ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ንሃድንን ንምግፋፍ ዓሳን ብኸመይ ኪምልከቶ ኣለዎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንሃድን ኰነ ንምግፋፍ ዓሳ ኣይኵንንን እዩ። (ዘዳግም 14:4, 5, 9, 20፣ ማቴዎስ 17:27፣ ዮሃንስ 21:6) ኰይኑ ግን: እቶም ዚሃድኑ ዀነ ዓሳ ዚገፉ ክርስትያናት ኪሓስቡሉ ዚግባእ እተፈላለየ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣሎ።

ኣምላኽ: ኖህን ዘርኡን ንእንስሳታት ቀቲሎም ኪበልዑ ፈቐደሎም: ቅድሚ ምብልዖም ግን ደሞም ኬፍስስዎ መምርሒ ሃቦም። (ዘፍጥረት 9:3, 4) እዚ መምርሒ እዚ: ህይወት እንስሳ ብኣምላኽ ከም እተፈጥረ ብምግንዛብ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኸም ዚግባእ ዜጕልሕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ክርስትያናት ንስፖርት ወይ ንምዝንጋዕ ጥራይ ኢሎም ብጭካነ እንስሳታት ኣይቀትሉን እዮም።—ምሳሌ 12:10

ምስ ኣረኣእያና ዚተሓሓዝ ካልእ ተወሳኺ መዳይ እውን ክንሓስበሉ ኣሎና። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ሃዋርያት ብዙሕ ዓሳ ብምግፋፍ ይሕጐሱ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር: በቲ ዓሳ ናይ ምግፋፍ ኰነ ናይ ምህዳን ክእለቶም ከም እተጀሃሩ ወይ ምስ ካልኦት ንኺወዳደሩ: ስብእነቶም ንኼርእዩ: በቲ ነቲ ተሃዳኒ እግሩ እግሩ ብምስዓብ: ብምቅላስ: ወይ ብምቕታል ዚርከብ ውዕዉዕ ስምዒት ኪረውዩ ኢሎም ዓሳ ኸም ዝገፈፉን ከም ዝሃደኑን ዚሕብር ነገር ኣይንረክብን ኢና።—መዝሙር 11:5፣ ገላትያ 5:26

ስለዚ ንርእስና: ‘ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ምኽባር ኣብነታዊ ድየ፧ ሃድን ወይ ምግፋፍ ዓሳ ንሓሳበይን ንዘረባይን ዓብሊልዎ ድዩ፧ ናብራ ህይወተይ ንሃድን ዓብዪ ቦታ ኸም ዝህቦ ዜንጸባርቕ ድዩ ወይስ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝዀንኩ እዩ ዜርኢ፧ ሃድን ወይ ምግፋፍ ዓሳ ምስ ዘይኣመንቲ ንኽቀራረብ ወይ ንስድራቤተይ ዕሽሽ ንኽብሎም ምኽንያት ኰይኑኒ ድዩ፧’ ኢልና ንሕተት።—ሉቃስ 6:45

ገሊኦም ንምግቢ ኢሎም ዚሃድኑ ወይ ዓሳ ዚገፉ ድማ: ኣብቲ ዚህደነሉን ዓሳ ዚግፈፈሉን ወቕቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ንኺብልዎ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። ይኹን እምበር: ልዕሊ ረብሓታት ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ካልእ ብዘይምቕዳም: ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ትውክልትን ከነርኢ ኣሎና። (ማቴዎስ 6:33) ኣብ ርእሲ እዚ: ሰበ-ስልጣን ነቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኸም ዚውዕል ይግበሩ ኣይግበሩ ብዘየገድስ: ክርስትያናት ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ሃድንን ምግፋፍ ዓሳን ዝወጸ ሕጊ “ቄሳር” ይእዘዙ እዮም።—ማቴዎስ 22:21፣ ሮሜ 13:1

ገሊኦም ምስቲ የሆዋ ንሃድንን ንምግፋፍ ዓሳን ዘለዎ ኣረኣእያ ንምስምማዕ: ኣመለኻኽትኦም ምስ መለክዒታቱ ኼተዓራርዩ የድልዮም ይኸውን። (ኤፌሶን 4:22-24) ብኣንጻሩ ግን: ካልኦት ኣብ ሕልናኦም ተመርኵሶም ንዚገብርዎ ውሳነ ኸነኽብር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ: እዚ ፍረዱ” በለ። (ሮሜ 14:13) ስስዐ ዘይብላ ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይና ኣብ ጉባኤና ሰላም ይፈጥር ከምኡውን ንፈጣሪናን ወሃቢ ህይወትናን የሐጕሶ።—1 ቈረንቶስ 8:13 a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብተወሳኺ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1990 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዚብል ዓንቀጽ ርአ።