ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልዑላውነት የሆዋን መንግስቲ ኣምላኽን

ልዑላውነት የሆዋን መንግስቲ ኣምላኽን

ልዑላውነት የሆዋን መንግስቲ ኣምላኽን

“ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ: እታ መንግስትስ ናትካ እያ።” —1 ዜና መዋእል 29:11

1. የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ልዑላዊ ገዛኢ ንኪኸውን መሰል ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

 ‘የሆዋ ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመ: መንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ።’ (መዝሙር 103:19) እቲ ጸሓፍ መዝሙር በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ: ነቲ ንግዝኣት ዚምልከት መሰረታዊ ሓቂ ሓበረ። የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ልዑላዊ ገዛኢ ንኪኸውን መሰል ኣለዎ።

2. ዳንኤል ነቲ የሆዋ ዚገዝኦ መንፈሳዊ ዓለም ብኸመይ ገሊጽዎ፧

2 ልክዕ እዩ: ሓደ ገዛኢ ልዑላውነቱ ኺጥቀመሉ እንተ ዀይኑ: ግዙኣት ኪህልውዎ ኣለዎም። ብቐዳምነት: የሆዋ ንልዑላውነቱ ኣብቶም ናብ ህላወ ዘምጸኦም መንፈሳውያን ፍጡራቱ: ማለት ፈለማ ኣብቲ ሓደ ወዱ: ድሕሪኡ ኸኣ ኣብቶም ጭፍራታት መላእኽቱ እዩ ተጠቒሙሉ። (ቈሎሴ 1:15-17) ነዊሕ እዋን ጸኒሑ: ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ ሰማያዊ ትርኢት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እተወሰነ ነገር ገሊጹልና ኣሎ:- “ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ: ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። . . . ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ: እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።” (ዳንኤል 7:9, 10) ንማእለያ ዘይብሉ ግዜ እቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” እተባህለ የሆዋ ነቶም ኣዝዮም ብዙሓትን ስርዓት ዘለዎምን ከም ስድራቤት ዝኣመሰሉ ፍቓዱ ዚገብሩ “ኣገልገልቱ” ዝዀኑ መንፈሳውያን ደቁ ኼስተናብሮም ጸኒሑ እዩ።—መዝሙር 103:20, 21

3. ልዑላውነት የሆዋ ናብቲ ግኡዝ ዩኒቨርስ እተዘርግሐ ብኸመይ እዩ፧

3 ድሕሪ ግዜ የሆዋ ነቲ ንምድሪ እውን ዘጠቓለለ ሰፊሕን እተሓላለኸን ግኡዝ ዩኒቨርስ ናብ ህላወ ብምምጻእ ንግዝኣቱ ኣስፈሖ። (እዮብ 38:4, 7) ንሓደ ኻብ ምድሪ ዀይኑ ዚዕዘብ ሰብ: እቲ ሰማያዊ ኣካላት ብኣዝዩ ዜደንቕ ስርዓትን ልክዕነትን ስለ ዚዓዪ: መራሒ ወይ ኣመሓዳሪ ዜድልዮ ኣይመስልን እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “[የሆዋ] አዚዙ: ተፈጢሮም እዮም . . . ንዘለኣለመ ኣለም ኣቘሞም: ዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦም” በለ። (መዝሙር 148:5, 6) የሆዋ ንመስርሕ እቲ መንፈሳዊ ዓለም ኰነ ግኡዝ ዩኒቨርስ ኣብ ምእላይን ኣብ ምቍጽጻርን ኣብ ምምሕዳርን ንልዑላውነቱ ኻብ ምጥቃም ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ።—ነህምያ 9:6

4. የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ንዘለዎ ልዑላውነት ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧

4 ቀዳሞት ጽምዲ ሰባት ምስ ተፈጥሩ: ኣምላኽ ንልዑላውነቱ ብኻልእ መገዲ እውን ተጠቒሙሉ እዩ። የሆዋ ንሰባት ዕላማ ዘለዎን ዜዕግብን ህይወት ንኺነብሩ ዜድልዮም ኵሉ ኣብ ልዕሊ ምሃቡ: ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ዝተሓቱ ፍጥረታት ኪመልክዎም ፈቐደሎም: ወይ ስልጣን ሃቦም። (ዘፍጥረት 1:26-28፣ 2:8, 9) እምበኣር ግዝኣት ኣምላኽ ሰናይን ጽቡቕን ጥራይ ዘይኰነስ: ንተገዛእቱ እውን ዜኽብር እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ንልዑላውነት የሆዋ ኽሳዕ እተገዝኡ: ኣብታ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ነበሮም።—ዘፍጥረት 2:15-17

5. የሆዋ ንልዑላውነቱ ብዛዕባ ዚጥቀመሉ መገዲ እንታይ ክንብል ንኽእል፧

5 እዚ ዅሉ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኼብጽሓና ይኽእል፧ ቀዳማይ: የሆዋ ወትሩ ንልዑላውነቱ ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ ኺጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። ካልኣይ: ግዝኣት ኣምላኽ ሰናይን ንግዙኣቱ ዜኽብርን እዩ። ሳልሳይ: ንግዝኣት ኣምላኽ እንእዘዝን እንድግፍን ምዃንና: ዘለኣለማዊ በረኸት የምጽኣልና። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: “ጐይታየ: ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ: ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ: እታ መንግስትስ ናትካ እያ: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ።—1 ዜና መዋእል 29:11

መንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ኣድለየት፧

6. ኣብ መንጎ ልዑላውነት ኣምላኽን መንግስቱን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧

6 እቲ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ልዑላዊ ዝዀነ የሆዋ ንስልጣኑን ሓይሉን ወትሩ ኺጥቀመሉ ኻብ ጸንሐ: መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ እሞ ስለምንታይ እያ ኣድልያ፧ ብሓፈሻኡ ሓደ ልዑላዊ ገዛኢ ንስልጣኑ ኣብቲ ልዕሊ ተገዛእቱ ብእተሸመ ወኪል ኣቢሉ እዩ ዚጥቀመሉ። ስለዚ: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ፍጡራቱ ዘለዎ ልዑላውነት ዚገልጸላ ወይ ንምግዛእ ዚጥቀመላ ወኪል እያ።

7. የሆዋ ንልዑላውነቱ ዚገልጸሉ ሓድሽ መገዲ ዘቘመ ስለምንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ንልዑላውነቱ ብእተፈላለየ መገድን ኣብ እተፈላለየ ግዜን እዩ ተጠቒሙሉ። ሓድሽ ነገር ምስ ኣጋጠመ ነዚ ዚኸውን ሓድሽ መግለጺ ልዑላውነቱ ኣቘመ። እዚ ኸኣ እቲ ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣምላኽ ዝነበረ ኸዳዕ ዝዀነ ሰይጣን: ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ንኺዓልዉ ጽልዋ ምስ ገበረሎም እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ዓለወኛ ንልዑላውነት ኣምላኽ ብድሆ ኣቕረበሉ። ብኸመይ፧ ንሄዋን ካብታ እተኸልከለት ፍረ እንተ በሊዓ: ‘ከቶ ኸም ዘይትመውት’ ብምንጋር: የሆዋ ሓቀኛን እሙንን ከም ዘይኰነ ኣመተ። ብዘይካዚ: “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ” በላ። ኣዳምን ሄዋንን ንትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲጎም ብርእሶም እንተ ተመሪሖም: ዝሓሸ ነገር ከም ዚረኽቡ እዩ ሰይጣን ዚእምት ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) እዚ ድማ ነቲ ግዝኣት ኣምላኽ ዘለዎ ሕጋውነት እዩ ኣብ ሕቶ ዜእትዎ ነይሩ። የሆዋ እንታይ ገበረ፧

8, 9. (ሀ) ሓደ ሰብኣዊ ገዛኢ ኣብ ግዝኣቱ ዕልወት እንተ ኣጋጢምዎ እንታይ እዩ ዚገበር፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ዕልወት ብዚምልከት እንታይ ገበረ፧

8 ሓደ ገዛኢ ኣብ ግዝኣቱ ግሁድ ዕልወት እንተ ተላዒሉ: እንታይ ኪገብር ኢና እንጽበዮ፧ እቶም ታሪኽ ዚፈልጡ ዘበሉ ኸምዚ ዘጋጠመሉ ኣጋጣሚታት ኪዝክሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ገዛኢ ዋላ እውን ሕያዋይ እንተ ዀነ: ነቲ ጕዳይ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ: የግዳስ ነቶም ዓለወኛታት ክሕደት ብምፍጻሞም ገበነኛታት ኢሉ ይፈርዶም እዩ። ድሕሪኡ እቲ ገዛኢ ንሓደ ሰብ ነቶም ዓለወኛታት ስዒሩ ሰላም ንኼስፍን ስልጣን ይህቦ ይኸውን። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ቕልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳድን ነቶም ዓለወኛታት ብምፍራድን ነቲ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ከም እተቘጻጸሮ ኣርኣየ። ንኣዳምን ሄዋንን ውህበት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪወሃቦም ዘይበቕዑ ምዃኖን ተዛረበ: ካብ ገነት ኤድን ድማ ሰጐጎም።—ዘፍጥረት 3:16-19, 22-24

9 የሆዋ ንሰይጣን ዝፈረዶ ፍርዲ ኺዛረብ ከሎ: ኣብ ኵሉ እቲ ግዝኣቱ ሰላምን ስርዓትን ዜስፍነሉ ሓድሽ መግለጺ ልዑላውነቱ ሓበረ። ኣምላኽ ንሰይጣን: “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:15) በዚ ኸምዚ የሆዋ ንሰይጣንን ንሓይልታቱን ንምጭፍላቕን ልዑላውነቱ ሕጋዊ ምዃኑ ንምርግጋጽን: ንሓደ “ዘርኢ” ስልጣን ኪህቦ ምዃኑ ዕላማኡ ገለጸ።—መዝሙር 2:7-9፣ 110:1, 2

10. (ሀ) እቲ “ዘርኢ” እተባህለ: መን ምዃኑ ተጋህደ፧ (ለ) ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ትንቢት ዚፍጸመሉ ኣገባብ እንታይ በለ፧

10 እቲ “ዘርኢ” እተባህለ: የሱስ ክርስቶስን እቶም ፍልይ ዝበሉ ጕጅለ መጋዝእቱን ምዃኖም ተጋህደ። እዚኣቶም ብሓባር ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቘሙ። (ዳንኤል 7:13, 14, 27፣ ማቴዎስ 19:28፣ ሉቃስ 12:32፣ 22:28-30) እዚ ዅሉ ግን ብኡንብኡ ኣይተገልጸን። አረ እቲ ቐዳማይ ትንቢት ብኸመይ ከም ዚፍጸምሲ: “ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ” ቕዱስ “ምስጢር” ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። (ሮሜ 16:25) ናይ እምነት ሰባት ንነዊሕ እዋን ነቲ ቕዱስ “ምስጢር” ዚግለጸሉን እቲ ቐዳማይ ትንቢት ንምርግጋጽ ልዑላውነት የሆዋ ዚፍጸመሉን እዋን ብሃረርታ ተጸብዮም እዮም።—ሮሜ 8:19-21

እቲ ቕዱስ “ምስጢር” በብቝሩብ ተገልጸ

11. የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ እዩ ዘፍለጦ፧

11 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: የሆዋ በብቝሩብ ንእተፈላለየ መዳያት እቲ ቕዱስ “ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ” ከም ዚፍለጥ ገበረ። (ማርቆስ 4:11) ሓደ ኻብቶም እዚ ሓበሬታ እዚ እተገልጸሎም ሰባት: እቲ “ዓርኪ ኣምላኽ” ተባሂሉ እተጸውዐ ኣብርሃም እዩ። (ያእቆብ 2:23 ትርጕም 1990) የሆዋ ንኣብርሃም “ዓብዪ ህዝቢ” ኺገብሮ ምዃኑ ተመባጽዓሉ። ጸኒሑ ድማ: “ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም” ከምኡውን “ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” በሎ።—ዘፍጥረት 12:2, 3፣ 17:6፣ 22:17, 18

12. ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዘርኢ ሰይጣን እተጋህደ ብኸመይ እዩ፧

12 ኣብርሃም ኣብ ዚነብረሉ ዝነበረ ግዜ: ንኻልኦት ኪገዝኡን ኪዕብልሉን ዚጽዕሩ ሰባት ነይሮም እዮም። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንኖህ ወዱ ንወዲ ወዱ ዝነበረ ኒምሮድ: “ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ” ይብል። (ዘፍጥረት 10:8, 9) ኒምሮድን ካልኦት ርእሶም ዝሸሙ ገዛእትን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ምንባሮም ንጹር እዩ። ንሳቶምን ደገፍቶምን ክፍሊ ዘርኢ ሰይጣን ኰኑ።—1 ዮሃንስ 5:19

13. የሆዋ ብያእቆብ ኣቢሉ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ እዩ ሓቢሩ፧

13 ሰይጣን: ሰብኣውያን ገዛእቲ ኼፍሪ ይጽዕር ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ዕላማ የሆዋ ንቕድሚት ገስገሰ። የሆዋ በቲ ያእቆብ ዚበሃል ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ኣቢሉ: “ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ: ካብ ይሁዳ በትሪ: ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ” ብምባል ገለጸ። (ዘፍጥረት 49:10) እታ “ሺሎ” እትብል ቃል: “ናቱ፣ ወናኒ” ማለት እያ። ስለዚ: እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ኣብ ልዕሊ “ህዝብታት:” “በትሪ” ማለት ልዑላውነት ከምኡውን “ዘንጊ” ማለት ግዝኣት ንኪቕበል ሕጋዊ መሰል ዘለዎ ኸም ዚመጽእ ይሕብር። እዚ መን ኪኸውን ይኽእል፧

“ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ”

14. የሆዋ ንዳዊት እንታይ ኪዳን እዩ ዝኣተወሉ፧

14 ካብ ዘርኢ ይሁዳ: እቲ የሆዋ ኣብ ህዝቡ ንጉስ ኪኸውን ዝመረጾ ናይ መጀመርታ ሰብ: እቲ ጓሳ ዝነበረ ዳዊት ወዲ እሴይ እዩ። a (1 ሳሙኤል 16:1-13) ዳዊት ዚሓጥእን ዚጋገን እኳ እንተ ነበረ: ንልዑላውነት የሆዋ እሙን ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞገስ ረኸበ። የሆዋ ነቲ ኣብ ኤድን ዝኣተዎ መብጽዓ ብዝያዳ ንምንጻር ንዳዊት: “ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ: ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ” ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ። ኣብቲ ኺዳን: “ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ” ዚብል ስለ ዘሎ: ነቲ ደድሕሪ ዳዊት ዝነገሰ ሰሎሞን ዜመልክት ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እቲ መብጽዓ እተኣትወሉ “ዘርኢ” እታ መንግስቲ ኣምላኽ: ድሕሪ ግዜ ኻብ መስመር ወለዶ ዳዊት ከም ዚመጽእ ኣብቲ ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳን ንጹር ኰነ።—2 ሳሙኤል 7:12, 13

15. መንግስቲ ይሁዳ ንመንግስቲ ኣምላኽ እተመልክት ጌርካ ኽትርአ እትከኣል ዝነበረት ስለምንታይ እያ፧

15 ካብ ዳዊት ኣትሒዙ ስርወ-ንግስነት ጀመረ: ደድሕሪኡ ዝነበሩ ነገስታት ድማ ብሊቀ ኻህናት ብቕዱስ ዘይቲ እተቐብኡ እዮም ነይሮም። ስለዚ: እቶም ነገስታት እቲኣቶም ቅቡኣት ወይ መሲሃት ተባሂሎም ኪጽውዑ ይከኣል እዩ። (1 ሳሙኤል 16:13፣ 2 ሳሙኤል 2:4፣ 5:3፣ 1 ነገስት 1:39) ኣብ ዝፋን የሆዋ ኸም እተቐመጡ ጌርካ ይረኣዩ ነበሩ: ኣብ የሩሳሌም ኰይኖም ድማ ንየሆዋ ወኪሎም ይነግሱ ነበሩ። (2 ዜና መዋእል 9:8) በዚ ኸምዚ መንግስቲ ይሁዳ ንመንግስቲ ኣምላኽ እተመልክት: ማለት መግለጺ ልዑላውነት የሆዋ ነበረት።

16. ኣገዛዝኣ ነገስታት ይሁዳ እንታይ ኣስዓበ፧

16 ንጉስን ህዝብን ይሁዳ ንልዑላውነት የሆዋ ምስ ዚግዝኡ: ዕቝባኡን በረኸቱን ይረኽቡ ነበሩ። ብፍላይ ዘመነ መግዛእቲ ሰሎሞን መወዳድርቲ ዘይብሉ ሰላምን ብልጽግናን ዝነበረሉ ብምዃኑ: ጽልዋ ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ምስ ተወገደን ልዑላውነት የሆዋ ምስ ተረጋገጸን ንዚህሉ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ትንቢታዊ መርኣያ ዚኸውን እዩ። (1 ነገስት 4:20, 25) እቲ ዜሕዝን ግን መብዛሕትኦም ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዝመጹ ነገስታት ነቲ የሆዋ ዚሓቶ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣይከኣሉን: እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ኣምልኾ ጣኦትን ርኽሰትን ወደቑ። ኣብ መወዳእታ: ብ607 ቅ.ክ. የሆዋ ነታ መንግስቲ ብባቢሎናውያን ክትጠፍእ ፈቐደ። ሰይጣን ንልዑላውነት የሆዋ ንኼዋርድ ዝገበሮ ፈተነ ዝሰለጦ መሰለ።

17. ብስርወ-ንግስነት ዳዊት እትግዛእ መንግስቲ እኳ እንተ ወደቐት: የሆዋ ግን ገና ንዅሉ ይቈጻጸሮ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

17 ስርወ-ንግስነት ዳዊት ምግልባጡ: ቅድሚኡ ኸኣ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ምውዳቓ: የሆዋ ንኺገዝእ መሰል ከም ዘይብሉ ወይ ብግቡእ ንኺገዝእ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ ዘይኰነስ: ሰይጣን ዜሕድሮ ጽልዋን ሰብ ካብ ኣምላኽ ምፍላዩን ዜስዕቦ ዜሕዝን ሳዕቤናት እዩ ዜርኢ። (ምሳሌ 16:25፣ ኤርምያስ 10:23) የሆዋ ንልዑላውነቱ ገና ይጥቀመሉ ኸም ዘሎ ንምሕባር: ብነብዪ ህዝቅኤል ኣቢሉ: “ዘውዲ ቐንጥጥ: ኣኽሊል ኣውጽእ። . . . ጥፍኣት: ጥፍኣት: ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ ብዓል ፍርዲ [“ሕጋዊ መሰል:” NW] ኽሳዕ ዚመጽእ: እዚ ኸኣ ኣይኪነብርን እዩ” ኢሉ ኣወጀ። (ህዝቅኤል 21:26, 27) እዘን ቃላት እዚኣተን: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ዘርኢ” ወይ እቲ “ብዓል ሕጋዊ መሰል” ገና ኸም ዚመጽእ ይሕብራ።

18. ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም እንታይ እዩ ዝበላ፧

18 ድሕርዚ ብሓሳብና ንቕድሚት ናብ 2 ቅ.ክ. ኣቢልና እሞ ንኺድ። ኣብቲ ግዜ እቲ ገብርኤል መልኣኽ ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ምድሪ ተስፋ ኣብ ገሊላ እትርከብ ናዝሬት እትበሃል ከተማ እትነብር ድንግል ማርያም ተላእከ። ከምዚ ድማ በላ:- “እንሆ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን: ወዲ ልዑልውን ኪብሀል እዩ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።”—ሉቃስ 1:31-33

19. እንታይ ዜሕጕስ ፍጻመታት ዚፍጸመሉ እዋን እዩ ቐሪቡ ዝነበረ፧

19 ኣብ መወዳእታ እቲ ቕዱስ “ምስጢር” ዚግለጸሉ እዋን ኣኸለ። እቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ዘርኢ” ዚቕልቀለሉ ግዜ ቐረበ። (ገላትያ 4:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:16) ሰይጣን ነዚ “ዘርኢ” እዚ ሸዀናኡ ኺነኽሶ እዩ። እቲ “ዘርኢ” ግን ብግዴኡ ንርእሲ ሰይጣን ኪጭፍልቕ: ማለት ነቲ ሰይጣንን ጭፍራታቱን ዜሕድርዎ ጽልዋ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ዅሉ እቲ ሰይጣን ዜምጽኦ ጕድኣት ከም ዚዕረን ልዑላውነት የሆዋ ኸም ዚረጋገጽን እውን ኪምስክር እዩ። (እብራውያን 2:14፣ 1 ዮሃንስ 3:8) የሱስ ነዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጽሞ፧ ንሕና ኽንመስሎ ዚግባእ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንረክብ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪገዝእ ዝሓረዮ ቐዳማይ ንጉስ ዝነበረ ሳኦል: ካብ ነገድ ብንያም እዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 9:15, 16፣ 10:1

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሆዋ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ንኪኸውን መሰል ዘለዎ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

• የሆዋ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምቛም ዕላማ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧

• የሆዋ በብቝሩብ ነቲ ቕዱስ “ምስጢር” ዘፍለጠ ብኸመይ እዩ፧

• ስርወ-ንግስነት ዳዊት እኳ እንተ ተገልበጠ: የሆዋ ንዅሉ ነገር ከም ዚቈጻጸሮ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኣብ መጻኢ ብኣብርሃም ኣቢሉ እንታይ ከም ዚመጽእ እዩ ሓቢሩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ስርወ-ንግስነት ዳዊት ምግልባጡ: የሆዋ ንኺገዝእ ክእለት ከም ዘይብሉ መርትዖ ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧