ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድነት ዘለዋ ዓለም ክትህሉ ትኽእል ድያ፧

ሓድነት ዘለዋ ዓለም ክትህሉ ትኽእል ድያ፧

ሓድነት ዘለዋ ዓለም ክትህሉ ትኽእል ድያ፧

ዓለምና ኣብ ድርኵኺት ሰላም ድያ ዘላ ወይስ ኣብ ጠርዚ ጥፍኣት፧ ንኽልቲኡ ሓሳባት ዚድግፍ ዜእምን መርትዖታት ኪቐርብ ዚኽእል ይመስል።

በቲ ሓደ ሸነኽ: ገሊኦም መራሕቲ ዓለም: ዓለምለኻዊ ሰላም ኪብጻሕ ዚከኣል ሸቶ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም፣ ከምዚ ዚብሉሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኻልእ ኣማራጺ ንኽትሓስቦ ዜፍርህ ስለ ዝዀነ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ: እዚ ዚስዕብ ሕቶታት የርዕዶም እዩ:- ኣየኖት ሃገራት እየን ጃምላዊ ጥፍኣት ኬምጽእ ዚኽእል ኣጽዋር ዘለወን፧ ኪጥቀማሉ ይኽእላ ድየን፧ እንተ ተጠቒመናሉ እንታይ እዩ ኪኸውን፧

ታሪኽ ከም ዚሕብሮ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ውድድርን ጽልእን ንሓድነት ዕንቅፋት ኪኸውን ጸኒሑ እዩ: ሃይማኖት ከኣ ነዚ ጸገም ኣብ ክንዲ ዚፈትሖ: ኬጋድዶ እዩ ጸኒሑ። ጄምስ ኤ. ሆት ዚበሃል ጋዜጠኛ: “ዝዀነ ይኹን ንሰባት ዚኸፋፍሎም ነገር ጽልኢ ኼመንጩ ይኽእል እዩ: ሃይማኖት ከኣ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዝሓየለ ኸፋፋሊ ነገር እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ብተወሳኺ ድማ: “ሃይማኖት ንሰባት ‘ሕያዎት’ ይገብሮም እዩ ዚብል ሓፈሻዊ እምነት እኳ እንተሎ: ንገሊኦም ሰባት ዜስካሕክሕ ተግባራት ከም ዚፍጽሙ ዝገብሮም ምዃኑ ርኡይ እዩ” በለ። ስቲቨን ዋይንበርግ ዚበሃል ደራሲ: ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ። “ሕያዎት ሰባት እከይ ንኺገብሩ: ሃይማኖት የድልዮም” ኢሉ ጸሓፈ።

ዓለምና ሓድነት ኪህልዋ ዚኽእለሉ ገለ ተስፋ ኣሎዶ፧ እወ! ቀጺልና ኸም እንርእዮ ግን: ምንጪ ሓድነት ዓለም: ሰብ ወይ ሰብ ዘቘመን ሃይማኖታት ኣይኰናን።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ዓለም ከም ሓንቲ ኽትፍንጀር ቀሪባ ዘላ ቦምባ ድያ፧