ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውካል ተማሂረ

ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውካል ተማሂረ

ታሪኽ ህይወት

ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምውካል ተማሂረ

ኦብሪ ባክስተር ዘዘንተዎ

ብ1940 ሓደ ቐዳም ምሸት ክልተ ሰብኡት ምስ ወቕዑኒ: ኣብ መሬት ጻሕ ኢለ ወደቕኩ። ኣብ ጥቓና ኽልተ ኣባላት ፖሊስ ደው ኢሎም እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ክንዲ ዚሕግዙኒ ግን ይጸርፉኒ: ነቶም ዚቕጥቅጡኒ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ሕራይ ገበርኩምዎ ይብልዎም ነበሩ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር ንኼጋጥመኒ ምኽንያት ዝዀነ ጕዳይ ቅድሚኡ ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ኣብ መዐደኒ ኸሰል ክሰርሕ ከለኹ እዩ ኣጋጢሙ። ብዛዕባ እዚ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ብ1913 ኣብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒው ሳውዝ ዌልስ: ኣውስትራልያ እትርከብ ስዋንሲ እትበሃል ከተማ እየ ተወሊደ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ኣወዳት ድማ ሳልሳይ ነበርኩ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ: ስድራቤትና በቲ ኣብ መላእ ዓለም ሚልዮናት ሰባት ቀቲሉ ኪኸውን ዚኽእል ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ተጠቕዐት። እቲ ዜሐጕስ ግን: ኵልና ብህይወት ተረፍና። ብ1933 ኣደይ ጓል 47 ዓመት ከላ ምስ ሞተት ግን ዜሕዝን ነገር ኣጋጠመና። ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ስለ ዝነበረት: ኣቐድም ኣቢላ ነተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዕደላ ዝነበራ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዛ ላይት ዘርእስተን ክልተ ጥራዛት መጻሕፍቲ ተቐቢላ ነበረት።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መዐደኒ ኸሰል እሰርሕ ነበርኩ። ስርሐይ ሓንሳእ ሓጺርን ሃልኪ ዝመልኦን: ሓንሳእ ከኣ ዋላ ሓንቲ ንጥፈት ዘይብሉ ስለ ዚኸውን: ነተን መጻሕፍቲ ናብ ስራሕ ወሲደ በቲ ኣብ ቆብዕ ዚገጥም መብራህቲ ገይረ አንብበን ነበርኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: ንሓቂ ኸም ዝረኸብክዋ ተረዳእኩ። ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብረድዮ ዜመሓላልፍዎ ዝነበሩ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ እሰምዕ ነበርኩ። ኣቦይን ኣሕዋተይን ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ምሕዳሮም ከኣ ዝያዳ ኸም ዝሕጐስ ገበረኒ።

ብ1935 እቲ ምንኣሰይ ሓወይ ዝነበረ ቢሊ: ነድሪ ሳምቡእ ሒዝዎ ምስ ሞተ ኻልእ ዜሕዝን ፍጻመ ኣጋጠመ። ገና ወዲ 16 ዓመት እዩ ነይሩ። ሽዑ ግን ስድራቤትና ብተስፋ ትንሳኤ ተጸናንዐት። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ድሕሪ ግዜ: ኣቦይ ከምኡውን እቶም ቨርነርን ሃሮልድን ዝስሞም ክልተ ምዕባየይ ኣሕዋተይን ኣንስቶምን ርእሶም ንየሆዋ ወፈዩ። ካብ ስድራቤትና ኣነ ጥራይ እየ ብህይወት ዘለኹ። ማርጀሪ ዝስማ ኻልአይቲ ሰበይቲ ቨርነርን ኤሊዛቤት ዝስማ ሰበይቲ ሃሮልድን ግን ሕጂ እውን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብንጥፈት ይካፈላ ኣለዋ።

ኣብ የሆዋ ምውካል ተመሃርኩ

ብ1935 ሓንቲ ጓል ዩክረይን ዝዀነት ሰበይቲ ብብሽክለታ ናብ ገዛና ምስ መጸት: ንመጀመርታ እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሰንበት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ተኻፈልኩ፣ ድሕሪ ሰሙን ድማ ምስ ሓንቲ ጕጅለ ዀይነ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸድኩ። እቲ ነቲ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚመርሖ ዝነበረ ሓው: እተወሰና ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ሂቡ ንበይነይ ምስ ሰደደኒ: ዘይተጸበኽዎ ነገር ኰነኒ። ነታ ናይ መጀመርታ ማዕጾ ክዅሕኵሕ ከለኹ ኣዝየ ስለ ዝፈራህኩ: መሬት ኣፋ ኸፊታ እንተ ትውሕጠኒ ኣይምጸላእኩን! እቲ ብዓል ቤት ግን ፍሽሑው ነበረ: ጽሑፍ እውን ወሰደ።

ከም መክብብ 12:1 ከምኡውን ማቴዎስ 28:19, 20 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ኣዝዩ ስለ ዝተንከፈኒ: ፈላሚ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ክኸውን ደለኹ። ኣቦይ ነዚ ውሳነ እዚ ደገፎ። ገና ዘይተጠመቕኩ እኳ እንተ ነበርኩ: ብ15 ሓምለ 1936 ክጅምር ግን ወሰንኩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብቲ ኣብ ሲድኒ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከድኩ: ኣብኡ ድማ ምስታ 12 ኣባላት ዝነበርዋ ጕጅለ ፈለምቲ ዀይነ ኣብ ከባቢ ደልዊች ሂል: ሲድኒ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ነታ ሽዑ ፈለምቲ ሓርጭ ንምድላው ዚጥቀሙላ ዝነበሩ ብኢድ እትሰርሕ መጥሓን ስርናይ ድማ ኣርኣዩኒ: ሳላ እዛ መጥሓን እዚኣ እቲ ምግቢ ንምዕዳግ ዚወጽእ ገንዘብ ይንኪ ነበረ።

ኣብ ጫካ ፈላሚ ዄይነ ኣገልገልኩ

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1936 ምስ ተጠመቕኩ: ምስቶም ኦብሪ ዊልስን ክሊቭ ሼድን ዝስሞም ክልተ ፈለምቲ ኣብ ማእከላይ ኲንስላንድ ተመደብኩ። እቲ ዝነበረና ናውቲ: ናይ ኦብሪ ማኪና: እተወሰና ብሽክለታታት: መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረ ዝሓዘ ተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ: እቲ ንሰለስተ ዓመት መንበሪ ዝዀነና ድንኳን: ሰለስተ ዓራት: ሓንቲ ጣውላ: ከምኡውን ንመስርሒ ምግቢ ዚኸውን ድስቲ ዜጠቓልል ነበረ። ሓደ ምሸት ምግቢ ዝኽሽነሉ ተራይ ምስ በጽሐ: ካብ ኣትክልትን ካብ ስርናይን እትሰርሐ “ፍሉይ” ምግቢ ሰራሕኩ። ፈጺምና ግን ክንበልዖ ኣይከኣልናን። ንሓደ ኣብ ጥቓና ዝነበረ ፈረስ ድማ ሃብክዎ። ንሱ ግን ነቲ ምግቢ ጨንዩ ገዲፍዎ ኸደ! ድሕሪኡ ምግቢ ሰሪሐ ኣይፈልጥን።

ድሕሪ ግዜ: ነቲ ኽሊ ናይ ምሽፋን ቅልጣፈና ንምውሳኽ: ኣብ ሰለስተ ኽፋል ከፋፈልናዮ፣ ነፍሲ ወከፍና ድማ ንሓንቲ ኽፋል ንሰርሕ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ኻብቲ መንበሪና ርሒቐ ስለ ዝኸይድ: ጽልግልግ ኪብል ከሎ ምስቶም ተቐበልቲ ጋሻ ዝዀኑ ሰብ ገጠር እሓድር ነበርኩ። ሓደ ምሸት: ኣብ ሓደ ኣብ ሕርሻ ኸብቲ ዚርከብ መቐበል ኣጋይሽ: ምሹእ ኣብ ዝዀነ ዓራት ሓደርኩ፣ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ለይቲ ድማ ኣብ ኣጕዶ ሓደ ካንጋሮ ዚሃድን ሰብኣይ: በቲ ዚዕብልኽ ቈርበት ተኸቢበ ኣብ ረሳሕ ባይታ ሓደርኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ጫካ እየ ዝሓድር ነይረ። ሓደ እዋን: ዲንጎታት (ኣኽላባት መሮር) ብርሑቕ ከበቡኒ: እቲ ዜፍርሕ ኣውያቶም ድማ ነቲ ኸባቢ መልኦ። ድቃስ ዘይብላ ለይቲ ድሕሪ ምሕዳረይ ግን: ንዓይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ ናውቲ ኸብዲ ዝሞተ እንስሳ ኸም ዝደለዩ ፈለጥኩ።

መጕልሕ ድምጺ ብዘለዋ ማኪና ምስባኽ

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ መጕልሕ ድምጺ ዘለዋ ማኪና ንጥቀም ነበርና። ኣብታ ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ እትርከብ ታውንስቪል እትበሃል ከተማ: እቶም ፖሊስ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ዄንና ኽንእውጅ ፈቐዱልና። እቲ እተቐድሐ መደረ: ንገሊኦም ኣባላት እቲ ሳልቬሽን ኣርሚ (ሰራዊት ምድሓን) ዚበሃል ሃይማኖት ኣቘጥዖም: ካብቲ ቦታ ንኽንከይድ ድማ ነገሩና። ምኻድ ምስ ኣበና ግን: ነታ ማኪናና ነውነው ኬብልዋ ጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ማኪና ዀይነ ነቲ ድምጺ እቈጻጸሮ ነበርኩ። ሽዑ ብዛዕባ መሰላትና ምክርኻር ጥበባዊ ብዘይ ምንባሩ: እቶም ሰባት ምስ ሓደጉና ኻብቲ ቦታ ኣልገስና።

ኣብ በንዳበርግ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብኣይ: ካብቲ ብማእከል እታ ኸተማ ዚሓልፍ ፈለግ በርነት ኴንና ነቲ መደረ ንኽንፍኑ ነታ ጃልባኡ ኣለቅሓና። ኦብሪን ክሊቭን ነቲ መሳርሒ ድምጺ ኣብታ ጃልባ ጽዒኖም ሒዞምዋ ኸዱ: ኣነ ድማ ኣብቲ እተኻረናዮ ኣዳራሽ ተረፍኩ። በታ ምሸት እቲኣ: እቲ ኻብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፍኖ ዝነበረ ብርቱዕ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚእውጅ ሓያል መደረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ: ኣብ ብምልእታ በንዳበርግ ተሰምዐ። እቲ ግዜ እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ትብዓትን እምነትን ዜድልየሉ ባህ ዜብል ግዜ እዩ ነይሩ።

ውግእ ዝያዳ ጸገማት ኣምጽአ

ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መስከረም 1939 ምስ ጀመረ: ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ: ንፖለቲካን ውግእን ብዚምልከት ብዛዕባ ኺህልወና ዘለዎ ክርስትያናዊ ገለልትነት ገለጸት። ጸኒሑ: እዚ ብግዜኡ እተዋህበ ትምህርቲ እዚ ኣዝዩ ጠቐመኒ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: ኣነን ኦብሪን ክሊቭን ንሰለስተ ዓመት ብሓደ ድሕሪ ምጽናሕ: ኣብ እተፈላለየ ቦታ ተመደብና። ኣነ ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ ገያሺ ሓላዊ ክኸውን ተመዘዝኩ: ኣብዚ ምደባ እዚ ኣብ የሆዋ ዘሎኒ ትውክልቲ ብዙሕ ሳዕ ተፈቲኑ እዩ።

ኣብ ነሓሰ 1940 ምስታ ኣርባዕተ ፈለምቲ ዘለውዋ ኣብ ታውንስቪል እትርከብ ጉባኤ ኣገልገልኩ፣ እቶም ፈለምቲ ፐርሲ ኢዝሎብን a ኢልማ ኢዝሎብን ከምኡውን እቶም ኖርማን በሎቲን ቢየትሪስን በሎቲን ዝስሞም ሓውን ሓፍትን እዮም። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ቢየትሪስ ሰበይተይ ኰነት። ሓደ ቐዳም ምሸት: እታ ኣብ ምስክርነት መገዲ እትካፈል ዝነበረት ጕጅለና ኣገልግሎታ ምስ ወድአት: እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ መጥቃዕቲ ወረደኒ። እዚ ዘይፍትሓዊ ተግባር ግን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዝጸንዕ ገበረኒ።

እተን ዩና ኪልፓትሪክን መርል ኪልፓትሪክን ዝስመን ክልተ ፈለምቲ ኣሓት: ኣብ ሸነኽ ሰሜን ብቕንኣት ይዓያ ነበራ። ሓደ መዓልቲ ምስአን ኣብ ኣገልግሎት ባህ ዜብል ግዜ ምስ ኣሕለፍና: ናብቶም ተገዳስነት ዘሕደሩ ስድራቤት ንምኻድ ብጃልባ ገይረ ንሓደ ፈለግ ከሳግረን ሓተታኒ። እዚ ኸኣ ናብታ ኣብ ስግር እቲ ፈለግ ዝነበረት ጃልባ እናሓምበስኩ ብምኻድ ሒዘያ ኽመጽእ እሞ: ብድሕሪኡ ነተን ኣሓት ሒዘየን ክሰግር ነይሩኒ ማለት እዩ። ኣብታ ጃልባ ምስ በጻሕኩ ግን እቲ መጀለቢ ኣብኡ ኣይነበረን! ሓደ ተጻራሪ ኸም ዝሓብኦ ኣብ ካልእ እዋን ፈለጥና። እቲ ውዲቱ ግን ደው ኣየበለናን። ንሓያሎ ዓመታት ሓደ ኻብቶም ሰብ ምስ ዚጥሕል ዜድሕኑ ሓምባሲ እየ ነይረ: ጽቡቕ ገይረ ድማ ክሕምብስ እኽእል ነበርኩ። ስለዚ: ነቲ ናይ መልህቕ ገመድ ኣብ መዓጡቖይ ኣሲረ: እናሓምበስኩ ነታ ጃልባ ናብቲ እተን ኣሓት ዝነበራሉ ቦታ ወሰድክዋ፣ ብድሕሪኡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣሳገርክወን። የሆዋ ነዚ ጻዕርና ባሪኽዎ እዩ: ከመይሲ ድሕሪ ግዜ እታ ተገዳስነት ዝነበራ ስድራቤት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት።

ኣብ ትሕቲ ጽላል ኢድ የሆዋ

እቶም ወተሃደራት ንጸጥታ ኢሎም ኣብ ጥቓ እታ ኢንስፌል እትበሃል ከተማ መፈተሺ ነቚጣ ገበሩ። ኣብቲ ኸባቢ እነብር ስለ ዝነበርኩ: ናብኡ ናይ ምእታው ፍቓድ እኳ እንተ ነበረኒ: ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሑኒ ኺመጹ ኸለዉ ናብኡ ንኸእትዎም ኣገልጊሉኒ እዩ። በቲ መፈተሺ ነቚጣ ንኸሕልፎም: ኣብ ማኪናይ ኣብ ናይ ድሕሪት ኮፍ መበሊ እሓብኦም ነበርኩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ነዳዲ ብመቚነን እዩ ዚወሃብ ነይሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ መብዛሕትአን ማካይን ከም ነዳዲ ዜገልግል ጋዝ ዜዳሉ መሳርሒ ጽዒነን ይኸዳ ነበራ። እዚ መሳርሒ እዚ ኻብቲ ጕሁር ፈሓም ብቐሊሉ ዚቃጸል ጋዝ ብምውጻእ ነቲ ሞተር ነዳዲ ይህቦ ነበረ። ምሸት ነቲ እቲ ሓው ዚሕብኣሉ ቦታ: ፈሓም ብዝሓዘ ኸረጺት መሊአ እጐዓዝ ነበርኩ። ኣብቲ መፈተሺ ነቚጣ ምስ በጻሕና ድማ እቲ ዚነድድ ፈሓም ጓህሪ ኽሳዕ ዚመስል ነቲ ሞተር ብምግዓር ኣቓልቦ እቶም ሓለውቲ ኸም ዜስግል እገብር ነበርኩ። ሓደ ምሸት ነቶም ሓለውቲ: “ነቲ ሞተር እንተ ኣጥፊአዮ: መሊስካ ምትሳኡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” በልክዎም። እቶም ሓለውቲ ነቲ ጓህርን ገዓርን ጸለሎን ስለ ዝጸልእዎ: ነታ ማኪና ብዙሕ ከይፈተሹ ሰደዱኒ።

ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ኣብ ታውንስቪል ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚገብርዎ ዓብዪ ኣኼባ ኽውድብ ተመዘዝኩ። ምግቢ ብመቚነን ይወሃብ ስለ ዝነበረ: ዚኣኽለና ምግቢ ንምርካብ ካብቲ ናይቲ ዓዲ ዳኛ ፍቓድ ክንሓትት ነበረና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ክርስትያን ኣሕዋትና ብምኽንያት ገለልትነቶም ይእሰሩ ነበሩ። ስለዚ ድማ ምስቲ ዳኛ ንምርኻብ ቈጸራ ኽገብር ከለኹ: ‘እዚ ዝገብሮ ዘለኹስ ጥበባዊ ድዩ ወይስ ነገር እየ ዝትዅትዅ ዘለኹ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ከምቲ እተበሃልክዎ ግን ናብቲ ዳኛ ኸድኩ።

እቲ ዳኛ ብድሕሪ ሓደ ምዕሩግ ጣውላ ዀይኑ: ኮፍ ክብል ነገረኒ። ዝመጻእኩሉ ምኽንያት ምስ ነገርክዎ: ገጹ ኣሲሩ ንነዊሕ ግዜ ቐው ኢሉ ጠመተኒ። ብድሕርዚ ህድእ ኢሉ: “ክንደይ ዚኣክል ምግቢ ኢኻ እትደሊ፧” በለኒ። ካብቲ ዜድልየና ሒደት ነገራት ጥራይ ዝሓዘ ዝርዝር ድማ ሃብክዎ። ጽቡቕ ገይሩ ምስ መርመሮ: “እዚሞ እኹል ኣይኰነን። ዕጽፊ ኪኸውን ኣለዎ” በለኒ። ነቲ ኣብኡ ንኽውከል ካልእ ትምህርቲ ዝመሃረኒ የሆዋ እናኣመስገንኩ ድማ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ወጻእኩ።

ኣብ ጥሪ 1941 ኣብ ኣውስትራልያ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገደ። ብዙሓት ሰባት ይጥርጥሩናን ሰለይቲ ጃፓን እዮም ኢሎም ይኸሱናን ነበሩ። ሓደ ግዜ: ክልተ ፖሊስን ወተሃደራትን ዝመልኣ ማካይን ናብታ ኣብ ከበሳ ኣተርቶን ዚርከብ ኪንግደም ፋርም ዚበሃል እኽሊ ኽንዘርኦ ኢልና ዝዓደግናዮ መሬት መጹ። ነቲ ንጸላኢ ምልክት ንምሃብ ዜገልግል መብራህቲ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቲ ዕፉን ኣብ ኣየር ኴንካ ኺንበብ ብዚከኣል ኮድ ከም ዝተኸልናዮ ገይሮም ከሰሱና። ኵሉ እዚ ኽሲ እዚ ሓሶት ምንባሩ ተራእዩ እዩ።

ብምኽንያት እቲ እገዳ: ጽሑፋት ከነብጽሕ ከለና ጥንቁቓትን በላሕትን ክንከውን ነበረና። ንኣብነት: እታ ችልድረን እትብል ሓዳስ መጽሓፍ ምስ ወጸት: ናብ ብሪዝበን ከይደ ሓንቲ ካርቶን ኣምጻእኩ፣ ብባቡር ናብ ሸነኽ ሰሜን ገጸይ እናተጐዓዝኩ ድማ ነተን ኣብ መዕረፊ ነቝጣታት ዝነበራ ጉባኤታት እቲ መጻሕፍቲ ኣብጻሕኩለን። እቶም ፖሊስን መርመርትን ነቲ ካርቶን ምእንቲ ኸይከፍትዎ ግን: ከቢብ መጋዝ ሒዘ እኸይድ ነበርኩ: ካብ ባቡር ቅድሚ ምውራደይ ድማ ነቲ መጋዝ ምስቲ ካርቶን ብገመድ እኣስሮ ነበርኩ። እዚ ሜላ እዚ ቐሊል እኳ እንተ ነበረ: ወትሩ ይዓዪ ነበረ። ኣብ ሰነ 1943 እቲ ቤት ፍርዲ “ብሃውሪ እተገብረ: ዘይስሩዕ: ከምኡውን ጨቋኒ” ኢሉ ዝጸውዖ እገዳ ምስ ተላዕለ ህዝቢ የሆዋ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጸዋዕኩ

ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓመት: ኣነን ኦብሪ ዊልስን ኖርማን በሎቲን ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጸዋዕና። ኦብሪን ኖርማንን ካብቲ ኣነ እተጸዋዕኩሉ ቕድሚ ሰሙን ተጸዊዖም ንሽዱሽተ ወርሒ ኺእሰሩ ተፈርዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ነቲ ፍሉጣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚረኽብዎ ዝነበሩ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ይግብቶ ነበረ: ነቲ ኵንትራት እቶም ካልኦት ሰባት ግን ኣይትንክፎን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ካብዚኦም ንሓደ ሰብ ናይ ምርካብን ነታ መጽሔት ናይ ምብዛሕን ሓላፍነት ተዋህበና: ብድሕሪኡ ናብቶም ብጾትና ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነብጽሖ ነበርና። በዚ ኸምዚ ድማ መንፈሳዊ ምግቢ ብዘይምቍራጽ ረኸብና።

ከምቲ እተጸበኽዎ ንሽዱሽተ ወርሒ ኽእሰር ምስ ተፈርደኒ: ብመሰረት እቲ ኣብ ሲድኒ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝሃበኒ መምርሒ: ቀልጢፈ ይግባይ በልኩ። ካልእ ነቲ ዕዮ ብሓላፍነት ዚከታተሎ ሰብ ክሳዕ ዚርከብ ንምድንጓይ እዩ ኸምዚ ተገይሩ። ነቲ ዝረኸብክዎ ናጽነት ተጠቒመ ድማ ነቶም ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ ተኣሲሮም ዝነበሩ 21 ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጻሕክዎም። መብዛሕትኦም ኣብ ሓንቲ ቤት ማእሰርቲ እዮም ነይሮም: ሓለቓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ይጸልኣና ነበረ። ኣገልገልቲ ኻልኦት ሃይማኖታት ንኣባላቶም ከም ዚበጽሑ ምስ ነገርክዎ ኣዝዩ ሓረቐ፣ “ስልጣን እንተ ዚህልወኒ ነይሩ: ንዅሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተር ኣቢለ ምረሸንክዎም ነይረ” ኸኣ በለኒ። እቶም ሓለውቲ ቐልጢፎም ካብኡ ኣውጽኡኒ።

እቲ ይግባይ ዚስምዓሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: ከምቲ እቲ ሕጊ ዚጠልቦ ጠበቓ ተገብረለይ። ከም ሓቂ ግን ነቲ ጕዳይ ባዕለይ እየ ዝከታተሎ ነይረ: እዚ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ምውካል ዚሓትት ነበረ። ንሱ ድማ ፈጺሙ ኣይደርበየንን። (ሉቃስ 12:11, 12፣ ፊልጲ 4:6, 7) እቲ ዜገርም: ኣብቲ ናይ ክሲ ወረቐት ጌጋ ስለ እተረኽበ: እቲ ጕዳይ ዕዉት ነበረ!

ብ1944 ኣብቲ ንሳውዝ ኣውስትራልያ: ንሰሜናዊ ኽፋል ቪክቶርያ: ከምኡውን ነቲ ኸተማ ሲድኒ እትርከበሉ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዚሽፍን ወረዳ ተመደብኩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር መደረ ናይ ምሃብ ወፈራ ተጀመረ። ነፍሲ ወከፍ ተዛራባይ ድማ ኣብቲ ዚወሃቦ ሓደ ዝገጹ ኣስተዋጽኦ ተመርኲሱ መደረ ኺዳሎ ነበሮ። ሓቂ እዩ: ንሓደ ሰዓት መደረ ምቕራብ ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ዀነና: ኣብ የሆዋ ብምውካል ግን እተበሃልናዮ ገበርና፣ ንሱ ድማ ንጻዕርታትና ባሪኽዎ እዩ።

ሓዳርን ሓድሽ ሓላፍነታትን

ኣብ ሓምለ 1946 ኣነን ቢየትሪስ በሎቲን ተመርዓና: ፈለምቲ ዄንና ድማ ነገልግል ነበርና። ኣብ ሓንቲ ተጐታቲት ማኪና ኢና እንነብር ኔርና። እታ ሓንቲ ጓልና ጃኒስ (ጃን) ኣብ ታሕሳስ 1950 ተወልደት። ኣብታ ኬምፕሲ እትበሃል ንሕና ጥራይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበርናላ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ እትርከብ ከተማን ኣብ ካልእን ፈለምቲ ዄንና ኣገልጊልና ኢና። ኵሉ ሳዕ ሰንበት ናብቲ ህዝባዊ ኣዳራሽ ንኸይድ ነበርና: ነቲ ብፓምፍለት ጌርና ዘፋለጠናዮ ህዝባዊ መደረ ከቕርብ ድማ እዳሎ። ንሒደት ኣዋርሕ ቢየትሪስን ጃንን ጥራይ እየን ነቲ ህዝባዊ መደረ ዝሰምዓ ነይረን። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን: ካልኦት በብቝሩብ ኪመጹ ጀመሩ። ሎሚ ኣብ ኬምፕሲ ኽልተ እናዓበያ ዝኸዳ ጉባኤታት ኣለዋ።

ጃን ጓል ክልተ ዓመት ምስ ኰነት: ኣብ ብሪዝበን ክንቅመጥ ጀመርና። ትምህርታ ምስ ወድአት ድማ ኵልና ኣብታ ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ እትርከብ ሰስኖክ እትበሃል ከተማ ንኣርባዕተ ዓመት ፈለምቲ ዄንና ኣገልገልና፣ ብድሕሪኡ ግን ነታ እትሓምም ዝነበረት ኣደ ቢየትሪስ ክንከናኸን ናብ ብሪዝበን ተመለስና። ሕጂ ኣብ ጉባኤ ቸርምሳይድ ሽማግለ ዀይነ አገልግል ኣለኹ።

ኣነን ቢየትሪስን: የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ስለ ዝሃበና: ገለ ኻብኡ እኳ ን32 ሰባት ንዕኡ ንኺፈልጥዎ ኽንሕግዞም ስለ ዘኽኣለና ኣዚና ኢና እነመስግኖ። ኣነ ድማ ነታ ሕያወይትን ልእምትን: ግን ከኣ ንሓቂ እትቃለስ ተባዕ ሰበይቲ ስለ ዝሃበኒ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ንኣምላኽ ዘለዋ ፍቕርን ኣብኡ ዘለዋ ትውክልትን ምስታ ‘ጥዕይቲ ዓይና’ ተደሚሩ ናይ ብሓቂ ወሓለ ሰበይትን ኣደን ከም እትኸውን ገይርዋ እዩ። (ማቴዎስ 6:22, 23፣ ምሳሌ 12:4) ምስኣ ብሓባር ኰይነ ድማ ብምሉእ ልበይ: “ኣብ እግዚኣብሄር ዚውከል . . . ሰብ ብሩኽ እዩ” ኽብል እኽእል እየ።—ኤርምያስ 17:7

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ፐርሲ ኢዝሎብ ታሪኽ ህይወት ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1981 ሕታም እዛ መጽሔት (እንግሊዝኛ) ወጺኡ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ ነዛ ማኪና እዚኣ ንኣገልግሎት ንጥቀመላ ነበርና

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰሜን ኲንስላንድ ዝናም ኣብ ዚወቕዓሉ ወቕቲ ንደቂ ኪልፓትሪክ ማኪናአን ንኼንቀሳቕሳ ኽሕግዘን ከለኹ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መዓልቲ መርዓና