ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳዊ ኣማኻሪ ኣሎካዶ፧

መንፈሳዊ ኣማኻሪ ኣሎካዶ፧

መንፈሳዊ ኣማኻሪ ኣሎካዶ፧

ዑዝያ ወዲ 16 ዓመት ከሎ ናይ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ ንጉስ ኰነ። ካብ መወዳእታ ታሽዓይ ክሳዕ መጀመርታ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ንልዕሊ 50 ዓመት ነገሰ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ: “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።” ቅኑዕ መገዲ ንኺስዕብ ጽልዋ ዝገበረሉ እንታይ እዩ፧ እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዚነግረና: “እቲ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዚምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብሕይወት ከሎ [ዑዝያ] ንእግዚኣብሔር የገልግሎ ነበረ፥ ንእግዚኣብሔር ኬገልግሎ ኸሎ ኸኣ ኣምላኽ ዓወት ይህቦ ነበረ።”—2 ዜና መዋእል 26:1, 4, 5 ትርጕም 1990

ብዛዕባ ዘካርያስ እቲ ኣማኻሪ ንጉስ: ካብዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ ወጻኢ ብዙሕ ዚፍለጥ ነገር የለን። ኰይኑ ግን: ዘካርያስ “ፍርሃት እግዚኣብሔር ዚምህሮ” ብምንባሩ: ነቲ መንእሰይ መራሒ ቕኑዕ ነገር ንኺገብር ጽቡቕ ጽልዋ ገይሩሉ እዩ። ዘ ኤክስፖዚቶርስ ባይብል: ዘካርያስ ብንጹር: “ብቕዱስ ትምህርቲ እተማህረ: ብመንፈሳዊ ተመክሮ ሃብታም: ከምኡውን ፍልጠቱ ኼካፍል ዚኽእል” ከም ዝነበረ ትገልጽ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ ዘካርያስ: “ብትንቢት ስልጡን ከምኡውን . . . ኣስተውዓልን ውፉይን ቅኑዕን ሰብኣይ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ድማ ንዑዝያ ዓብዪ ጽልዋ ዝገበረሉ እዩ ዚመስል” በለ።

ዑዝያ ዘርኣዮ ተኣማንነት ብዙሕ በረኸት ኣምጺእሉ እዩ፣ ‘ኣምላኽ ስለ ዝሓገዞ’ ኸኣ “ብዘይ ልክዕ በርትዔ።” እወ: እቲ ኣብ ዓለማዊ ጻዕርታቱ ዝረኸቦ ዓወት: ኣብቲ “ዘካርያስ ክሳዕ ዘሎ” ዚረኽቦ ዝነበረ መንፈሳዊ ዓወቱ ዚምርኰስ ነበረ። (2 ዜና መዋእል 26:6-8) ዑዝያ ዕዉት ምስ ኰነ: ንትምህርታት እቲ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ዘካርያስ ገደፎ። “ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ። . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ።” ብምኽንያት እቲ ዘርኣዮ ድርቅና: ብዜፈንፍን ሕማም ቈርበት ተወቒዑ ኻብ ሰብ ስለ ዝረሓቐ: ዳግም ምሉእ ብምሉእ ከም ንጉስ ኰይኑ ኼገልግል ኣይከኣለን።—2 ዜና መዋእል 26:16-21

መምህር ወይ ኣማኻሪ ኽትብሎ እትኽእል ‘ንኣምላኽ ንኽትደልዮ’ ጽልዋ ዚገብረልካ ሰብ ኣሎካዶ፧ እዚ ማለት ከኣ ንእሽቶ ኹን ዓብዪ: ወዲ ተባዕታይ ኩን ጓል ኣንስተይቲ ብዘየገድስ ኣማኻሪ ኺህልወካ ይኽእል እዩ። እቲ ዚወሃበካ ምኽሪ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ንኽትገብር ኪሕግዘካ ስለ ዚኽእል: ንኣማኻሪኻ ኣኽቢርካ ኽትርእዮ ኣሎካ። ነቲ ብሱል ክርስትያን ክትሰምዖን ንዚህበካ ምኽሪ ድማ ኣርዚንካ ኽትሓስበሉን ኣሎካ። ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ዚምህር’ ሰብ ካብ ዚህበካ ጥበብ ዝመልኦ ቓላት ፈጺምካ ኣይተግልስ።—ምሳሌ 1:5፣ 12:15፣ 19:20