ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንልዑላውነት የሆዋ ትድግፍ ዲኻ፧

ንልዑላውነት የሆዋ ትድግፍ ዲኻ፧

ንልዑላውነት የሆዋ ትድግፍ ዲኻ፧

“ኣብ ማእከል ኣህዛብ፤ [“የሆዋ:” NW] ነጊሱ: . . . ኢልኩም ንገሩ።” —መዝሙር 96:10

1, 2. (ሀ) ኣብ ጥቅምቲ 29 ድ.ክ. ኣቢሉ እንታይ ኣገዳሲ ነገር እዩ እተፈጸመ፧ (ለ) እቲ ፍጻመ እቲ ንየሱስ እንታይ ትርጕም ነይርዎ፧

 ኣብ ጥቅምቲ 29 ድ.ክ. ኣቢሉ ቕድሚኡ ኣብ ምድሪ ተገይሩ ዘይፈልጥ ኣገዳሲ ነገር ተፈጸመ። ነዚ ብዚምልከት እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝዀነ ማቴዎስ ከምዚ ኢሉ ጸብጸበ:- “የሱስ ምስ ተጠምቀ: ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ: ሰማያት ተኸፍተ: መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ: ኣብ ርእሱ [ርእሲ የሱስ] ኪቕመጥ [ዮሃንስ መጥምቕ] ረአየ። እንሆ ድማ: ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።” እዚ ሓደ ኻብቲ ብዅሎም እቶም ኣርባዕተ ጸሓፍቲ ወንጌል እተመዝገበ ሒደት ፍጻመታት እዩ።—ማቴዎስ 3:16, 17፣ ማርቆስ 1:9-11፣ ሉቃስ 3:21, 22፣ ዮሃንስ 1:32-34

2 መንፈስ ቅዱስ ብርኡይ ኣብ ልዕሊ የሱስ ብምፍሳሱ: እቲ ቕቡእ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ፣ እታ መሲህ ወይ ክርስቶስ እትብል ቃል እውን ነዚ ትርጕም እዚ ዝሓዘት እያ። (ዮሃንስ 1:33) ኣብ መወዳእታ: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “ዘርኢ” ተቐልቀለ! እቲ ሸዀናኡ ብሰይጣን ዚንከስ ከምኡውን እቲ ንርእሲ እቲ ቐንዲ ጸላኢ የሆዋን ጸላኢ ልዑላውነቱን ዚጭፍልቕ እተባህለሉ ዘርኢ: ኣብ ቅድሚ ዮሃንስ መጥምቕ ደው ኢሉ ነበረ። (ዘፍጥረት 3:15) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ የሱስ ነቲ ንልዑላውነትን መንግስትን የሆዋ ዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ኪጽዕር ከም ዘለዎ ተረድአ።

3. የሱስ ነቲ ንልዑላውነት የሆዋ ኣብ ምድጋፍ ዘለዎ ግደ ብኸመይ ተዳለወ፧

3 የሱስ ነቲ እተመደበሉ ዕዮ ድሉው ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ: “መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ: ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሔ።” (ሉቃስ 4:1፣ ማርቆስ 1:12) ኣብኡ ኸኣ ን40 መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ዘበገሶ ጕዳይ ልዑላውነትን ብዛዕባ እቲ ንልዑላውነት የሆዋ ንምድጋፍ ኪወስዶ ዘለዎ ስጕምትን ብዕምቈት ኣስተንተነ። እቲ ጕዳይ እቲ ንዅሎም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚርከቡ መስተውዓልቲ ፍጡራት ዚትንክፍ እዩ። ስለዚ: ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ተኣማንነት ክንምርምር: ከምኡውን ንሕና ንልዑላውነት የሆዋ ኽንድግፍ ከም እንደሊ ንምሕባር እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ክንፈልጥ ኣሎና።—እዮብ 1:6-12፣ 2:2-6

ንልዑላውነት ዚምልከት ጕዳይ ብግህዶ ተላዕለ

4. ሰይጣን ንጕዳይ ልዑላውነት ብግህዶ ዘበገሰ እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧

4 እዚ ዅሉ ኽንጠቕሶ ዝጸናሕና ጕዳይ ካብ ኣቓልቦ ሰይጣን ኣየምለጠን። ግዜ ኸየጥፍአ ኣብቲ ቐንዲ ኽፋል “ዘርኢ” እታ “ሰበይቲ” ኣምላኽ መጥቃዕቲ ፈነወ። (ዘፍጥረት 3:15) ሰይጣን ንየሱስ ኣብ ክንዲ እቲ ኣቦኡ ኺገብሮ ዚደልዮ ነገር: ንርእሱ ዚረብሕ ዚመስል ነገራት ኪገብር ብምትብባዕ ሰለስተ ሳዕ ፈተኖ። ብፍላይ እቲ ሳልሳይ ፈተና ንልዑላውነት ዚምልከት ጕዳይ ብግህዶ እተላዕለሉ እዩ ነይሩ። ሰይጣን ንየሱስ: “መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን” ድሕሪ ምርኣዩ: “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ: እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” ኢሉ ብድፍረት ሓተቶ። የሱስ: ድያብሎስ “መንግስትታት ኵላ ዓለም” ከም ዚቈጻጸር ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ: ጽሑፍ አሎ እሞ: ኪድ ርሐቕ: ሰይጣን” ኢሉ ብምምላስ ኣብ ጕዳይ ልዑላውነት ኣብ ጐድኒ መን ከም ዚቐውም ኣርኣየ።—ማቴዎስ 4:8-10

5. የሱስ እንታይ በዳሂ ተልእኾ ኺፍጽም ነበሮ፧

5 የሱስ ንልዑላውነት የሆዋ ምድጋፍ ቀዳማይ ዕላማኡ ኸም ዝዀነ ኣብ ህይወቱ ብንጹር ኣርእዩ እዩ። “ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ሸዀናኡ ኸም ዚንከስ ብትንቢት ተነጊሩ ስለ ዝነበረ: ንሕጋውነት ልዑላውነት ኣምላኽ ንምርግጋጽ: ብኢድ ሰይጣን ክሳዕ ዚመውት እሙን ኪኸውን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። (ማቴዎስ 16:21፣ 17:12) ነቲ ዓለወኛ ሰይጣን ንምስዓርን ኣብ ኵሎም ፍጥረታት ሰላምን ስርዓትን ንምስፋንን ስልጣን እተዋህበት መሳርሒ: መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ኺምስክር ነበሮ። (ማቴዎስ 6:9, 10) የሱስ ነዚ በዳሂ ተልእኾ ንኺፍጽም እንታይ ገበረ፧

“መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት”

6. ኣምላኽ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ” ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም መሳርሒ ገይሩ ኸም ዚጥቀመላ: የሱስ ብኸመይ ኣፍለጠ፧

6 “የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፤ እቲ ዘመን ተፈጸመ: መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት: ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ: እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ።” (ማርቆስ 1:14, 15) “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ: ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” እውን በለ። (ሉቃስ 4:18-21, 43) የሱስ “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን” ኣብ ኵላ እታ ሃገር ዞረ። (ሉቃስ 8:1) ንህዝቢ ብምምጋብ: ንዅነታት ኣየር ብምቍጽጻር: ንሕሙማት ብምሕዋይ: ከምኡውን ንምዉታት ብምትንሳእ ብዙሕ ሓይሊ ገበረ። የሱስ በዚ ተኣምራት እዚ ኣቢሉ: ኣምላኽ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት ንዝመጸ ዅሉ ጕድኣት ኬዐርዮ ኸም ዚኽእል: በዚ ኸምዚ ድማ ‘ግብሪ ድያብሎስ ከም ዜፍርሶ’ ኣረጋገጸ።—1 ዮሃንስ 3:8

7. የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኪገብሩ እዩ ምሂርዎም፧ እንታይ ፍረኸ ተረኽበ፧

7 የሱስ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚስበኽ ንምግባር: ንእሙናት ሰዓብቱ ኣኪቡ ኣብቲ ዕዮ እቲ ኣሰልጠኖም። ፈለማ ነቶም 12 ሃዋርያቱ መዘዞም: “መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ . . . ከኣ ለአኾም።” (ሉቃስ 9:1, 2) ድሕሪኡ ን70 ሰሪዑ: “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ” ኢሎም ንኺእውጁ ለኣኾም። (ሉቃስ 10:1, 8, 9) እዞም ደቀ መዛሙርቱ እዚኣቶም ምስ ተመልሱን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ንየሱስ ምስ ነገርዎን: “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ” በሎም።—ሉቃስ 10:17, 18

8. ኣብ ህይወት የሱስ እንታይ እዩ ተራእዩ፧

8 የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምስካር ዚከኣሎ ዅሉ ይገብር ነበረ: ዝረኸቦ ዅሉ ኣጋጣሚ ድማ ይጥቀም ነበረ። ነቲ ንቡር ናብራ እውን ከይተረፈ ሓዲጉ: መዓልትን ለይትን ብዘይምቍራጽ ይዓዪ ነበረ። “ንወኻሩ ጕድጓድ: ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ አለወን: ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን” በለ። (ሉቃስ 9:58፣ ማርቆስ 6:31፣ ዮሃንስ 4:31-34) ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ምስ ቀረበ: “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በለ። (ዮሃንስ 18:37) ዓብዪ መምህር ወይ ገባር ተኣምራት ወይ ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ዜቕርብ መድሓኒ ኸም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ: ፍቓድ እቲ ልዑላዊ የሆዋ ንኺድግፍን ኣምላኽ በታ መንግስቱ ኣቢሉ ነቲ ፍቓዱ ንምፍጻም ዘለዎ ኽእለት ንኺምስክርን ከም ዝመጸ ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ ተራእዩ እዩ።—ዮሃንስ 14:6

“ተፈጸመ”

9. ሰይጣን ኣብ መወዳእታ ነቲ “ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ሸዀናኡ ኣብ ምንካስ ብኸመይ ተዓወተ፧

9 ኵሉ እቲ የሱስ ምእንቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገር: ነቲ ተጻራሪ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ኣየሐጐሶን። ብተደጋጋሚ በቶም ምድራውያን ክፋል “ዘርኡ” ዝዀኑ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ኣቢሉ: ነቲ “ዘርኢ” እታ ሰበይቲ ኣምላኽ ኪቐትሎ ፈተነ። የሱስ ካብታ እተወልደላ ግዜ ኣትሒዙ: ክሳዕ እታ ምድራዊት ህይወቱ ዘብቅዐትላ ዕለት: ዕላማ መጥቃዕቲ ሰይጣንን ጭፍራታቱን እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ: ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ. ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ እቲ ጸላኢ ብምእታው: ሸዀናኡ ዚንከሰሉ ግዜ ኣኸለ። (ማቴዎስ 20:18, 19፣ ሉቃስ 18:31-33) ሰይጣን ንየሱስ ንምዅናንን ብዜሳቒ ሞት ኣብ ዕንጨይቲ ኸም ዚመውት ንምግባርን: ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ: ንሊቃውንቲ ኻህናት: ንጸሓፍቲ: ንፈሪሳውያን: ከምኡውን ንሮማውያን ብኸመይ ከም እተጠቕመሎም ጸብጻባት ወንጌል ይሕብር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:22, 23

10. የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ብሙማቱ ብቐዳምነት እንታይ እዩ ፈጺሙ፧

10 የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ እናተቐንዘወ ቐስ ኢሉ ኸም ዝሞተ ኽትሓስበሉ ኸለኻ ናብ ኣእምሮኻ እንታይ ይመጸካ፧ ምናልባት ነቲ የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ደቅሰብ ኢሉ ዝገበሮ መስዋእታዊ በጃ ትዝክር ትኸውን። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 15:13) እታ የሆዋ ነቲ መስዋእቲ ብምሃብ ዘርኣያ ዓባይ ፍቕሪ ተስደምመካ ትኸውን። (ዮሃንስ 3:16) ምናልባት ከምቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ: “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ” ንኽትብል ትድረኽ ትኸውን። (ማቴዎስ 27:54) እዚ ዅሉ ቕኑዕ እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ዀይኑ እተዛረባ ናይ መወዳእታ ቓል: “ተፈጸመ” እትብል ምንባራ ኣይትረስዕ። (ዮሃንስ 19:30) እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧ የሱስ ብህይወቱን ብሞቱን ብዙሕ ነገር እኳ እንተ ዓመመ: ብቐዳምነት ግን ንልዑላውነት የሆዋ ዚምልከት ጕዳይ መዕለቢ ኺገብረሉ ኢሉ ደይኰነን ናብ ምድሪ መጺኡ፧ እቲ “ዘርኢ” ኸም ምዃኑ መጠን ንስም የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጸርፊ ናጻ ምእንቲ ኺገብሮ ኻብ ሰይጣን ከቢድ ፈተና ኸም ዚወርዶ ብትንቢት ተነጊሩሉዶ ኣይነበረን፧ (ኢሳይያስ 53:3-7) እዚ ኸቢድ ሓላፍነት እዩ ነይሩ: የሱስ ግን ምሉእ ብምሉእ ፈጺምዎ እዩ። እወ: ብሓቂ ተፈጸመ!

11. የሱስ ነታ ኣብ ኤድን እተነግረት ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም እንታይ ኪገብር እዩ፧

11 የሱስ እሙን ብምንባሩ: ከም ሰብ ዘይኰነስ: “ህያው ዚገብር መንፈስ” ኰይኑ ተንስአ። (1 ቈረንቶስ 15:45፣ 1 ጴጥሮስ 3:18) የሆዋ ነዚ ዝኸበረ ወዱ: “ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ኢሉ መብጽዓ ኣተወሉ። (መዝሙር 110:1) እቶም “ጸላእቲ” ተባሂሎም ዘለዉ: እቲ ቐንዲ ገበነኛ ዝዀነ ሰይጣን ከምኡውን ኵሎም እቶም “ዘርኡ” እዮም። የሱስ ክርስቶስ ንጉስ መሲሓዊት መንግስቲ የሆዋ ኸም ምዃኑ መጠን: ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ዅሎም ዓለወኛታት ኣብ ምጥፋእ መሪሕ ግደ ኺህልዎ እዩ። (ራእይ 12:7-9፣ 19:11-16፣ 20:1-3, 10) ሽዑ ድማ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዚርከብ ትንቢት ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ እዩ: እታ የሱስ ንሰዓብቱ: “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኪብሉ ዝመሃሮም ጸሎት እውን ምሉእ ምላሽ ክትረከብ እያ።—ማቴዎስ 6:10፣ ፊልጲ 2:8-11

ክንስዕቦ ዚግባእ ኣርኣያ

12, 13. (ሀ) ሎሚ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምላሽ ይወሃብ ኣሎ፧ (ለ) ኣሰር ክርስቶስ ክንስዕብ እንተ ዄንና እንታይ ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

12 ሎሚ: ከምቲ የሱስ እተነበዮ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይስበኽ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ከም ውጽኢቱ ድማ ሚልዮናት ሰባት ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም ኣለዉ። መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ኣሀንጥይዎም ኣሎ። ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብሰላምን ብደሓንን ንዘለኣለም ዚነብሩሉ ግዜ ይጽበዩ ኣለዉ: ንኻልኦት ከኣ ብታሕጓስ ብዛዕባ ተስፋኦም ይነግሩ ኣለዉ። (መዝሙር 37:11፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ንስኻኸ ሓደ ኻብዞም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ፧ እንተ ዄንካ: ናእዳ ይግብኣካ። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍና ኽንሓስበሉ ዚግባእ ሓደ ነገር ኣሎ።

13 ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ጴጥሮስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ የሱስ ኣብ ስብከት ዝነበሮ ቕንኣት ወይ ክእለት ኣመሃህራ ዘይኰነስ: ንመከራኡ ኸም ዝጠቐሰ ኣስተብህል። ናይ ዓይኒ ምስክር ስለ ዝነበረ: የሱስ ንልዑላውነት የሆዋ ንኺግዛእን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንኼመስክርን ኢሉ ኽሳዕ ክንደይ መከራ ኺጸግብ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ብኸመይ ደኣ ኢና ኣሰር የሱስ እንስዕብ፧ ንርእስና: ‘ንልዑላውነት የሆዋ ንምድጋፍን ንምኽባርን ኢለ መከራ ንምጽጋብ ክሳዕ ክንደይ ፍቓደኛ እየ፧ ብናብራ ህይወተይን ብኣገልግሎተይን ንልዑላውነት የሆዋ ምድጋፍ ብቐዳምነት ከም ዜተሓሳስበኒ አርኢ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና።—ቈሎሴ 3:17

14, 15. (ሀ) የሱስ ንግጉይ ሓሳባትን ኣጋጣሚታትን እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) እንታይ ጕዳይ ኢና ወትሩ ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዝ ዘሎና፧ (ካብታ “ኣብ ጐድኒ የሆዋ ቑም” ዘርእስታ ሳጹን እውን ሓሳባት ሃብ።)

14 ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዓበይቲ ዀነ ንኣሽቱ ፈተናታትን ውሳነታትን የጋጠመና እዩ። ኣብቲ እንወስዶ ስጕምቲ ወሳኒ ረቛሒ ኪኸውን ዘለዎ እንታይ እዩ፧ ንኣብነት: ንክርስትያናዊ መትከልና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ፈተና ምስ ዜጋጥመና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ጴጥሮስ ንየሱስ መከራ ኣይብጻሕካ ኢሉ ምስ ተዛረቦ: የሱስ ብኸመይ ድዩ መሊሱ፧ “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን: ናይ ሰብ እምበር: ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ” በሎ። (ማቴዎስ 16:21-23) ንሕናኸ ንመንፈሳዊ ጥዕናና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ናይ ደሞዝ ወይ ናይ ስራሕ ዕቤት ኪቐርበልና ኸሎ: ከም ናይ የሱስ ዓይነት ምላሽ ንህብ ዲና፧ የሱስ: እቶም ንተኣምራቱ ዝረኣዩ “መጺኦም መንዚዖም ኬንግስዎ ኸም ዝደለዩ” ምስ ፈለጠ: ቀልጢፉ ናብ ካልእ ቦታ ኣልገሰ።—ዮሃንስ 6:15

15 የሱስ ኣብዝን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ጽኑዕ ስጕምቲ ዝወሰደ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ ብሕታዊ ድሕንነቱ ወይ ጥቕሙ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ከም ዘሎ ብንጹር ይረኣዮ ስለ ዝነበረ እዩ። ፍቓድ ኣቦኡ ኺገብርን ዝኸፈለ ኸፊሉ ንልዑላውነት የሆዋ ኺድግፍን ይደሊ ነበረ። (ማቴዎስ 26:50-54) ስለዚ ንሕና እውን ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ጌርና ነቲ ናይ ሓቂ ጕዳይ ወትሩ ኣብ ኣእምሮና ብንጹር ዘይንሕዝ እንተ ዄንና: ክንለማለም ወይ ክንወድቕ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብቐሊሉ ኣደዳ እቲ ንጌጋ ነገራት ተበሃጊ ብምግባር ዝመጸ ኽኢላ ዝዀነ ሰይጣን ዚኣልሞ ውዲት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ንሄዋን ኪፍትና ኸሎ እውን ከምኡ እዩ ገይሩ።—2 ቈረንቶስ 11:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:14

16. ንኻልኦት ክንሕግዝ ከለና እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶና እንታይ ኪኸውን ኣለዎ፧

16 ኣብ ኣገልግሎትና ንሰባት ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስቦም ነገራት ከነዘራርቦምን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልስታት ከነርእዮምን ንጽዕር ኢና። እዚ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜለዓዕል ውጽኢታዊ መገዲ እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶና ግን ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብል ወይ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ በረኸት ከም እተምጽእ ክንምህሮም ጥራይ ኣይኰነን። ነቲ ናይ ሓቂ ጕዳይ ንኺግንዘብዎ ኽንሕግዞም ኣሎና። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪዀኑን ምእንቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ‘መሳቐዪ ዕንጨይቶም’ ኬልዕሉን መከራ ኺጸግቡን ፍቓደኛታት ይዀኑ ድዮም፧ (ማርቆስ 8:34 NW) ምስቶም ንልዑላውነት የሆዋ ዚድግፉ ኺጽንበሩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ሰይጣን ሓሳውን መካፍእን ምዃኑ ኼመስክሩ ድሉዋት ድዮም፧ (ምሳሌ 27:11) ንርእስናን ንኻልኦትን ከምኡ ንምግባር ክንሕግዝ ምኽኣል ክብሪ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:16

ኣምላኽ “ኵሉ ኣብ ኵሉ” ምስ ኰነ

17, 18. ንልዑላውነት የሆዋ ኸም እንድግፍ እንተ ኣርኢና: ነየናይ ዜደንቕ ግዜ ኢና ብሃንቀውታ ኽንጸበ እንኽእል፧

17 ንልዑላውነት የሆዋ ኸም እንድግፍ ንምርኣይ ብኣካይዳናን ብኣገልግሎትናን ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ እንተ ጌርና: የሱስ ክርስቶስ “እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ” ንዚህሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና። እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም: ኪነግስ ይግብኦ እዩ እሞ: ኵሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዐረ: . . . ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን: ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:24, 25, 28

18 ኣምላኽ “ኵሉ ኣብ ኵሉ” ምስ ኰነ: ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ግዜ ዀን እዩ ኪኸውን! መንግስቲ ኣምላኽ ተልእኾኣ ኽትዛዝም እያ። ኵሎም ተጻረርቲ ልዑላውነት የሆዋ ኺጠፍኡ እዮም። ኣብ ኵሉ ፍጥረት ሰላምን ስርዓትን ኪሰፍን እዩ። ኵሎም ፍጥረታት ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝዘመሮ: “[“ንየሆዋ:” NW] ክብሪ ስሙ ሀቡ: . . . ኣብ ማእከል ኣህዛብ፤ [“የሆዋ:” NW] ነጊሱ . . . ኢልኩም ንገሩ” ኢሎም ኪዝምሩ እዮም።—መዝሙር 96:8, 10

ክትምልሶዶ ምኸኣልካ፧

• የሱስ ነቲ ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚምልከት ጕዳይ ቀዳምነት ዚህቦ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

• የሱስ ብኣገልግሎቱን ብሞቱን ኣቢሉ ብቐዳምነት እንታይ እዩ ፈጺሙ፧

• ንልዑላውነት የሆዋ ኸም እንድግፍ ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ኣብ ጐድኒ የሆዋ ቑም

ከምቲ ኣብ ኮሪያን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዚርከቡ ብዙሓት ኣሕዋት ዚፈልጥዎ: ንክርስትያናት ቀጥታዊ ኸቢድ ፈተናታት ኬጋጥሞም ከሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት ስለምንታይ ከም ዜጋጥሞም ብንጹር ምርዳእ ሓጋዚ እዩ።

ብግዜ ስርዓት ሶቭየት ተኣሲሩ ዝነበረ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር: “ክንጽመም ዝሓገዘና ነገር: ነቲ ኣብ ገነት ኤድን እተላዕለ ጕዳይ: ማለት ነቲ ኣምላኽ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ዚምልከት ጕዳይ ብንጹር ንርድኦ ስለ ዝነበርና እዩ። . . . ንግዝኣት የሆዋ ንኽንድግፍ ኣጋጣሚ ኸም ዘሎና ፈለጥና። . . . እዚ ኣበርተዓና: ንጽህናና ኽንሕሉ ድማ ኣኽኣለና” በለ።

ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ንዕኡን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾቱን ኣብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ዝሓገዞም ነገር ኪገልጽ ከሎ: “የሆዋ ደጊፉና እዩ። ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ነበረ: ብመንፈሳዊ ንቑሓት ኢና ኔርና። ኣብቲ ጕዳይ ልዑላውነት ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኸም ዝቘምና ብዚገልጽ ኣወንታዊ ሓሳባት ጌርና ንሓድሕድና ንተባባዕ ነበርና” በለ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብሰይጣን ኣብ እተፈተነሉ እዋን: ንልዑላውነት የሆዋ ብኸመይ ደገፈ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብሞት የሱስ እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧