ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ”

“ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ”

“ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ”

ኣብ መበል ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ.: ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ኣውጽኦም። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ድማ ነታ ዓንያ ዝነበረት ቤተ መቕደስ የሆዋ ዳግም ኪሃንጹ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ቍጠባዊ ዅነታት እቶም እተመልሱ ሰባት ጽቡቕ ኣይነበረን: እቶም ተጻባእቲ ዝነበሩ ጐረባብቶም ድማ ነቲ ዳግመ-ህንጻ ተቓወምዎ። በዚ ምኽንያት እዚ: ገሊኦም ሃነጽቲ ብዛዕባ ምዝዛም እዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ኣዝዮም ተሻቐሉ።

የሆዋ ብነብዪ ሃጌ ኣቢሉ ነቶም ሃነጽትን ነቶም ምስኦም ዝነበሩ ሰባትን ኣብ ጐድኖም ምዃኑ መረጋገጺ ሃቦም። “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ” ድማ በሎም። ነቲ እቶም ሃነጽቲ ዘጋጠሞም ቍጠባዊ ጸገም ብዚምልከት ከኣ ሃጌ: “ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ዚብል መልእኽቲ ነገሮም። (ሃጌ 2:7-9) ሃጌ ነዘን ዜነቓቕሓ ቓላት ካብ ዚዛረብ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ዕዮ ተዛዘመ።—እዝራ 6:13-15

ቃላት ሃጌ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ኣምልኾ የሆዋ ዚተሓሓዝ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዜካይዱ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ድራኸ ኣሕዲሩሎም እዩ። ብ1879 እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ነዛ ሕጂ ግምቢ ዘብዐኛ እትበሃል ሽዑ ዛዮንስ ዎች ታወር ኤንድ ሄራልድ ኦቭ ክራይስትስ ፕረዘንስ እትበሃል ዝነበረት መጽሔት ኪሓትም ምስ ጀመረ: ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓሳብ ኣውጽአ:- “‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ ናይ የሆዋ ደገፍ ኣለዋ ኢልና ኢና እንኣምን: እቲ ጕዳይ ከምኡ ኽሳዕ ዝዀነ ኸኣ: ናይ ሰብ ረዲኤት ኣይልምንን ወይውን ኣይሓትትን እዩ። እቲ ‘ኣብ ኣኽራን ዘሎ ወርቅን ብሩርን ናተይ እዩ’ ዝበለ ዜድሊ ገንዘብ ምሃብ ጠጠው ምስ ኣበለ: ሽዑ ምሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ጠጠው ዚብለሉ ግዜ ምዃኑ ኽንርዳእ ኢና።”

ካብ ሽዑ ንነጀው: ጽሑፋት ጠጠው ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። እታ ናይ መጀመርታ ሕታም ብእንግሊዝኛ ጥራይ ብ6,000 ቅዳሓት ተሓትመት። ሎሚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብገምጋም 28,578,000 ቅድሓት ብ161 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ። a እታ ብጸይቲ እዛ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ዝዀነት ንቕሑ! እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ብገምጋም 34,267,000 ቅድሓት ብ80 ቋንቋታት ትሕተም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዕላማ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ሕደ ዝዀነ ብዙሕ ዕዮታት የካይዱ እዮም: እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኸም ሉዓላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት መጠን ክብ ምባልን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅን ዜጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 4:11) እቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም እምንቶ ምስቲ እዛ መጽሔት ብ1879 ዝበለቶ ዚሰማማዕ እዩ። ኣምላኽ ንዕዮኦም ከም ዚድግፎን ነቲ ስምረቱ ዘለዎ ፕሮጀክትታት ዚኸውን ገንዘብ ከም ዚርከብን እምነት ኣለዎም። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ንጥፈታት ግን ብኸመይ እዩ ዚምወል፧ ነቲ ብስራት ኣብ መላእ ዓለም ንምስባኽከ እንታይ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧

እቲ ዕዮ ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ኪሰብኩ ኸለዉ: “ነዚ ንምግባር ትኽፈሉ ዲኹም፧” ዚብል ሕቶ ኪቐርበሎም ዘይልሙድ ኣይኰነን። እቲ መልሲ ኣይክፈሉን እዮም ዚብል እዩ። ብናጻ እዮም ዚሰርሑ። እዞም ወንጌላውያን እዚኣቶም: ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ዝሓሸ መጻኢን ንምንጋር ብዙሕ ሰዓታት ዜሕልፉ ብሞሳ ተደሪኾም እዮም። ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ነገር ከምኡውን ነቲ እቲ ብስራት ንህይወቶምን ንኣረኣእያኦምን ዘመሓየሸሉ መገዲ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ነዚ ብስራት እዚ ንኻልኦት ኬካፍልዎም ዚደልዩ። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ: ነቲ የሱስ “ብኸምኡ ተቐበልኩም: ብኸምኡ ሀቡ” ዝበሎ ስርዓት ይስዕቡ። (ማቴዎስ 10:8) እቲ መሰኻኽር የሆዋን የሱስን ንኪዀኑ ዘለዎም ድሌት: ንኻልኦት ሰባት: እንተላይ ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እምነቶም ንምንጋር ካብ ጁባኦም ገንዘብ ኪጥቀሙ ይድርኾም።—ኢሳይያስ 43:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8

ስፍሓት እቲ ዕዮ ስብከት ከምኡውን ንዕኡ ንምፍጻም እትጥቀመሉ መሳለጥያታት: ማለት ሓተምቲ ማሽናትን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን መንበሪ ሚስዮናውያንን ካልእ ነገራትን: ብዙሕ ወጻኢታት ይሓትት እዩ። ነዚ ዚኸውን ገንዘብ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧ ካብቲ ብፍታው ዚግበር ውጽኢት እዩ ዚመጽእ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ውድባዊ ንጥፈታት ንምድጋፍ ዜድሊ ገንዘብ ንምርካብ ንኣባላት ጉባኤ ኪኸፍሉ ኣይሓትዎምን እዮም: ንጽሑፋት እውን ብዘይ ክፍሊት እዮም ዚዕድልዎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ትምህርታዊ ንጥፈታቶም ንምድጋፍ ኪውፊ እንተ ደልዩ ግን: ተሓጒሶም እዮም ዚቕበልዎ። ነቲ ብስራት ኣብ መላእ ዓለም ንምስባኽ ኣብ ዚግበር ጻዕሪ ንሓደ መዳይ: ማለት ንዕዮ ትርጕም ጥራይ እስከ ንርአ።

ብ437 ቋንቋታት ዚዳሎ ጽሑፋት

ንዓሰርተታት ዓመታት: እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜዳልውዎ ጽሑፋት ምስቲ ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ዚትርጐም ጽሑፋት እዩ ዚምደብ። ትራክትታት: ብሮሹራት: መጽሔታት: ከምኡውን መጻሕፍቲ ብ437 ቋንቋታት ይትርጐም ኣሎ። ሓቂ እዩ: ዕዮ ትርጕም ልክዕ ከምቲ ምስ ምስባኽ እቲ ብስራት ዚተሓሓዝ ካልእ ንጥፈታት: ብዙሕ ወጻኢታት ይሓትት እዩ። ንምዃኑ ዕዮ ትርጕም እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧

እቶም ንጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜሰናድዉ ሰባት: ነቲ ናይ እንግሊዝኛ ጽሑፍ ናይ መወዳእታ መልክዑ ምስ ኣትሓዝዎ: ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ጕጅለታት ዝሰልጠኑ ተርጐምቲ ይልእኽዎ። ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ትርጕም ነተን ብቛንቋኡ ዚዳለዋ ጽሑፋት ይትርጕም። ንብዝሒ እቲ ዚትርጕምዎ ጽሑፍ ከምኡውን ነቲ እቲ ቛንቋኦም ዘለዎ ሕልኽላኻት ኣብ ግምት ብምእታው: ሓንቲ ጕጅለ ትርጕም ብገምጋም ካብ 5 ኽሳዕ 25 ኣባላት ኪህልውዋ ይኽእሉ እዮም።

ብድሕርዚ: እቲ እተተርጐመ ጽሑፍ ምስ እንግሊዝኛ ይነጻጸር ከምኡውን እቲ ጌጋ ፊደላትን ካልእ ጸገማትን ይእረ። ከምዚ ዚግበረሉ ቐንዲ ዕላማ: እቲ ትርጕም ብእተኻእለ መጠን ቅኑዕን ንጹርን ንኪኸውን እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ኣለዎ። ምኽንያቱ: ተርጐምትን ኣረይቲ ፊደላትን ንሓደ ኣብ ፍሉይ ዓውዲ ጥራይ ዘተኰረ ጽሑፍ ኪትርጕሙ ኸለዉ: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ቓላት ንምርዳእን ብቕኑዕ መገዲ ንምትርጓምን: ኣብቲ ምንጪ ዀይኑ ዜገልግል ቋንቋን (እንግሊዝኛ ወይ ከኣ ከም እኒ ሩስያኛ: ስጳንኛ: ፈረንሳይኛ ዝኣመሰሉ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስርዑ ምንጪ ቛንቋታት) ኣብቲ ቛንቋኦምን ተመርኲሶም ሰፊሕ ምርምር ኪገብሩ ኣለዎም። ንኣብነት: ኣብ መጽሔት ንቕሑ! እትርከብ ዓንቀጽ ብዛዕባ ሓደ ተክኒካዊ ወይ ታሪኻዊ ጕዳይ እትገልጽ እንተ ዀይና: ብዙሕ ምርምር ምግባር ኣገዳሲ እዩ።

ብዙሓት ተርጐምቲ ናይ ምሉእ ግዜ ወይ ናይ ክፍለ-ግዜ ተርጐምቲ ዀይኖም ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዓዩ። ገሊኦም ድማ ኣብቲ እቲ ቛንቋ ዚዝረበሉ ቦታ ዀይኖም ይዓዩ። ተርጐምቲ ኣይክፈሉን እዮም። ናይ ምሉእ ግዜ ተርጐምቲ: መደቀሲኦምን ምግቦምን ይማልኣሎም እዩ: ነቲ መሰረታዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ድማ ሒደት ገንዘብ ይወሃቦም። ኣብ መላእ ዓለም 2,800 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተርጐምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ: ተርጐምቲ ዚዓዩለንን ኣብ ካልእ ቦታታት ንዘለዋ ጕጅለታት ዚኣልያን 98 ዝዀና ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ሩስያ ዘሎ ጨንፈር ነቶም 230 ዝዀኑ ናይ ምሉእ ግዜ ወይ ናይ ክፍለ-ግዜ ተርጐምቲ ይኣሊ፣ እዚኣቶም ከኣ ናብ ቹቫሽኛ: ኦሴሽያኛ: ከምኡውን ኡጉርኛ ዚበሃል ብዙሕ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታታት ዚዝረብ ሓዊስካ ናብ ልዕሊ 30 ቛንቋታት ይትርጕሙ።

ንኣተራጕማ ምምሕያሽ

ካልእ ቋንቋ ኺመሃር ዝፈተነ ሰብ ከም ዚፈልጦ: ሕልኽልኽ ዝበለ ሓሳባት ብልክዕ ምትርጓም ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: እቲ ቐንዲ ሸቶ ነቲ ኣብ ምንጪ ጽሑፍ ዘሎ ሓቅታትን ሓሳባትን ብልክዕ ምምሕልላፍ: በቲ እተተርጐመ ቛንቋ እተጻሕፈ ኽሳዕ ዚመስል ድማ ባህርያዊ ምግባር እዩ። ከምዚ ምግባር ናይ ብሓቂ ጥበብ ዚሓትት እዩ። ሓደስቲ ተርጐምቲ ነቲ ዕዮ ኽሳዕ ዚለምድዎ ዓመታት ይወስደሎም: በዚ ምኽንያት እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀጻሊ ዝዀነ ትምህርቲ ይህብዎም። ሓድሓደ ግዜ: ናይ ምትርጓም ክእለቶም ንኼመሓይሹ ኸምኡውን ኣጠቓቕማ ናይ ኮምፕዩተር ሶፍትዌር ፕሮግራም ንምምሃር ኣሰልጠንቲ ይበጽሕዎም እዮም።

ከምዚ ዝበለ መደብ ስልጠና ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ኒከራግዋ ዚርከብ ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ጸብጸበ:- “ጕጅለ ትርጕም ሚስኪቶኛ ንመጀመርታ እዋን ንኣገባብን ተክኒክን ትርጕም ብዚምልከት ካብ ጨንፈር መክሲኮ ብዝመጸ ኣሰልጣኒ ስልጠና ተዋሂብዎም እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ተርጐምትና ስርሖም ዚፍጽሙሉ መገዲ ዓብዪ ለውጢ ኣምጺኡ ኣሎ። ከመይሲ: ኣተረጓጕማኦም ብዜደንቕ መገዲ ምምሕያሽ ገይሩ እዩ።”

ልቢ ዚትንክፍ ቃላት

መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ጽሑፋትን ብቛንቋ ኣደ ንምድላው ጻዕሪ ዚግበር ዘሎ: ንልቢ ሰባት ንምትንካፍ ተባሂሉ እዩ፣ ብሓቂ ኸኣ ይትንክፍ ኣሎ። ብ2006 ኣብ ቡልጋርያ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቡልጋርያኛ ምስ ወጸ ኣዝዮም ተሓጐሱ። እቲ ኣብ ቡልጋርያ ዚርከብ ጨንፈር ነዚ ብዚምልከት ብዙሕ መግለጺ ምስጋና ኸም እተቐበለ ጸብጸበ። ኣባላት ጉባኤ: “ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣእምሮኦም ጥራይ ዘይኰነስ: ንልቦም እውን ይትንክፎ ኸም ዘሎ” ይገልጹ ኣለዉ። ሓደ ኣብ ሶፍያ ዚነብር ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ: “ንብዙሕ ዓመታት እየ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢበ: ከምዚ ዝበለ ንኽትርድኦ ቐሊልን ልቢ ዚትንክፍን ትርጕም ግን ኣንቢበ ኣይፈልጥን እየ” በለ። ብተመሳሳሊ: ሓንቲ ኣብ ኣልባንያ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ምሉእ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቛንቋ ኣልባንያ ምስ ወጸ: “ቃል ኣምላኽ ብቛንቋ ኣልባንያ ኸተንብቦ ኸለኻስ ክንደይ ይጥዕም እዩ! የሆዋ ብቛንቋና ኺዛረበና ኸሎ ምስማዕ ናይ ብሓቂ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ!” ኢላ ርእይቶኣ ሃበት።

ሓንቲ ጕጅለ ትርጕም ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ክትትርጕም እተወሰነ ዓመታት ይወስደላ ይኸውን። ይኹን እምበር: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንቓል ኣምላኽ ንፈለማ እዋን ብሓቂ ኺርድእዎ ምዃኖም ክትሓስቦ ኸለኻስ: ጻዕሪ ኺግበረሉ ዚግባእ ደይኰነን፧

“ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና”

ዕዮ ትርጕም ነቲ ብስራት ብውጽኢታዊ መገዲ ንምስባኽ ካብ ዚሕግዝ ነገራት ሓደ እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ምጽሓፍ: ምሕታም: ምልኣኽ ከምኡውን ካልእ ምስዚ ዚተሓሓዝ ኣብ ጨናፍር: ወረዳታት: ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ንጥፈታት: ብዙሕ ጻዕርን ወጻእን ዚሓትት እዩ። ይኹን እምበር: ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ ንምዕያይ “ፈትዩ ይመጽእ” ኣሎ። (መዝሙር 110:3) ኣበርክቶ ምግባሮም ከም ፍሉይ ኣጋጣሚ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ: የሆዋ ኸም ‘መዓይይቱ’ ገይሩ ኺርእዮም ከሎ ድማ ዓብዪ ኽብሪ ይስምዖም።—1 ቈረንቶስ 3:5-9

እቲ “ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ” ዝበለ: ስራሑ ንምፍጻም ኣብቲ ንሕና እንገብሮ ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዘይውከል ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነቲ ህይወት ዜድሕን ሓቅታት ን“ዅሎም ኣህዛብ” ንምስባኽ ውጽኢት ኪገብሩ ብምፍቃድ: ኣገልገልቱ ንስሙ ኣብ ምቕዳስ ንኺካፈሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ሃቦም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ነዚ ዳግማይ ዘይምለስ ዕዮ ንኽትድግፍ ዚከኣለካ ኽትገብር ኣይትድረኽንዶ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንዝርዝር እቲ ቛንቋታት እንተ ደሊኻ: ኣብ ገጽ 2 እዛ መጽሔት ርአ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን]

“ብርዝነት ከም እንሓስብ እዩ ዚገብረና”

ሓንቲ ጓል 14 ዓመት: ናብቲ ኣብ ካመሩን ዚርከብ ጨንፈር ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ንምሉእ ዓመት ዚዀነኒ ናውቲ ትምህርቲ ምስ ዓደግኩ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተጠቐምኩሉ ኽልተ መምሃሪ መጽሓፍ ብ2,500 ፍራንክ [5 ዶላር ኣመሪካ] ሸጥክዎ። ነዝን ነቲ ዘዋህለልክዎ 910 ፍራንክን [1.82 ዶላር ኣመሪካ] ድማ እሰደልኩም ኣለኹ። ነቲ እትገብርዎ ዘለኹም ሰናይ ዕዮ ኽትቅጽልዎ ድማ ከተባብዓኩም እፈቱ። መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ስለ እትልእኩልና አመስግነኩም። ብርዝነት ከም እንሓስብ እዩ ዚገብረና።”

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን]

ፍሉይ ወፈያ

እቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካብቲ መማሰዊ ዝዀነ ኣብ ግዝኣት ቺኣፓስ ዚነብር ማኑዌል ዝስሙ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ደብዳበ በጽሓቶ። ገና ኺጽሕፍ ስለ ዘይክእል: ሓደ ዓርኩ እዩ ጽሒፉሉ። ማኑዌል ከምዚ በለ:- “ዓባየይ ሓንቲ ሓሰማ ሃበትኒ። ምስ ወለደት ድማ ካብቶም ደቃ ነቲ ዝበለጸ ወሲደ: ኣሕዋት እናሓገዙኒ ኣዕበኽዎ። ነቲ ሓሰማ እቲ ሸይጠ ዝረኸብክዎ ገንዘብ ከም ወፈያ ገይረ ምስ ብዙሕ ፍቕሪ እሰደልኩም ኣለኹ። ክብደት እቲ ሓሰማ 220 ፓውንድ [100 ኪሎ ግራም] እዩ ነይሩ: ብ1,250 ፐሶ [110 ዶላር ኣመሪካ] ድማ ሸጥክዎ። በጃኹም ነቲ ገንዘብ ንየሆዋ ኢልኩም ተጠቐሙሉ።”

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]

‘መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ተጠቐሙሉ’

ኣብቲ ኣብ ዩክረይን እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብዩክረይንኛ ወጸ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ: ኣብቲ ሳጹን ውጽኢት ከምዚ ዚብል መልእኽቲ ተረኽበ:- “ወዲ ትሽዓተ ዓመት እየ። ስለቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣዝየ እየ ዘመስግነኩም። ኣደይ ንዓይን ንንእሽቶ ሓወይን ንኣውቶቡስ ኢላ ገንዘብ ሃበትና። ንሕና ግን ዝናም ስለ ዘይነበረ: ብእግርና ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ነተን 50 ህሪቭና [10 ዶላር ኣመሪካ] ኣቐመጥናየን። ኣነን ሓወይን ነዚ ገንዘብ እዚ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዩክረይንኛ ንምትርጓም ክትጥቀሙሉ ኢና እንደሊ።”

[ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት 

ብዙሓት ኣብቲ “ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት—ማቴዎስ 24:14” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት: ብቐጥታ Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania, Attention Treasurer’s Office, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኺልኣኽ ወይ ከኣ በቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቢሉ ኺስደድ ይከኣል እዩ። እቲ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ዚለኣኽ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watch Tower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ምውፋይ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብሕድሪ ምስ ግምቢ ዘብዐኛ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተ ዀነ ግን: እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ጽሓፍ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ 

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ: ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። ነዚ ዚስዕብ ድማ ዜጠቓልል እዩ:-

መድሕን:- ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ:- ናይ ባንክ ሕሳብ: ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት: ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን:- ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ኰይኑ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ኺውፈ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት:- ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት: ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ: ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ:- ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ትካል ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ። ኣብቲ እቲ ወፈያ እተገብረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስላዕ ግብሪ ይንኪ እዩ።

ለበዋን ሕድርን:- ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ: ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ውድብ ዚወሃብ ሕድሪ: ገለ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ: እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ: ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚፍጽምዎ ሃይማኖታውን ሰብኣውን ንጥፈታት ኪሕግዙ: ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ን“ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጨንፈር ኒከራግዋ ዚርከቡ ተርጐምቲ ሚስኪቶኛ