ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውሉድካ ሰላማዊ ኪኸውን ምሃሮ

ንውሉድካ ሰላማዊ ኪኸውን ምሃሮ

ንውሉድካ ሰላማዊ ኪኸውን ምሃሮ

እታ ጓል ሸሞንተ ዓመት ኒኮል: ስድራቤታ ብምግዓዞም ኣዝያ ስለ እተሓጐሰት: ነታ ናይ ቀረባ መሓዛኣ ዝዀነት ጋብሪኤል ኵሉ ነገራት ትነግራ ነበረት። ሓደ መዓልቲ ግን ጋብሪኤል: ብዛዕባ ምኻዳ ኸም ዘይግድሳ ንኒኮል ነገረታ። ኒኮል በዚ ተጐድአትን ሓረቐትን: ንኣዲኣ ድማ “ካልኣይ ሳዕ ገጽ ጋብሪኤል ክርኢ ኣይደልን እየ” ኢላ ነገረታ።

ከምቲ ንኒኮልን ጋብሪኤልን ዘጋጠመን ዓይነት ኣብ ግዜ ቚልዕነት ዜጋጥም ጸገም ኪህሉ ኸሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ነቲ ስምዒታዊ ማህሰይቲ ንምህዳእ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ጕዳይ ኪፍተሓሉ ዚኽእል መገዲ ንምንዳይ ኢዶም ኬእትዉ ኣለዎም። ቈልዑ ብተፈጥሮኦም “ነገር ቈልዓ” እዮም ዚገብሩ: እቲ ዚዛረብዎን ዚገብርዎን ነገራት ብዛዕባ ዜምጽኦ ጕድኣት ድማ ኣይፈልጡን እዮም። (1 ቈረንቶስ 13:11) ነቲ ምስ ኣባላት ስድራቤቶምን ምስ ካልኦትን ዘለዎም ርክብ ሰላማዊ ንምግባር ኪሕግዞም ዚኽእል ባህርያት ኬማዕብሉ ሓገዝ የድልዮም እዩ።

ክርስትያን ወለዲ: ደቆም ‘ንሰላም ኪደልይዋን ኪስዕብዋን’ ንምስልጣን ሓያል ባህጊ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 3:11) ገባር ሰላም ብምዃን ሓጐስ ስለ ዚርከብ: ጥርጣረን ብስጭትን ጽልእን ንምስዓር ጻዕሪ ኺግበረሉ ይግባእ። ወላዲ እንተ ዄንካ: ደቅኻ ሰላማውያን ንኪዀኑ ኽትምህሮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ነቲ “ኣምላኽ ሰላም” ናይ ምሕጓስ ድሌት ኣሕድረሎም

የሆዋ: “ኣምላኽ ሰላም” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ፊልጲ 4:9፣ ሮሜ 15:33) ስለዚ: ጥበበኛታት ወለዲ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብውሕሉል መገዲ ብምጥቃም ኣብ ልቢ ውሉዳቶም ንኣምላኽ ናይ ምሕጓስን ንባህርያቱ ናይ ምቕዳሕን ድሌት ከም ዚሓድሮም ይገብሩ። ንኣብነት: ደቅኻ ነቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ዜደንቕ ራእይ: ማለት ነቲ ንዝፋን የሆዋ ኸቢብዎ ዘሎ ስመራግድ ዚመስል ቀስተ-ደበና ኣብ ኣእምሮኦም ከም ዚስእልዎ ግበር። a (ራእይ 4:2, 3) እዚ ቐስተ-ደበና እዚ ነቲ ንየሆዋ ኸቢብዎ ዘሎ ሰላምን ህድኣትን ከም ዜመልክት ከምኡውን ነቶም ንዕኡ ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዅሎም ከምዚ ዝበለ በረኸት ከም ዚህቦም ግለጸሎም።

የሆዋ በቲ “መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ወዱ የሱስ ኣቢሉ እውን መምርሒ ይህብ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) ስለዚ: ነቲ የሱስ ካብ ባእስን ክርክርን ብዛዕባ እንርሕቀሉ መገድታት ዝሃቦ ትምህርቲ ምስቶም ንኣሽቱ ደቅኻ ዄንኩም ተመያየጡሉ። (ማቴዎስ 26:51-56፣ ማርቆስ 9:33-35) እቲ ሓደ እዋን “ገፋዒ” ዝነበረ ጳውሎስ: መገዱ ብምቕያር “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ . . . ኪኸውን እምበር: ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ዝበለሉ ምኽንያት ግለጸሎም። (1 ጢሞቴዎስ 1:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24) እቲ ውሉድካ ዚህቦ ምላሽ ዘይተጸበኻዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኢቫን ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከሎ: ነቲ ኣብታ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ዜላግጸሉ ዝነበረ ቘልዓ ይዝክሮ እዩ። ከምዚ በለ:- “ኣዝየ ስለ ዝሓረቕኩ: ሕነ-ኽፈዲ ደለኹ! ኣብታ እዋን እቲኣ ግን ነቲ ብዛዕባ እቶም ባእሲ ዚጅምሩ ሰባት ዚገልጽ ኣብ ገዛይ እተመሃርክዎ ትምህርቲ ዘከርክዎ። የሆዋ ‘ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ክፈዲ’ ኸም ዘይደልየኒ: ኣብ ክንዳኡስ ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክነብር’ ከም ዚደልየኒ እፈልጥ እየ።” (ሮሜ 12:17, 18) ኢቫን ነቲ ውጥረት ዝሰፈኖ ሃዋህው ንምህዳእ ዚኸውን ልእመት ንምርኣይ ዚሕግዞ ብርታዕን ትብዓትን ረኸበ። ነቲ ኣምላኽ ሰላም እዩ ኼሐጕስ ዚደሊ ነይሩ።

ሰላማዊ ወላዲ ኹን

ቤትካ ሰላማዊ ሃዋህው ዝሰፈኖ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ውሉዳትካ ንዓኻ ጥራይ ብምርኣይ ብዛዕባ ሰላም ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ንውሉዳትካ ሰላማውያን ኪዀኑ እትምህሮም ትምህርቲ ውጽኢታዊ ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ነቲ ሰላማዊ መገድታት ኣምላኽን ክርስቶስን ጽቡቕ ጌርካ ኽትስዕቦ ኣሎካ።—ሮሜ 2:21

ሩስን ሲንዲን ነቶም ክልተ ውሉዳቶም: ካልኦት ሰባት ኬሕርቕዎም ከለዉ ብፍቕራዊ መገዲ ኺመላለሱ ኸም ዘለዎም ንምትብባዕን ንምስልጣንን ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። ሲንዲ: “እቲ ኣነን ሩስን ዘይምስምማዕ ኪለዓል ከሎ ምስ ደቅናን ምስ ካልኦትን እነርእዮ ባህርያት: ኣብቲ ደቅና ንተመሳሳሊ ዅነታት ዚሕዙሉ መገዲ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ” በለት።

ጌጋ ኽትገብር ከለኻ—ዘይጋገ ወላዲ ኸኣ የለን—ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ንደቅኻ ብሉጽ ትምህርቲ ኽትምህሮም ትኽእል ኢኻ። ስቲቨን: “ኣነን ቴሪ ሰበይተይን እተማልአ ሓበሬታ ኸይሓዝና ዘንጸርጸርናሉን ነቶም ውሉዳትና ዝገሰጽናሉን እዋን ነይሩ እዩ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ ይቕረታ ንሓትት ኢና” በለ። ቴሪ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ በለት:- “ንደቅና: ፍጹማት ከም ዘይኰንናን ከም እንጋገን ንነግሮም ኢና። ከምዚ ምግባርና: ስድራቤትና ሰላም ከም ዚህልዋ ጥራይ ዘይኰነስ: እቶም ቈልዑ ብኸመይ ሰላም ኪስዕቡ ኸም ዘለዎም እውን ምሂርዎም እዩ።”

ውሉዳትካ ኣብነትካ ብምርኣይ ሰላማውያን ኪዀኑ ዚኽእሉሉ መገዲ ይመሃሩዶ ኣለዉ፧ የሱስ: “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ኢሉ መዓደ። (ማቴዎስ 7:12) ጕድለት እኳ እንተ ኣሎካ: እቲ ንደቅኻ እተርእዮ ፍቕሪ ጽቡቕ ውጽኢት ከም ዜፍሪ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ውሉዳትካ ብፍቕራዊ መገዲ መምርሒ እንተ ተዋሂብዎም: ጽቡቕ ምላሽ ኪህቡ እዮም።

ንዅራ ደንጓዪ ኹን

ምሳሌ 19:11 “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ: ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ትብል። ደቅኻ ኸምዚ ዝበለ ምስትውዓል ንኼማዕብሉ ኽትሕግዞም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ዴቪድ ነቲ ምስ ማሪያን ሰበይቱ ዀይኑ ንወዶምን ንጓሎምን ኬዕብዩ ኸለዉ እተጠቕሙሉ ግብራዊ ኣቀራርባ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ:- “ካልእ ሰብ ብዘረባኡን ብተግባሩን ኬሕርቖም ከሎ: ድንጋጽ ኬርእዩ ንሕግዞም ኢና። ‘እቲ ሰብ ሕማቕ መዓልቲ ስለ ዝወዓለ ደዀን ይኸውን፧ ቀኒኡዶ ይኸውን፧ ብኻልእ ሰብ ስለ እተጐድአዶ ይኸውን፧’ ዚብል ቀሊል ሕቶታት ድማ ንሓቶም።” ማሪያን እውን ወሲኻ: “ከምዚ ምግባርና: እቶም ቈልዑ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣብ ክንዲ ዚሕዙ ወይ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ኣብ ክንዲ ዚካትዑ: ህድእ ከም ዚብሉ እዩ ዚገብሮም” በለት።

ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ዜደንቕ ውጽኢት ኣለዎ። እታ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ተጠቒሳ ዝነበረት ኒኮል: ነቲ ምስታ መሓዝኣ ዝዀነት ጋብሪኤል ዝነበራ ቕርሕንቲ ኻብ ምፍታሕ ንላዕሊ ጠቓሚ ዝዀነ ሓገዝ: ካብ ኣዲኣ ሚሸል ረኺባ እያ። ሚሸል: “ኣነን ኒኮልን ነታ ኣብታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ዘላ ምዕራፍ 14 ኣንበብናያ” በለት። b ቀጺላ ድማ “የሱስ ‘ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ’ ይቕረ በሉ ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ገለጽኩላ። ብድሕሪኡ: ነቲ እተሰምዓ ነገር ክትገልጽ ከላ ጽን ኢለ ብምስማዕ: ነቲ ጋብሪኤል መሓዛኣ ርሒቓ ብምኻዳ እተሰምዓ ጓህን ጭንቀትን ንኺስምዓ ሓገዝክዋ” በለት።—ማቴዎስ 18:21, 22

ኒኮል: ጋብሪኤል ከም እትሓርቕ ዝገበራ እንታይ ምዃኑ ስለ እተረድአት: ድንጋጽ ንኸተርእን ንጋብሪኤል ደዊላ ይቕረታ ንኽትሓታን ደረኻ። ሚሸል ከም ዝገለጸቶ: “ካብታ ግዜ እቲኣ ኣትሒዛ: ኒኮል ንስምዒት ካልኦት ብምሕሳብን ሕያውነት ብምርኣይን ሓጐስ ትረክብ ኣላ።”—ፊልጲ 2:3, 4

ውሉዳትካ ብጌጋታትን ዘይምርድዳእን ከይሓርቁ ሓግዞም። ምናልባት ደቅኻ ንኻልኦት ልባዊ ሕያውነትን ለውሃትን ኬርእዩ ኸለዉ ብምርኣይ ዕግበት ትረክብ ትኸውን።—ሮሜ 12:10፣ 1 ቈረንቶስ 12:25

ይቕረ ምባል ንዜምጽኦ ኽብሪ ኣተባብዕ

ምሳሌ 19:11 “ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ትብል። የሱስ ኣብቲ ኣዝዩ ኣጨናቒ ግዜ እውን እንተ ዀነ: ንኣቦኡ ብምምሳል ይቕረ በለ። (ሉቃስ 23:34) ውሉድካ ይቕረ ምባል ንዜምጽኦ ኽብሪ ኺመሃር ዚኽእል: ነቲ ንስኻ እትገብረሎም ምሕረት ብምርኣይ እዩ።

ንኣብነት: እቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዀነ ዊሊ ምስ ዓባዩ ዀይኑ ስእሊ ምስኣል ባህ ይብሎ እዩ። ሓደ ግዜ ግን: ዓባዩ ብሃንደበት ነቲ ምስኣል ደው ኣቢላ: ተቛይቛቶ ኸደት። ዊሊ ድማ ኣዝዩ ጐሃየ። ኣቦኡ ሳም ግን: “ዓባዩ ንዊሊ ሕማም ረሲዕነት ኣለዋ። በቲ ኺርድኦ ዚኽእል ቃላት ድማ ብዛዕባ እዚ ገለጽናሉ” በለ። ልክዕ ከምቲ ንዕኡ ብዙሕ ሳዕ ይቕረታ ዚግበረሉ: ንሱ እውን ንኻልኦት ይቕረ ኺብል ከም ዘለዎ ምስ ኣረድኦ: በቲ ዊሊ ዝሃቦ ምላሽ ኣዝዩ ተገረመ። ሳም ከምዚ በለ:- “እቲ ንእሽቶ ወድና ናብታ ጓል 80 ዓመት ዝዀነት ዓባዩ ኸይዱ ብልስሉስ ድምጺ ይቕረታ ኺሓትት ከሎን ብኢዱ ደጊፉ ሒዝዋ ኺመጽእ ከሎን ምርኣይና ንዓይን ንሰበይተይን እንታይ ስምዒት ከም ዝፈጠረልና ኽትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም።”

ቈልዑ ንጕድለታትን ጌጋታትን ካልኦት ሰባት ‘እናተጻወሩ’ ይቕረ ኺብሉ ኺመሃሩ ኸለዉ ምርኣይ: ናይ ብሓቂ ኽብረት እዩ። (ቈሎሴ 3:13) ገሊኦም ሰባት ደይመደይ ኢሎም ዜሕርቅ ነገራት እውን እንተ ገበሩ: ውሉድካ ሰላማዊ ምላሽ ምሃቡ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣረጋግጸሉ፣ ከመይሲ: “እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ: ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።”—ምሳሌ 16:7

ውሉድካ ሰላማዊ ኪኸውን ካብ ምሕጋዝ ኣይተቋርጽ

ወለዲ ንውሉዳቶም ንምምሃር “ሰላም ዚገብሩ” ዀይኖም “ብሰላም” ቃል ኣምላኽ ኪጥቀሙ ኸለዉ: ንደቆም ናይ ሓቂ ምንጪ በረኸት እዮም ዚዀንዎም። (ያእቆብ 3:18) ከምዚ ዝበሉ ወለዲ: ደቆም ንምስሕሓብ ዚፈትሕሉን ሰላማውያን ዚዀኑሉን መገዲ እዮም ዚምህርዎም። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ህይወቶም ዚረኽብዎ ሓጐስን ዕግበትን ብዙሕ ኣበርክቶ ኣለዎ።

ዳንን ካቲን ብመንፈሳዊ ጽቡቕ ዚስጕሙ ዘለዉ ሰለስተ ኰተቴታት ውሉዳት ኣለውዎም። ዳን: “ብግዜ ንእስነቶም ምስልጣን በዳሂ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ መወዳእታኡ ግን ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ኣለዎም: ሰላም ዚዘርግ ነገር ኬጋጥም ከሎ ድማ ይቕረ ይብሉ እዮም” በለ። ካቲ እውን: “ሰላም ክፍሊ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝዀነት: እዚ ብፍላይ ንዓና ዜተባብዕ እዩ” በለት።—ገላትያ 5:22, 23

ስለዚ እምበኣር: ክርስትያን ወለዲ ኸም ምዃንኩም መጠን: ደቅኹም ቀልጢፎም እኳ ምምሕያሽ እንተ ዘየርኣዩ: ብሰላም ንኺነብሩ ንምምሃር ‘ኣይትሰልክዩ።’ ከምዚ ኽትገብሩ ኸለኹም: “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ብርግጽ “ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።”—ገላትያ 6:9፣ 2 ቈረንቶስ 13:11

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነቲ ስእሊ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 75 ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን]

ኣወንታዊ ጽልዋ ድዩ ዘለዎ፧

ሜድያ ኣዌርነስ ኔትዎርክ (መርበብ ግንዛበ መራኸቢ ብዙሓን) ብዚበሃል ትካል እተሓትመ “ዓመጽ ኣብቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዚመሓላለፍ መዘናግዒ” ዘርእስቱ ቴማ: “እቲ ዓመጽ ንጸገማት ይፈትሕ እዩ ዚብልዎ ሓሳብ: በቲ ገበነኛታትን ጀጋኑን ብቐጻሊ ዓመጽ ኪፍጽሙ ኸለዉ ዜርኢ መዘናግዒ ይራጐድ ኣሎ” በለ። ካብቲ ምርምር እተገብረሉ ናይ ተለቪዥን ምርኢታት: ፊልምታት: ከምኡውን ሙዚቃዊ ቪድዮታት ዳርጋ 10 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ነቲ ዓመጽ ዘለዎ ሳዕቤን ዜርኢ። ካብኡ ዝተረፈ ግን: “ዓመጽ ከም ምኽኑይ: ከም ንቡር: ከም ልሙድ: ኰታስ ከም ፍሉጥ መፍትሒ ጸገማት ኰይኑ ቐሪቡ” ኸም ዘሎ እቲ ቴማ ገለጸ።

እዝስ ነቲ ኣብ ገዛኻ ኣብ ተለቪዥን እትርእዮ ነገራት ምትዕርራይ ክትገብረሉ ኸም ዘሎካ ዜርኢ ደይኰነን፧ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዚርአ መዘናግዒ: ነቲ ውሉድካ ሰላማዊ ንኪኸውን እትገብሮ ዘለኻ ጻዕሪ ኺዓናቕፎ ኣይተፍቅደሉ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ውሉድካ ን“ኣምላኽ ሰላም” ናይ ምሕጓስ ድሌት ከም ዚሓድሮ ግበር

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንጐዳኢ ዘረባን ተግባርን ንምእራም ግዜ መድብ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳትካ ይቕረታ ኺሓቱን ይቕረ ኺብሉን ምሃሮም