ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ባህርያት ኣማዕብል

ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ባህርያት ኣማዕብል

ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዚሕግዘካ ባህርያት ኣማዕብል

“ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴዎስ 28:19

1. ገለ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ክእለታትን ኣረኣእያን እዩ ኣድልይዎም፧

 ኣገልገልቲ የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ፍቓዱ ንምግባር ዚሕግዞም ክእለታትን ኣረኣእያን ኬማዕብሉ ኣለዎም። ንኣብነት: ኣብርሃምን ሳራን ብትእዛዝ ኣምላኽ ካብታ ብልጽግቲ ኸተማ ኡር ምስ ወጹ: ኣብ ድንኳን ንምንባር ዜድሊ ባህርያትን ክእለታትን ኣድለዮም። (እብራውያን 11:8, 9, 15) እያሱ ንእስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺመርሖም ከሎ: ትብዓትን ኣብ የሆዋ ምውካልን ፍልጠት እቲ ሕግን ኣድልይዎ ነበረ። (እያሱ 1:7-9) በሳልኤልን ኦሆልያብን ነቲ ማሕደርን ምስኡ እተተሓሓዘ ኣቝሑን ኣብ ምስራሕ ዚግበር ዕዮ ብዕዉት መገዲ ብሓላፍነት ምእንቲ ኺመርሑ: ኣቐዲሙ ዝነበሮም ክእለት ንኺመሓየሽ ወይ ዝያዳ ንኺምዕብል መንፈስ ኣምላኽ ሓጊዝዎም እዩ።—ዘጸኣት 31:1-11

2. ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብዚምልከት እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

2 ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት: የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ: “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ቅድሚኡ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎም ኣይፈልጥን ነበረ። ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እንታይ ባህርያት የድሊ፧ ነቲ ባህርያት ብኸመይ ከነማዕብል ንኽእል፧

ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ኣርኢ

3. ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር እተዋህበና ትእዛዝ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዚህበና፧

3 ናብ ሰባት ቀሪብና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኼምልኹ ኸነእምኖም ንምጽዓር: ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ኺህልወና የድሊ። እስራኤላውያን ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕሪ: ብምሉእ ልቦም ንትእዛዛቱ ብምሕላውን ቅቡል መስዋእትታት ብምቕራብን ብመዝሙር ንዕኡ ብምውዳስን ኬርእዩ ይኽእሉ ነበሩ። (ዘዳግም 10:12, 13፣ 30:19, 20፣ መዝሙር 21:13፣ 96:1, 2፣ 138:5) ንሕና ገበርቲ ወደ መዝሙር ከም ምዃንና መጠን: ሕግታት ኣምላኽ ንሕሉ ኢና፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ግን ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኻልኦት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማኡን ብምንጋር ንገልጽ ኢና። ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ኻብ ልብና ዚፍልፍል ስምዒታት ክንገልጽ ዜኽእለና ቕኑዕ ቃላት መሪጽና ብምትእምማን ክንዛረብ ኣሎና።—1 ተሰሎንቄ 1:5፣ 1 ጴጥሮስ 3:15

4. የሱስ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ምምሃር ዜሐጕሶ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

4 የሱስ ንየሆዋ ዓማቝ ፍቕሪ ስለ ዝነበረቶ: ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽን መንግስቲ ኣምላኽን ናይ ሓቂ ኣምልኾን ምዝራብ ባህ የብሎ ነበረ። (ሉቃስ 8:1፣ ዮሃንስ 4:23, 24, 31) “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 4:34) እተን እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝጸሓፈን ከምዚ ዚስዕብ ዚብላ ቓላት እውን ኣብ የሱስ ይውዕላ እየን:- “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ: በልኩ። ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ: እንሆ: ከናፍረይ ኣይዐጾኹን: ጐይታየ: ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ።”—መዝሙር 40:7-9፣ እብራውያን 10:6-10

5, 6. ንገበርቲ ወደ መዝሙር እተድልዮም ቀንዲ ባህርይ እንታይ እያ፧

5 ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚመሃሩ ነዊሕ ዘይገበሩ ሓደስቲ ሰባት: በታ ንኣምላኽ ዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ብምትእምማን ስለ ዚዛረቡ: ካልኦት ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዚምርምርዎ ኣብ ምግባር ውጽኢታውያን እዮም። (ዮሃንስ 1:41) ፍቕሪ ንኣምላኽ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እትድርኸና ኣገዳሲ ረቛሒ እያ። እምበኣር: ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ነታ ፍቕሪ እቲኣ ህያው ጌርና ንዓቅባ።—1 ጢሞቴዎስ 4:6, 15፣ ራእይ 2:4

6 የሱስ ክርስቶስ ቅንኣት ዘለዎ መምህር ንኪኸውን ዝደረኾ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ምዃና ዜተሓታትት ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምእዋጅ ውጽኢታዊ ኸም ዚኸውን ዝገበሮ እዚ ምኽንያት እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ንየሱስ ዕዉት ገባር ወደ መዝሙር ከም ዚኸውን ዝገበሮ ኻልእ ባህርይ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧

ንሰባት ፍቕራዊ ሓልዮት ኣርኢ

7, 8. የሱስ ንሰባት ብኸመይ ይርእዮም ነበረ፧

7 የሱስ ንሰባት ይሓልየሎም ስለ ዝነበረ: ብዙሕ ተገዳስነት የርእዮም ነበረ። ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ወሓለ “ሰራሕተኛ” ኣምላኽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ: ምስ ሰባት ዚተሓሓዝ ነገራት የሐጕሶ ነበረ። (ምሳሌ 8:30, 31) ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ምስ መጸ: ንሰባት ይድንግጸሎምን ነቶም ናብኡ ዝኸዱ ዕረፍቲ ይዀኖምን ነበረ። (ማቴዎስ 11:28-30) ንፍቕርን ድንጋጽን የሆዋ እዩ ኣንጸባሪቑ: እዚ ኸኣ ንሰባት ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኼምልኹ ሰሓቦም። እተፈላለዩ ዓይነት ውልቀ-ሰባት ነቲ ዝነበሩሉ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው ፍቕራዊ ሓልዮት ስለ ዘርኣዮም ሰምዕዎ።—ሉቃስ 7:36-50፣ 18:15-17፣ 19:1-10

8 ሓደ ሰብኣይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺወርስ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንየሱስ ምስ ሓተቶ: የሱስ “ጠሚቱ ፈተዎ።” (ማርቆስ 10:17-21) ብዛዕባ እቶም የሱስ ኣብ ቢታንያ ዝመሃሮም ገሊኦም ውልቀ-ሰባት: “የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ” ዚብል ነንብብ። (ዮሃንስ 11:1, 5) የሱስ ንሰባት ኣመና ይሓልየሎም ስለ ዝነበረ: ንኺምህሮም ኢሉ ዕረፍቱ እውን ሰውአ። (ማርቆስ 6:30-34) እዚ ንሰባት ዝነበሮ ዓሚቝን ፍቕራውን ሓልዮት ንውልቀ-ሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምስሓብ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ውጽኢታዊ ኸም ዚኸውን ገበሮ።

9. ጳውሎስ ከም ገባር ወደ መዝሙር መጠን እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ እቶም ዚሰብከሎም ሰባት ኣጸቢቑ ይሓሊ ነበረ። ንኣብነት: ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት: “ከምዚ: ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና” በሎም። ከም ውጽኢት እቲ ጳውሎስ ዜርኣዮ ፍቕራዊ ሓልዮት ከኣ ገለ ኻብ ሰብ ተሰሎንቄ: ‘ካብ ጣኦታት ናብቲ ህያው ኣምላኽ ተመልሱ።’ (1 ተሰሎንቄ 1:9፣ 2:8) ንሕና እውን ከም የሱስን ጳውሎስን ንሰባት ብሓቂ ንሓልየሎም እንተ ዄንና: እቲ ብስራት ኣብ ኣልባብ እቶም “ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ኪበጽሕ ብምርኣይና ኽንሕጐስ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 13:48 NW

ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣርኢ

10, 11. ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ክንጽዕር ከለና ጥቕሚ ርእስና ናይ ምስዋእ መንፈስ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

10 ውጽኢታውያን ገበርቲ ወደ መዝሙር ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣለዎም። ሃብቲ ምጥራይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ከም ዘይርእይዎ እተረጋገጸ እዩ። የሱስ እሞ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ: “ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎም እዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ በዚ ዝሰምዕዎ ስለ እተገረሙ: የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “ደቀይ: ብጥሪት ንዚእመኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚአቱስ: ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሐልፍ ይቐልል” በሎም። (ማርቆስ 10:23-25) ሰዓብቱ: ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ምእንቲ ኼተኵሩ: ቀሊል ናብራ ኺህልዎም እዩ ተላብይዎም። (ማቴዎስ 6:22-24, 33) ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ኪሕግዘና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

11 የሱስ ዝኣዘዘና ዅሉ ንኻልኦት ምምሃር: ብዙሕ ጻዕሪ ይሓትት። ሓደ ገባር ወደ መዝሙር ብሓፈሻኡ ነቲ ተገዳስነት ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ኣብ ሰሰሙን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሉ ይጽዕር እዩ። ገሊኦም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ቅኑዓት ሰባት ንምርካብ ዘለዎም ኣጋጣሚታት ንምስፋሕ: ናይ ምሉእ ግዜ ስራሖም ሓዲጎም: ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ሒዞም ኣለዉ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ኻብ ካልእ ዓሌት ዝዀኑ ሰባት ንምብጻሕ ኢሎም ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። ገሊኦም ገበርቲ ወደ መዝሙር ከኣ እኽሊ ኣብ ምእካብ ብዝያዳ ምእንቲ ኺሳተፉ ኢሎም: መረበቶም ሓዲጎም ናብ ካልእ ከባቢ ወይ ሃገር ግዒዞም እዮም። (ማቴዎስ 9:37, 38) እዚ ዅሉ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ይሓትት። ውጽኢታዊ ገባር ወደ መዝሙር ንምዃን ግን ዝያዳ የድሊ።

ዕጉስ ኩን: ግናኸ ግዜ ኣይተባኽን

12, 13. ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ትዕግስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ትዕግስቲ: ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እትሕግዘና ኻልእ ባህርይ እያ። ክርስትያናዊ መልእኽትና ቕልጡፍ ስጕምቲ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ: ደቀ መዛሙርቲ ምግባር መብዛሕትኡ ግዜ ነዊሕ ግዜን ትዕግስትን ይሓትት እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:29) የሱስ ነቲ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ ተዓጊስዎ እዩ። ያእቆብ ነቲ የሱስ ዚገብሮ ዝነበረ ንጥፈታት ስብከት ኣጸቢቑ ዚፈልጦ እኳ እንተ ነበረ: ንእተወሰነ ግዜ ግን ወደ መዝሙር ንኸይከውን ሓደ ነገር ዕንቅፋት ኰይንዎ ነበረ። (ዮሃንስ 7:5) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ያእቆብ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ሃዋርያትን ኪጽሊ ኸም እተኣከበ ዚገልጽ ሓበሬታ ስለ እንረክብ ግን: ካብቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ኽሳዕ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ ሓጺር ግዜ ወደ መዝሙር ኰይኑ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14) ድሕሪኡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበረ: ጸኒሑ ኸኣ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸቢድ ሓላፍነታት ተሰከመ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:13፣ 1 ቈረንቶስ 15:7

13 ክርስትያናት ልክዕ ከም ሓረስቶት ቀስ ኢሉ ዚዓቢ ነገራት: ማለት ቃል ኣምላኽ ምርዳእ: ፍቕሪ ንየሆዋ: ከምኡውን ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ መንፈስ እዮም ዚዅስኵሱ ዘለዉ። እዚ ትዕግስቲ ይሓትት። ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣሕዋተየ: ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዐገሱ። እንሆ: ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ: ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ እዩ። ንስኻትኩም ከኣ: ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ: ተዐገሱ: ልብኹምውን ኣጽንዑ።” (ያእቆብ 5:7, 8) ያእቆብ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ‘ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ኺዕገሱ’ እዩ ዚምሕጸኖም ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ገለ ነገር እንተ ዘይተረዲእዎም: የሱስ ብትዕግስቲ ይገልጸሎም ወይ ብምሳሌ የረድኦም ነበረ። (ማቴዎስ 13:10-23፣ ሉቃስ 19:11፣ 21:7፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6-8) ሕጂ ጐይታ ኣብ ስልጣኑ ዘለወሉ እዋን ስለ ዘለና: ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ክንጽዕር ከለና ብተመሳሳሊ ትዕግስቲ የድልየና እዩ። እቶም ኣብዚ ግዜና ሰዓብቲ የሱስ ዝዀኑ ብትዕግስቲ ትምህርቲ ኺወሃቦም ኣለዎ።—ዮሃንስ 14:9

14. ትዕግስቲ እኳ እንተ ገበርና: ገበርቲ ወደ መዝሙር ከም ምዃንና መጠን ግዜና ብኸመይ ኢና ብጥበብ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧

14 ትዕግስቲ እኳ እንተ ገበርና: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝጀመርናሎም መብዛሕትኦም ሰባት ግን እቲ ቓል ፍረ ኣይፈርን እዩ። (ማቴዎስ 13:18-23) ስለዚ: ንኽንሕግዞም እኹል ጻዕርታት ድሕሪ ምግባርና: ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ግዜ ምሕላፍ ኣቋሪጽና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዝያዳ ኣኽቢሮም ኪርእዩ ዚኽእሉ ምንዳይና ጥበባዊ እዩ። (መክብብ 3:1, 6) ልክዕ እዩ: መማሰውቲ ሰባት እውን ከይተረፉ ኣረኣእያኦምን ኣመለኻኽታኦምን ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህብዎ ነገራትን ንኺልውጡ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኼድልዮም ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸምቲ የሱስ ነቶም ግቡእ ኣረኣእያ ኣብ ምምዕባል ጸገማት ዝነበሮም ገሊኦም ሰባት እተዓገሶም: ንሕና እውን ትዕግስቲ ንገብር ኢና።—ማርቆስ 9:33-37፣ 10:35-45

ጥበብ ኣመሃህራ ኣማዕብል

15, 16. ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ከለና ብቐሊል መገዲ ኽንገልጽን ጽቡቕ ምድላው ክንገብርን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ፍቕሪ ንኣምላኽ: ሓልዮት ንሰባት: ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ: ከምኡውን ትዕግስቲ ብዕዉት መገዲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ኣገዳሲ ረቛሒታት እዩ። ክእለት ኣመሃህራ ንጕዳያት ብንጹርን ዘይተሓላለኸን መገዲ ንኽንገልጽ ስለ ዜኽእለና: ከነማዕብሎ ኣሎና። ንኣብነት: ሓያሎ ኻብቲ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝበሎ ነገራት: ቀሊል ስለ ዝነበረ ሓያል ጽልዋ ነይርዎ እዩ። ነዚ ዚስዕብ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ብቐሊሉ ትዝክሮ ትኸውን:- “ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ።” “እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ።” “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።” “ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ።” (ማቴዎስ 6:20፣ 7:6፣ 11:19፣ 22:21) ርግጽ እዩ: የሱስ ሒደት ቃላት ጥራይ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ብንጹር ይምህር ነበረ: መግለጺ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ድማ ይገልጽ ነበረ። ኣገባብ ኣመሃህራ የሱስ ብኸመይ ክትቀድሖ ትኽእል፧

16 ብቐሊልን ንጹርን መገዲ ንምምሃር: ተጠንቂቕካ ምድላው ቀንዲ ረቛሒ እዩ። ኣቐዲሙ ዘይተዳለወ ኣገልጋሊ ብዙሕ እዩ ዚዛረብ። ኵሉ እቲ ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ዚፈልጦ ነገራት ስለ ዚዛረቦ: ብብዝሒ ቓላቱ ገይሩ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ይቐብሮ። ብኣንጻሩ ግን: ብግቡእ እተዳለወ ኣገልጋሊ ብዛዕባ እቲ ዚምህሮ ሰብ ይሓስብ: ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ የስተንትን: እቲ ዜድሊ ኸኣ ብንጹር የቕርብ። (ምሳሌ 15:28፣ 1 ቈረንቶስ 2:1, 2) እቲ ተመሃራይ ኣቐዲሙ ኽንደይ ከም ዚፈልጥን ኣብቲ መጽናዕቲ እንታይ ነጥብታት ኬጕልሕ ከም ዘለዎን ኣብ ግምት የእቱ። ብዛዕባ እቲ ርእሰ ነገር ብዙሕ ኣገዳሲ ዝርዝር ነገራት ይፈልጥ ይኸውን: ግናኸ እቲ ትምህርቲ ንጹር ኪኸውን እንተ ዀይኑ ዘየድሊ ሓበሬታ ኺጽልጸል ኣለዎ።

17. ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት ኪሓስቡሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

17 የሱስ ንሰባት ሓበሬታታት ስቕ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚህቦም: ንኺሓስቡ እውን ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: “ስምኦን: ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧” ኢሉ ሓተቶ። (ማቴዎስ 17:25) ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምግላጽ ኣዝዩ ስለ ዜሐጕሰና: ተመሃራይና ሓሳቡ ወይ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተላዕለ ነጥቢ ኺገልጽ ዕድል ምእንቲ ኽንህቦ ርእስና ኽንገትእ የድልየና ይኸውን። ልክዕ እዩ: ንሰባት ኣመና ሕቶታት ከነብዝሓሎም የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ: ብሜላን ብጽቡቕ ምሳሌታትን ብእተሓስበሉ ሕቶታትን ጌርና: ነቲ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረት ጽሑፋትና ዝቐረበ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ከነረድኦም ንኽእል ኢና።

18. “ጥበብ ኣመሃህራ” ምምዕባል ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

18 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ “ጥበብ ኣመሃህራ” ይዛረብ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2 NWቲቶስ 1:9 NW) ከምዚ ዝኣመሰለ ኽእለት ኣመሃህራ ንሓደ ሰብ ገለ ሓቅታት ከም ዚሽምድዶ ኻብ ምግባር ንላዕሊ የጠቓልል። ንተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን: ጽቡቕን ክፉእን: ጥበብን ዕሽነትን ዘሎ ፍልልይ ከነረድኦ ኣሎና። ከምኡ እንገብርን ኣብ ልቢ እቲ ሰብ ፍቕሪ ንየሆዋ ኸነሕድር እንጽዕርን እንተ ዄንና: ንየሆዋ ስለምንታይ ኪእዘዞ ኸም ዘለዎ ኺግንዘብ ይኽእል እዩ።

ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብቕንኣት ተሳተፍ

19. ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ኵሎም ክርስትያናት ዚሳተፉ ብኸመይ እዮም፧

19 ክርስትያናዊት ጉባኤ ደቀ መዛሙርቲ እትገብር ውድብ እያ። ሓደ ሓድሽ ሰብ ወደ መዝሙር ምስ ኰነ: እቲ ነቲ ሰብ ፈለማ ዝረኸቦን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ዝመሃሮን ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ ኣይኰነን በዚ ዚሕጐስ። ሰባት ንዝጠፍአ ቘልዓ ንምርካብ ብጕጅለ ተወዲቦም ኪደልዩ ኸለዉ: ሓደ ኣባል እታ ጉጅለ ጥራይ እዩ ነቲ ቘልዓ ዚረኽቦ። እቲ ቘልዓ ምስ ወለዱ ኺራኸብ ከሎ ግን: ኵሎም እቶም ኣብ ምንዳዩ እተሳተፉ እዮም ዚሕጐሱ። (ሉቃስ 15:6, 7) ብተመሳሳሊ: ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብጕጅለ ዚግበር ዕዮ እዩ። ኵሎም ክርስትያናት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኪዀኑ ዚኽእሉ ኣብ ምንዳይ ይሳተፉ እዮም። ሓደ ሓድሽ ሰብ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪእከብ ምስ ጀመረ ኸኣ: ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚእከቡ ክርስትያናት ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዎ ኣድንቖት ኣብ ምህናጽ ይሳተፉ እዮም። (1 ቈረንቶስ 14:24, 25) ስለዚ: ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ኸለዉ: ኵሎም ክርስትያናት ኪሕጐሱ ይኽእሉ እዮም።

20. ንኻልኦት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምህሮም እንተ ደሊኻ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

20 ብዙሓት እሙናት ክርስትያናት ንሓደ ሰብ ብዛዕባ የሆዋን ናይ ሓቂ ኣምልኾን ምምሃር የሐጕሶም እዩ። ዚከኣሎም ዘበለ እናገበሩ ኽነሶም ግን ዚምህርዎ ሰብ ኣይረኽቡን ይዀኑ። ንስኻ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንተ ኣሊኻ: ብሕጂ እውን ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኣሐይል: ንሰባት ሕለየሎም: ጥቕሚ ርእስኻ እትስውእ ኩን: ትዕግስቲ ግበር: ክእለት ኣመሃህራኻ እውን ከተማዕብል ጽዓር። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ንምምሃር ዘሎካ ባህጊ ጸሊ። (መክብብ 11:1) ኵሉ እቲ ንኣገልግሎት የሆዋ እትገብሮ ነገራት: ነቲ ንኣምላኽ ዜኽብሮ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኣበርክቶ ዚገብር ምዃኑ ብምፍላጥካ ምጽንናዕ ክትረክብ ኢኻ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ነታ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ዚፍትን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ገበርቲ ወደ መዝሙር እንታይ ባህርያት እዩ ዜድልዮም፧

• “ጥበብ ኣመሃህራ” እንታይ የጠቓልል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ንኣምላኽ ዘላቶም ዓማቝ ፍቕሪ ይገልጹ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ገበርቲ ወደ መዝሙር ብኻልኦት ኪግደሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ገበርቲ ወደ መዝሙር ዜድልዮም ገለ ባህርያት እንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም ክርስትያናት በቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እተረኽበ ዜሐጕስ ፍረ ይሕጐሱ እዮም