ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል የሆዋ ኸቶ ኣይወድቕን

ቃል የሆዋ ኸቶ ኣይወድቕን

ቃል የሆዋ ኸቶ ኣይወድቕን

“ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ . . . ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም።” —እያሱ 23:14

1. እያሱ ኸመይ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ፧ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧

 ሓያልን ዘይፈርህን ሓለቓ ሰራዊት ከምኡውን እምነቱን ንጽህናኡን ዚሕሉ ሰብ ነበረ። ምስ ሙሴ ይመላለስ ነበረ: ንህዝቢ እስራኤል ካብቲ ዜፍርህ በረኻ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኺመርሖም ከኣ ብየሆዋ ተመርጸ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: እዚ ዓብዪ ኣኽብሮት ዚወሃቦ ዝነበረ እያሱ: ንዓበይቲ እስራኤል ዚምስጥ ናይ ስንብታ መደረ ኣስመዖም። እቲ መደረ ንእምነት እቶም ዝሰምዕዎ ሰባት ከም ዘደልደለ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንዓኻ እውን ብተመሳሳሊ ንእምነትካ ኼደልድለልካ ይኽእል እዩ።

2, 3. እያሱ ንዓበይቲ እስራኤል ኣብ እተዛረቦም እዋን: ኣብ እስራኤል ከመይ ዝበለ ዅነታት ነበረ፧ እያሱኸ እንታይ በለ፧

2 ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ዅነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ:- “ኰነ ድማ: ድሕሪ ነዊሕ ዘበን እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዚነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም: እያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ: ንብዘለዉ እስራኤል: ንዓበይቶምን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ጸዊዑ በሎም: ኣነ ኣሪገ: ነዊሕ ዕድመ ገይረ እየ።”—እያሱ 23:1, 2

3 እያሱ ናብ 110 ዓመቱ ቐሪቡ ነበረ: ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ መሳጢ እዋን ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ከኣ እዩ ዚነብር ነይሩ። ግብርታት ሓይሊ ኣምላኽ ከምኡውን ፍጻመታት ሓያሎ መብጽዓታት የሆዋ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። እምበኣር: ብብሕቱ ኻብ ዘጋጠሞ ተመክሮ ተበጊሱ እዩ ብምሉእ ምትእምማን: “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” ዝበለ።—እያሱ 23:14

4. የሆዋ ንእስራኤላውያን እንታይ መብጽዓ እዩ ኣትዩሎም፧

4 ኣብቲ እያሱ ብህይወት ዝነበረሉ እዋን እተፈጸመ ቃል የሆዋ እንታይ እዩ፧ ሰለስተ ኻብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም መብጽዓታት ክንርኢ ኢና። ቀዳማይ: ኣምላኽ ካብ ባርነት ከም ዜድሕኖም፣ ካልኣይ: ከም ዜዕቍቦም፣ ሳልሳይ: ከም ዚከናኸኖም ተመባጺዑ ነበረ። የሆዋ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝቡ ተመሳሳሊ መብጽዓ ኣትዩሎም ኣሎ: ንሕና እውን ገለ ኻብቲ መብጽዓታቱ ኺፍጸም ከሎ ኣብ ህይወትና ርኢና ኢና። የሆዋ ኣብዚ ግዜና እንታይ ከም ዝገበረልና ቕድሚ ምርኣይና ግን: ብግዜ እያሱ ዝገበሮ ነገራት እስከ ንመርምር።

የሆዋ ንህዝቡ የድሕኖ

5, 6. የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ዘድሓኖም ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ኣርእዩ፧

5 እስራኤላውያን ካብቲ ኣብ ግብጺ ዝነበርዎ ባርነት እተላዕለ ናብ የሆዋ ምስ ኣእወዩ: ንሱ ኣውያቶም ሰምዐ። (ዘጸኣት 2:23-25) የሆዋ ንሙሴ ኣብታ እትነድድ ቍጥቋጥ: “ካብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ: ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ: . . . ከደይቦም እየ” በሎ። (ዘጸኣት 3:8) የሆዋ ነዚ ኺፍጽሞ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! ፈርኦን ንእስራኤል ካብ ግብጺ ምእንቲ ኸይወጹ ኢሉ ምሕዳጎም ምስ ኣበየ: ኣምላኽ ንማያት ፈለግ ኒል ናብ ደም ከም ዚቕይሮ ሙሴ ነገሮ። ቃል ኣምላኽ ኣይወደቐን። ማያት ፈለግ ኒል ናብ ደም ተቐየረ። ኣብኡ ዝነበረ ዓሳ ሞተ: እቲ ፈለግ እውን ኪስተ ዘይከኣል ኰነ። (ዘጸኣት 7:14-21) ፈርኦን ግን ተረረ: የሆዋ ኸኣ በብሓደ ኣቐዲሙ እናነገረ ትሽዓተ ተወሳኺ መዓት ኣምጸኣሉ። (ዘጸኣት: ምዕራፍ 8-12) እቲ ዓስራይ መዓት ንበዅሪ ግብጺ ምስ ወቕዐ: ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኪኸዱ ኣዘዞም፣ ንሳቶም እውን ካብታ ሃገር ወጹ።—ዘጸኣት 12:29-32

6 ካብ ባርነት ምድሓኖም ወይ ሓራ ምውጻኦም: የሆዋ ኸም ሕሩይ ህዝቢ ገይሩ ንኺሕዞም መገዲ ኸፈተ። ንየሆዋ ፈጻሚ መብጽዓታቱን ቃሉ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕን ከም ዝዀነ ገይሩ ኽብ ኣበሎ። ካብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣህዛብ ዝለዓለ ምዃኑ ድማ ኣርኣየ። ብዛዕባ ዝደሓኑሉ ኣገባብ ምንባብና እምነትና የደልድለልና እዩ። ነዚ ባዕልኻ ኽትምከሮ ዜሕድሮ ስምዒት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! እያሱ: የሆዋ ብዘይ ጥርጥር “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ከም ዝዀነ ርእዩ እዩ።—መዝሙር 83:18

የሆዋ ንህዝቡ የዕቍቦ

7. የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ሰራዊት ፈርኦን ዘዕቈቦም ብኸመይ እዩ፧

7 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜዕቍብ ዝኣተዎ ኻልኣይ መብጽዓኸ፧ እዚ መብጽዓ እዚ ኣብቲ የሆዋ ኻብ ባርነት ግብጺ ኸም ዜድሕኖምን ናብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ዜእትዎምን ዝኣተዎ መብጽዓ ተጠቓሊሉ ንረኽቦ ኢና። ፈርኦን ብቝጥዓ ተመሊኡ ንእስራኤላውያን ኣማእታት ሰረገላታት ዝዓጠቐ ሓያል ሰራዊቱ ሒዙ ኸም ዝሰዓቦም ትዝክሮ ትኸውን። እዚ ዕቡይ ሰብኣይ ብፍላይ እስራኤላውያን ኣብ መንጎ ኣኽራንን ባሕርን እተቐርቀሩ ዀይኑ ምስ ተራእዮ: ምትእምማን ኣሕዲሩ ኪኸውን ኣለዎ! ኣምላኽ ግን ንህዝቡ ንምዕቋብ ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ሰፈር ደበና ኣእተወ። ብሸነኽ ግብጻውያን ጸልማት ነበረ፣ ብሸነኽ እስራኤላውያን ግን ብርሃን ነበረ። እቲ ደበና ንግብጻውያን ናብ እስራኤላውያን ከይቀርቡ ዓጊትዎም ከሎ: ሙሴ በትሩ ዘርግሐ: ማያት ቀይሕ ባሕሪ ድማ ኣብ ክልተ ተመቕለ፣ እዚ ኸኣ ንእስራኤላውያን መምለጢ መገዲ ኪኸፍተሎም ከሎ: ንግብጻውያን ግን መጻወድያ ዀኖም። የሆዋ ነቲ ሓያል ሰራዊት ፈርኦን ምሉእ ብምሉእ ኣጥፍኦ: ንህዝቡ ኸኣ ከይሰዓሩ ኣዕቈቦም።—ዘጸኣት 14:19-28

8. እስራኤላውያን (ሀ) ኣብቲ በረኻ: (ለ) ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ኸለዉ: እንታይ ዕቝባ እዮም ረኺቦም፧

8 እስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ ምስ ሰገሩ: ኣብቲ “መርዛማት ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፥ ማይ ብዘይብሉ ኣጻምእ፥ ገፊሕን ዜፍርህን ምድረ በዳ” ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ ዀለል በሉ። (ዘዳግም 8:15 ትርጕም 1990) የሆዋ ኣብኡ እውን ንህዝቡ ኣዕቊብዎ እዩ። ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ኸለዉኸ፧ ሓያላት ሰራዊት ከነኣን ተጻቢኦምዎም እዮም። ኰይኑ ግን: የሆዋ ንእያሱ: “ተንስእ: ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም: ንደቂ እስራኤል: ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ: ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን” በሎ። (እያሱ 1:2, 5) እዘን ቃላት የሆዋ ኣይወደቓን። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመት ዚኸውን: እያሱ ን31 ነገስታት ስዒሩ: ንመብዛሕትኡ ኽፋል እታ ምድሪ ተስፋ ተቘጻጸረ። (እያሱ 12:7-24) ብዘይ ዕቝባ የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ኪረኽቡ ኣይምኸኣሉን።

የሆዋ ንህዝቡ ይከናኸኖ

9, 10. የሆዋ ንህዝቡ ኣብቲ በረኻ ብኸመይ እዩ ተኸናኺንዎ፧

9 ሕጂ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚከናኸኖ ዝኣተዎ ሳልሳይ መብጽዓ እስከ ንርአ። ካብ ግብጺ ሓራ ኻብ ዚወጹ ነዊሕ ከይጸንሐ: “እንሆ: ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ . . . እናወጹ ነንመዓልቱ ዜድሊ ይእረዩ” በሎም። ከምቲ ዝበሎ ድማ: “ካብ ሰማይ እንጌራ” ሃቦም። “ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረአዩ: እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን እሞ፤ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ።” እቲ የሆዋ እተመባጽዓሎም እንጌራ ወይ ማና እዩ ነይሩ።—ዘጸኣት 16:4, 13-15

10 የሆዋ ን40 ዓመት ኣብቲ በረኻ ንእስራኤላውያን ምግብን ማይን ብምሃብ ተኸናኸኖም። ክዳውንቶም ምእንቲ ኸይበሊ: ኣእጋሮም ድማ ምእንቲ ኸይሓብጥ እውን ክንክን ገይሩሎም እዩ። (ዘዳግም 8:3, 4) እያሱ ነዚ ዅሉ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ። የሆዋ ኸምቲ እተመባጽዖ ንህዝቡ ኣድሒንዎን ኣዕቊብዎን ተኸናኺንዎን እዩ።

ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ የድሕኖ

11. ብ1914 ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ እንታይ ተገብረ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ዚግበረሉ ግዜ እዩ ኣኺሉ ነይሩ፧

11 ኣብዚ ግዜናኸ፧ ዓርቢ ንግሆ ብ2 ጥቅምቲ 1914: እቲ ኣብ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ቻርለስ ቴዝ ራስል: ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ መመገቢ ኽፍሊ ቤትኤል ኣተወ። ብታሕጓስ “ደሓንዶ ሓዲርኩም፧” በለ። ድሕሪኡ ኾፍ ቅድሚ ምባሉ: “ዘመናት ኣህዛብ ኣብቂዑ፣ ነገስታቶም ከኣ መዓልቶም መሊኡ” ኢሉ ተዛረበ። እቲ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ምእንቲ ህዝቡ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ኣኸለ። ብሓቂ ድማ ስጕምቲ ወሰደ!

12. ብ1919 እንታይ ምድሓን እዩ እተፈጸመ፧ እዚኸ ንምንታይ እዩ መገዲ ዝኸፈተ፧

12 ድሕርዚ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ጸኒሑ: የሆዋ ንህዝቡ ኻብታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ኣድሓኖም ወይ ሓራ ኣውጸኦም። (ራእይ 18:2) መብዛሕትና ኣብቲ ግዜ እቲ ስለ ዘይተወለድና: ነቲ ዜሕጕስ ምውጻእ ሓርነት ብዓይንና ኣይረኣናን። ኰይኑ ግን: ውጽኢቱ ብንጹር ንርእዮ ኣሎና። የሆዋ ንጹህ ኣምልኾ እንደገና ኣቘመ: ነቶም ኬምልኽዎ ዚብህጉ ድማ ሓድነት ከም ዚህልዎም ገበረ። እዚ ድማ ከምዚ ብምባል ብነብዪ ኢሳይያስ ተነጊሩ ዝነበረ እዩ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።”—ኢሳይያስ 2:2

13. ኣብ ህዝቢ የሆዋ እንታይ ወሰኽ ርኢኻ፧

13 ቃላት ኢሳይያስ ከይተፈጸመ ኣይተረፈን። ብ1919 እቶም ተረፍ ቅቡኣት ንኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ልዕል ዘበሎ ዓለምለኻዊ ወፈራ ምስክርነት ብትብዓት ጀመሩ። ብ1930ታት እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ይእከቡ ኸም ዘለዉ ንጹር ኰነ። (ዮሃንስ 10:16) ፈለማ ኣሽሓት: ጸኒሖም ኣማእታት ኣሽሓት: ሕጂ ኸኣ ሚልዮናት ኣብ ጐድኒ ንጹህ ኣምልኾ ቘይሞም ኣለዉ! ኣብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህበ ራእይ: “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። (ራእይ 7:9) ንስኻኸ ኣብ ህይወትካ እንታይ ርኢኻ፧ ፈለማ ሓቂ ኽትፈልጥ ከለኻ ኣብ ምድሪ ኽንደይ መሰኻኽር የሆዋ ነይሮም፧ ሎሚ እቶም ንየሆዋ ዜምልኽዎ ልዕሊ 6,700,000 በጺሖም ኣለዉ። የሆዋ ንህዝቡ ኻብታ ዓባይ ባቢሎን ምድሓኑ: ነቲ ሎሚ ብደረጃ ዓለምለኸ እንርእዮ ዘለና ዜሕጕስ ወሰኽ መገዲ ኸፊቱ እዩ።

14. የሆዋ ንህዝቡ ኣብ መጻኢ ኻብ ምንታይ ኬድሕኖም እዩ፧

14 የሆዋ ንህዝቡ ኣብ መጻኢ ብኻልእ መገዲ እውን ኬድሕኖም እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም ኣብ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ዜጠቓልል እዩ። ብዜስደምም ሓይሉ ኣቢሉ: ንዅሎም ዚጻረርዎ ኪዅስትሮም: ንህዝቡ ድማ ናብታ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ኬእትዎም እዩ። እከይ ኬብቅዕን ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ልዕሊ ዅሉ ግርማዊ ዝዀነ መዋእል ኪጅመርን ከሎ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ!—ራእይ 21:1-4

ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ የዕቍቦ

15. ኣብዚ ግዜና ንህዝቢ የሆዋ ዕቝባ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: እቶም ብግዜ እያሱ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዕቝባ የሆዋ የድልዮም ነበረ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እተፈልዩ ድዮም፧ ኣይኰኑን! የሱስ ንሰዓብቱ: “ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን ኪቐትልኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 24:9) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓያል ምጽራርን ሕሱም መስጐጕትን ኣሕሊፎም እዮም። ኰይኑ ግን: የሆዋ ምሳታቶም ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ሮሜ 8:31) ዝዀነ ይኹን ነገር—‘ንዓና ኺወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር’—ነቲ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን ደው ከም ዘየብሎ: ቃሉ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—ኢሳይያስ 54:17

16. የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜዕቍቦም እንታይ መርትዖ ርኢኻ፧

16 ዓለም ንህዝቢ የሆዋ እኳ እንተ ጸልኣቶም: ንሳቶም ግን ይስስኑ ኣለዉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 236 ሃገራት ይስስኑ ኣለዉ፣ እዚ ኸኣ የሆዋ ኻብቶም ኬጥፍኡና ወይ ስቕ ኬብሉና ዚደልዩ ንኼዕቍበና ምሳና ምዃኑ ዚሕብር ዜእምን መርትዖ እዩ። ኣብ ህይወትካ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣመና ዝጨቈኑ ሓያላት ፖለቲካውያን ወይ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ትዝክርዶ፧ ኣብ መወዳእታ እንታይ ኰይኖም፧ ሕጂ ኣበይ ኣለዉ፧ መብዛሕትኦም ከምቲ ብግዜ ሙሴን እያሱን ዝነበረ ፈርኦን: ጠፊኦም እዮም። እቶም ብተኣማንነት ዝሞቱ ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽከ፧ ንሳቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ተዓቚቦም ኣለዉ። ካብኡ ዚሓይሽ ዕቝባ ዚረኽቡሉ ቦታ የልቦን። የሆዋ ንዕቝባ ብዚምልከት እተዛረቦ ቓላት ብንጹር ተፈጺሙ እዩ።

ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ይከናኸኖ

17. የሆዋ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምግቢ እንታይ መብጽዓ እዩ ሂቡና፧

17 የሆዋ ኣብቲ በረኻ ንህዝቡ ተኸናኺንዎ እዩ: ሎሚ እውን ንህዝቡ ይከናኸኖ እዩ። በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዚመጽእ መንፈሳዊ ምግቢ ንረክብ ኢና። (ማቴዎስ 24:45) ንዘመናት ምስጢር ኰይኑ ዝጸንሐ ፍልጠት መንፈሳዊ ሓቅታት ተዋሂቡና ኣሎ። ሓደ መልኣኽ ንዳንኤል: “ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላት እዚኤን ዕጸወን: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማ። ብዙሓት ኪምርምርዋ እዮም: ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ኪኸይድ እዩ” በሎ።—ዳንኤል 12:4

18. ሎሚ ናይ ሓቂ ፍልጠት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

18 ሕጂ ኣብ ዘመን መወዳእታ ኢና እንነብር ዘለና: ምስትውዓል ወይ ናይ ሓቂ ፍልጠት ከኣ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ብዘላ ዓለም: መንፈስ ቅዱስ ንኣፍቀርቲ ሓቂ ናብ ርጡብ ፍልጠት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ዕላማኡን ይመርሖም ኣሎ። ሎሚ ኣብ ምድሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክቡር ሓቅታት ዜረድእ ጽሑፋት ብብዝሒ ይርከብ እዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብታ ንመጽናዕቲ እተዳለወት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሎ ሰሌዳ ትሕዝቶ እሞ ኣብ ግምት ኣእቱ። a ገለ ኻብቲ ኣብኡ ዚርከብ ምዕራፋት: “ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧” “ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧” “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧” ከምኡውን “ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧” ዚብል ኣሎ። ሰባት ነዚ ሕቶታት እዚ ንኣሽሓት ዓመታት ሓሲቦምሉ እዮም። ሕጂ ግን መልስታቱ ብቐሊሉ ኺርከብ ይከኣል እዩ። ድሕሪ እቲ ሓያሎ ዘመናት ድንቍርናን ትምህርቲ ኽሕደት ህዝበ-ክርስትያንን እኳ ኸይተረፈ: ቃል ኣምላኽ ተዓዊቱስ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ ይዕንግሎም ኣሎ።

19. እንታይ መብጽዓታት ኪፍጸም ርኢኻ፧ ናብ ምንታይ መደምደምታኸ ኢኻ በጺሕካ፧

19 ካብቲ ብዓይንና ዝረኣናዮ ነገራት: “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ . . . ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” ክንብል ከም እንኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። (እያሱ 23:14) የሆዋ ንኣገልገልቱ የድሕኖምን የዕቍቦምን ይከናኸኖምን እዩ። ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ኸይተፈጸመ ዝተረፈ መብጽዓ ኽትጠቅስዶ ትኽእል፧ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እምበኣር ቃል ኣምላኽ ከይተፈጸመ ዘይተርፍ ምዃኑ ምትእምማንና ጥበባዊ እዩ።

20. ንመጻኢ ብምትእምማን ክንጽበ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

20 ብዛዕባ መጻኢኸ፧ መብዛሕትና ኣብታ ባህ ናብ እተብል ገነት እትቕየር ምድሪ ንምንባር ተስፋ ኽንገብር: የሆዋ ነጊሩና ኣሎ። ሒደት ካባታትና ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ናይ ምግዛእ ተስፋ ኣለዎም። ተስፋና ኣየናይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ከምቲ እያሱ ዝገበሮ እሙናት ንኽንከውን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ተስፋና ዚፍጸመላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ። ድሕሪኡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝኣተወልና መብጽዓታት ምልስ ኢልና ብምጥማት: ‘ኵሉ በጽሐ’ ኽንብል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• እያሱ እንታይ መብጽዓታት የሆዋ እዩ ኺፍጸም ዝረኣየ፧

• እንታይ መብጽዓታት ኣምላኽ ኢኻ ኺፍጸም ርኢኻ፧

• ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ኢዱ ኣእተወ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘዕቈቦም ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንህዝቡ ኣብቲ በረኻ እተኸናኸኖም ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ይከናኸኖ