ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“መዓሙቝ ኣምላኽ” ምምርማር

“መዓሙቝ ኣምላኽ” ምምርማር

“መዓሙቝ ኣምላኽ” ምምርማር

“እቲ መንፈስ ግና መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ።”—1 ቈረንቶስ 2:10

1. ገለ ኻብቲ ንሓድሽ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሐጕስ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

 መብዛሕትና ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለና ሰባት: መጀመርታ ሓቂ ምስ ፈለጥና እተሰምዓና ሓጐስ ንዝክሮ ኢና። ስም የሆዋ ስለምንታይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ: የሆዋ መከራ ኺህሉ ስለምንታይ ከም ዘፍቀደ: ገሊኦም ሰባት ናብ ሰማይ ስለምንታይ ከም ዚኸዱ: ከምኡውን ንእሙናት ደቅሰብ ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበዮም ከም ዘሎ ፈሊጥና ኢና። ቅድሚኡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና ኽንከውን ንኽእል ኢና: እዚ ነገራት እዚ ግን ከምቲ ሕጂ መብዛሕትኦም ደቅሰብ ዘይርድእዎ: ንዓና እውን ተሰዊሩና ነበረ። ከም ሓደ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዘሎ መርጀን ኪርኢ ዚጽዕር ሰብ ኢና ኔርና። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብዘይ ገለ ሓገዝ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ማይ ዘሎ ውቁብ ነገራት ብዙሕ ኪርኢ ኣይክእልን እዩ። ብሓገዝ መሐንበሲ መነጸር ወይ ብቬትሮ እተሰርሐ ባይታ ዘለዋ ጃልባ ገይሩ ግን: ንፈለማ ግዜ ድሙቕ ዚሕብሩ መርጀን: ዓሳ: ዕምባባ ባሕሪ: ከምኡውን ካልእ ዜስደምም ፍጥረታት ኪርኢ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ: ሓደ ሰብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኬረድኣና ምስ ጀመረ: ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ንፈለማ ግዜ ኽንርእዮ ንጅምር።—1 ቈረንቶስ 2:8-10

2. ቃል ኣምላኽ ክንመሃር ከለና እንረኽቦ ሓጐስ መወዳእታ ዘይብሉ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

2 ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ላዕለ ላዕሉ ጥራይ ብምፍላጥና ኽንዓግብ ኣሎናዶ፧ እቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ዚብል ቃላት ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ንክርስትያናት እተገልጸ: ንኻልኦት ግን ስዉር ዝዀነ ጥበብ ኣምላኽ የጠቓልል። (1 ቈረንቶስ 2:7) ጥበብ ኣምላኽሲ መርሚርና ዘይውዳእ ከመይ ዘበለ ባህ ዜብል ዓውዲ ዀን እዩ! ብዛዕባ ጥበብ መገድታት ኣምላኽ ኵሉ ነገር ከቶ ኣይክንፈልጥን ኢና። እቲ መባእታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንመሃር ከለና ዝነበረና ሓጐስ ምሳና ንሓዋሩ ኪቕጽል እንተ ዀይኑ ግን: ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብቐጻሊ ኽንምርምሮ ኣሎና።

3. ንእምነታትና መሰረት ዚዀነና ምኽንያታት ኣጸቢቕና ኽንርድኦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ክንርድኦ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ከም እንኣምን ጥራይ ዘይኰነስ ስለምንታይ ከም እንኣምን: ማለት ንእምነትና መሰረት ዚኸውን ምኽንያታት ምርዳእና: ንእምነትናን ንምትእምማንናን የደልድሎ። ቅዱሳት ጽሑፋት “ኣእምሮ”ና ነቲ “ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ [ንምምርማር]” ወይ ንምርግጋጽ ክንጥቀመሉ ይነግረና እዩ። (ሮሜ 12:1, 2) የሆዋ ስለምንታይ ገሊኡ መገዲ ህይወት ክንስዕብ ከም ዚደልየና ምርዳእና: ንኽንእዘዞ ዘሎና ቘራጽነት የድልድሎ። ስለዚ: “መዓሙቝ” ፍልጠት ምጥራይና ኣብ ሕማቕ ተግባር ክንጽመድ ዚመጸና ፈተና ንኽንጻረር የበርትዓና: ‘ንሰናይ ግብሪ ኽንቀንእ’ ከኣ ይድርኸና።—ቲቶስ 2:14

4. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ የጠቓልል፧

4 ዓሚቝ ነገራት ንኽንርዳእ መጽናዕቲ ኽንገብር ኣሎና። ይኹን እምበር: መጽናዕቲ ንሓደ ነገር ላዕለ ላዕሉ ምንባብ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ ሓደ ሓበሬታ ምስቲ ኣቐዲምና እንፈልጦ ነገር ብኸመይ ከም ዚተኣሳሰር ንኽንግንዘብ ተጠንቂቕና ምምርማር የጠቓልል። (2 ጢሞቴዎስ 1:13) ሓደ ነገር እተባህለሉ ምኽንያታት ምስትውዓል እውን ይሓቍፍ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባርን ንኻልኦት ንምሕጋዝን እንመሃሮ ነገር ምስትንታን የጠቓልል። ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ጠቓሚ’ ስለ ዝዀነ ኸኣ: መጽናዕትና ‘ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዚወጽእ ኵሉ ቓል’ ዜጠቓልል ኪኸውን ይግባእ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ ማቴዎስ 4:4) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከቢድ ዕዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ! ግናኸ ዜሕጕስ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ምርዳእ ድማ ብዙሕ ኣጸጋሚ ኣይኰነን።

የሆዋ ንትሑታት ኪርድኡ ይሕግዞም

5. ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ኪርድኦ ዚኽእል መን እዩ፧

5 ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሉጽ እኳ እንተ ዘይነበርካን መጽናዕቲ እውን እንተ ዘይለመድካ: “መዓሙቝ ኣምላኽ” ክትርድኦ ዘይትኽእል ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይትርኣዮ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን: የሆዋ ዕላማኡ ኸም ዚርድኡ ዝገበሮም ነቶም ብልህታትን ኣስተውዓልትን ዘይኰነስ: ነቶም ብኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪመሃሩ ትሕትና ዝነበሮም ዘይተማህሩ ጭዋታት እዩ ነይሩ። ምስቶም ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ እተማህሩ ኺነጻጸሩ ኸለዉ ኸም ሕጻናት እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 11:25፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:13) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ‘እቲ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ዘዳለወሎም’ ነገራት ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ: “እቲ መንፈስ ግና መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ እሞ: ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና” ኢሉ ጸሓፈሎም።—1 ቈረንቶስ 2:9, 10

6. ኣብ 1 ቈረንቶስ 2:10 ዘሎ ሓሳባት እንታይ ማለት እዩ፧

6 መንፈስ ኣምላኽ ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዅሉ ይምርምር እዩ” ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን በብውልቂ ሓቂ ኣብ ክንዲ ዚገልጸሉ: ብመንፈሱ ገይሩ እዩ ንውድቡ ዚመርሕ፣ ውድቡ ኸኣ ነቶም ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦም ይሕግዞም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ ኤፌሶን 4:3-6) ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ ዅለን ጉባኤታት ተመሳሳሊ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እየን ዚገብራ። ኣብ እተወሰነ ዓመታት ንብምሉኡ ዓይነት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሽፍናኦ እየን። መንፈስ ቅዱስ ከኣ በተን ጉባኤታት ኣቢሉ: ሰባት ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ንኺርድእዎ ዜድልዮም ኣረኣእያ ኺህልዎም ይሕግዞም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:32

“መዓሙቝ ኣምላኽ” ዜጠቓልሎ ነገራት

7. ብዙሓት ሰባት “መዓሙቝ ኣምላኽ” ዘይርድኦም ስለምንታይ እዩ፧

7 “መዓሙቝ” ተባሂሉ ዘሎ ነገራት: ግድን ኣጸጋሚ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንሓስብ የብልናን። ፍልጠት “መዓሙቝ ኣምላኽ” ካብ መብዛሕትኦም ሰባት ስዉር ዝዀነ: ፍልጠት ኣምላኽ ንምርካቡ ኣዝዩ ዜጸግም ብምዃኑ ዘይኰነስ: ሰይጣን ንሰባት ነቲ የሆዋ ብውድቡ ኣቢሉ ዘዳለወሎም ሓገዝ ከይቅበሉ ስለ ዜታልሎም እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:3, 4

8. ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ ብዛዕባ እንታይ መዓሙቝ እዩ ዝገለጸ፧

8 ኣብታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቲ: ኣብ ምዕራፍ ሰለስተ: “መዓሙቝ ኣምላኽ” ኪበሃል ከሎ ኸም መንነት እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ: ካብ ደቅሰብ ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ምሕራይ: ከምኡውን መሲሓዊት መንግስቲ ዝኣመሰለ ህዝቢ የሆዋ ኣጸቢቖም ዚርድእዎ ብዙሕ ሓቅታት የጠቓልል እዩ። ጳውሎስ: “ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳን ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ: ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን። ማለት፤ ኣህዛብሲ መዋርስቲ: ሓደ ስጋ: ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ” ኢሉ ጸሓፈ። “እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም [ኬ]ብርሃሎም” ከም እተዋህቦ ተዛረበ።—ኤፌሶን 3:5-9

9. ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ክንርዳእ ምኽኣልና ኽብሪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ . . . ኼፍልጦም” ፍቓዱ ምዃኑ ገለጸ። (ኤፌሶን 3:10) መላእኽቲ ነቲ የሆዋ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤኡ ኣብ ዘለዎ ርክብ ዚጥቀመሉ ጥበብ ብምዕዛብን ብምርዳእን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ንመላእኽቲ እውን ዜገድሶም ነገራት ክንርዳእ ምኽኣልናስ ከመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ! (1 ጴጥሮስ 1:10-12) ቀጺሉ ጳውሎስ “ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል” ምእንቲ ኽንክእል ጻዕሪ ኽንገብር ከም ዘሎና ተዛረበ። (ኤፌሶን 3:11, 18) ሕጂ እምበኣር ግንዛበና ኼስፍሕ ዚኽእል ገለ ኣብነታት እቲ መዓሙቝ እስከ ንርአ።

ኣብነታት መዓሙቝ

10, 11. ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: የሱስ ቀንዲ ኽፋል እቲ “ዘርኢ” እታ ሰማያዊት “ሰበይቲ” ኣምላኽ ዝዀነ መዓስ እዩ፧

10 የሱስ ቀንዲ ኽፋል እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ “ዘርኢ” እታ ሰማያዊት “ሰበይቲ” ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ እዚ ዘሎና ምርዳእ ንምስፋሕ: ‘የሱስ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዝዀነ መዓስ እዩ፧ ሰብ ኰይኑ ቕድሚ ምምጻኡ ድዩ: ሰብ ኰይኑ ምስ ተወልደ ድዩ: ኪጥመቕ ከሎ ድዩ: ወይስ ኪትንስእ ከሎ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

11 ኣምላኽ እታ ኣብ ትንቢት ከም “ሰበይቲ” ጌርካ እተጠቕሰት ሰማያዊ ኽፋል ውድቡ ነቲ ንርእሲ እቲ ተመን ዚጭፍልቕ ዘርኢ ኽትወልድ ምዃና ተመባጽዐ። ኰይኑ ግን: ኣሽሓት ዓመታት ሓለፈ: እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ከኣ ንዘርኢ ሰይጣንን ግብሩን ኪጭፍልቕ ዚኽእል ዘርኢ ኣየፍረየትን። ስለዚ ድማ ትንቢት ኢሳይያስ “መኻን” ከምኡውን “መንፈሳ ዝጐሀየ” ኢሉ ጸውዓ። (ኢሳይያስ 54:1, 5, 6) ኣብ መወዳእታ: የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ጥምቀቱ ብመንፈስ ተወሊዱ መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ምስ ኰነ እዩ የሆዋ: “ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ እተዛረበ። (ማቴዎስ 3:17፣ ዮሃንስ 3:3) እቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ “ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ኣብ መወዳእታ መጸ። ጸኒሑ ሰዓብቲ የሱስ እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡን ተወልዱን። እታ ንነዊሕ ግዜ ‘ዘይትወልድ’ መሲላ ዝነበረት “ሰበይቲ” የሆዋ: ኣብ መወዳእታ ‘እልል ክትብል’ ከኣለት።—ኢሳይያስ 54:1፣ ገላትያ 3:29

12, 13. ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ክርስትያናት “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኸም ዜቝሙ ዚሕብረና ጥቕስታት ኣየናይ እዩ፧

12 ካልኣይ ኣብነት እቲ እተገልጸልና መዓሙቝ: ነቶም ካብ ሰብ እተሓርዩ 144,000 ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ እዩ። (ራእይ 14:1, 4) ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዅሎም ቅቡኣት: ነቲ የሱስ ንስድራቤቱ መንፈሳዊ “ምግቢ” በብግዜኡ ኸም ዚህቦም እተዛረበሉ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜቝሙ ምዃኖም እተቐበልናዮ ትምህርቲ እዩ። (ማቴዎስ 24:45) እዚ ምርዳእና እዚ ቕኑዕ ምዃኑ ዜረጋግጽ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕሲ ኣሎ፧ የሱስ ንዝዀነ ይኹን ንኣሕዋቱ ብመንፈሳዊ ዚምግብ ክርስትያን ብሓፈሻ የመልክት ነይሩ ደዀን ይኸውን፧

13 ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል: “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም” በሎም። (ኢሳይያስ 43:10) ኰይኑ ግን ኣብ 11 ኒሳን 33 ድ.ክ. የሱስ ንመራሕቲ እስራኤል: ህዝቦም ባርያ ኣምላኽ ካብ ምዃን ከም እተነጽገ ነገሮም። “እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ” በሎም። ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ኸኣ: “እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 21:43፣ 23:38) ቤት እስራኤል ከም ባርያ የሆዋ መጠን እሙንን ኣስተውዓልን ኣይነበረን። (ኢሳይያስ 29:13, 14) የሱስ ጸኒሑ በታ መዓልቲ እቲኣ: “እቲ . . . እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ‘ንእስራኤል ተኪኡ እሙን ባርያ ኣምላኽ ዚኸውን ኣየናይ ኣስተውዓሊ ህዝቢ እዩ፧’ ኢሉ እዩ ዚሓትት ነይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት: “ንስኻትኩም . . . ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም” ኪብሎም ከሎ መልሲ እታ ሕቶ ሃበ። (1 ጴጥሮስ 1:4፣ 2:9) እቲ መንፈሳዊ ህዝቢ ወይ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ሓድሽ ባርያ የሆዋ ዀነ። (ገላትያ 6:16) ከምቲ ዅሎም ኣባላት ጥንታዊት እስራኤል ከም ሓደ “ባርያ” ጌርካ ዚርኣዩ ዝነበሩ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ሓደ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” የቝሙ። በቲ ባርያ ኣምላኽ ኣቢሉ ዚመጸልና “ምግቢ” ምርካብናስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

ብሕታዊ መጽናዕቲ ዜሕጕስ ኪኸውን ይኽእል

14. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ንባብ ንላዕሊ ሓጐስ ዜምጽእ ስለምንታይ እዩ፧

14 ቅዱሳት ጽሑፋት ብሓድሽ መልክዕ ክንርድኦ ኸለና: ንእምነትና ስለ ዜደልድላ ሓጐስ ደይኰነን ዚስምዓና፧ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ንባብ ንላዕሊ ሓጐስ ኬምጽኣልና ዚኽእል። ስለዚ: ክርስትያናዊ ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ: ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘እዚ መግለጺ እዚ ምስቲ ኣቐዲመ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር ዝርድኦ ዝነበርኩ ብኸመይ ይነጻጸር፧ ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐሪቡ ዘሎ መደምደምታታት ብተወሳኺ ኺድግፍ ዚኽእል እንታይ ጥቕስታት ወይ መርትዖታት ከቕርብ እኽእል፧’ ተወሳኺ ምርምር ክትገብር ዜድሊ እንተ ዀይኑ: ነታ ኽትምለሰልካ እትደልያ ሕቶ ኣብ መዘኻኸሪኻ መዝግባ: ኣብ መጻኢ መጽናዕቲ ኽትገብረላ ድማ መድብ።

15. እንታይ ፕሮጀክትታት መጽናዕቲ እዩ ዜሐጕስ ኪኸውን ዚኽእል፧ ነባሪ ጥቕሚ ኺህልዎ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

15 እንታይ ፕሮጀክትታት መጽናዕቲ እዩ ሓድሽ ምስትውዓል ከም እትረክብ ብምግባር ሓጐስ ኬምጽኣልካ ዚኽእል፧ ነቲ ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ዝኣተዎ እተፈላለየ ኺዳናት ብዕምቈት ምትንታኑ ብዙሕ ኪምህረካ ይኽእል እዩ። ነቲ ናብ የሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ትንቢታት ብምጽናዕ ወይ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጻሕፍቲ በብቝጽሪ ብምምርማር እምነትካ ኸተደልድል ትኽእል ኢኻ። ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ ብእትርድኦ ቛንቋ ኽትረኽባ ትኽእል እንተ ዄንካ: ነቲ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ብሓድሽ ምምርማርካ እውን ንእምነትካ የደልድላ እዩ። a ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ደጊምካ ምርኣዩ: ንገሊኡ ጥቕስታት ብሓድሽ መገዲ ንኽትርድኦ ኸም ዚሕግዘካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ነቲ ኣብቲ መደምደምታታት ንምብጻሕ ዚቐርብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ብፍላይ ኣስተብህለሉ። እዚ ድማ ‘ንልቦናኻ’ ንምስልጣንን ምስትውዓልካ ንምምዕባልን ኪሕግዝካ እዩ። (እብራውያን 5:14) ከተጽንዕ ከለኻ: መጽናዕትኻ ንዓኻ ዀነ ነቶም ክትሕግዞም እትኽእል ነባሪ ጥቕሚ ምእንቲ ኺህልዎ: ኣብ ብሕታዊ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ወረቐት መዘኻኸሪታት መዝግብ።

ንኣሽቱ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሕጐሱ ሓግዞም

16. ንኣሽቱ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕጐሱ ንምግባር ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

16 ወለዲ ንመንፈሳዊ ሸውሃት ደቆም ንምኽፋት ብዙሕ ነገራት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣሽቱ ዓሚቝ ነገራት ኪርድኡ ኸም ዘይክእሉ ጌርካ ኣይትርኣዮም። ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤት ኪዳለዉ ኸለዉ ምርምር ዚገብሩሉ ርእሰ ነገር ትህቦም እንተ ዄንካ: ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ነገራት ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ንእምነቶም ብኸመይ ከም ዚጣበቑን እቲ እተማህርዎ ሓቂ ምዃኑ ብኸመይ ከም ዜረጋግጹን ዚሕግዞም እዋን ልምምድ ኣብ መጽናዕቲ ስድራቤት ኪጠቓለል ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊኡ በታ “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” b ዘርእስታ ብሮሹር ጌርካ ብዛዕባ ጂኦግራፍ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህርን ኣብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እትሽፍኖ ዘለኻ ነገራት ከተነጽርን ትኽእል ኢኻ።

17. ነቲ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሉ ፕሮጀክትታት ብሚዛናዊ ኣገባብ ክንሕዞ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

17 ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሉ ፕሮጀክትታት መሳጥን እምነት ዜደልድልን ኪኸውን ይኽእል እዩ: ግናኸ ኻብቲ ንኣኼባታት ጉባኤ እትገብሮ ምድላዋት ግዜ ኸይወስደልካ ተጠንቀቕ። የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዚምህረሉ ኻልእ መገዲ ኣኼባታት እዩ። ተወሳኺ ምርምር እንተ ጌርካ: ኣብ ኣኼባታት ትርጕም ዘለዎ ሓሳባት ንኽትህብ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚቐርብ ካብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታት ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።

18. እቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ንምጽናዕ እትገብሮ ጻዕሪ ዚኽሕስ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

18 ዓሚቝ ብሕታዊ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽትቀርቦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ዘለዎ ኣገዳስነት ኪገልጽ ከሎ: “ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ: ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዪኣ ብህይወት ምንባር እዩ” በለ። (መክብብ 7:12) ስለዚ: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ዘሎካ ምርዳእ ንምዕማቝ እትገብሮ ጻዕሪ ዚኽሕስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ከይተሓለሉ ሃለው ዚብሉ: “ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ” ኢሉ ተመባጺዑሎም ኣሎ።—ምሳሌ 2:4, 5

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• “መዓሙቝ ኣምላኽ” እንታይ እዩ፧

• ብዛዕባ እቲ መዓሙቝ እትገብሮ መጽናዕቲ ኼቋርጽ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

• ነቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብምርዳእ ዚርከብ ሓጐስ ንዅሎም ክርስትያናት ክፉት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ካብቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ብዝያዳ ኽትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ዝዀነ መዓስ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ወለዲ ንደቆም ኣብቲ መጽናዕቲ ስድራቤት ተዳልዮምሉ ዚመጹ ምርምር ዚገብሩሉ ርእሰ ነገራት ኪህብዎም ይኽእሉ እዮም