ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ሓዳስ ዓለም ዝገብሮ ዘለኹ ጕዕዞ

ናብ ሓዳስ ዓለም ዝገብሮ ዘለኹ ጕዕዞ

ታሪኽ ህይወት

ናብ ሓዳስ ዓለም ዝገብሮ ዘለኹ ጕዕዞ

ጃክ ፕራምበርግ ዘዘንተዎ

ካብታ ኣርቦጋ እትበሃል ኣብ ማእከላይ ሽወደን እትርከብ መሳጢት ከተማ ውጽእ ኢልካ: ልዕሊ 80 ዝዀኑ ወለንተኛታት ዘለውዎ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከብ። ኣነን እታ ካሪን ዝስማ ሰበይተይን ድማ ኣብኡ ኢና እንነብርን እንሰርሕን። ብኸመይ ኢና ግን ናብዚ መጺእና፧

ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 19 ዘመን: ሓንቲ ጓል 15 ዓመት ሽወደናዊት ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ገዓዘት። ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዚርከብ ሰፈር ስደተኛታት ድማ ምስ ሓደ ሽወደናዊ ባሕረኛ ተራኸበት። እዚ ድማ ናብ ፍቕርን ሓዳርን ቈልዓ ናብ ምውላድን ኣምርሐ: እቲ ቘልዓ እቲ ኣነ እየ። ብ1916 ቀዳማይ ውግእ ዓለም እናተኻየደ ኸሎ ኣብ ብሮንክስ: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ተወለድኩ።

ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ናብ ብሩክሊን ገዓዝና፣ እዚ ቦታ እዚ ኻብ ብሩክሊን ሃይትስ ብዙሕ ኣይርሕቕን እዩ ነይሩ። ኣቦይ: ኣነን ንሱን ብሓንቲ ጃልባ ጌርና ኣብ ጥቓ ድልድል ብሩክሊን ምጕዓዝና ጸኒሑ ነገረኒ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽቡቕ ጌርካ እትርእየሉ ቦታ እዩ ነይሩ። እቲ ኣብኡ ዚግበር ንጥፈታት ንህይወተይ ከም ዚጸልዎ ግን ኣይፈለጥኩን ነይረ።

ብ1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተወድአ: እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚግበር ዝነበረ ዘየድሊ ህልቂት ድማ ንግዜኡ ደው በለ። እቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ወተሃደራት ግን ሓድሽ ዓይነት ጸላኢ ኣጓነፎም: እዚ ኸኣ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ነበረ። ኣቦይ ናብ ሽወደን ምምላስ ይሓይሽ ኢሉ ሓሰበ: ብ1923 ድማ ተመለስና። ኣብታ ኢሪክስታድ እትበሃል ኣብ ኣውራጃ ዳልስላንድ ኣብ ጥቓ መገዲ ባቡር እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት ንነብር ነበርና። ኣቦይ ቤት ዕዮ ምህንድስና ኸፈተ: ኣብዚ ቦታ እዚ ድማ እየ ዓብየን ተማሂረን።

ዘርኢ ተዘርአ

እቲ ኣቦይ ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕ መኽሰብ ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መጀመርታ 1930ታት ተመሊሱ ባሕረኛ ዀነ። ኣነ ነቲ ቤት ዕዮ እናኣለኹ: ኣደይ ከኣ ብዛዕባ ኣቦይ ብዙሕ እናተሻቐለት በይንና ተረፍና። ሓደ መዓልቲ: ኣደይ ነቲ ዮሃን ዝስሙ ዘማኣ ኽትበጽሖ ኸደት። ብዛዕባ ዅነታት ዓለም ተጨኒቓ ድማ “ኣታ ዮሃን: እዛ ዓለምሲ ኻን ኣኺልዋ ኸምዚ ኢላ ድያ ኽትነብር፧” ኢላ ሓተተቶ።

ንሱ ግን “ኣይፋላን” ኢሉ መለሰላ። ቀጺሉ ድማ ነቲ ኣምላኽ ንእከይ ብምጥፋእ በታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣቢሉ ኣብዛ ምድሪ ዜምጽኦ ጽድቃዊ ግዝኣት ዚገልጽ መብጽዓ ነገራ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ዳንኤል 2:44) እታ የሱስ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሳ ዝነገረና መንግስቲ: ነዛ ምድሪ ገነት እትገብራ ጽድቃዊ ግዝኣት ምዃና ገለጸላ።—ማቴዎስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:3, 4

እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ንልቢ ኣደይ ተንከፎ። ንኣምላኽ እናኣመስገነት ድማ ናብ ቤታ ተመልሰት። ኣነን ኣቦይን ግን ኣደይ ሃይማኖታዊት ምዃና ኣይፈተናዮን። ኣብቲ ግዜ እቲ: ማለት ኣብ መፋርቕ 1930ታት ናብታ ኣብ ምዕራብ ሽወደን እትርከብ ትሮልሃታን እትበሃል ከተማ ገዓዝኩ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ሓደ ዓብዪ ቤት ዕዮ ስራሕ ረኸብኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: እቲ ባሕረኛ ዝነበረ ኣቦይን ኣደይን ናብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ቦታ መጹ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ስድራቤትና ኸም ብሓድሽ ሓበረት።

ኣደይ ንመንፈሳዊ ድሌታ ንምርዋይ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣናደየቶም። ኣብቲ እዋን እቲ: ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ እዮም ዚእከቡ ነይሮም። (ፊልሞን 1, 2) ሓደ መዓልቲ: ናይ ኣደይ ተራ ስለ ዝበጽሐ: እቲ ኣኼባ ኣብ ገዛና ኺግበር ነበሮ። ንኣቦይ ድማ ፈተውታ ኽትዕድም ትኽእል እንተ ዀይና እናተሰከፈት ሓተተቶ። ንሱ ኸኣ “ፈተውትኺ እኮ ፈተውተይ እዮም” በላ።

ስለዚ: ኣብ ገዛና ኣኼባ ኺግበር ጀመረ። እቶም ሰባት ኪመጹ ኸለዉ: ኣነ እወጽእ ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን: ምስኦም ክእከብ ጀመርኩ። እቲ ዝነበሮም ምዉቕ መንፈስ ከምኡውን እቲ ርትዓውን ቀሊልን ኣተሓሳስባኦም ነቲ ዝነበረኒ ጽልኢ ኣጥፍኦ። ንመጻኢ ተስፋ ኸም ዚህልወኒ ዚገብር ዘርኢ ድማ ኣብ ልበይ ተዘርአ።

ናብራ ባሕሪ

እቲ ባሕረኛ ምዃን ካብ ኣቦይ ስለ ዝወረስክዎ እዩ መስለኒ: ኣነ እውን ባሕረኛ ዀንኩ። መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየኒ እውን ብዝያዳ ተረድኣኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ወደብ ኣብ እንበጽሓሉ እዋን: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክራኸብ እጽዕር ነበርኩ። ሓደ ግዜ ኣብ ኣምስተርዳም: ሆላንድ (ሕጂ ነዘርላንድስ) ምስ በጻሕና: ናብ ቤት ጽሕፈት ጶስጣ ብምኻድ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣበይ ክረኽቦም ከም ዝኽእል ሓተትኩ። ድሕሪ ሒደት ምዝርራብ: ኣድራሻ ስለ ዝሃቡኒ ቐልጢፈ ኸድኩ። ሓንቲ ጓል ዓሰርተ ዓመት ቈልዓ ድማ ብጽቡቕ ተቐበለትኒ። ጋሻ እኳ እንተ ነበርኩ: ምስኣን ምስ ስድራቤታን ግን ብቕልጡፍ ተቐራረብና፣ እዚ ኸኣ ናይቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት መርኣያ እዩ።

ሰኣን ቋንቋ ኽንረዳዳእ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ዓውደ-ኣዋርሕን መደብ መጐዓዝያ ባቡርን ኣምጺኦም ኪስእሉ ምስ ጀመሩ ግን: ኣብታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ሃርለም እትበሃል ቦታ ዓብዪ ኣኼባ ኺግበር ምዃኑ ተረድኣኒ። ናብኡ ድማ ከድኹ፣ ነቲ ዚዝረብ ዝነበረ እኳ እንተ ዘይተረዳክዎ: ኣዝየ ግን ፈተኽዎ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሰባት ናብቲ ኣብ ሰንበት ዚግበር ህዝባዊ መደረ ኺመጹ ኺዕድሙ ኸለዉ ምስ ረኣኹ: ኣነ እውን ኣብኡ ኽካፈል ደለኹ። ነቲ ሰባት ዝደርበይዎ ወረቐት ዕድመ ኣልዒለ ድማ መሊሰ ዓደልክዎ።

ሓደ እዋን: ኣብ ቦነስ ኣይረስ: ኣርጀንቲና በጻሕና፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረኸብክዎ። ሓንቲ ቤት ጽሕፈትን መኽዘንን ጥራይ ዝሓዘ ድማ ነበረ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ: ሓንቲ ሰበይቲ ኽትኣልም ጸንሓትኒ: ጓላ ኽትከውን እትኽእል ቈልዓ ድማ ባንቡላ ሒዛ ትጻወት ነበረት። ሓደ ሰብኣይ ካብቲ ኸብሒ ነታ ክሪኤሽን ዘርእስታ ብቛንቋ ሽወደን እተዳለወት መጽሓፍ እውን ሓዊስካ ኻልእ መጻሕፍቲ ኺወስድ ከሎ መስዩ ነበረ። ነቲ ሕጉስን ፍሽሑውን ገጾም ድሕሪ ምርኣየይ: ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ክሓብር ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ።

ናብ ዓድና ኽንምለስ ከለና: ነቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒውፋውንድላንድ ናይ ውግእ ነፋሪት ዝወደቐቶም ወተሃደራት ካናዳ ተማላእናዮም። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ: ኣብ ጥቓ ስኮትላንድ በጻሕና: ኣብኡ ድማ ሓንቲ ብሓይሊ ባሕሪ እንግሊዝ እትውነን ጃልባ መጺኣ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተወትና። ናብቲ ኣብ ደሴታት ኦርክኒ ዚርከብ ኪርክዎል ዚበሃል ቦታ ንምርመራ ተወሰድና። ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሮ ጀሚሩ ነበረ: ሰራዊት ናዚ ሂትለር ድማ ኣብ መስከረም 1939 ንፖላንድ ወረርዋ። ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ተፈታሕና: ብዘይ ጸገም ከኣ ናብ ሽወደን ተመለስና።

ብኣካላዊ መዳይ ጥራይ ዘይኰነስ: ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ቤተይ ተመለስኩ። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ክኸውን ብርቱዕ ድሌት ነበረኒ: ካብቲ ምስኦም ዝገብሮ ኣኼባ ድማ ፈጺመ ኽተርፍ ኣይደልን ነበርኩ። (እብራውያን 10:24, 25) ባሕረኛ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ኵሉ ሳዕ ነቶም ባሕረኛታት እምስክረሎም ብምንባረይ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ፣ ሓደ ኻብኣቶም ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀነ ድማ እፈልጥ እየ።

ፍሉይ ዓይነት ኣገልግሎት

ኣብ መጀመርታ 1940 ናብቲ ኣብ ስቶክሆልም ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከድኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ንዕዮ ስብከት ሽወደን ብሓላፍነት ኣብ ምሕላው መሪሕ ግደ ዝነበሮ ዮሃን ኤች. ኢነሮት ድማ ተቐበለኒ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ: ማለት ፈላሚ ዀይነ ኣብቲ ዕዮ ስብከት ክካፈል ከም ዝደሊ ምስ ነገርክዎ: ኣተኲሩ ጠመተኒ እሞ “እዚ ውድብ ኣምላኽ ምዃኑ ትኣምን ዲኻ፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“እወ” ኢለ መለስኩሉ። ኣብ 22 ሰነ 1940 ተጠመቕኩ: ኣብቲ ባህ ዜብል ቦታ ድማ ምስቶም ኣብነት ዝዀኑ ኣመንቲ ብጾት ከገልግል ጀመርኩ። ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ኣገልግሎት ነሕልፎ ነበርና። ኣብ ግዜ ሓጋይ: ናብቲ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚርከብ ክልታት ብብሽክለታ ብምኻድ ንብምሉኡ ቐዳመ-ሰናብቲ ንስብከት ንጥቀመሉ ኔርና: ለይቲ ድማ ኣብ ቅሚጦ ንሓድር ነበርና።

መብዛሕትኡ እዋን ግን ኣብ ስቶክሆልምን ከባቢኣን ካብ ቤት ናብ ቤት ነገልግል ነበርና። ሓደ ግዜ: ሓደ ሰብኣይ ኣብቲ ምድሪ ቤቱ ዀይኑ ነታ መውዓይት ሸበድበድ እናበለ ኼዐርያ ኸሎ ረኣኽዎ። እጅገይ ሰብሲበ ድማ ሓገዝክዎ። እቲ ማይ ዜልሕዅ ዝነበረ ቦታ ምስ ተዓብሰ: እቲ ሰብኣይ ቅንዕ ኢሉ ረኣየኒ እሞ ብሞሳ: “ብኻልእካ ኢኻ መጺእካ መስለኒ። ንላዕሊ ኼድና ኢድና ንተሓጸብ እሞ ቡን ንስተ” በለኒ። ቡን እናሰተና ኸለና መስከርኩሉ። ድሕሪ ግዜ ድማ ክርስትያን ብጻይ ኰነ።

ሽወደን ካብቲ ውግእ ገለልተኛ ምዃና እኳ እንተ ኣወጀት: እቶም ህዝቢ ግን በቲ ውግእ ተጸልዮም እዮም። ብዙሓት ሰብኡት: እንተላይ ኣነ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተጸዋዕና። ኣብቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከም ዘይካፈል ምስ ነገርክዎም: ንሓጺር እዋን ተኣሰርኩ። ብድሕሪኡ ድማ ናብ ደምበ ሸቕሊ ተለኣኽኩ። መብዛሕትኡ እዋን: መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤት ፍርዲ ይውሰዱ ነበሩ: ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ኣጋጣሚ ረኸብና። እዚ ኸኣ ፍጻመ ናይቲ: “ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን: ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም” ዚብል የሱስ እተነበዮ ትንቢት እዩ።—ማቴዎስ 10:18

ህይወተይ ተቐየረ

ብ1945 እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዚግበር ዝነበረ ውግእ ደው በለ። ኣብታ ዓመት እቲኣ: እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ዕዮ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ናታን ኤች. ኖር ምስቲ ጸሓፊኡ ዝነበረ ሚልተን ሄንሽል ኰይኑ ኻብ ብሩክሊን ኪበጽሓና መጸ። እቲ ዝገበሩልና ምብጻሕ: ነቲ ኣብ ሽወደን ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ዳግም ኣብ ምውዳብ ከምኡውን ንዓይ ብውልቀይ ዓብዪ ኣገዳስነት ነበሮ። ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጥኩ: ቀልጢፈ ኣመልከትኩ።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት: ኣብቲ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ነበርኩ። እቲ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ ስልጠና: ነቲ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንውድብ ኣምላኽን ዝነበረኒ ሞሳ ኣዕመቖ። እቶም ኣብቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰባት ተቐረብትን ሓለይትን ምዃኖም ረኣኹ። ኣብ ጐድንና ዀይኖም ድማ ኣበርቲዖም ይዓዩ ነበሩ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ብዙሕ እተጸበኽዎ ነገር እኳ እንተ ነበረ: ብዓይነይ ብምርኣየይ ግን ኣሐጒሱኒ እዩ።

እታ ሻምናይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚምረቑላ 9 ለካቲት 1947 ኣኸለት። ሓው ኖር እቶም ተመሃሮ እተመደቡሉ ሃገራት ይነግር ነበረ። ተራይ ምስ በጽሐ: “ሓው ፕራምበርግ ንኣሕዋቱ ኼገልግል ናብ ሽወደን ኪኸይድ እዩ” በለ። ሓቂ ይሓይሽ ግን ናብ ዓደይ ክምለስ ብዙሕ ህንጥዮት ኣይነበረንን።

ምስ ዓብዪ ብድሆ ምግጣም

ናብ ሽወደን ምስ ተመለስኩ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚርከባ ሓያሎ ሃገራት ተጀሚሩ ዝነበረ ሓድሽ ዕዮ ፈለጥኩ፣ እዚ ኸኣ ዕዮ ኣውራጃ እዩ። ኣብ ሽወደን ናይ መጀመርታ ሓላው ኣውራጃ ዀይነ ተሸምኩ: ንብምልእታ እታ ዓዲ ድማ ክሽፍና ነበረኒ። ነቲ ኣብ ከተማታትን ኣቝሻትን ሽወደን ዚግበር ዝነበረ ኣኼባ ወረዳ ናይ ምስንዳውን ናይ ምክትታልን ሓላፍነት ነበረኒ። እዚ መሰናድዎ እዚ ሓድሽ ብምንባሩ: እቲ ዝቕበሎ ዝነበርኩ መምርሒ ሒደት ነበረ። ኣነን ሓው ኢነሮትን ብሓደ ኾፍ ኢልና ብሉጽ መደብ ከነውጽእ ዝከኣለና ገበርና። እቲ እተዋህበኒ ምድብ ኣዝዩ ስለ ዘጨነቐኒ: ብተደጋጋሚ ናብ የሆዋ ጸለኹ። ኣብ ዕዮ ኣውራጃ ን15 ዓመት ናይ ምግልጋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺበ እየ።

ኣብቲ እዋን እቲ: ምሹእ መአከቢ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነበረ። ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ እኹል መሞቒ ዘይብሉን ዘይጽፉፍን ዝነበረ ናይ መሳዕስዕን ካልእን ቦታታት ክንእከብ ንግደድ ነበርና። እቲ ኣብ ሮኪዮ: ፊንላንድ ዝገበርናዮ ዓብዪ ኣኼባ ምስዚ ዚመሳሰል እዩ። እቲ ኣዳራሽ ኣዝዩ ዝኣረገን እተረስዕን ህዝባዊ ማእከል እዩ ነይሩ። ውርጪ ይዘንም ስለ ዝነበረ: እቲ ዛሕሊ ትሕቲ ዜሮ ናብ ዕስራ ዲግሪ ሰንቲግሬድ ወረደ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብቲ ኣብኡ ዝነበረ ኽልተ ዓብዪ እቶን ሓዊ ኣናኸስና። ኣብቲ መውጽኢ ትኪ: ሰፈር ኣዕዋፍ ከም ዝነበረ ግን ኣይፈለጥናን ኔርና። እቲ ትኪ ድማ ዕብልኽ ኣበለና! ኵሉ ሰብ ግን እቲ ትኪ ዓይኑ እናበልዖ እውን እንተ ዀነ: ክዳን ደሪቡ ኽሳዕ መወዳእታ ኾፍ በለ። እዚ ዅሉ ነቲ ዓብዪ ኣኼባ ኸቶ ዘይርሳዕ ገበሮ።

ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ኺካፈሉ ዝመጹ ሰባት ምግቢ ምድላው ሓደ ኻብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ኣኼባ ወረዳ ኽትውድብ ከለኻ ኽትስዕቦ ዚግባእ መምርሒ ነበረ። ኣብ መጀመርታ: ነቲ ዕዮ እንፍጽመሉ ኣቝሑን ተመክሮን ኣይነበረናን። ነቲ ኸቢድ ዕዮ ብሓጐስ ኪቕበልዎ ፍቓደኛታት ዝነበሩ ንፉዓት ኣሕዋትን ኣሓትን ግን ነይሮም እዮም። ቅድሚ እታ ኣኼባ እትጅመረላ መዓልቲ: ኣብ ሓደ ጋብላ ዀይኖም ድንሽ እናቐለጡ ተመክሮ የዘንትውን ባህ ዜብል ግዜ የሕልፉን ነበሩ። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ኣበርቲዖም ኪዓዩ ኸለዉ ኣብ መንጎኦም ነባሪ ዕርክነት ጀመረ።

ነዚ ኣኼባታት ወረዳ ዜፋልጥ ፖስተራት ሒዝካ ምጕዓዝ እውን ናይቲ ዕዮና ሓደ መዳይ እዩ ነይሩ። ነቶም ተቐማጦ ናብቲ ህዝባዊ መደረ ንኺመጹ ንምዕዳም ድማ ብጕጅለ ዄንና በቲ ኸተማ ወይ ቍሸት ንሓልፍ ነበርና። መብዛሕትኡ እዋን እቶም ህዝቢ ሕያዎትን ኣኽበርቲ ሰብን እዮም ነይሮም። ሓደ ግዜ: ጐደናታት ከተማ ፊንስፓንግ በቶም ካብ ፋብሪካ ዝወጹ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መሊኡ ነበረ። ብሃንደበት ድማ ሓደ ኻብኣቶም ዓው ኢሉ: “ነዞም ሂትለር ኪስዕሮም ዘይከኣለ ሰባት እሞ ርኣይዎም!” ኢሉ ተዛረበ።

ኣብ ህይወተይ ዘጋጠመ ዜሐጕስ ፍጻመ

እቲ ኸም ገያሺ ኣገልጋሊ ዀይነ ዘሕለፍክዎ ህይወተይ: ምስታ ካሪን ዝስማ እትነኣድ መንእሰይ ምስ ተራኸብኩ ተቐየረ። ክልቴና ኣብቲ ኣብ ሓምለ 1953 ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ያንኪ ስታድየም እተገብረ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ኽንካፈል ጻውዒት ቀረበልና። ኣብኡ ኸለና ድማ ሰኑይ 20 ሓምለ ኣብ መንጎ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝነበረ እዋን ዕረፍቲ: ሓው ሚልተን ሄንሸል ኣመራዓወና። እዚ መርዓ እዚ ኣብቲ መጻወቲ ቤዝቦል እተገብረ ዘይተለምደ ነገር ነበረ። ኣነን ካሪንን ክሳዕ 1962 ኣብ ዕዮ መገሻ ድሕሪ ምግልጋልና: ኣባላት ስድራ ቤትኤል ሽወደን ክንከውን ጻውዒት ቀረበልና። ፈለማ: ኣብ ክፍሊ መጽሔት እሰርሕ ነበርኩ። ብድሕሪኡ ግን መካኒክ ስለ ዝነበርኩ: ነተን ሓተምቲ ማካይንን ካልኦት ኣብቲ ጨንፈር ዝነበራ ማሽናትን ክከታተል ተመደብኩ። ካሪን ንገለ ዓመታት ኣብ ቤት ሕጽቦ ዓየየት። ሕጂ ድማ ኣብ ክፍሊ ምእራይ ፊደላት ተገልግል ኣላ።

ኣብተን ሰብ ሓዳር ኴንና ንየሆዋ ብምግልጋል ዘሕለፍናየን 54 ዓመት: ዘይርሳዕ: ትርጕም ዘለዎ: ከምኡውን ዜሐጕስ ህይወት ኢና ኣሕሊፍና! የሆዋ ብሓቂ ንውድቡን ነቶም ፈቃራትን ህርኩታትን ኣገልገልቱን ባሪኽዎም እዩ። ብ1940 ኣብቲ ጨንፈር ከገልግል ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን: ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1,500 ጥራይ ነበሩ። ሕጂ ግን ልዕሊ 22,000 እዮም። ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም እሞ ኸኣ እቲ ዕቤት ካብዚ ዚዓቢ እዩ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ኴንና ዘሎና።

መንፈስ የሆዋ ነቲ ምሳልያዊ ጋንጽላና ኸም ዚመልእ ብምግባር ኣብቲ ዕዮና ይሕግዘና ኣሎ። ብዓይኒ እምነት ድማ ክንዮ እዚ ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ ደቅሰብ ባሕሪ ኣማዕዲና ንርኢ ኣሎና: ፈጺምና ድማ ኣይንርበሽን ኢና። ኣብቲ እንገብሮ ዘሎና ጕዕዞ ንቕድሜና ጥራይ ብምርኣይ: ነታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብንጹር ኢና እንርእያ። ኣነን ካሪንን ንኣምላኽ ስለቲ ለውሃቱ ኸነመስግኖ ንደሊ ኢና: ንጽህናና ንኽንሕሉን ኣብቲ ሞገስ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን ንኽንረክብ ዘውጻእናዮ ሸቶ ንኽንበጽሕ ኪሕግዘናን ድማ መዓልታዊ ንጽሊ ኢና።—ማቴዎስ 24:13

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣደይ ሓቚፋትኒ ኸላ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጀመርታ 1920ታት ኣነን ኣቦይን ብጃልባ ተጐዓዝና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብ1946 ምስ ሀርማን ሄንሽል (ኣቦ ሚልተን) ኣብ ጊልዓድ ከለኹ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ብ20 ሓምለ 1953 ኣብ ያንኪ ስታድየም ተመርዓና