ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ እምነትካ ንምንጋር ትጥቀመሉዶ፧

ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ እምነትካ ንምንጋር ትጥቀመሉዶ፧

ንእትረኽቦ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ እምነትካ ንምንጋር ትጥቀመሉዶ፧

“ፍጹም ሓቂ ኣሎዶ፧” እዛ ሕቶ እዚኣ: ርእሰ ነገር እቲ ኣብ ፖላንድ እተገበረ ሃገራዊ ውድድር እያ። መምርሒ እቲ ቴማ: “ፍጹም ሓቂ ኣየድልየናን። ንዋላ ሓደ እኳ: ኣየድልን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ፍጹም ሓቂ የለን” ዚብል ነበረ። እታ ኣጋታ ዝስማ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ጓል 15 ዓመት ተመሃሪት ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ: ነዚ ኣጋጣሚ እዚ እምነታ ንኻልኦት ንኽትምስክር ክትጥቀመሉ ወሰነት።

ነቲ ቴማ ምእንቲ ኽትዳለወሉ መጀመርታ መምርሒ ኽትረክብ ናብ የሆዋ ጸለየት: ድሕሪኡ ነቲ ርእሰ ነገር ዝዀና ሓሳባት ክትእክብ ጀመረት። ምስዚ ዚዛመድ ሓሳብ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ረኸበት። ነታ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ንየሱስ: “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ዘይትርሳዕ ሕቶ ጠቐሰት። (ዮሃንስ 18:38) እታ ሕቶ እቲኣ: ‘ሓቂ፧ ሓቂኸ እንታይ እዩ፧ ሓቂ ዚበሃል ነገር የለን!’ ዚብል ኣሉታዊ ኣረኣእያ ተንጸባርቕ ከም ዝነበረት ሓበረት። ኣጋታ: “ሕቶ ጲላጦስ: ነቲ ብዛዕባ እቲ ቴማ እተዋህበ መምርሒ ኣዘኻኺራትኒ” ኢላ ጸሓፈት።

ድሕርዚ: ብዛዕባ ኣመዓባብላ ተዛማድነት ገለጸት፣ እዚ ኸኣ ንሓደ ሰብ ሓቂ ዝዀነ ነገር ነቲ ኻልእ ሓቂ ኸይከውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ክልቲኦም ግን “ልክዕ” እዮም ዚብል ሓሳብ እዩ። “ኤሮዳይናሚክ ፍጹም ሓቂ እዩ ኢልና እንተ ዘይንኣምን: መንና እዩ እሞ ኣብ ነፋሪት ንምስቃል ዚደፍር፧” ብምባል ገለ ሕቶታት ሓተተት። ድሕሪኡ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተኰረት:- “እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚግበር እምንቶ ኣብ እተረጋገጸ ሓቅታት እተመርኰሰ እዩ።” እቶም ነቲ ፍጹም ሓቂ ኻብ ልቦም ዚደልዩ ሰባት: ክሳዕ ዚረኽብዎ ትዕግስቲ ኸም ዚገብሩ ተስፋኣ ገለጸት።

ኣጋታ ፍሉይ ዲፕሎማ ተሸለመት: ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ ኽፍላ ሓሳባታ እትገልጸሉ ኣጋጣሚ ድማ ረኸበት። ገለ ደቂ ኽፍላ ድማ: ምስኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ተሰማምዑ። ኣጋታ እቲ ዝረኸበቶ ኣጋጣሚ እምነታ ንብዙሓት ንምምስካር ስለ እተጠቐመትሉ ተሓጒሳ እያ። እወ: ብዛዕባ እምነትካ ንምምስካር ብንቕሓት ኣጋጣሚታት ተናዲ እንተ ዄንካ: ፍረ ኸተፍሪ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እምነትካ ንኽትዛረብ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎካ፧