ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ባሕሪ ዚመላለሳ ‘መራኽብ ኪቲም’

ኣብ ባሕሪ ዚመላለሳ ‘መራኽብ ኪቲም’

ኣብ ባሕሪ ዚመላለሳ ‘መራኽብ ኪቲም’

ኣብ ምብራቓዊ መዲተራነያን ሓያሎ ዂናት ባሕሪ ተኻይዱ እዩ። ሓሙሽተ ዘመን ቅድሚ ክርስቶስ እተገብረ ሓደ ኻብዚ ዂናት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓንቲ ብፍጥነት ክትጠዋወ እትኽእል መርከብ ብምሉእ ሓይላ ተሓምበበት። ኣብ ሰለስተ መስርዕ እተሰርዑ 170 ቀዘፍቲ በቲ ሓያል ጭዋዳታቶም ገይሮም ኣብቲ ብቘርበት እተሰርሐ ኣብ መቐመጫኦም ዝኣሰርዎ መተርኣስ ንቕድሚትን ንድሕሪትን እናበሉ ቐዘፉ።

እታ መርከብ ካብ ሸውዓተ ኽሳዕ ትሽዓተ ኖት ብዚኸውን ፍጥነት ነቲ ሞገድ እናጨደደት ናብ መርከብ ጸላኢ ተሓምበበት። እታ እትህደን ዝነበረት መርከብ ክትሃድም ፈተነት። ኣብቲ ዘየላቡ እዋን ግን ጌጋ ውሳነ ገበረት። ብሰንክዚ ጐድና ንመጥቓዕቲ እተቓልዐ ዀነ። እቲ ብሮንዞ ዝለበሰ ብልሒ እታ ሃዳኒት መርከብ ናብቲ ኣካል እታ እትሃድም ዝነበረ መርከብ በሲዑ ኣተወ። እቲ እተፈናጨለ ኣልዋሕን ድምጺ እቲ በቲ ብሳዕ ቡሕቡሕ እናበለ ዚኣቱ ዝነበረ ማይን ነቶም ናይ ጸላኢ ቐዘፍቲ ኣርዓዶም። ካብታ እትሃድን ዝነበረት መርከብ ከኣ ኣጽዋር ዝዓጠቑ ተዋጋእቲ ናብታ መጥቃዕቲ ዚወርዳ ዘሎ መርከብ ንምስጋር ናብቲ መሰጋግሪ ተኣኻኸቡ። እወ: ገሊአን ጥንታውያን መራኽብ ዘይድፈራ እየን ነይረን!

ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ን“ኪቲም” ከምኡውን ን‘መራኽብ ኪቲም’ ዚጠቅስ ሓሳባትን ትንቢታትን የገድሶም እዩ። (ዘሁልቍ 24:24፣ ዳንኤል 11:30፣ ኢሳይያስ 23:1) ኪቲም ኣበይ እያ እትርከብ፧ ብዛዕባ መራኽባ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኼገድሰካ ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ጆሰፈስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ንኪቲም ምስ ደሴት ቆጵሮስ ብምትሕሓዝ “ሂቲሞስ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዋ። እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ክፋል እታ ደሴት እትርከብ ከተማ ኪቲዮን (ወይ ሲሽም) እውን ንኪቲም ምስ ቆጵሮስ ተተኣሳስራ እያ። ቆጵሮስ ኣብ ጥንታዊ መራኸቢ መስመር ንግዲ እትርከብ ስለ ዝነበረት: ካብቲ ንወደባት ምብራቓዊ መዲተራነያን ዝነበራ ቕርበት ንኽትጥቀም ኣብ ዜኽእላ ጽቡቕ ቦታ እያ ነይራ። ብምኽንያት እቲ ዝነበራ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኻብ መንጎ እቶም ዚዋግኡ ኣህዛብ ሓዲኦም ክትመርጽ ነበራ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓያል መሻርኽቲ ወይ መትከር ዕንቅፋት ትኸውን ነበረት።

ቆጵሮሳውያንን ባሕርን

ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ኣብ እተገብረ ፍሕረትን ኣብ መቓብራትን እተረኽበ ስነ-ጥንታዊ መርትዖ ኸምኡውን ጥንታዊ ጽሑፋትን ኣብ ስርሓት ካይላ እተቐብአ ንድፍታትን: ኣብ ቆጵሮስ እተሰርሓ መራኽብ ብኣእምሮና ንኽንስእሎ ይሕግዘና። እቶም ጥንታውያን ቆጵሮሳውያን ክኢላታት ሰራሕቲ መርከብ እዮም ነይሮም። ደሴቶም ሓያል ዱር ነበራ: እቲ ልሳን ባሕራ ድማ ተፈጥሮኣዊ ዕቝባ ይዀኖም ነበረ። መራኽብ ንምስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ: ንቆጵሮስ ኣብ ጥንታዊት ዓለም ውርይቲ ጌርዋ ዝነበረ ነሓሲ ንምምካኽ እውን ኣግራብ ይቘርጹ ነበሩ።

ቆጵሮስ ንወጻኢ ብምልኣኽ እትገብሮ ዝነበረት ሓያል ምንቅስቓስ ንግዲ: ካብ ኣቓልቦ እቶም ኣብቲ መስመራት ንግዶም ግዝኣታት ዝመስረቱ ፊንቄኣውያን ኣየምለጠን። ሓንቲ ኻብዘን ከምዚ ዝኣመሰላ ሰፈራት ኣብ ቆጵሮስ እትርከብ ኪቲዮን እያ ነይራ።—ኢሳይያስ 23:10-12

ጢሮስ ምስ ወደቐት: ገሊኦም ሰባት ኣብ ኪቲም ተዓቚቦም ኪዀኑ ኣለዎም። ፊንቄኣውያን ገዛእቲ ምኩራት ባሕረኛታት ስለ ዝነበሩ: ንተክኖሎጅያዊ ምዕባለ መራኽብ ቆጵሮስ ዓብዪ ኣብርክቶ ገይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኪቲዮን ዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ንመራኽብ ፊንቄኣውያን ብሉጽ ዕቝባ ዀይንወን እዩ።

ኣብ ስሉጥ ኣህጉራዊ ንግዲ ምስታፍ

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ምብራቓዊ መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ጥንታዊ ንጥፈታት ንግዲ እተሓላለኸ እዩ ነይሩ። ክቡር ዝዋግኡ ኣቕሑ ኻብ ቆጵሮስ ናብ ቅሬጥስ: ሳርዲንያ: ሲስሊ: ከምኡውን ናብ ደሴታት ኤጀያ ብመርከብ ይለኣኽ ነበረ። ካብ ቆጵሮስ እተላእከ ዓታሩን ሳርማታትን ኣብዚ ቦታታት እዚ ተረኺቡ: ጽቡቕ ስርሓት ካይላ ማይሲንያውያን (ግሪኻውያን) እውን ብብዝሒ ኣብ ቆጵሮስ ተረኺቡ እዩ። ገሊኦም ምሁራት ነቲ ኣብ ሳርዲንያ እተረኽበ ግማዳት ነሓሲ መርሚሮም ካብ ቆጵሮስ ከም ዝመጸ ኣሚኖምሉ ኣለዉ።

ብ1982 ኣብ መበል 14 ዘመን ቅ.ክ. እተሰብረት መርከብ: ካብ ገማግም ደቡባዊ ቱርኪ ብዙሕ ርሒቑ ኣብ ዘይርከብ ቦታ ተረኽበት። ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ እተገብረ ፍሕረት እተፈላለየ መዝገብ ተረኺቡ እዩ። እዚ ድማ ካብ ቆጵሮስ ከም እተላእከ እተኣምነሉ ግማዳት ነሓሲ: ዕንዲዳ: ዓታሩ ከነኣን: ዝበ: ስኒ ሓርማዝ: ብወርቅን ብብሩርን እተሰርሕ ስልማታት ከነኣናውያን: ከምኡውን ካብ ግብጺ እተላእከ ሕንዚዝ ዚመስል ቅርጽታት ዜጠቓልል ነበረ። ገሊኦም ነቲ ኣብኡ እተረኽበ ስርሓት ካይላ ድሕሪ ምምርማሮም: እታ መርከብ ምናልባት ካብ ቆጵሮስ ዝመበቈላ ኸም ዝዀነት ሓሳብ ሃቡ።

እቲ ዜገርም: ኣብቲ እዛ መርከብ እተሰብረትሉ እዋን ኣቢሉ ዚኸውን: በላዓም ኣብ “ምስላኡ” ንመራኽብ ኪቲም ጠቒስወን ነይሩ። (ዘሁልቍ 24:15, 24) መራኽብ ቆጵሮስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ፍሉጣት ነይረን ኪዀና ኣለወን። እዘን መራኽብ ከመይ ይመስላ ነበራ፧

መራኽብ ነጋዶ

ሓያሎ ብካይላ እተሰርሐ ሞደላት መራኽብን ጃልባታትን ኣብ መቓብራት እታ ኣብ ቆጵሮስ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ኣማተስ ተረኺቡ እዩ። እዚ ብዛዕባ መራኽብ ቆጵሮስ ብዙሕ ሓበሬታ ይህብ: ገሊኡ ድማ ኣብ ኣብያተ-መዘክር ንምርኢት ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ሞደላት ጥንታውያን መራኽብ ንሰላማዊ ንግዲ የገልግላ ምንባረን ይሕብር። እተን ንኣሽቱ መራኽብ 20 ቐዘፍቲ ይርከብወን ነበሩ። እተን ገፋሕትን ዓሚቝ ኣካል ዘለወንን መራኽብ: ኣብ ገማግም ቆጵሮስ ኣብ ዚርከብ ቦታታት ኣቝሑን ሰባትን ንኼጐዓዕዛ እየን ተዳልየን። ፕሊኒ ዓብዪ: ቆጵሮሳውያን ብቐዘፍቲ እትጐዓዝን ክሳዕ 90 ቶን ክትስከም እትኽእልን ንእሽቶን ፈኳስን መርከብ ከም ዝነደፉ ጠቒሱ ነይሩ።

ብተወሳኺ: ከምታ ኣብ ገማግም ቱርኪ እተረኽበት ዝዓይነተን ዓበይቲ መራኽብ ነጋዶ እውን ነይረን እየን። ገሊአን ኣብ ማእከል ባሕሪ ኽሳዕ 450 ቶን ጽዕነት ኪስከማ ይኽእላ ነበራ። ዓበይቲ መራኽብ ክሳዕ 50 ቐዘፍቲ: ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸነኽ 25 ኪሕዛ ይኽእላ ነበራ፣ ንውሓተን 30 ሜተር ኣቢሉ ዚኸውን ኰይኑ: ደቐለን ከኣ 10 ሜተር ዝቝመቱ ነበረ።

መራኽብ ውግእ “ኪቲም” ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ

“ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ኪመጻ እየን: ንሳተን ንኣሶር ኬጨንቓ” ዚብል ቃላት ካብ መንፈስ የሆዋ ዝመነጨ እዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 24:2, 24) እዚ ትንቢት እዚ ተፈጺሙ ድዩ፧ ካብ ቆጵሮስ ዝመጻ መራኽብ ኣብቲ ፍጻመ እቲ እተሳተፋ ብኸመይ እየን፧ እተን “ካብ ወሰን ኪቲም [ዚመጻ] መራኽብ” ኣብ ባሕሪ መዲተራነያን ዚመላለሳ ዝነበራ ሰላማውያን መራኽብ ኣይነበራን። ዜጨንቓ መራኽብ ውግእ እየን ነይረን።

ኣብ ውግእ ዜድሊ ነገራት እተፈልየ ስለ ዝዀነ: ነቲ መሰረታዊ ንድፊ ብምልዋጥ ቅልጡፋትን ዝያዳ ሓያላትን መራኽብ ኣዳለዉ። እተን ቀዳሞት መራኽብ ቆጵሮስ ከምቲ ኣብ ኣማተስ እተረኽበ ስእሊ እየን ነይረን ኪዀና ዚኽእላ። ኣብኡ ምስ መርከብ ውግእ ፊንቄ እትመሳሰል: ነዋሕን ቀጣንን ኰይና ድሕሪታ ወይ ጭራኣ ናብ ላዕሊ ገጹ ኸይዱ ንውሽጢ እትዓዅለለ መርከብ እያ ተሳኢላ ዘላ። ብቕድሚታ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዜገልግል ብልሒ ኣለዋ: ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ቅድሚትን ድሕሪትን እታ መርከብ ከኣ ከበብቲ ዋላቱ ኣለዋ።

ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ክልተ ተርታ መቕዘፊ ዘለወን መራኽብ ኣብ ግሪኽ ኪቕልቀላ ጀመራ። እዘን መራኽብ እዚኣተን 24 ሜተር ዝምንዋሐንን 3 ሜተር ዝምግፋሐንን እየን ነይረን። ፈለማ: እዘን መራኽብ ንተዋጋእቲ ንምጕዕዓዝ የገልግላ ነበራ: እቲ ዂናት ከኣ ኣብ ምድሪ ይግበር ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣብ ንድፊ እዛ ዓይነት መርከብ እዚኣ ሳልሳይ ተርታ መቕዘፊ ምውሳኽ ዘለዎ ጥቕሚ ነጸረ: ኣብ ቅድሚታ እውን ብሮንዞ ዝለበሰ በሊሕ መብስዒ ተወሰኻ። እዛ ሓዳስ ዓይነት መርከብ እዚኣ እታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እተጠቕሰት እያ ነይራ። እዛ ዓይነት መርከብ እዚኣ ኣብቲ ግሪኻውያን ንሓይሊ ባሕሪ ፋርሳውያን ዝሰዓሩሉ ዂናት ሰላሚስ (480 ቅ.ክ.) ተፈላጥነት ረኸበት።

ጸኒሑ ኣለክሳንደር ዓብዪ ዓብላሊ ንኪኸውን ካብ ዝነበሮ ድሌት ተላዒሉ: ነተን ሰለስተ ተርታ መቕዘፊ ዝነበረን መራኽቡ ናብ ምብራቕ ገጹ ኣንቀሳቐሰን። እዘን መራኽብ እዚኣተን ዜድሊ ቐረብ ንምቕማጥ ብዙሕ ቦታ ስለ ዘይነበረን: ንውግእ ደኣ እምበር: ኣብ ማእከል ባሕሪ ነዊሕ ጕዕዞ ንኺገብራ እተዳለዋ ኣይነበራን። ስለዚ ድማ ዜድሊ ቐረብ ንምጽዓንን ጽገና ንምግባርን ኣብ ደሴታት ኤጀያ ኼዕርፋ ነበረን። ኣለክሳንደር ጭፍራ መራኽብ ፋርስ ንምዕናው እዩ ዕላማ ገይሩ ነይሩ። ዓወት ንምርካብ ግን ፈለማ ነታ ዘይድፈር ዕርዲ ዝነበራ ደሴት ዝዀነት ከተማ ጢሮስ ኪስዕራ ነበሮ። ናብኣ ኪኸይድ ከሎ እግረ መገዱ ናብ ቆጵሮስ ኣላገሰ።

ጢሮስ ኣብ እተኸበትሉ እዋን (332 ቅ.ክ.) ቆጵሮሳውያን ንኣለክሳንደር ዓብዪ 120 መራኽብ ብምሃብ ኣብ ጐድኑ ቘሙ። ሰለስተ ነገስታት ቆጵሮስ ጭፍራ መራኽቦም መሪሖም ምስ ኣለክሳንደር ተጸምበሩ። ኣብቲ ንሸውዓተ ወርሒ ዝቐጸለ ኸበባ ጢሮስ ከኣ ተኻፈሉ። ጢሮስ ወደቐት: ሓደ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተፈጸመ። (ህዝቅኤል 26:3, 4፣ ዘካርያስ 9:3, 4) ኣለክሳንደር ምስጋናኡ ንምግላጽ: ንነገስታት ቆጵሮስ ፍሉይ ስልጣን ሃቦም።

ዜደንቕ ፍጻመ

ስትራቦ ዚበሃል ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ: ኣለክሳንደር ካብ ቆጵሮስን ፊንቄን ዝመጻ መራኽብ ኣብቲ ናብ ምድሪ ዓረብ ዝገበሮ ወፈራ ኸም እተጠቕመ ኣዘንትዩ ኣሎ። እዘን መራኽብ እዚኣተን ፈኰስትን ብቐሊሉ ዚፈታትሓን ስለ ዝነበራ: ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ዚርከብ ታፕሳኩስ (ቲፍሳሕ) ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ጥራይ እየን በጺሐን። (1 ነገስት 4:24) ካብኡ ብፈለግ ኣቢለን ናብ ባቢሎን ኪጐዓዛ ይኽእላ ነበራ።

ስለዚ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕቡእ ዚመስል ቃላት: ዓሰርተ ዘመን ጸኒሑ ፍጻሜኡ ረኸበ! ምስቲ ኣብ ዘሁልቍ 24:24 ዚርከብ ቃላት ብምስምማዕ: ሰራዊት ኣለክሳንደር ዓብዪ ኻብ መቄዶንያ ብፍጥነት ናብ ምብራቕ ገጾም ተጓዒዞም ምድሪ ኣሶር ወረሩ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ሓያል ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ሰዓሩ።

እቲ ብዛዕባ ‘መራኽብ ኪቲም’ ዘሎና ውሱን ሓበሬታ እኳ ኸይተረፈ: ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዜደንቕ መገዲ ኸም እተፈጸመ ብንጹር ዚሕብር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ምስክርነት: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት ኪእመን ዚከኣል ምዃኑ ዝነበረና ምትእምማን የደልድለልና። ሓያሎ ትንቢታት ከኣ ንመጻኢና ዚትንክፍ ስለ ዝዀነ: ኣርዚንና ኽንርእዮ ኣሎና።

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኢጣልያ

ሳርዲንያ

ሲስሊ

ባሕሪ ኤጀያ

ግሪኽ

ቅሬጥስ

ሊብያ

ቱርኪ

ቆጵሮስ

ኪቲዮን

ጢሮስ

ግብጺ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ሰለስተ ተርታ መቕዘፊ ዘለዋ ሞደል መርከብ ውግእ ግሪኽ

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

መርከብ ቆጵሮስ እተሳእለላ ሳርማ

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ክልተ ተርታ መቕዘፊ ዘለዋ ሞደል መርከብ ውግእ ፊንቄ

[ምንጪ ስእሊ]

Published by permission of the Director of Antiquities and the Cyprus Museum

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ከምተን ኣብ ኢሳይያስ 60:9 ተጠቒሰን ዘለዋ ዝኣመሰላ ጥንታውያን መራኽብ ጽዕነት