ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ትሕትና ልበሱ’

‘ትሕትና ልበሱ’

‘ትሕትና ልበሱ’

መበቈሉ ኣብ ሓንቲ ውርይቲ ኸተማ ኪኸውን ከሎ: ሮማዊ ዜግነት ሒዙ ኻብ ምርኡያት ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ካብ ዝነበረ ብሉጽ ዓይነት ትምህርቲ እተማህረ: እንተ ወሓደ ኽልተ ቛንቋታት ዚዛረብ: ከምኡውን ኣባል እቶም ፈሪሳውያን ዚበሃሉ ፍሉጣት ጕጅለ ሃይማኖት ኣይሁድ እዩ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ሳውል ይበሃል።

ሳውል ነቶም ተራ ሰባት ኣትሕት ኣቢሉ ኺርኢ: ብጽድቂ ገዛእ ርእሱ ኸኣ ኪሕበን ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃስ 18:11, 12፣ ግብሪ ሃዋርያት 26:5) እቶም ብጾቱ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ናይ ጸብለልትነት ስምዒት ነበሮም: ተፈላጥነትን ማዕርግን ከኣ ይፈትዉ ነበሩ። (ማቴዎስ 23:6, 7፣ ሉቃስ 11:43) ሳውል ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ምሕባሩ ትዕቢተኛ ኸይገበሮ ኣይተረፈን። ቀናእ ሰጓጕ ክርስትያናት ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ዓመታት ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ኺፍለጥ ምስ ጀመረ: ብዛዕባ ታሪኹ “ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን” ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ።—1 ጢሞቴዎስ 1:13

እወ: ሳውል ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ኰነ: ባህርያቱ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ። ክርስትያን ሃዋርያ ምስ ኰነ: ‘ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ዝበለ’ ምዃኑ ብትሕትና ገለጸ። (ኤፌሶን 3:8) ዕዉት ወንጌላዊ እኳ እንተ ነበረ: ንገዛእ ርእሱ ኣየኽበረን። ኣብ ክንዳኡ: ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ እዩ ኣኽቢሩ። (1 ቈረንቶስ 3:5-9፣ 2 ቈረንቶስ 11:7) ንክርስትያናት ብጾቱ: “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ ልበሱ” ኢሉ ዝጸሓፈ እውን ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ።—ቈሎሴ 3:12

እዚ ምኽሪ እዚ ኣብዚ መበል 21 ዘመንና ዚዓዪ ድዩ፧ ትሑት ምዃን ረብሓ ኣለዎዶ፧ ትሕትና ብሓቂዶ ምልክት ዓወት ክትከውን ትኽእል እያ፧

እቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ትሑት ድዩ፧

ብዛዕባ ትሕትና እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ምይይጥ ኣረኣእያ ኣምላኽ ኣብ ግምት ዜእቱ ኪኸውን ይግባእ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ልዑላዊ ገዛኢናን ፈጣሪናን እዩ። ንሕና ግን ዓቕምና ውሱን ምዃኑ ኽንግንዘብ ኣሎና። ብዘይ ብእኡ ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ ጥንቲ ኤሊሁ እተባህለ ብልሂ ሰብኣይ ዝበሎ: “ነቲ ዅሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና: ንሱ ብሓይሊ . . . ዓብዪ እዩ።” (እዮብ 37:23) እወ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሰፊሕ ዩኒቨርስ ምስትንታንና ጥራይ እኳ ትሕት ከም እንብል እዩ ዚገብረና። ነብዪ ኢሳይያስ “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ” ዚብል ዕድመ ድሕሪ ምቕራቡ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን” በለ።—ኢሳይያስ 40:26

የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣብ ርእሲ ምዃኑ ትሑት ኣምላኽ እዩ። ንጉስ ዳዊት: “ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሀብካኒ: ምውራድካውን ኣዕበየኒ” ብምባል ናብኡ ጸልዩ እዩ። (2 ሳሙኤል 22:36) ኣምላኽ ነቶም ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ለጠቕ ዝበሉ ደቅሰብ ምሕረት ብምግባር ይሓልየሎም ብምዃኑ ትሑት ኪበሃል ይከኣል። ነቶም ዚፈርህዎ ሕያውነቱ ንኼርእዮም ድማ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኻብ ሰማይ ይወርድ።—መዝሙር 113:5-8

ኣብ ርእሲ እዚ እውን የሆዋ ኣገልገልቱ ንዜርእይዎ ትሕትና ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም: ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 5:5) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ትሕትና ዘለዎ ኣረኣእያ ኣመልኪቱ: “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” በለ። (ምሳሌ 16:5) ይኹን እምበር: ትሕትና ምልክት ብርታዐ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧

ትሕትና እንታይ ኣይኰነትን፧

ትሑት ምዃን ኪበሃል ከሎ ንዑቕ ወይ ዓቕሚ ዘይብልካ ምዃን ማለት ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ጥንታዊ ባህልታት ሓደ ትሑት ሰብ: ባርያ ማለት ጊልያን ሕሱርን ለጠቕ ዝበለን ሰብ ጌርካ እዩ ዚውሰድ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ትሕትና ኽብሪ ኸም ዜምጽእ የጕልሕ። ንኣብነት: እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ: “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 22:4) ኣብ መዝሙር 138:6 ኸኣ “እግዚኣብሄር ልዑል እዩ እሞ: ንትሑት ይርእዮ: ንዕቡይውን ካብ ርሑቕ የለልዮ” ዚብል ነንብብ።

ትሑት ምዃን ኪበሃል ከሎ: ሓደ ሰብ ክእለት ዘይብሉ ወይ ዕማም ዘይዓምም ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: የሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ ወዲ የሆዋ ኸም ዘይኰነ ገይሩ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ፣ ብዛዕባ እቲ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እውን ትርጕም ዘይብሉ ኸም ዝዀነ ኣምሲሉ ኣይፈልጥን እዩ። (ማርቆስ 14:61, 62፣ ዮሃንስ 6:51) ምስናይዚ ግን ብዛዕባ ዕዮታቱ ንኣቦኡ ኽብሪ ብምሃብ: ንሓይሉ ኸኣ ንኻልኦት ንምዕብላልን ንምጭቋንን ዘይኰነስ ንምግልጋሎምን ንምሕጋዞምን ብምውዓል ትሕትና ኣርእዩ እዩ።

ምልክት ብርታዐ

የሱስ ክርስቶስ ኣብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት “ብዝገበሮ ሓይሊ” ይፍለጥ ከም ዝነበረ ዜተሓታትት ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 2:22) ገሊኦም ግን “ካብ ኵሎም ዝነኣሰ” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። (ዳንኤል 4:17 ትርጕም 1990) ትሑት ናብራ ይነብር ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ትሕትና ዘለዋ ዋጋ እውን ብተደጋጋሚ ምሂሩ እዩ። (ሉቃስ 9:48፣ ዮሃንስ 13:2-16) ይኹን እምበር: ትሕትናኡ ድኹም ኣይገበረቶን። ንስም ኣቦኡ ኺጣበቐሉ ኸሎን ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከሎን ተባዕ እዩ ነይሩ። (ፊልጲ 2:6-8) የሱስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ተባዕ ኣንበሳ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 5:5) ካብ ኣብነት የሱስ ከም እንርእዮ ትሕትና ምስ ብርታዐ እትኸይድ ባህርይ እያ።

ናይ ሓቂ ትሕትና ንኸነማዕብል ክንቃለስ ከለና: ትሕትና መገዲ ህይወትና ንኽንገብራ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ኸም ዚሓተና ንግንዘብ ኢና። እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብ ክንዲ ዝቐለለ መገዲ ምስዓብ ወይ ንስጋዊ ባህግታት ምምብርካኽ ወትሩ ንፍቓድ ኣምላኽ ተገዛኢ ምዃን ተጠቓልል። ንየሆዋን ንረብሓታት ካልኦትን ብዘይስስዐ ንምግልጋል ብሕታዊ ረብሓታትና ምርሕራሕ ዚሓትት ብምዃኑ: ትሕትና ንኸነማዕብል ስነ-ምግባራዊ ብርታዐ ኪህልወና የድሊ።

ረብሓታት ትሕትና

ትሕትና ኺበሃል ከሎ ትዕቢት ወይ ንያት ዘይብልካ ምዃን ማለት እውን እዩ። ብርታዐናን ድኽመትናን ከምኡውን ዓወትናን ውድቀትናን ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ ርእስና ሚዛናዊ ገምጋም እንተ ኣልዩና ኢና: ብኣተሓሳስባና ትሑታት እንኸውን። ጳውሎስ: “ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር: ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ: ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ:. . . እብሎ አሎኹ” ኢሉ ብምጽሓፍ ብዛዕባ ትሕትና ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (ሮሜ 12:3) ነዚ ምኽሪ እዚ ዚስዕቡ ዘበሉ ዅሎም ትሕትና እዮም ዜርእዩ ዘለዉ።

ብግርህነት ተላዒልና ንረብሓታት ካልኦት ካብ ረብሓ ርእስና ኸነቐድም ከለና እውን ትሕትና ትግለጽ እያ። ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ንክርስትያናት: “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ብምባል መዓዶም። (ፊልጲ 2:3) እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር: ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ” ብምባል ዚሃቦም ትእዛዝ ይሰማማዕ።—ማቴዎስ 23:11, 12

እወ: ትሕትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልዕል ከም እትብል እያ እትገብረካ። ሃዋርያ ያእቆብ: “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ: ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ” ኢሉ ብምጽሓፍ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። (ያእቆብ 4:10) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልዕል ኪብል ዘይደሊ ሰብ እሞ መን ኣሎ፧

ጕድለት ትሕትና ኣብ መንጎ ኣህዛብን ውልቀ-ሰባትን ሕንፍሽፍሽን ባእስን ከም ዚለዓል ገይሩ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን ትሕትና ኣወንታዊ ፍረ ተፍርየልና። ስምረት ኣምላኽ ክንረክብ ተኽእለና። (ሚክያስ 6:8) ሓደ ትሑት ሰብ ካብ ዕቡይ ሰብ ብዝያዳ ሕጉስን ዕጉብን ስለ ዚኸውን: ናይ ኣእምሮ ሰላም እውን ይህልወና። (መዝሙር 101:5) ምስ ስድራቤትና: ኣዕሩኽና: መሳርሕትና: ከምኡውን ምስ ካልኦት ሰላማውን ጽቡቕን ርክብ ይህልወና። ትሑታት ሰባት ነቲ ብቐሊሉ ናብ ቍጥዓን ምርሕሓቕን ምቅሕሓርን ምረትን ኪመርሕ ዚኽእል ቅርሕንትን ትርን የርሕቕዎ እዮም።—ያእቆብ 3:14-16.

እወ: ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወካ ዚሕግዝ ብሉጽ መገዲ: ትሕትና ምዅስኳስ እዩ። እዛ ባህርይ እዚኣ ኣብዛ ስስዐን ውድድርን ዝመልኣ ዓለም ዜጋጥመና ብድሆታት ንኽንጋጠሞ ኽትሕግዘና ትኽእል እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ቐደም ዝነበሮ ትዕቢት ብሓገዝ ኣምላኽ ከሰንፎ ኽኢሉ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ትዕቢት ወይ ካብ ካልኦት ዝሓሽና ኸም ዝዀንና ኺስምዓና ኸሎ ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኽንቈጻጸሮ ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ: ንውድቀት ከኣ ኵርዓት” ብምባል የጠንቅቕ። (ምሳሌ 16:18) ንኣብነትን ምኽርን ጳውሎስ ምስ እንስዕብ ‘ትሕትና ብምልባስ’ ዚርከብ ጥበብ ከነጥሪ ኢና።—ቈሎሴ 3:12

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንትዕቢት ኬሰንፍ ከኣለ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ትሕትና ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ንኺህልወና ትሕግዘና

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

Anglo-Australian Observatory/David Malin Images