ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብሓድነት ይሰምሩ ኣለዉ—ብኸመይ፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብሓድነት ይሰምሩ ኣለዉ—ብኸመይ፧

ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብሓድነት ይሰምሩ ኣለዉ—ብኸመይ፧

“ሓድነት” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ምሃብካያ፧ ገሊኦም ሰባት ምፍሕፋሕ ወይ ግጭት ንዘይብሉ ዅነታት ከም እተመልክት ገይሮም ይወስድዋ። ንኣብነት: ክልተ ወይ ዝያዳ ሃገራት ውዕል እንተ ኸቲመንን ሰላም ንኺገብራ እንተ ተሰማሚዐንን: ሰሚረን ወይ ሓድነት ገይረን ይበሃል ይኸውን። ብሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧ ከይኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: ኣሽሓት ውዕላት ሰላም ተገይሩን ፈሪሱን እዩ። ስለምንታይ፧ መብዛሕትኡ ግዜ መራሕቲ ዓለም ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሰላም ወይ ሓድነት: ብዛዕባ ልዕልናኦም እዮም ዚግደሱ። ገሊአን ሃገራት እውን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ኻልኦት እንተ ተሪፈን እንታይ ኬጋጥመን ከም ዚኽእል የፍርሀን እዩ።

ስለዚ: ክልተ ሃገራት ኣብ ውግእ ዘየለዋ ምዃነን: ብሰላም ሓድነት ገይረን ማለት ኣይኰነን። ክልተ ሰባት ሸሽጉጦም ኣብ ንሓድሕዶም ኣዐሚሮም ክነሶም: ዋላ ሓዲኦም ቃዕታ ብዘይምስሓቡ ሰላም ኣለዎም ኪበሃል ይከኣል ድዩ፧ ሰላም ኣለዎም ዚብል ኣረኣእያ ንዋላ ሓደ ዚወሓጠሉ ኣይኰነን! ሎሚ እውን ብዙሓት ሃገራት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እየን ዘለዋ። ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዘይምትእምማን: ሓደ መዓልቲ ኣጽዋር ከይትኰስ የፍርህ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋ ንምውጋድ እንታይ ተገይሩ፧

ንሓድነት ዜስግእ ኑክልየሳዊ ፍርሂ

ብዙሓት ተስፋኦም ኣብቲ ውዕል ኑክልየሳዊ ዘይምብዛሕ ገይሮም ኣለዉ። እዚ ብ1968 ዝጸደቐ ውዕል እዚ: ነተን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይብለን ሃገራት ከየማዕብላ ዚኽልክል: ነተን ዘለወን ከኣ ብዝሑ ደረት ኪገብራሉ ዚጠልብ እዩ። ዕላማ እዚ ብልዕሊ 180 ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ ውዕል: ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ምዕናው እዩ።

ሽሕ እኳ እዚ ዕላማ እዚ ጽቡቕ እንተ መሰለ: ማለት ነተን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይብለን ሃገራት ንኸየማዕብላ ዚኽልክል ካብ ምዃን ሓሊፉ ኻልእ ረብሓ ኸም ዘይብሉ ገሊኦም ሓያስያን ይገልጹ። ስለዚ: ገሊአን ኣብቲ ውዕል ክታም ዘንበራ ሃገራት: ሓሳበን ኪቕይራ ኸም ዚኽእላ ይእመን እዩ። እወ: ገሊአን ሃገራት ነቲ ብናታተን ኣረኣእያ ርእሰን ንምክልኻል ዚብላኦ ኣጽዋር ከየጥርያ እተኸልከላ ምዃነን ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ገይረን እየን ዚርእያኦ።

ዋላ ሓንቲ ሃገር ኑክልየሳዊ ጸዓት ከይተማዕብል እተኸልከለት ዘይምዃና: ነዚ ጕዳይ እዚ ዝያዳ ይሓላልኾ: ምናልባት እውን ነቲ ሓደጋ የጋድዶ ኣሎ። እዚ ድማ እተን ኑክልየሳዊ ጸዓት ንሰላማዊ ዕላማ ዚጥቀማሉ ዘለዋ ሃገራት: ብምስጢር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር የማዕብላ ኸይህልዋ ዚብል ፍርሂ ኣሕዲሩ ኣሎ።

እተን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት እውን ከይተረፋ ነዚ ውዕል እዚ ኺጥሕሳኦ ይኽእላ እየን። እዘን ክሳዕ ኣፍንጫአን እተዓጥቃ ሃገራት: ነቲ ኣጽዋረን ኬጥፍኣኦ ወይ ኪንክያኦ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ምዃኑ ሓያስያን ይገልጹ። ብመሰረት ሓደ ምንጪ: “ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ: . . . ኣብተን ሕጂ ንሓድሕደን ዚጻረራ ዘለዋ ሃገራት ሓያል ምሕዝነትን ምትእምማንን ስለ ዚሓትት: ንሓዋሩ እውን ይኸውን ኢልካ [ምእማን ኣጸጋሚ እዩ]።”

ሰባት ሓድነት ንምምጻእ ዝገበርዎ ጻዕሪ: ዋላ እውን ካብ ልቦም እንተ ዀነ: ከንቱ ዀይኑ እዩ። ቃል ኣምላኽ: “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ስለ ዚገልጽ: ጻዕርታት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣየገርሞምን እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ብዘይካዚ: መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር: “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ይብል። (ምሳሌ 16:25) ሰብኣውያን መንግስትታት ሓድነት ኣብ ምምጻእ ዘለወን ዓቕሚ ድሩት እዩ። ይኹን እምበር: ተስፋ የብልናን ማለት ኣይኰነን።

ምንጪ ናይ ሓቂ ሓድነት

መጽሓፍ ቅዱስ: ዓለም ሓድነት ከም ዚህልዋ ዚገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ ሒዙ ኣሎ። እንተዀነ ግን: ብሰብኣዊ ጻዕርታት ኣይኰነን ሓድነት ዚህልዋ። የግዳስ: እቲ ንሰባት ኣብ ብዘላ ዓለም ብሰላም ኪነብሩ ዕላማ ዝገበረ ፈጣሪ: ነቲ ሰብ ኪገብሮ ዘይክእል ነገር ኪገብር እዩ። ገሊኦም ነዚ ምእማን የጸግሞም ይኸውን። ኰይኑ ግን: ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንደቅሰብ ብሰላምን ብሓድነትን ኪነብሩ እዩ ዕላማ ገይሩ ነይሩ። a ንሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ምግባር ሕጂ እውን እንተ ዀነ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓያሎ ጥቕስታት ይሕብር እዩ። ሒደት ኣብነታት ጥራይ እስከ ንርአ:-

“ንዑ: ንግብርታት እግዚኣብሄር: ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ጥፍኣት ጠምቱ: ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ: ንሰረገላታት ብሓዊ የንድዶ።”መዝሙር 46:8, 9

“ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”ኢሳይያስ 11:9 

“ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ: ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።”ኢሳይያስ 25:8

“ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።”2 ጴጥሮስ 3:13 

“ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”ራእይ 21:4

እዚ መብጽዓታት እዚ ዜተኣማምን እዩ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ኣምላኽ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ ኣብ ደቅሰብ ሓድነት ንኼምጽእ ሓይልን ክእለትን ኣለዎ። (ሉቃስ 18:27) ብዘይካዚ ኸምኡ ንምግባር ባህጊ ኣለዎ። አረ መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኸኣ: እቲ ኣምላኽ “ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለል” ዚገብሮ ጻዕሪ ሳላ “ስምረቱ” ምዃኑ ይሕብር እዩ።—ኤፌሶን 1:8-10

ኣምላኽ “ጽድቂ ዚነብረሉ . . . ሓድሽ ምድሪ” ኸም ዜምጽእ ዝኣተዎ መብጽዓ: ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። (2 ጴጥሮስ 3:13) የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባ መብጽዓኡ “ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” በለ።—ኢሳይያስ 55:11

ብቓል ኣምላኽ ሓድነት ዘለዎም

ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: ሃይማኖት መብዛሕትኡ ግዜ ንደቅሰብ ሓድነት ኣብ ክንዲ ዜምጽኣሎም: ኪኸፋፍሎም እዩ ዚርአ ዘሎ። እዚ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ፈጣሪ ኸም ዘሎ እንተ ተቐቢልና: ኣምለኽቱ ኣብ ንሓድሕዶም ሰላምን ሓድነትን ኪህልዎም ትጽቢት ክንገብርዶ ኣይግባእን፧ ብርግጽ ይግባእ!

ሃይማኖት ንደቅሰብ ዚኸፋፍሎም ምዃኑ: የሆዋ ኣምላኽን ቃሉን ብሓላፍነት ኣይሕተትሉን እዮም። የግዳስ: እተን ንዕላማ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ነቲ ሰባት ብዛዕባ ሓድነት ዘለዎም መደባት ዚድግፋ ሃይማኖታት እየን ኪዅነና ዘለወን። የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት “ግቡዛት” ኢሉ ድሕሪ ምጽዋዕ: “ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ: ከምዚ ኢሉ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ: ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ: ንኸንቱ የምልኹኒ” በሎም።—ማቴዎስ 15:7-9

ብኣንጻሩ ግን: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ይገብር እዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ነይሩ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ: ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ: ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።”—ኢሳይያስ 2:2, 4

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ነቲ ብዛዕባ ሓድነት ዚምልከት ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተዋህቦም ትምህርቲ ተቐቢሎም ብእኡ ይመላለሱ ኣለዉ። መሰረት ሓድነቶም እንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ፍቕሪ: ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ: ልበስዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 3:14) እታ ኣብ በዅሪ ቛንቋ “ማእሰር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል: ኣብ ኣካላትና ንዚርከብ ጅማት እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ጅማት ከም ገመድ ዘይብተኽ ኪኸውን ከሎ: ንኽልተ ኣገዳሲ ዕላማታት ድማ የገልግል። ንኣካላት በቦታኡ የትሕዞ: ንኣዕጽምቲ ድማ ብሓባር ይጠምሮ።

ፍቕሪ እውን ከምኡ እያ። እዛ ባህርይ እዚኣ ንሰባት ከም ዘይቀታተሉ ኻብ ምግባር ንላዕሊ እያ ትዓዪ። ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ: ካብ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዝመጹ ውልቀ-ሰባት ብሰላም ከም ዚዓዩ ትገብሮም። ንኣብነት: ንሰባት ምስታ ወርቃዊት ሕጊ ተባሂላ እትፍለጥ ተሰማሚዖም ከም ዚነብሩ ትገብሮም። ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 7:12 ተመዝጊቡ ዚርከብ: የሱስ ክርስቶስ: “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ። ብዙሓት ሰባት ነዚ መምርሒ እዚ ብምስዓቦም: ንጽልኢ ኼሰንፉ ኽኢሎም ኣለዉ።

“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ: “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ቘሪጾም ተላዒሎም እዮም። (ዮሃንስ 13:35) ኣብ ግዜ ዓሌታዊ ናዕብን ፖለቲካዊ ህውከትን: ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብዜደንቕ መገዲ ተራእያ እያ። ንኣብነት: ብ1994 ኣብ ሩዋንዳ ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ዚካየደሉ ዝነበረ እዋን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኣርእዮም እዮም። ካብ ቀቢላ ሁቱ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቶም ቱትሲ ዝዀኑ ኣሕዋቶም ንኼዕቍቡ ኢሎም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም።

ልክዕ እዩ: ህዝብታት ዓለም ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ብምምዕባል ሓድነት ዘለዋ ዓለም ኬምጽኡ እዮም ዚብል ትጽቢት ዘይክውንነታዊ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ ኣምላኽ ኣብ ግዜኡ ዚገብሮ ነገር እዩ። ይኹን እምበር: ሕጂ እውን እንተ ዀነ: ውልቀ-ሰባት ፍቕርን ሓድነትን ኪለብሱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈት ዓመት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ኣብ ምብጻሕ ከምኡውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርትታቱ ንዘመናዊ ህይወትና ዘለዎ ጥቕምን ኣብ ምንጋር: ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓት ኣሕሊፎም እዮም። ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ: ካባታቶም እውን ጽልኢ ዝነበሮም ይርከብዎም። ንኣብነት: ኣዕራብን ኣይሁድን: ቱርካውያንን ኣርመናውያንን: ሩስያውያንን ጀርመናውያንን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና።

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዜምጽኦ ሓድነት ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ: በጃኻ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ: ወይ ካብቲ ኣብ ገጽ 2 ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዚቐርበካ ጽሓፍ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 3 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣሽሓት ውዕላት ሰላም ተገይሩን ፈሪሱን እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሰብኣውያን መንግስትታት ኪፍጽማኦ ዘይከኣላ ነገር: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ኪፍጸም ተኻኢሉ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ ምንጪ ናይ ሓቂ ሓድነት ይሕብር

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ቀቢላ ሁቱን ቱትሲን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ቦታ ኣምልኾ ኺሃንጹ ኸለዉ