ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ሃጌን ትንቢት ዘካርያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ሃጌን ትንቢት ዘካርያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ሃጌን ትንቢት ዘካርያስን ዚጐልሕ ነጥብታት

እዋኑ ብ520 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። እቶም ካብ ምርኮ ባቢሎን እተመልሱ ኣይሁድ ንመሰረት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ካብ ዜንብሩ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ይኹን እምበር: እታ ቤተ መቕደስ ኣይተዛዘመትን: እቲ ህንጸት ድማ ኣብ ትሕቲ እገዳ ነበረ። የሆዋ: ቃሉ ንኺነግሩ ኢሉ ንነብዪ ሃጌ: ድሕሪ ኽልተ ወርሒ ድማ ንነብዪ ዘካርያስ ኣተንስአ።

ሃጌን ዘካርያስን ሓደ ዕላማ እዩ ነይርዎም: እዚ ኸኣ እቶም ህዝቢ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ መሊሶም ንኺጅምርዎ ንምትብባዕ እዩ ነይሩ። እቲ እዞም ነብያት ዝገበርዎ ጻዕሪ ዕዉት ብምንባሩ: እታ ቤተ መቕደስ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ተዛዘመት። እቲ ሃጌን ዘካርያስን እተዛረብዎ ትንቢት ኣብተን ብስሞም ዝፍለጣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ መጻሕፍቲ ተመዝጊቡ ኣሎ። ትንቢት ሃጌ ብ520 ቅ.ክ.: ትንቢት ዘካርያስ ከኣ ብ518 ቅ.ክ. እያ ተዛዚማ። ልክዕ ከምዞም ነብያት: ንሕና እውን እዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፋኡ ኺዛዘም ዘለዎ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ኣሎ። እዚ ኸኣ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ። ቀጺልና እስከ ኻብ ትንቢት ሃጌን ትንቢት ዘካርያስን እንረኽቦ ምትብባዕ ንርአ።

“ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ”

(ሃጌ 1:1–2:23)

ሃጌ ኣብ ውሽጢ 112 መዓልቲ: ኣርባዕተ ዜነቓቕሕ መልእኽትታት ነገረ። እታ ናይ መጀመርታ ኸምዚ ትብል ነበረት:- “ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ: . . . ናብ ኣኽራን ደይቡ: ዕጨይቲ ኣምጽኡ: ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእኣ ኽሕጐስን ክኸብርን እየ: ይብል እግዚኣብሄር።” (ሃጌ 1:7, 8) እቶም ህዝቢ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ጽቡቕ ምላሽ ሃቡላ። እታ ኻልአይቲ መልእኽቲ “ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ” ዚብል መብጽዓ ዝሓዘት ነበረት።—ሃጌ 2:7

እታ ሳልሰይቲ መልእኽቲ ኸም እትገልጾ: ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ: ‘እቶም ህዝብን ዕዮ ኣእዳዎምን’ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹስ ነበረ። እቲ ዕዮ ዳግማይ ካብ እተጀመረላ መዓልቲ ንነጀው ግን: የሆዋ ‘ኺባርኾም’ እዩ። እታ ራብዐይቲ መልእኽቲ: የሆዋ ‘ሓይሊ መንግስትታት ኣህዛብ ብምጥፋእ’ ነቲ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ዘሩባቤል “ከም ቀለቤት ማሕተም” ኪገብሮ ምዃኑ እያ እትገልጽ።—ሃጌ 2:14, 19, 22, 23

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:6, 7, 21, 22—ነዚ ምንቕናቕ እዚ ዜምጽኦ መን ወይ እንታይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ እዩ ዘለዎ፧ የሆዋ ነቲ ዓለምለኻዊ ስብከት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተጠቒሙ: ‘ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እዩ።’ እቲ ዕዮ ስብከት “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዚመጽእ እውን ኪገብር እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እታ ቤት ብኽብሪ ትምላእ። ድሕሪ ግዜ: የሆዋ “ጐይታ ሰራዊት” ‘ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቖ እዩ፣’ እዚ ኸኣ ብምሉኡ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ተነቓኒቑ ኸም ዚጠፍእ ኪገብር እዩ።—እብራውያን 12:26, 27

2:9—‘ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እታ ቤት ዝበለጸ’ ብኸመይ እዩ፧ እንተ ወሓደ ብሰለስተ መገዲ እዩ ኸምዚ ዀይኑ:- ቀዳማይ: እታ ቤተ መቕደስ ዝጸንሓትሉ ዓመታት፣ ካልኣይ: ኣብኡ ዚምህር ሰብ፣ ሳልሳይ: እቶም ንየሆዋ ንምምላኽ ናብኣ ዚውሕዙ ሰባት። እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ እተደንቕ ቤተ መቕደስ ካብ 1027 ቅ.ክ. ክሳዕ 607 ቅ.ክ. ን420 ዓመት እኳ እንተ ጸንሐት: እታ ‘ዳሕረይቲ ቤት’ ግን ካብቲ ብ515 ቅ.ክ. እተዛዘመትሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ብ70 ድ.ክ. ዝጠፍኣትሉ ን580 ዓመት ቀጸለት። እቲ መሲህ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እውን ኣብታ ‘ዳሕረይቲ ቤት’ እዩ ምሂሩ፣ እቶም ንኣምላኽ ንምምላኽ ናብታ ‘ዳሕረይቲ ቤት’ ዝመጹ ህዝቢ ድማ ካብቶም ናብታ ‘ቐዳመይቲ ቤት’ ዝመጹ ይበዝሑ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-11

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2-4 ኣብ ዕዮ ስብከት ዜጋጥመና ምጽራር: ነቲ ቐዳምነት ሂብናዮ ዝነበርና ‘ምድላይ መንግስቲ ኣምላኽ’ ብምሕዳግ ጥቕሚ ርእስና ኸም እንደሊ ኺገብረና የብሉን።—ማቴዎስ 6:33

1:5, 7 ‘ብልብና መገድና ምሕሳብ’ ከምኡውን ናብራና ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ምስትንታን ጽቡቕ እዩ።

1:6, 9-11፣ 2:14-17 ብግዜ ሃጌ ዝነበሩ ኣይሁድ ንብሕታዊ ዋኒኖም ኢሎም ኣበርቲዖም ይዓዩ እኳ እንተ ነበሩ: ፍረ ጻማኦም ግን ኣይረኸቡን። ነታ ቤተ መቕደስ ዕሽሽ ስለ ዝበልዋ: በረኸት ኣምላኽ ኣይነበሮምን። ብስጋዊ መዳይ ብዙሕ ይሃልወና ሒደት ብዘየገድስ: “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም” ምዃኑ ብምዝካር: ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብን ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍስና ኸነገልግሎን ኣሎና።—ምሳሌ 10:22

2:15, 18 የሆዋ ኻብታ መዓልቲ ንደሓር ነቶም ኣይሁድ ኣብቲ ዝሓለፈ ሸለልትነት ዘይኰነስ: ኣቓልቦኦም ኣብቲ ህንጸት ኪገብሩ ኣተባብዖም። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ንኣምላኽ ከነምልኽ ከለና ናብቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ንኽንርኢ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና።

‘ብመንፈሰይ እምበር ብሓይሊ ኣይኰነን’

(ዘካርያስ 1:1–14:21)

ዘካርያስ ትንቢታዊ ንጥፈቱ ዝጀመሮ: ንኣይሁድ ‘ናብ የሆዋ ተመለሱ’ እናበለ እዩ። (ዘካርያስ 1:3) እቲ ስዒቡ ዝረኣዮ ሸሞንተ ራእያት: ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ደገፍ ኣምላኽ ከም ዘለዎ ዜረጋግጽ ነበረ። (ነታ “ዘካርያስ ዝረኣዮ ሸሞንተ ምሳልያዊ ራእያት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቲ ህንጸት ‘ብመንፈስ የሆዋ እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን’ ኣይኰነን ዚዛዘም። (ዘካርያስ 4:6) እቲ ጨንፈር ተባሂሉ ዘሎ ሰብኣይ: “መቕደስ እግዚኣብሄር ኪሀንጽ” ከምኡውን “ኣብ ዝፋኑ ኻህን ኪኸውን” እዩ።—ዘካርያስ 6:12, 13

ነበርቲ ቤትኤል ብዛዕባ እቲ ንጥፍኣት የሩሳሌም ንምዝካር ተባሂሉ ዚግበር ጾም ንምሕታት ልኡኻት ለኣኹ። የሆዋ ድማ ብዘካርያስ ኣቢሉ: እቲ ንየሩሳሌም ዝወረዳ መዓት ንምዝካር ተባሂሉ ዚግበር ኣርባዕተ ናይ ሓዘን ጾም: ናብ “ሓጐስን ደስታን ባህ ዜብል በዓላት ዓመትን” ኪቕየር ምዃኑ ነገሮም። (ዘካርያስ 7:2፣ 8:19) እቲ ነዚ ስዒቡ እተነግረ ኽልተ ትንቢት: ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብን ነብያት ሓሶትን ዚወርድ ፍርዲ: ነቲ መሲህ ብዚምልከት እተነግረ ትንቢት: ከምኡውን ብዛዕባ ምምላስ ህዝቢ ኣምላኽ ዚገልጽ መልእኽቲ ዜጠቓልል እዩ።—ዘካርያስ 9:1፣ 12:1

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:1—ሓደ ሰብኣይ ንየሩሳሌም ብገመድ ዝለክዓ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ተግባር እዚ: መካበብያ እታ ኸተማ ኸም ዚህነጽ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። እቲ መልኣኽ ነቲ ሰብኣይ: የሩሳሌም ክትሰፍሕን ዕቝባ የሆዋ ኽትረክብን ምዃና ነገሮ።—ዘካርያስ 2:3-5

6:11-13—እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ እያሱ ኣኽሊል ተደፊእሉ ኺበሃል ከሎ ንጉስን ካህንን ኰይኑ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን: ምኽንያቱ እያሱ ኻብ መስመር ወለዶ ንግስና ዳዊት ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ምድፋኡ ግን ኣብቲ መሲህ ዚውዕል ትንቢታዊ ጽላሎት እዩ ነይሩ። (እብራውያን 6:20) እቲ ብዛዕባ “ጨንፈር” ዚገልጽ ትንቢት: ኣብቲ ሰማያዊ ንጉስን ካህንን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተፈጸመ። (ኤርምያስ 23:5) ከምቲ እያሱ ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኣይሁድ ኣብታ ዳግም እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ዘገልገለ: የሱስ እውን ኣብታ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝቘመት መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ዜገልግል ሊቀ ኻህናት እዩ።

8:1-23—እቲ ኣብዘን ጥቕስታት ተገሊጹ ዘሎ ዓሰርተ ኣዋጃት መዓስ ተፈጺሙ፧ ነፍሲ ወከፍ ኣዋጅ በታ “ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” እትብል ሓረግ እያ እትዛዘም: ነቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝኣተዎ ናይ ሰላም መብጽዓ ድማ የመልክት። ገሊኡ ኻብዚ ኣዋጃት ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. እዩ ተፈጺሙ፣ ብምሉኡ ግን ካብ 1919 ንነጀው ኣብ ዘሎ ግዜ ኸምኡውን ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ዚፍጸም ዘሎ። a

8:3—የሩሳሌም “ከተማ ሓቂ” ተባሂላ እተጸውዐት ስለምንታይ እያ፧ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ቅድሚ ምጥፍኣ: በቶም ብልሹዋት ነብያትን ካህናትን ከምኡውን በቶም ዘይእሙናት ሰባት ዝመልአት “ገፋዒት ከተማ” ነበረት። (ጸፎንያስ 3:1፣ ኤርምያስ 6:13፣ 7:29-34) እታ ቤተ መቕደስ ምስ ተሃንጸትን እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ኼምልኹ ምስ ጀመሩን ግን: እቲ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚገልጽ ሓቅታት ኣብኡ ተዘርበ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እያ የሩሳሌም “ከተማ ሓቂ” እተባህለት።

11:7-14—ዘካርያስ ነተን “ጸጋ” ኸምኡውን “ስምረት” ዝስመን ኣባትር ምስባሩ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ ዘካርያስ ነቶም ብ“ኣባጊዕ ማሕረዲ” ተመሲሎም ዘለዉ መራሕቶም ዕሽሽ ዝበልዎም ሰባት ኪጓሲ ኸም እተላእከ ሰብ ጌርካ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። እቲ ዘካርያስ ከም ጓሳ መጠን ዝነበሮ ግደ: ንየሱስ ክርስቶስ ጽላሎት ኰይንዎ ነበረ፣ ንሱ ናብቶም ኣምላኽ ኪዳን ዝኣተወሎም ህዝቢ እኳ እንተ ተላእከ: ንሳቶም ግን ነጸግዎ። ስለዚ: እታ “ጸጋ” ዝስማ በትሪ ምስባራ: ኣምላኽ ነቲ ምስ ኣይሁድ ኣትይዎ ዝነበረ ሕጊ ቓል ኪዳን ኬፍርሶ ምዃኑን ምስኦም ባህ ኢልዎ ርክብ ከም ዘይገብርን ዚሕብር እዩ። እታ “ስምረት” ዝስማ በትሪ ምስባራ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ይሁዳን እስራኤልን ዘሎ ቲኦክራስያዊ ሕውነት ኪቋረጽ ምዃኑ ዜርኢ እዩ።

12:11—“ኣብ ሃዳድ-ሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶን ዝዀነ ብኽያት” እንታይ እዩ፧ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ምስ ኔኮ ፈርኦን ግብጺ “ኣብ ጐልጐል መጊዶ” ኺዋጋእ ከሎ ተቐትለ: ብሙማቱ ድማ ንዓመታት “ልቕሶ” ይልቀሰሉ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 35:25) ስለዚ: ‘ኣብ ሃዳድ-ሪሞን ዝዀነ ብኽያት’ ነቲ ብዛዕባ ሞት ዮስያስ ዚግበር መልቀስ ኬመልክት ይኽእል እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:2-6፣ 7:11-14 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንተግሳጽ ተቐቢሎም ዚንስሑን ብምሉእ ነፍሶም ንዕኡ ብምምላኽ ናብኡ ዚምለሱን ሰባት ኣዝዩ ይሕጐስን ናብኦም ይምለስን እዩ። ብኣንጻሩ ግን: ነቲ እቶም ንመልእኽቱ ‘ምስማዕ ዚኣብዩ: እምቢተኛ እንግድዓ ዚመልሱ: ከይሰምዑ ኣእዛኖም ዜጽምሙ’ ሰባት ሓገዝ ደልዮም ዜቕርብዎ ሕቶ ኣይምልሰሉን እዩ።

4:6, 7 መንፈስ የሆዋ: ዕዮ ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ብዕዉት መገዲ ኸም ዚዛዘም ምግባሩ: ኪዓግቶ ዚኽእል ዕንቅፋት ከም ዘየለ ዜርኢ እዩ። ንኣምላኽ ኣገልግሎት ኣብ እነቕርበሉ እዋን ዝዀን ይኹን ጸገም የጋጥመና ብዘየገድስ: ኣብ የሆዋ ብምእማን ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 17:20

4:10 ዘሩባቤልን እቶም ህዝብን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር የሆዋ ዀይኖም: ብመሰረት እቲ ልዑል መለክዒታት ኣምላኽ ነታ ቤተ መቕደስ ዛዘምዋ። ዘይፍጹማት ሰባት ምስቲ የሆዋ ኺገብርዎ ዚጽበዮም ነገራት ተሰማሚዖም ኪነብሩ ኣየጸግሞምን እዩ።

7:8-10፣ 8:16, 17 ሞገስ የሆዋ ኽንረክብ እንተ ደሊና: ፍትሓውያን ክንከውን: ሰናይ ክንገብር: ምሕረት ክንገብር: ንሓድሕድና ድማ ሓቂ ኽንዛረብ ኣሎና።

8:9-13 ነቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዝሃበና ዕዮ ኽንዓዪ ኸለና ‘ኣእዳውና እንተ ኣጽኒዕና:’ ንሱ ኺባርኸና እዩ። እዚ በረኸት እዚ ድማ ሰላምን ደሓንን መንፈሳዊ ወሰኽን ዜጠቓልል እዩ።

12:6 እቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘለዉ ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰባት: “ከም ሃልሃልታ ሓዊ” ኣዝዮም ቀናኣት ኪዀኑ ኣለዎም።

13:3 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ንውድቡን ዘሎና ተኣማንነት ካብቲ ንኣዝዩ ዚቐርበና ሰብ ዘሎና ንላዕሊ ኪኸውን ኣለዎ።

13:8, 9 እቶም የሆዋ ዝነጸጎም ከሓድቲ: ኣዝዮም ብዙሓት ካብ ምንባሮም እተላዕለ ኽልተ ኢድ እታ ዓዲ ኸም ዝነበሩ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ሲሶ ጥራይ እዮም ልክዕ ከምቲ ብሓዊ ዚሓልፍ ነገር እተዀልዑ። ኣብዚ ግዜና እውን: እታ በቶም ክርስትያን ኢና ዚብሉ ሰባት ዝቘመት ህዝበ-ክርስትያን ብየሆዋ ተነጺጋ እያ። ‘ንስም የሆዋ ብምጽዋዕ’ ኣብ ትሕቲ እቲ መስርሕ ምዅላዕ ንርእሶም ትሕት ዘበሉ ግን እቶም ብቝጽሪ ሒደት ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ጥራይ እዮም። ንሳቶምን ኣመንቲ ብጾቶምን መሰኻኽር የሆዋ ዚበሃሉ ብስም ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣርእዮም እዮም።

ብቕንኣት ስጕምቲ ንኽንወስድ ክንድረኽ ኣሎና

እቲ ሃጌን ዘካርያስን እተነበይዎ ነገራት: ሎሚ ንዓና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧ እቲ መልእኽቶም: ኣይሁድ ንዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ኣቓልቦ ንኺገብሩሉ ኸም ዘለዓዓሎም ክንሓስብ ከለና: ንሕና እውን ኣብቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኣት ንኽንካፈል ዚድርኸና ደይኰነን፧

ዘካርያስ: እቲ መሲህ “ኣብ ኣድጊ . . . ተወጢሑ” ኸም ዚመጽእ: ብ“ሰላሳ ብሩር” ኣሕሊፍካ ኸም ዚወሃብ: ከም ዚውቃዕ: ከምኡውን ‘እተን ኣባጊዕ ፋሕ ከም ዚብላ’ ተነበየ። (ዘካርያስ 9:9፣ 11:12፣ 13:7) ንፍጻመ እቲ ዘካርያስ ንመሲህ ብዚምልከት እተነበዮ ትንቢታት ከነስተንትን ከለና: ኣብ እምነትና ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ጽልዋ ዜሕድር! (ማቴዎስ 21:1-9፣ 26:31, 56፣ 27:3-10) ነቲ ኣብ ቃል የሆዋን ኣብቲ ንድሕነትና ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎን ዘሎና ምትእምማን የደልድለልና።—እብራውያን 4:12

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 1 ጥሪ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 9-22 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

ዘካርያስ ዝረኣዮ ሸሞንተ ምሳልያዊ ራእያት

1:8-17:- እታ ቤተ መቕደስ ክትዛዘም ምዃና ውሕስነት ይህብ: የሩሳሌምን ካልኦት ከተማታት ይሁዳን ኪባረኻ ምዃነን ድማ ይገልጽ።

1:18-21:- እቶም ‘ንይሁዳ ፋሕ ዘበልዋ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ:’ ማለት ኵሎም እቶም ንኣምልኾ የሆዋ ዚጻረሩ መንግስትታት ኪጠፍኡ ምዃኖም መብጽዓ ይህብ።

2:1-13:- የሩሳሌም ክትሰፍሕ ምዃና ኸምኡውን የሆዋ “ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ” ብምዃን ኬዕቍባ ምዃኑ ይሕብር።

3:1-10:- ሰይጣን ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ኣብ ምጽራር ኢድ ከም ዝነበሮ የርኢ: እያሱ እቲ ሊቀ ኻህናት ከም ዝደሓነን ከም ዝጸረየን ድማ ይሕብር።

4:1-14:- እቲ ኽንዲ ኣኽራን ዚመስል ዕንቅፋታት ጐልጐል ከም ዚኸውንን ዘሩባቤል እቲ ኣመሓዳሪ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ከም ዚዛዝሞን መረጋገጺ ይህብ።

5:1-4:- ኣብ ልዕሊ እቶም ከይተቐጽዑ ዝተረፉ እኩያት ሰባት ብዛዕባ ዚወርድ መርገም ይገልጽ።

5:5-11:- እከይ ኪጠፍእ ምዃኑ ይንበ።

6:1-8:- ሓለዋን ዕቝባን መላእኽቲ ኺህሉ ምዃኑ መብጽዓ ይኣቱ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሃጌን ዘካርያስን እተዛረብዎ መልእኽትታት እንታይ ዕላማ እዩ ነይርዎ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰባት: “ከም ሃልሃልታ ሓዊ” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧