ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኻልኦት መንፈሶም ተሐድስ ዲኻ፧

ንኻልኦት መንፈሶም ተሐድስ ዲኻ፧

ንኻልኦት መንፈሶም ተሐድስ ዲኻ፧

ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ሰንሰለት ኣኽራን መንጽር ሊባኖስ: እቲ ኻብ ጽፍሒ ባሕሪ 2,814 ሜተር ልዕል ዝበለ ግርማ ዝመልኦ ኸረን ሄርሞን ይርከብ። ዳርጋ ምሉእ ዓመት: ጫፍ ከረን ሄርሞን ብበረድ እተሸፈነ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብለይቲ ዚመጽእ ምዉቕ ሃፋ ኸም ዚረግእ ብምግባር ናብ ኣውሊ ይቕይሮ። እዚ ኣውሊ እዚ ድማ ናብቲ ኣብ ታሕተዋይ ጠርዚ እቲ ኸረን ዚርከብ ጽሕድን ፍረ ዚህብ ኣእዋምን ከምኡውን ናብቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ይወርድ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ግዜ ሓጋይ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኣትክልቲ ጠሊ ዚረክብ በዚ ኸምዚ ዝበለ ዜሐድስ ኣውሊ እዩ።

ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መዝሙር: እቲ ኣብ መንጎ ኣምለኽቲ የሆዋ ዘሎ ዜሐድስ ሓድነት ምስቲ “ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን” ተመሳሲሉ ኣሎ። (መዝሙር 133:1, 3) ልክዕ ከምቲ ኣትክልቲ ኻብ ከረን ሄርሞን ዜረስርስ ኣውሊ ዚረኽቡ: እቶም ምሳና ዚራኸቡ ሰባት እውን ኪሕደሱ ይኽእሉ እዮም። ከመይ ጌርና ኢና ግን ከምዚ ኽንገብር እንኽእል፧

መንፈስ ዜሐድስ ኣብነት የሱስ

የሱስ ኣብ ካልኦት ሰባት ዓሚቝ ጽልዋ የሕድር ነበረ። ንሓጺር እዋን ምስኡ ምጽናሕ እውን ንባዕሉ ዕረፍቲ ዜምጽእ እዩ። ንኣብነት: ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝነበረ ማርቆስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሕጻናት ዝገበረሎም ነገር ኪገልጽ ከሎ: “ሐቚፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም” በለ። (ማርቆስ 10:16) እዝስ ነቶም ሕጻናት ክሳዕ ክንደይ ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ!

የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ምሸት: ንኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ሓጸበ። ትሕትናኡ ንልቦም ተንኪፍዎ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ካብኡ ቐጺሉ: “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃንስ 13:1-17) እወ: ንሳቶም እውን ትሑታት ኪዀኑ ነበሮም። እቶም ሃዋርያት ነቲ ትምህርቲ ብኡንብኡ ስለ ዘይተረድእዎ: በታ ምሸት እቲኣ ኣብ መንጎኦም መን ከም ዚዓቢ ኺካትዑ ጀመሩ፣ የሱስ ግን በዚ ኣይተቘጥዐን። ኣብ ክንዳኡስ: ብትዕግስቲ ኼረድኦም ፈተነ። (ሉቃስ 22:24-27) የሱስ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: [ኣየፋራርሀን።]” እቲ መንፈስ ዜሐድስ ኣብነት የሱስ ብሓቂ ኽንቅድሖ ዚግባእ እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:21, 23

የሱስ: “ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: . . . ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ነበረ። (ማቴዎስ 11:29) ብቐጥታ ኻብ የሱስ ክትምሃር እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቶም ኣብታ ዓዱ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቤት ጸሎቶም ኪምህር ምስ ሰምዕዎ ኣዝዮም ብምግራም: “እዚ ጥበብዚ: እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፧” በሉ። (ማቴዎስ 13:54) ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ምንባብና ንኻልኦት መንፈሶም እነሐድሰሉ ወይ ዕረፍቲ እነምጽኣሉ መገድታት ኪምህረና ይኽእል እዩ። የሱስ ብኣወንታዊ ኣዘራርባን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብዝነበሮ ኣረኣእያን ከመይ ገይሩ ብሉጽ ኣብነት ከም ዝሓደገልና እስከ ንርአ።

ኣወንታዊ ዘረባ ምዝራብ

ህንጻ ኻብ ምህናጽ: ምፍራሱ ዝቐለለ እዩ። ንኣዘራርባና ብዚምልከት እውን ከምኡ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ፍጹማት ዘይኰኑ ሰባት ከም ምዃንና መጠን: ኵልና ንጋገን ንጐድልን ኢና። ንጉስ ሰሎሞን “ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን” በለ። (መክብብ 7:20) ኣብ ካልእ ሰብ ጌጋታት ምርካብን ብዚጐድእ ቃላት ምዝራብን ቀሊል እዩ። (መዝሙር 64:2-4) ብኣንጻሩ ግን: ንዘረባና ኣወንታዊ ምግባር ክእለት ዚሓትት እዩ።

የሱስ ንልሳኑ ንኻልኦት ንምህናጽ ተጠቕመላ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምእዋጅ: መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኣምጸኣሎም። (ሉቃስ 8:1) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኡ ብምግላጽ መንፈሶም ኣሐደሰ። (ማቴዎስ 11:25-27) ሰባት ናብ የሱስ እንተ ተሳሕቡ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

ብኣንጻሩ ግን: እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንድሌት ካልኦት ሰባት ኣብ ግምት ኣየእትውን ነበሩ። የሱስ: “ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ” በለ። (ማቴዎስ 23:6) “እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ” እናበሉ ኸኣ ነቶም ተራ ሰባት ይንዕቅዎም ነበሩ። (ዮሃንስ 7:49) ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ፈጺሙ መንፈስ ዜሐድስ ኣይኰነን።

እቲ እንዛረቦ ዘረባ: ንውሽጣዊ እንታይነትናን ብዛዕባ ኻልኦት ንዘሎና ኣረኣእያን ዜንጸባርቕ እዩ። የሱስ: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ እሞ: እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ” በለ። (ሉቃስ 6:45) ዘረባና ንመንፈስ ካልኦት ዜሐድስ ንምግባር ደኣ እሞ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

ብቐዳምነት: ቅድሚ ምዝራብና ሓንሳእ ደው ኢልና ኽንሓስብ ኣሎና። ምሳሌ 15:28: “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ: ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል” ትብል። ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ነዊሕ ኪኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ቍሩብ ኣቐድም ኣቢልና ብምሕሳብ: ዘረባና ኸመይ ከም ዚኸውን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንርእስና ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓታ ንኽእል ኢና:- ‘እዚ ኽዛረቦ ዝሓስቦ ዘለኹ ፍቕራዊ ድዩ፧ ሓቂ ድዩ ወይስ በላበለው፧ “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል” ድዩ፧ ነቶም ዝነግሮም ሰባትከ መንፈሶም ኬሕድሶን ኪሃንጾምን ድዩ፧’ (ምሳሌ 15:23) እቲ ዘረባ ኣሉታውን ኣብ ዘይግዜኡ ዚዝረብን እንተ ዀይኑ: ንኸነወግዶ ጻዕሪ ንግበር። ኣብ ክንዳኡስ ኣወንታውን ግቡእን ዝዀነ ዘረባ እንተ ተዛሪብካዶ ኣይምሓሸን፧ ከይሓሰብካ ዚዝረብ ዘረባ ልክዕ ከም “ዚቘርጽ ሰይፊ” ኪኸውን ከሎ: ኣወንታዊ ዘረባ ግን “ጥዕና” እዩ።—ምሳሌ 12:18

ኣብቲ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ዚገብሮም ነገራት ኣትኵሮ ምግባርና እውን ካልእ ኪሕግዘና ዚኽእል ነገር እዩ። የሱስ: “እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 6:44) የሆዋ ኣብቶም ኣጸጋሚ ጠባይ ኣለዎም ኢልና እንሓስቦም እሙናት ኣገልገልቱ እውን ከይተረፈ ዜርእይዎ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ዚርኢ። ነቲ ሰናይ ባህርያቶም ክንርኢ ብምጽዓር: ብዛዕባኦም ኣወንታዊ ዝዀነ ነገር ክንዛረብ ንኽእል ኢና።

ንኻልኦት ሓግዞም

የሱስ: እቲ እቶም እተገፍዑ ሰባት ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) ኰይኑ ግን: ነቲ ዜሕዝን ኵነታቶም ርእዩ ስቕ ኣይበለን። ኣብ ክንዳኡስ: “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ኢሉ ዕድመ ኣቕረበሎም። “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ” ኢሉ ድማ መረጋገጺ ሃቦም።—ማቴዎስ 11:28, 30

ንሕና እውን ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ንብዙሓት ሰባት “ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣ” ጾር ኰይንዎም ኣሎ። (ማቴዎስ 13:22) ገሊኦም ድማ በቲ ዜጨንቕ ብሕታዊ ዅነታቶም ተደቚሶም ኣለዉ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ከመይ ጌርና ኢና ነቶም ዜድልዮም ሰባት ዕረፍቲ ኸነምጽኣሎም እንኽእል፧ ልክዕ ከም ክርስቶስ: ነቲ ጾሮም ኣብ ምፍኳስ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና።

ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ጸገሞም ንኻልኦት ብምንጋር ነቲ ጾሮም ኬፍኵስዎ ይደልዩ። ሓደ ዝጐሃየ ውልቀ-ሰብ ሓገዝ ደልዩ ናባና እንተ መጺኡ: ጽን ኢልና ንሰምዖ ዲና፧ ብድንጋጽ ምስማዕ ርእስኻ ምግሳጽ ዚሓትት እዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ እትምልሶ መልሲ ወይ ብዛዕባ መፍትሒ እቲ ጸገም ኣብ ክንዲ ምሕሳብ: እቲ ሰብ ኪዛረብ ከሎ ብኣቓልቦ ምስማዕ ዜጠቓልል እዩ። ጽን ኢልካ ብምስማዕ: ናብቲ ሰብ ብምጥማት: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ፍሽኽ ብምባል: ነቲ ሰብ ከም እንሓልየሉ ኸነርእዮ ንኽእል ኢና።

ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ንኣመንቲ ብጾትና ኸነተባብዖም እንኽእለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ነቶም ጥዕና ዝሰኣኑ ሰባት ከነዘራርቦም ንኽእል ኢና። ሓድሓደ ግዜ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንምህናጽ: ቅድሚ እቲ ኣኼባ ወይ ብድሕሪኡ ሒደት ደቓይቕ ወሲድካ ዜተባብዕ ቃላት ምክፋል እኹል እዩ። ኣብቲ እንካፈለሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ዘይመጹ እንተ ኣልዮም ንተዓዘብ። ምናልባት ተሌፎን ብምድዋል ብዛዕባ ድሕንነቶም ከም እንሓስብ ክንገልጸሎምን ክንሕግዞምን ንኽእል ኢና።—ፊልጲ 2:4

ክርስትያን ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ ኸቢድ ሓላፍነታት ኣለዎም። ምስኦም ብምትሕብባርን ነቲ ዚወሃበና ሓላፍነት ብግቡእ ብምፍጻምን ነቲ ጾሮም ከነቕልሎ ንኽእል ኢና። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።” (እብራውያን 13:17) ፍቓደኛ መንፈስ ብምርኣይ: ነቶም “ጽቡቕ ዜገልግሉ” መንፈሶም ከነሐድሰሎም ንኽእል ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 5:17

ኣወንታዊ ዘረባን ሓገዝን ነዘውትር

እቲ በዚ መጸ ኸይተባህለ ቐስ እናበለ ዚወርድ መንፈስ ዜሐድስ ኣውሊ: ካብቲ ብኣሽሓት ዚቝጸር ደቂቕ ነጠብጣብ ማይ እዩ ዚፍጠር። ብተመሳሳሊ: ንኻልኦት መንፈሶም ከተሐድሰሎም ኪበሃል ከሎ: ካብ ሓንቲ ሰናይ ተግባር ዚመጽእ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ዅሉ ሳዕ እነርእዮ ኸም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ብሓደ ተዋህሊሉ እዩ መንፈሶም ዜሐድሰሎም።

ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም: ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 12:10) ነዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። ብኣዘራርባና ይኹን ብግብርና ድማ ንኻልኦት እነሐድስ ንኹን።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ከረን ሄርሞን ዚወርድ ኣውሊ ነቲ ኣትክልቲ ዜሐድስ ምንጪ ጠሊ እዩ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብድንጋጽ ዚሰምዕ ሰብ ንኻልኦት መንፈሶም የሐድሰሎም