ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽባሕ ሓሲብካ ንበር

ንጽባሕ ሓሲብካ ንበር

ንጽባሕ ሓሲብካ ንበር

የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ገሊላ ዝሃቦ ህቡብ ስብከት “ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ” በለ። ብተወሳኺ ድማ “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ” በለ።—ማቴዎስ 6:34

እተን “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ” ዚብላ ቓላት እንታይ ማለት እየን፧ ንጽባሕ ዕሽሽ ብምባል ንሎሚ ጥራይ ክንነብር ኣሎና ማለት ድዩ፧ እዝስ ምስቲ የሱስን ሰዓብቱን ዚኣምኑሉ ዝነበሩ ይሰማማዕ ድዩ፧

“ኣይትጨነቑ”

ንብምሉኡ ቓላት የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:25-32 ኣንብቦ። ገለ ኻብቲ ኣብኡ የሱስ እተዛረቦ ኸምዚ ዚብል ነበረ:- “ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ: እብለኩም አሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። . . . ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፧ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፤ ኣይደኽሙ: ኣይፈትሉ። . . . እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ።”

የሱስ ነዚ ስብከቱ ኽልተ ምኽሪ ብምሃብ ዛዘሞ። እታ ቐዳመይቲ: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም” ትብል። እታ ኻልአይቲ ኸኣ: “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ: ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይአኽላ” ትብል።—ማቴዎስ 6:33, 34

ኣቦኹም ዜድልየኩም ዘበለ ይፈልጥ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: እንተላይ ነቶም ሓረስቶት ‘ከይዘርኡ: ከይዓጽዱ: ወይ ኣብ ማዕከን ከይእክቡ:’ ወይ ከኣ ነቲ ዜድልዮም ክዳን ንምርካብ ‘ከይደኽሙን ከይፈትሉን’ ድዩ ዚነግሮም ነይሩ፧ (ምሳሌ 21:5፣ 24:30-34፣ መክብብ 11:4) ኣይኰነን። ምስራሕ እንተ ኣቋሪጾም እሞ: ዚበልዕዎን ዚኽደንዎን ስለ ዘይረኽቡ: ‘ብግዜ ቐውዒ ኺልምኑ’ እዮም።—ምሳሌ 20:4

እቲ ብዛዕባ ጭንቀት እተዛረቦኸ፧ የሱስ: እቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ካብ ጭንቀት ምሉእ ብምሉእ ኬምልጡ ይኽእሉ እዮም ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ እዚ ርትዓዊ ሓሳብ ኣይኰነን። የሱስ ኣብታ ንኪቕተል እተታሕዘላ ምሸት: ዓሚቝ ጓህን ጭንቀትን ኣጋጢምዎ ነበረ።—ሉቃስ 22:44

ስለዚ: የሱስ ከምዚ ኺብል ከሎ: ንሓደ መሰረታዊ ሓቂ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ዘየድሊ ጭንቀት ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመካ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ኣይሕግዝን እዩ። ንኣብነት: ነዊሕ ዕድመ ኸም እትነብር ኣይገብረካን እዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ: “ኣብ ልዕሊ ቝመቱ [“ዕምሩ:” NW] ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል” የለን። (ማቴዎስ 6:27) አረ ብርቱዕን ነዊሕን ጭንቀትሲ ዕድመ የሕጽር እዩ።

እምበኣር: እቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ብሓቂ ግብራዊ እዩ። ከመይሲ: እቲ ብዙሕ ሳዕ ዜጨንቐና ነገራት ኣይፍጸምን እዩ። እቲ ብሪጣንያዊ ብዓል ስልጣን ዝነበረ ዊንስተን ቸርችል: ብዛዕባ እተን ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘሕለፈን ዜጕህያ እዋናት ኪሓስብ ከሎ: እዚ ሓቂ ምዃኑ ርእዩ እዩ። ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘሕለፎ ጭንቀት ብዚምልከት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንዘሕለፍክዎ ጭንቀት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ: ነቲ ሓደ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ዜጨንቖ ነገር እኳ እንተ ኣጋጠሞ: መብዛሕትኡ ግን ከም ዘይተፈጸመ ኣብ ኣጋ ሞቱ ዝገለጸ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ የዘኻኽረኒ።” ብርግጽ: እቲ ዜጋጥመና ጸቕጥን ጸገምን ብቐሊሉ ኸቢድ ጭንቀት ዚፈጥረልና እንተ ዀይኑ: ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኸከም ኣመጻጽኣኣ ምሓዝ ጥበባዊ እዩ።

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ’

ከም ሓቂ: የሱስ ካብ ኣካላውን ስምዒታውን ድሕንነት ሰማዕቱ ንላዕሊ እዩ ዚሓስብ ነይሩ። ነቲ ኣብ ህይወት ዜድሊ ነገራት ንምርካብ ምጭናቕ ከምኡውን ሃብትን ተድላን ንኺህልወካ ባህጊ ምሕዳር: ነቲ ብዝያዳ ዜድሊ ነገራት ኪዕብልሎ ኸም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። (ፊልጲ 1:10) ‘ንህይወት ዜድሊ ነገራት ካብ ምርካብ ንላዕሊ እሞ እንታይ ዜገድስ ኣሎ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ: ምስቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ መንፈሳዊ ነገራት እዩ ዚብል እዩ። የሱስ ነቲ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኺሕዝ ዘለዎ ብዚምልከት: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” በለ።—ማቴዎስ 6:33

ብግዜ የሱስ: ብዙሓት ሰባት ስጋዊ ነገራት ኪረኽቡ ይጽዕሩ ነበሩ። ሃብቲ ምርካብ ድማ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ነበረ። የሱስ ግን ንሰማዕቱ ኻብዚ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ኺህልዎም ተላበዎም። ንኣምላኽ እተወፈዩ ህዝቢ ኸም ምዃኖም መጠን: ‘ኵለንትናኦም ንኣምላኽ ምፍራህን ንትእዛዛቱ ምሕላውን’ እዩ ነይሩ።—መክብብ 12:13

ኣብ ስጋዊ ነገራት: ማለት ኣብ “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን” ምድሃብ: ንሰማዕቲ የሱስ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪጐድኦም ይኽእል ነበረ። (ማቴዎስ 13:22) ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9) የሱስ: ሰዓብቱ ኻብዚ “መፈንጠራ” እዚ ንኼምልጡ ኢሉ: እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦኦም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልዮም ይፈልጥ ምዃኑ ነገሮም። ኣምላኽ ከምቲ “ነዕዋፍ ሰማይ” ዚኣልየን: ንዕኦም እውን ኪኣልዮም ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 6:26, 32) ስለዚ: ኣብ ክንዲ ብጭንቀት ዚወሓጡ: ንነገራት ንምፍታሕ ዚከኣሎም ገይሮም: ነቲ ዝተረፈ ብምትእምማን ንየሆዋ ኺሓድጉሉ ኣለዎም።—ፊልጲ 4:6, 7

የሱስ “ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ” ኺብል ከሎ: እንታይ ኰን ኬጋጥመና እዩ ኢልና ኣብ ዘየድሊ ሻቕሎት ብምእታው: ነቲ ሎሚ ዜጋጥመና ጭንቀት ኣይንወስኸሉ እዩ ዚብል ነይሩ። ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ: “ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ፣ ጽባሕ ናይ ርእሳ እኹል ጭንቀት ኪህልዋ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ተምጽኦ ጸገም ካልእ ኣይትወስኹ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ።—ማቴዎስ 6:34 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን

“መንግስትኻ ትምጻእ”

ኣብ መንጎ ብዛዕባ ጽባሕ ዘይምጭናቕን ምሉእ ብምሉእ ዕሽሽ ምባልን ግን ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንጽባሕ ሸለል ኪብልዎ ፈጺሙ ኣየተባብዖምን። ብኣንጻሩስ: ብዛዕባ መጻኢ ኣዝዮም ኪግደሱ እዩ ተማሕጺንዎም። ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዜድልዮም ነገር: ማለት ብዛዕባ ናይ ዕለት እንጌራኦም ምጽላዮም ቅኑዕ እዩ። ቅድሚኡ ግን ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ዚኸውን ነገራት: ማለት መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኪኸውንን ኪጽልዩ ኣለዎም።—ማቴዎስ 6:9-11

ከምቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት ክንከውን የብልናን። ንሳቶም “ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን” ብምንባሮም ትሑዛት ነበሩ: ብዛዕባ እቲ ኺፍጸም ቀሪቡ ዝነበረ ነገራት ድማ “ኣይፈለጡን።” ሳዕቤኑኸ እንታይ ነበረ፧ ‘ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሎም ኣጥፍኦም።’ (ማቴዎስ 24:36-42) ሃዋርያ ጴጥሮስ: ንሕና እውን ንጽባሕ ብምሕሳብ ክንነብር ከም ዘሎና ንምዝኽኻር ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ጠቐሰ። “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: . . . ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—2 ጴጥሮስ 3:5-7, 11, 12

ኣብ ሰማይ መዝገብ ግበሩ

እወ: ንመዓልቲ የሆዋ ‘ኣቐልጢፍና’ ንርኣያ። ከምዚ ምግባር: ነቲ ንግዜና: ንሓይልና: ንተውህቦና: ንሃብትና: ከምኡውን ንኽእለትና እንጥቀመሉ መገዲ ይጸልዎ እዩ። ‘ንፍርሃት ኣምላኽ’ ዚኸውን ግዜ ኽሳዕ እንስእን ብስጋዊ ነገራት: ማለት ነቲ ዜድልየና ነገራት ወይ ከኣ ተድላ ኣብ ምድላይ ኣዚና ትሑዛት ክንከውን የብልናን። ኣብዚ እዋን እዚ ጥራይ ኣቓልቦ ምግባር: ቅጽበታዊ ረብሓ ዘለዎ እኳ እንተ መሰለ: እቲ ዜምጽኦ ጥቕሚ ግን እንተ ጸበቐ ግዜያዊ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ከምቲ የሱስ ዝገለጾ: ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ: ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ ምግባር’ ጥበባዊ እዩ።—ማቴዎስ 6:19, 20

የሱስ ነዚ ነጥቢ እዚ: ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ኢሉ ሰፊሕ መደብ ዘውጸአ ሰብኣይ ኪምስል ከሎ ኣጕሊሕዎ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ዘውጸኦ መደብ ንኣምላኽ ዜጠቓልል ኣይነበረን። እታ መሬቱ ብዙሕ ምስ ኣፍረየት: ነቲ ናይ ቀደም ማዕከኑ ኣፍሪሱ ኻልእ ዓብዪ ማዕከን ብምስራሕ: እናበልዐን እናሰተየን እናተሓጐሰን ቅሳነት ዘለዎ ናብራ ኺነብር ወሰነ። ከምዚ ምግባር ግን እንታይ ጸገም ነበሮ፧ ፍረ ጻማኡ ኸይበልዐ ሞተ። እቲ ኻብዚ ዚገድድ ድማ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኣይነበሮን። የሱስ: “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” ኢሉ ዛዘመ።—ሉቃስ 12:15-21፣ ምሳሌ 19:21

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ከምቲ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ሰብኣይ ዝገበሮ ዓይነት ጌጋ ኣይትግበር። እቲ ኣምላኽ ንመጻኢ መዲብዎ ዘሎ ነገራት እንታይ ምዃኑ ፍለጥ: ኣብ ህይወትካ ድማ ነዚ መደብ እዚ ቐዳምነት ሃቦ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ሓሲብዎ ዘሎ ነገራት ንደቅሰብ ኣብ ጸልማት ኣይኰነን ሓዲግዎም። እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ ኣሞጽ: “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኣሞጽ 3:7) እቲ የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ ዝገለጾ ነገራት: ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኪርከብ ይከኣል እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

ድሕሪ ሓጺር እዋን ንመላእ ምድሪ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዚጸልዋ መጻኢ ኸም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። የሱስ: “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ” በለ። (ማቴዎስ 24:21) ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ፍጻመ እዚ ኺዓግቶ ኣይክእልን እዩ። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነዚ ኺዓግትዎ ዘይደልዩሉ ምኽንያት ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ፍጻመ እዚ ንዅሉ እከይ ካብ ምድሪ ብምውጋድ: “ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን” ከም ዚሰፍን ዚገብር እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓድሽ ሰማያዊ መንግስትን ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብን ማለት እዩ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም: ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም [ካብ ኣዒንቲ ሰባት] ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:1-4

ኣብዚ እዋን እዚ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዚብሎ ምምርማር ርትዓዊዶ ኣይመስለካን፧ ከምዚ ንምግባር ሓገዝ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺሕግዙኻ ሕተቶም። ወይ ከኣ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ጽሓፍ። ሃየ እምበኣር: ንሎሚ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ዜደንቕ መጻኢ ኢልካ ንበር።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

“ኣይትጨነቑ . . . ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ”