ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ነይርዎዶ፧

የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ነይርዎዶ፧

የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ነይርዎዶ፧

የሱስ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ዘሎና ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ክፋላት እቲ ሎሚ እንፈልጦ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ጽሑፋት ዝዀነ እኩብ ጥቕላላት ይዕቀብ ነበረ። የሱስ ኣብ ናዝሬት ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ካብ ጥቕላል ኢሳይያስ ኣንቢቡ እዩ። (ሉቃስ 4:16, 17) ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ ‘ንሕግን ነብያትን ኪንበብ’ ከሎ ሰሚዑ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:14, 15) ያዕቆብ እቲ ወደ መዝሙር እውን “ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ” ኸም ዜንብብዎ ተዛረበ። —ግብሪ ሃዋርያት 15:21

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትከ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥቕላላት ቅዱሳት ጽሑፋት ነይርዎምዶ፧ እቲ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንግስቲ ህንደኬ ዜገልግል ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ: ንጋዛ ኣብ እተውርድ መገዲ ፊልጶስ ኪራኸቦ ኸሎ: “ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ” ከም ዝነበረ ተገሊጹ ስለ ዘሎ: ጥቕላላት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26-30) ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “እቲ መጻሕፍትን: ምናዳ እቲ ብራናታት” ኬምጽአሉ ሓተቶ። (2 ጢሞቴዎስ 4:13) ዋላ እኳ ጳውሎስ ኣየኖት መጻሕፍቲ ምዃኑ እንተ ዘይተዛረበ: ገለ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኪኸውን ከም ዚኽእል ግን ግልጺ እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣላን ሚላርድ ዚበሃል ፕሮፌሰር ሴማዊ ቛንቋታት: ካብ መንጎ ኣይሁድ ናይ ርእሶም ጥቕላላት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪውንኑ ዚኽእሉ: “ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ፍሉይ መሰል ዝነበሮም ሰብኡት: ኵሎም እቶም ምሁራት ኢና ዚብሉ: ገለ ኻብ ፈረሳውያን: ከምኡውን ከም ኒቆዲሞስ ዝኣመሰሉ መምህራን” ጥራይ ነበሩ። ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ዋጋኡ ኽቡር ስለ ዝነበረ እዩ። ሚላርድ ብግምት ከም ዝገለጾ: “ዋጋ ሓደ ቕዳሕ መጽሓፍ ኢሳይያስ ካብ ሽድሽተ ኽሳዕ ዓሰርተ ዲናር ዚበጽሕ እዩ:” ወሲኹ ኸም ዝበሎ ድማ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ “ኻብ 15 ክሳዕ 20 ጥቕላላት እዩ ዚኸውን:” እዚ ማለት ከኣ ደሞዝ ፍርቂ ዓመት ኪውድእ ይኽእል።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናይ ርእሶም ቅዳሕ ጥቕላላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነበሮም: መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቅስ ይኽእል ስለ ዝነበረ: ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ምንባሩ ዜተሓታትት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 4:4, 7, 10፣ 19:4, 5) ሎሚ ብሓፈሻኡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብሕስር ዝበለ ዋጋን ብቐሊሉን ስለ እንረኽቦ: ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ኼተባብዓናዶ ኣይግባእን፧