ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሉቃስ ፍቑር መዓይይቲ

ሉቃስ ፍቑር መዓይይቲ

ሉቃስ ፍቑር መዓይይቲ

እዋኑ ብ65 ድ.ክ. ኰይኑ: እቲ ቦታ ኣብ ሮሜ እዩ ነይሩ። ሉቃስ ፈታዊ እቲ ብሰንኪ እምነቱ ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ምዃኑ እንተ ተፈሊጡ: እንታይ ዓይነት ሓደጋ ኸም ዜምጽኣሉ ይፈልጥ ነበረ። ጳውሎስ ናይ ሞት ፍርዲ ንኺፍረዶ ዚጽበ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ወሳኒ ግዜ እቲ ሉቃስ ጥራይ እዩ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ነይሩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:6, 11

እታ ሉቃስ ዝጸሓፋ ወንጌል ብስሙ ስለ እትፍለጥ: ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስሙ ይፈልጥዎ እዮም። ሉቃስ ምስቲ “ፍቁር ሓኪምን” “መዓይይተይ”ን ኢሉ ዝጸውዖ ጳውሎስ: ነዊሕ ጕዕዞታት ተጓዒዙ እዩ። (ቈሎሴ 4:14፣ ፊልሞን 24) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይገልጽን እዩ: ንስሙ ድማ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ እዩ ዚጠቕሳ። ነቲ ብዛዕባ ሉቃስ እተገብረ ምርምር ምስ እትርኢ ግን: ከምቲ ጳውሎስ ንዕኡ ዝነበሮ ዓይነት ኣኽብሮት ኪህልወካ እዩ።

ጸሓፍን ሚስዮናውን

ወንጌል ሉቃስን ግብሪ ሃዋርያትን ናብ ቴዎፍሎስ እየን ተጻሒፈን፣ እዚ ኸኣ ሉቃስ ነዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን መጻሕፍቲ ኸም ዝጸሓፈን ዚሕብር እዩ። (ሉቃስ 1:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:1) ሉቃስ ንኣገልግሎት የሱስ ክርስቶስ ብዓይኑ ኸም ዝረኣየ ኣይገለጸን። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ ሓበሬታ ኻብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝረኸቦ ኸምኡውን ‘ንዅሉ ኣዳላዲሉ ኻብ ጥንቲ ኸም ዝሰዓቦ’ ገለጸ። (ሉቃስ 1:1-3) ስለዚ: ሉቃስ ሰዓቢ ክርስቶስ ዝዀነ ኣብ ከባቢ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ገሊኦም ሰባት: ሉቃስ ካብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኸም ዝዀነ ይገልጹ። ነዚ ደገፍ ምእንቲ ኪዀኖም ከኣ: ግብሪ ሃዋርያት ነቲ ኣብታ ኸተማ እተገብረ ነገራት ብዝርዝር ከም እትገልጽ: ከምኡውን ካብቶም ሸውዓተ “ሰብኣይ:” ነቲ ሓደ ጥራይ ‘ጵሮሴሊት ብዓል ኣንጾክያ’ ኢላ ኽትጽውዖ ኸላ ኻልኦት ንዝመጹለን ከተማታት ግን ከም ዘይትገልጽ ይሕብሩ። ሓቂ እዩ: ሉቃስ ዝዓበይላ ኸተማ ኣንጾክያ ስለ ዝዀነት እዩ ኸምዚ ገይሩ ኢልና ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 6:3-6

ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ብስም እኳ እንተ ዘይተረቝሐ: ኣብ እተወሰነ ጥቕስታት ግን ‘ንሕና’ እናበለ ይዛረብ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ መጽሓፍ ኣብ እተገልጸ ገሊኡ ፍጻመታት ከም እተኻፈለ ዚሕብር እዩ። ሉቃስ ነቲ ጳውሎስን ብጾቱን ናብ ንእሽቶ እስያ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኺገልጽ ከሎ: “ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ: ናብ ጥሮኣስ ወረዱ” በለ፣ ኣብዚ ‘ንሳቶም’ እናበለ ኸም ዝገለጸ ኣስተብህል። ኣብ ጥሮኣስ ምስ በጽሑ ኸኣ ጳውሎስ: ሓደ ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ኢሉ ኺልምኖ ኸሎ ራእይ ረኣየ። ሉቃስ ካብዚ ብምቕጻል ‘ንሕና’ እናበለ ኺገልጽ ጀመረ፣ “ንሱ ራእይ ምስ ረአየ . . . ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና” ድማ በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:8-10) ሉቃስ ‘ንሳቶም’ ኪብል ጸኒሑ ‘ንሕና’ ኺብል ምጅማሩ: ኣብ ጥሮኣስ ምስ ጳውሎስን ምስቶም ምስኡ ዝነበሩን ከም እተጸምበረ ዚሕብር እዩ። ‘ንሕና’ እናበለ ብምግላጹ ድማ ኣብቲ ኣብ ፊልጲ ዝገበርዎ ስብከት ከም እተኻፈለ ገለጸ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና: ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን።” ከም ውጽኢቱ: ልድያን ስድራቤታን ነቲ ብስራት ተቐቢሎም ተጠምቁ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:11-15

ጳውሎስ ንሓንቲ ብ“መንፈስ ጥንቈላ” ተደሪኻ ትንቢት እትንበ ዝነበረት ግዝእቲ ስለ ዘሕወያ: ኣብ ፊልጲ ምጽራር ኣጋጠመ። እቶም ጐይተታ: ምንጪ ረብሓኦም ከም ዝጠፍአ ምስ ረኣዩ: ንጳውሎስን ሲላስን ሒዞም ቀጥቀጥዎምን ኣእሰርዎምን። ይኹን እምበር: ሉቃስ ኣይተኣስረን፣ ከመይሲ: ነቲ እቶም ብጾቱ ዘጋጠሞም ፈተና ‘ንሳቶም’ እናበለ ወይ ከኣ ከም ሳልሳይ ኣካል ገይሩ እዩ ገሊጽዎ። ጳውሎስን ሲላስን ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ: “ነቶም ኣሕዋት ምስ ረአይዎም ከኣ: መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ።” ሉቃስ ‘ንሕና’ እናበለ ኺዛረብ ዝጀመረ: ጸኒሑ ጳውሎስ ናብ ፊልጲ ምስ ተመልሰ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:16-40፣ 20:5, 6) ምናልባት ሉቃስ ነቲ ኣብ ፊልጲ ዝነበረ ዕዮ ብሓላፍነት ንኺከታተሎ ኣብኡ ተሪፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሓበሬታ ምእካብ

ሉቃስ ነቲ ንወንጌሉን ንግብሪ ሃዋርያትን ዚኸውን ሓበሬታ ኻበይ እዩ ረኺብዎ፧ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ሉቃስ ብቐዳማይ ኣካል ዝገለጸሉ ወይ ‘ንሕና’ እናበለ ንርእሱ ኣብቲ ታሪክ ዘእተወሉ ኽፋል: ጳውሎስ ካብ ፊልጲ ናብታ ዳግማይ እተኣስረላ የሩሳሌም ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ ኸም ዘሰነዮ ዚሕብር እዩ። ኣብዚ ጕዕዞ እዚ: እቶም ምስ ጳውሎስ ዚኸዱ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቂሳርያ ምስ ፊልጶስ እቲ ወንጌላዊ ቐነዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:6፣ 21:1-17) ሉቃስ ነቲ ኣብ ሰማርያ እተገብረ ሚስዮናዊ ንጥፈታት ብዚምልከት ዝጸሓፎ ጸብጻብ: ካብቲ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ነቲ ዕዮ ስብከት ዝፈለመ ፊልጶስ ረኺብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:4-25) ካልኦት ምንጭታት ሉቃስ ግን መን እዮም ነይሮም፧

እተን ጳውሎስ ብማእሰርቲ ኣብ ቂሳርያ ዘሕለፈን ክልተ ዓመት: ሉቃስ ነታ ወንጌል ንምጽሓፍ ዜድልዮ ምርምር ንኺገብር ኣጋጣሚ ኸፊተናሉ ኪዀና ኣለወን። ኣብ ጥቓ የሩሳሌም ስለ ዝነበረ: ነቲ ብዛዕባ ወለዶ የሱስ ዚገልጽ መዝገብ ኪውከስ ይኽእል ነበረ። ሉቃስ ኣብታ ንሱ ዝጸሓፋ ወንጌል ጥራይ ዚርከብ ንህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዚምልከት ሓያሎ ፍጻመታት ጸሓፈ። ሓደ ምሁር ኣብ ወንጌል ሉቃስ ጥራይ ዚርከብ ፍልይ ዝበለ 82 ነጥብታት ረኸበ።

ሉቃስ ብዛዕባ ውልደት ዮሃንስ ካብ ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሃንስ መጥምቕ ፈሊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ብዛዕባ ውልደትን ቍልዕነትን የሱስ ዚገልጽ ዝርዝር ድማ ካብ ማርያም ኣደ የሱስ ረኺብዎ ይኸውን። (ሉቃስ 1:5–2:52) ጴጥሮስ: ያእቆብ: ወይ ዮሃንስ ከኣ ብዛዕባ እቲ ብተኣምራዊ መገዲ ብዙሕ ዓሳ ዝሓዙሉ ኣጋጣሚ ነጊሮምዎ ይዀኑ። (ሉቃስ 5:4-10) እቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ: ብዛዕባ ጸባብ ደገ: ብዛዕባ ዝጠፍአት ድሪም: ብዛዕባ እቲ ሓሻሺ ወዲ: ከምኡውን ብዛዕባ ኣልኣዛርን ሃብታም ሰብኣይን ዚገልጽ ምሳሌ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ጥራይ እዩ ዚርከብ።—ሉቃስ 10:29-37፣ 13:23, 24፣ 15:8-32፣ 16:19-31

ሉቃስ ብዛዕባ ሰባት ኣዝዩ ይግደስ ነበረ። ብዛዕባ መዓልቲ ምንጻህ ማርያም: ብዛዕባ ትንሳኤ እቲ ወዲ እታ መበለት ሰበይቲ: ከምኡውን ብዛዕባ እታ ንእግሪ የሱስ ዝቐብኣቶ ሰበይቲ ጸሓፈ። ንክርስቶስ ዜገልግላኦ ዝነበራ ኣንስቲ ኸም ዝነበራን ማርታን ማርያምን ከም ዘአንገዳኦን ድማ ገለጸ። ወንጌል ሉቃስ: ሓንቲ ዝጐበጠት ሰበይቲ: ሓደ ኸብዱ እተነፍሐ ሰብኣይ: ዓሰርተ ለምጻማት ከም ዝነጽሁ ትገልጽ እያ። ሉቃስ ብዛዕባ እቲ ቝመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ንየሱስ ኪርኢ ኢሉ ኣብ ኦም ዝደየበ ዘኬዎስን ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቓ የሱስ ተሰቒሉ ዝነበረ ሰብኣይ ዘርኣዮ ንስሓን እውን ጠቐሰ።—ሉቃስ 2:24፣ 7:11-17, 36-50፣ 8:2, 3፣ 10:38-42፣ 13:10-17፣ 14:1-6፣ 17:11-19፣ 19:1-10፣ 23:39-43

ወንጌል ሉቃስ ንኣተሓሕዛ ቝስሊ ብዚምልከት ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝሃቦ ምሳሌ ምጥቃሳ እውን ኣቓልቦ ኺግበረሉ ዚግባእ እዩ። ሉቃስ ሓኪም ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ሓገዝ ዝሃቦ መግለጺ መዝገቦ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኸም ጸረ-ረኽሲ ዀይኑ ዜገልግል ወይኒ: ነቲ ኸም መህድኢ ቓንዛ ዀይኑ ዜገልግል ዘይቲ: ከምኡውን ነቲ ቝስሊ ብምእሳር ዚግበር ሕክምና ዜጠቓልል እዩ።—ሉቃስ 10:30-37

ብጻይ ሓደ እሱር

ሉቃስ ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣዝዩ ይግደስ ነበረ። ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ምስ ተኣስረ: እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌሊክስ ንዕኡ ብዚምልከት “ካብ ሰቡ ኼገልግሎ እንተ ደለየውን: ንሓደ እኳ ኸይክልክል” ትእዛዝ ሃበ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:23) ሉቃስ ሓደ ኻብዞም ሰባት እዚኣቶም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ ይሓምም ስለ ዝነበረ: ንዕኡ ምእላይ ሓደ ኻብቲ “ፍቁር ሓኪም” ዚህቦ ኣገልግሎት እዩ ነይሩ።—ቈሎሴ 4:14፣ ገላትያ 4:13

ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ምስ በለ: እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስ ናብ ሮሜ ለኣኾ። ሉቃስ ነዚ እሱር እዚ ኣብቲ ናብ ኢጣልያ ዝገበሮ ነዊሕ ጕዕዞ ብተኣማንነት ኣሰንይዎ እዩ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ጕዕዞኦም ዘጋጠሞም ምስባር መርከብ ድማ ህያው ጸብጻብ ጸሓፈ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:27፣ 25:9-12፣ 27:1, 9-44) ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ መንበሪኡ ተኣሲሩ ኸሎ: ብርክት ዝበላ መንፈስ ዝነፈሰን መልእኽታት ጸሓፈ: ኣብተን ክልተ ድማ ንስም ሉቃስ ጠቐሰ። (ግብሪ ሃዋርያት 28:30፣ ቈሎሴ 4:14፣ ፊልሞን 24) ሉቃስ ኣብተን ምስ ጳውሎስ ዘሕለፈን ክልተ ዓመት ንግብሪ ሃዋርያት ጽሒፍዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እታ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዚነብረላ ዝነበረ ኽፍሊ ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ዝመልአት እያ ነይራ። ሽዑ ሉቃስ ምስቶም መዓይይቲ ጳውሎስ ዝነበሩ ጥኪቆስ: ኣርስጠርኮስ: ማርቆስ: ዮስጦስ: ኤጳፍራስ: ከምኡውን ኦኔሲሞስ ተራኺቡ ይኸውን እዩ።—ቈሎሴ 4:7-14

ጳውሎስ ካልኣይ ሳዕ ተኣስረን ሞቱ ዝቐረበ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኣብ ዝነበረሉን እዋን፣ ካልኦት ጠንጢኖምዎ ኸይዶም እኳ እንተ ነበሩ: እቲ እሙንን ተባዕን ዝነበረ ሉቃስ ግን ኣብ ጐድኑ ነበረ። ሉቃስ ብሰንኪ እዚ ናጽነቱ ኺስእን ይኽእል ነበረ። ምናልባት ንጳውሎስ ከም ጸሓፊኡ ዀይኑ የገልግል ብምንባሩ: ነተን “ሉቃስ ጥራይ ምሳይ አሎ” ዚብላ ቓላት ጽሒፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ያታ: ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ጳውሎስ ተሰየፈ።—2 ጢሞቴዎስ 4:6-8, 11, 16

ሉቃስ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእን ትሑትን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ትምህርቲ ኣይተዓበየን ወይ ምርኡይ ኪኸውን ኣይፈተነን። ሓቂ እዩ: ሓኪም ኰይኑ ኺነብር ይኽእል ነበረ: ንሱ ግን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኬደንፍዕ መረጸ። ንሕና እውን ልክዕ ከም ሉቃስ ነቲ ብስራት ብምሉእ ነፍስና ብምእዋጅ ምእንቲ ኽብሪ የሆዋ ኢልና ብትሕትና ነገልግል።—ሉቃስ 12:31

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን]

ቴዎፍሎስ መን እዩ ነይሩ፧

ሉቃስ ንወንጌሉን ንግብሪ ሃዋርያትን ናብ ቴዎፍሎስ እዩ ጽሒፍወን። ኣብ ወንጌል ሉቃስ እዚ ሰብኣይ እዚ “ኽቡር ቴዎፍሎስ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ሉቃስ 1:3) እታ “ኽቡር” እትብል ስያመ: ንሓደ ብዙሕ ሃብቲ ዘለዎ ሰብ ከምኡውን ንሓደ ኻብቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሮሜ ዚወሃብ ዝነበረ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ይሁዳ ዝነበረ ፌስጦስ ብተመሳሳሊ መገዲ ጸውዖ።—ግብሪ ሃዋርያት 26:25

ቴዎፍሎስ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ መልእኽቲ ሰሚዑ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ብዛዕባ እዚ ድማ ተገዳስነት ሓደሮ። ሉቃስ: እታ ዝጸሓፋ ወንጌል ንቴዎፍሎስ ‘ሓቂ እቲ ብቓል እተመሃሮ ምህሮ ኣጸቢቑ ንኺፈልጥ’ ክትሕግዞ ተስፋ ገይሩ ነበረ።—ሉቃስ 1:4

እቲ ግሪኻዊ ምሁር ዝዀነ ሪቻርድ ለንስኪ ኸም ዝገለጾ: ኣብቲ ሉቃስ “ክቡር” ኢሉ ዝጸውዓሉ እዋን: ቴዎፍሎስ ኣማኒ ኣይነበረን ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ: “ኣብ ክርስትያን ጽሑፋት ዝዀነ ይኹን ሓው ብኸምዚ ዝበለ ምድራዊ መዓርግ ተጸዊዑ ኣይፈልጥን እዩ።” ድሕሪ ግዜ: ሉቃስ ንግብሪ ሃዋርያት ኪጽሕፍ ከሎ: ነታ “ኽቡር” እትብል መዓርግ ኣይተጠቕመን: ኣብ ክንዳኡስ “ዎ ቴዎፍሎስ” ጥራይ እዩ ኢሉ ጸዊዕዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:1) ለንስኪ ኸምዚ ኢሉ ደመደመ:- “ሉቃስ ነታ ወንጌል ንቴዎፍሎስ ኪጽሕፈሉ ኸሎ: እዚ ምርኡይ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ተግባራት ይግደስ እኳ እንተ ነበረ: ገና ክርስትያን ኣይኰነን ነይሩ፣ ንግብሪ ሃዋርያት ኪልእከሉ ኸሎ ግን ክርስትያን ኰይኑ ነበረ።”