብ ደቃ ዓብዪ ጦብላሕታ ይሓድግ ይኸውን። ብኣንጻሩ ኸኣ ሩት ተመሳሳሊ ምርጫታት ንጉባኤኣ ወይ ንማሕበረሰባ ኸም ዘይረበሸ ትፈልጥ ትኸውን። ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና ነቲ ኻልኦት ዚሓድሮም ጦብላሕታ ኣብ ግምት ኬእቱ ኸም ዚግባእ ክልቲአን ኪፈልጣ ኣለወን: ንሕና እውን ነዚ ኽንስሕቶ የብልናን። የሱስ: “ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና: መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ” በለ። (ማቴዎስ 18:6) ሓደ ሰብ ንኻልኦት ከየስሕት ወይ ከይዕንቅፍ ጥንቃቐ ዚገብር እንተ ዘይኰይኑ: ከምቶም ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ርኹስ ሕልና እዩ ዚህልዎ።

16. ምስ ግዜ ኣብ ሓደ ክርስትያን እንታይ ለውጢ ኢና ኽንጽበ እንኽእል፧

16 ሓደ ክርስትያን ዚገብሮ መንፈሳዊ ዕቤት ቀጻሊ ኪኸውን ኣለዎ: ንሕልናኡ ብምስማዕን ኣብኡ ተመርኲሱ ስጕምቲ ብምውሳድን ዝመጸ እውን ብቐጻሊ ዕቤት ኪገብር ኣለዎ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተጠምቀ ማርቆስ እሞ ብኣእምሮና ንስኣሎ። ካብ ገሊኡ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባራት: ምናልባት ምስ ኣምልኾ ጣኦት ወይ ምስ ደም ካብ ዚተሓሓዝ ነገራት ኪርሕቕ ሕልናኡ ይነግሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:25) አረ ኻብቲ ኣምላኽ ምስ ዝኸልከሎ ነገራት ቍሩብ ዚመሳሰል ነገራት እውን ከይተረፈ ተጠንቂቑ ይርሕቕ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ገሊኦም ነቲ ንሱ ቕቡል ገይሩ ዚርእዮ ሓድሓደ መደባት ተለቪዥንን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ስለምንታይ ከም ዘይቅበሉ ይድንጽዎ።

17. ግዜን መንፈሳዊ ዕቤትን ንሕልናን ውሳነን ሓደ ክርስትያን ኪጸልዎ ኸም ዚኽእል ኣረድእ።

17 ድሕሪ ግዜ ማርቆስ ብፍልጠት ይዓቢ: ንኣምላኽ ከኣ ብዝያዳ ይቐርቦ። (ቈሎሴ 1:9, 10) እዚኸ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ፧ ሕልናኡ ብዙሕ ስልጠና ይረክብ። ድሕርዚ ማርቆስ ንሕልናኡ ብቐሊሉ ይሰምዕ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ድማ ኬመዛዝን ይኽእል። አረ ገለ ኻብቲ ንሱ ዜርሕቖ ዝነበረ “ቝሩብ ዚመሳሰል” ነገራት እውን እንተ ዀነ: ከም ሓቂ ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ዚጻረር ከም ዘይኰነ የስተውዕል። ብተወሳኺ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ስለ ዚርድኦን ነቲ ጽቡቕ ዝሰልጠነ ሕልናኡ ኺሰምዕ ፍቓደኛ ስለ ዝዀነን: ነቲ ኣቐዲሙ ቕቡል ገይሩ ዚርእዮ ዝነበረ መደባት ንኺሓደጎ ሕልናኡ ይድርኾ። እወ: ሕልናኡ ተዀሊዑ እዩ።—መዝሙር 37:31

18. እንታይ ዜሐጕስ ነገር እዩ ዘሎና፧

18 ኣብ መብዛሕትአን ጉባኤታት: ኣብ ኵሉ ደረጃታት ክርስትያናዊ ምዕባለ ዚርከቡ ውልቀ-ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም ብእምነት ሓደስቲ እዮም። ምናልባት ሕልናኦም ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ብዙሕ ዘይነግሮም ኪኸውን ከሎ: ኣብ ገሊኡ መዳያት ግን ዓው ኢሉ ይነግሮም ይኸውን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንመምርሒታት ኣምላኽ ንኺለምድዎን ንዝሰልጠነ ሕልናኦም ንኺሰምዑን ግዜን ሓገዝን የድልዮም ይኸውን። (ኤፌሶን 4:14, 15) እቲ ዜሐጕስ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዓሚቝ ፍልጠት ዘለዎም: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ተመክሮ ዘጥረዩ: ከምኡውን ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ዚሰማማዕ ሕልና ዘለዎም ብዙሓት ክርስትያናት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንጐይታ ቕቡል ዝዀነ ነገራት ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ “ንጹህ” ገይሮም ዚርእዩ “ንጹሃት” ክንረክብ ምኽኣልናስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕጕስ ኰን እዩ! (ኤፌሶን 5:10) እምበኣር ምስቲ ርጡብ ፍልጠት ሓቅን ምስ ኣምልኾን ዚሰማማዕ ሕልና ንኸነማዕብልን ንኽንዕቅብን ሸቶና ንግበሮ።—ቲቶስ 1:1

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 መጋቢት 1983 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 30-1 ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ኪሓስቡሉ ዘለዎም ሓሳባት ሒዛ ኣላ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ገሊኦም ኣብ ቅሬጥስ ዝነበሩ ክርስትያናት ርኹስ ሕልና ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧

• ክልተ ብግቡእ ዝሰልጠነ ሕልና ዘለዎም ክርስትያናት ኣብ ውሳነታቶም ኪፈላለዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ምስ ግዜ ሕልናና እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሲስሊ

ግሪኽ

ቅሬጥስ

ንእሽቶ እስያ

ባሕሪ መዲተራነያን

ቆጵሮስ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ተመሳሳሊ ዅነታት ዘጋጠሞም ክርስትያናት እተፈላለየ ውሳነታት ኪውስኑ ይኽእሉ