ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“በጃኹም ነዚ ንእሽቶ ህያበይ ተቐበሉኒ”

“በጃኹም ነዚ ንእሽቶ ህያበይ ተቐበሉኒ”

“በጃኹም ነዚ ንእሽቶ ህያበይ ተቐበሉኒ”

እዘን ቃላት እዚኣተን: ኣብታ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተቐበላ ደብዳበ ዚርከባ እየን። ካብ ጸምሪ እተሰርሐ ካልስታት ዝመልአ ሳንዱቕ ምስቲ ደብዳበ ብሓባር ነበረ።

እዚ ህያብ እዚ ኻብ ሓንቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ዚርከብ ጉባኤ እተገልግል ኣላ እትበሃል ጓል 67 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር እተላእከ እዩ ነይሩ። ኣላ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት እናሰበኸት ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ንየሆዋ ኣገልጊላ እያ። ይኹን እምበር: ዘጋጠማ ወቕዒ ፍርቂ ኣካላታ ኣልሚስዎ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኻ ግን ኣብነት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንኣመንቲ ብጾታ ኽዳውንቲ እተዳሉ ዝነበረት ዶርቃስ እትበሃል ክርስትያን ሰበይቲ ስዒባ እያ።—ግብሪ ሃዋርያት 9:36, 39

ኣላ ኣብ ደብዳበኣ: “ኣእጋረይ ከንቀሳቕስ ኣይክእልን እየ: ኣእዳወይ ግና ሕጂ እውን ከንቀሳቕስ እኽእል እየ። ስለዚ: ደብዳበታት ብምጽሓፍ እሰብኽ እየ” ኢላ ጸሓፈት። ብተወሳኺ እውን: “ኣእዳወይ ከንቀሳቕስ ኣብ ዝኽእለሉ ዘለኹ እዋን: ሒደት ዜምውቕ ጽምድታት ካልስታት ክሰርሕ ወሲነ እየ። እዚ ካልስታት እዚ: ነቶም ኣብ ከም ርሑቕ ምብራቕን ሳይበርያን ዝኣመሰሉ ቘራሪ ኸባቢታት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሃንጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪወሃቦም እደሊ እየ” በለት።

የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ: “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) እታ ኣላ ዘርኣየታ ዓይነት ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እያ።