ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ከኒ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ዕዉት ዝዀነ ትካል ድለላ እዩ ዚሰርሕ ነይሩ: ምሾት ዘለዋ ኽብርቲ ማኪናን ኣብ ሓደ ዓብዪ ኸተማ ኸኣ ውቁብ ቤትን ነበሮ። ሓደ ኻብቶም ካብ ነፋሪት ዘሊሎም ዚወርዱ ብምንባሩ: ካብ መሬት ኣሽሓት ሜተራት ድሕሪ ምብራኹ ዘሊሉ ንታሕቲ እናተወንጨፈ ኺውርወር ከሎ ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብሎ። እሞኸ እዚ ዅሉ ዕግበት ኣምጺኡሉዶ፧ ኣብታ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል እትበሃል ጋዜጣ: “ወዲ 45 ዓመት ኰይነ ኣለኹ: ህይወተይ ግን ርግጽ ዝዀነ መጻኢ የብላን . . . ህይወተይ ባዶ እያ” በለ።

ኢለን ኣብቲ ኣብ በረድ ሸታሕታሕ እናበልካ ዚግበር ስፖርት ክኢላ ንኽትከውን ኣበርቲዓ ጸዓረት። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ተዓወተት። ነቲ እትምነዮ ዝነበረት ተፈላጥነት ረኸበት። “እቲ ኽረኽቦ ኢለ እተጸበኽዎ ሓጐስ ግን ኣበይ ኣሎ፧ ብኣንጻሩ ጸምዩኒ እዩ ዘሎ። ዕላማ ህይወተይ እዚ ጥራይ እንተ ዀይኑ: ምስ ኣረግኩ ብቚጠባዊ መዳይ ዝሃለወ ይሃልወኒ ብዘየገድስ: ህይወተይ ትርጕም ኣይኪህልዋን እዩ ማለት እዩ” ኢላ ብጓሂ ተዛረበት።

በቲ ውሕሉል ኣጠቓቕማ ሕብሪ ዚፍለጥ ሂደዮ: ክኢላ ስነ-ጥበባዊ ንምዃን ይጽዕር ነበረ። ንስነ-ጥበባዊ ስርዓታቱ ኣብ ሓደጋ ዜውድቖ ዀይኑ ይስምዖ ስለ ዝነበረ ድማ: ነቲ ዚስእሎ ዝነበረ ስእሊ ኣይሸጦን እዩ ነይሩ። ወዲ 98 ዓመት ምስ ኰነ: ንሓያሎ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱ ንሓደ ቤተ-መዘክር ወፈዮ። ህይወቱ ኣብ ስነ-ጥበባዊ ነገራት ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንስርሑ ፍጹም ንምግባር ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኸም ዜድልዮ ብምሕሳብ: ዕግበት ኣይረኸበን።

ገሊኦም ሰባት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብዙሕ ነገር ይገብሩ እዮም። ንኣብነት: ኣብ ሆሊውድ ዝለዓለ ሓላፍነት ንዝነበሮ ሰብኣይ እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ ኻብቶም ኣብ ኣመሪካ ዚርከቡ ዓበይቲ ኩባንያታት ፊልም ምክትል ፕረዚደንት ስለ ዝነበረ: ምስ ህቡባት ሰባት ኪራኸብን ኣብ ፍሉይ ዓይነት መንበሪ ኺነብርን ይኽእል እዩ። ሓደ ግዜ: ንዕረፍቲ ኢሉ ናብ ካምቦድያ ኸደ: ኣብቲ ኣብ ፕኖም ፐን ዚርከብ ቤት ምግቢ ኺበልዕ ከሎ ድማ ሓንቲ ጓል እናለመነት ናብኡ መጸት። ሓደ ዶላርን ልስሉስ መስተን ከኣ ሃባ። እታ ጓል ተሓጒሳ ኸደት። ኰይኑ ግን: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ምሸት ኣብኡ ትልምን ነበረት። ነዚ ምስ ረኣየ ኸኣ ካብቲ ንግዜኡ ዚግበር ሓገዝ ንላዕሊ ኸም ዜድሊ ተረድአ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት: እዚ ሰብ እዚ ስርሑ ኪቕይር ወሰነ፣ ነቲ ናይ ምዝንጋዕ ኢንዱስትሪ ሓዲጉ ድማ ኣብ ካምቦድያ ንዘለዉ ድኻታት ኪሕግዝ ጀመረ። ነቶም ድኻታት መንበርን ምግብን ትምህርትን ዚህብ ቤት ትምህርቲ ኸኣ ከፈተ። ይኹን እምበር: በቲ ሓደ ወገን ብዛዕባ እቲ ዚገብሮ ዘሎ ነገር ሓጐስን ዕግበትን ኪስምዖ ኸሎ: በቲ ሓደ ወገን ከኣ ብዛዕባ እቲ ዜጋጠሞ ዓብዪ ጸገማት ኪሓስብ ከሎ ተስፋ ምቚራጽን ጭንቀትን ይስምዖ።

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮም ኣርባዕተ ሰባት: ዕላማ ህይወቶም ዚፈልጡ ይመስሎም ነበረ። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ንኺረኽብዎ ብዙሕ ዝጸዓሩሉ ሸቶ ምስ በጽሑ: ባዶነት ተሰምዖም። ንስኻኸ ዕላማ ህይወትካ እንታይ እዩ፧ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት እትህቦ ነገር እንታይ እዩ፧ እዚ ሕጂ እትነብሮ ዘለኻ ህይወት ደሓር ዜጣዕሰካ ኸም ዘይኰነ ርግጸኛ ዲኻ፧