ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርሕሩሕ ኩን

ርሕሩሕ ኩን

ርሕሩሕ ኩን

ሰባት ብጥሜት: ብሕማም: ብድኽነት: ብዓመጻ: ብናዕቢ: ከምኡውን ብባህርያዊ ሓደጋ ይሳቐዩ ስለ ዘለዉ: ከም ሎሚ ጌርካ ርሕራሐ ኣድልይዎም ኣይፈልጥን። ርሕራሐ ኺበሃል ከሎ ነቲ ኻልእ ዜሕልፎ መከራን ጸበባን ምድንጋጽ: ከምኡውን ንኸተቃልለሉ ባህጊ ምሕዳር ማለት እዩ። ከምቲ ድሙቕ ብርሃን ጸሓይ ምዉቕ ዝዀነ: ርሕራሐ ድማ ንእተጨነቐት ነፍሲ ተህድእ: ስቓይ ትንኪ: ንእተወጽዐ ሰብ ድማ ተተባብዕ።

ብግብርናን ብቓላትናን: ማለት ንኻልኦት ብምክንኻንን ኣብ ዚደልዩና እዋን ሓገዝ ንምሃብ ድሉዋት ብምዃንን ርሕራሐ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ንርሕራሐኻ ኣብ ስድራቤትካን ፈተውትኻን እትፈልጦም ሰባትን ጥራይ ምድራት ጽቡቕ ኣይኰነን። ነቶም ዘይንፈልጦም ሰባት እውን እንተ ዀነ: ክንርሕርሓሎም ንኽእል ኢና። የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ: “ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም: እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧” ኢሉ ሓተተ። እዚ ርሕሩሕ ሰብኣይ እዚ: “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” በለ።—ማቴዎስ 5:46, 47፣ 7:12

እዘን ወርቃዊት ሕጊ ተባሂለን ዚፍለጣ ቓላት: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትረኽበን ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት ርሕሩሓት ብምዃን ዝመጸ: መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ መምርሒ ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም። ነቶም ገዛእ ርእሶም ኪረድኡ ዘይክእሉ ሰባት ክንረድኦም ግዴታ ኸም ዘሎና: ቅዱሳት ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ደራሲኡን ፈጣሪናን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ: ብርሕራሐኡ ኸም ዚፍለጥ ይገልጽ እዩ።

ንኣብነት: ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ: ንስደተኛውን ይፈቱ: እንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ።” (ዘዳግም 10:18) የሆዋ ኣምላኽ “ንጥቑዓት ፍትሒ ዜውጽኣሎም: ንጥሙያት እንጌራ ዚህቦም” ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 146:7) ብዛዕባ እቶም ጽጉማት ስደተኛታት ድማ: “ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን: ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ” ዚብል ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።—ዘሌዋውያን 19:34

ርሕሩሕ ምዃን ግን ኵሉ ሳዕ ብተፈጥሮ ዚመጽእ ነገር ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ በሎም:- “ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም: ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም: ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም: . . . ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም: ምሕረት ልቢ [ርሕራሐ] . . . ልበሱ።”—ቈሎሴ 3:9, 10, 12

ስለዚ: ርሕሩሕ ምዃን ጻዕሪ ይሓትት እዩ። ክፍሊ እቲ ክርስትያናት ኪለብስዎ ዚግብኦም “ሓድሽ ሰብ” እዩ። ጳውሎስ ኣብታ ብጭካነ መሊኣ ዝነበረት ጥንታዊት ናይ ሮሜ ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ። ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ዝያዳ ደንገጽትን ርሕሩሓትን ምእንቲ ኪዀኑ: ኣብ ባህርያቶም ዓብዪ ለውጢ ኺገብሩ ኣተባብዖም።

ርሕራሐ ዘለዋ ጽቡቕ ጽልዋ

ገሊኦም ሰባት ነቶም ርሕራሐ ዜርእዩ ኸም ድኹማትን ተነቀፍትን ገይሮም ይርእይዎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ቕኑዕ ድዩ፧

ፈጺሙ ኣይኰነን! ናይ ሓቂ ርሕራሐ ንኸተርኢ እትድርኸካ ዓማቝ ፍቕሪ እያ፣ እዛ ባህርይ እዚኣ ኻብ ኣምላኽ ዝመነጨት ክትከውን ከላ: ፍጹም ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ቀዳማይ ኣብነት ዚዀነና እውን ንሱ እዩ። “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:16) የሆዋ: “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 1:3) እዛ ኣብዚ “ምሕረት” ተባሂላ ዘላ ቓል: ብመሰረቱ: “ብሕማቕ ካልኦት ምድንጋጽ: ምርሕራሕ” ማለት እያ። የሆዋ “ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን” እኳ ኸይተረፈ “ርሕሩሕ እዩ።”—ሉቃስ 6:35

ፈጣሪና ኸም ርሕራሐ ዝኣመሰለ ለውሃት ዝመልኦ ባህርያት ከነርኢ ይደልየና እዩ። ኣብ ሚክያስ 6:8: “ኣታ ሰብ: ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፤ እግዚኣብሄርሲ: ቅንዕና ኽትገብር: ምሕረት ከኣ ክትፈቱ: . . . እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” ዚብል ነንብብ። ኣብ ምሳሌ 19:22 ድማ: “ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ” ዚብል ነንብብ። እቲ ንባህርያት ኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ዘንጸባረቐ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ብተመሳሳሊ ንሰዓብቱ: “ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ: ርሕሩሓት ኩኑ” ኢሉ መዓዶም።—ሉቃስ 6:36

ርሕራሐ ብዙሕ ዓስቢ ስለ እተምጽእ: ርሕሩሓት እንዀነሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። ሓቅነት እቲ ኣብ ምሳሌ 11:17 ተጠቒሱ ዚርከብ: “ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ” ዚብል ቃላት ብዙሕ ግዜ ንርእዮ ኢና። ንሓደ እተሸገረ ኽንርሕርሓሉ ኸለና: ኣምላኽ ንዕኡ እተገብረሉ ውሬታ ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ነቲ ኣምለኽቱ ዘርኣይዎ ዝዀነ ይኹን ርሕራሐ: ውሬታኦም ኪመልሰሎም ሓላፍነት ይስምዖ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ: “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 19:17) ጳውሎስ እውን: “ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዝቕበሎ: ፍለጡ” ኢሉ ጸሓፈ።—ኤፌሶን 6:8

ርሕራሐ: ስኒት ኣብ ምስፋን: ግጭትን ምፍሕፋሕን ከኣ ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶ ኣለዋ። ዘይምርድዳኣት ኣብ ምድቃስ ትሕግዝ: ንይቕረታ ድማ መገዲ ትኸፍት። ሓሳባትና ወይ ስምዒታትና ወትሩ ኸምቲ እንደልዮ ጌርና ኽንገልጽ ስለ ዘይንኽእል: ወይ ከኣ ተግባራትና ጌጋ ትርጕም ስለ ዚወሃቦ: ዘይምርድዳኣት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ርሕራሐ ነቲ ጸገም ኣብ ምፍታሕን ሰላም ኣብ ምዕቃብን ክትሕግዝ ትኽእል እያ። ንሓደ ብርሕራሐኡ ዚፍለጥ ሰብ ይቕረ ምባል ቀሊል እዩ። ርሕራሐ ምስቲ ጳውሎስ ንክርስትያናት ዝሃቦም: “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ” ዚብል ምኽሪ ተሰማሚዕና ንኽንነብር ትሕግዘና።—ቈሎሴ 3:13

ርሕራሐ—ድንጋጽ ብግብሪ እትረኣየላ ባህርይ

ብተወሳኺ: ርሕራሐ ንወጽዓ ኸተፋዅስ ትኽእል እያ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ነቶም እተጨነቑ ሰባት ንኽንድንግጸሎም ትድርኸና: ምስቶም ዚሳቐዩ ኸም እንሳቐ ድማ ትገብረና። ርሕራሐ ነቶም ሕሰም ወሪድዎም ዘለዉ ሰባት ምሕላይን ንምሕጋዞም ኣወንታዊ ስጕምቲ ምውሳድን ተጠቓልል።

ክርስትያናት ደንገጽቲ ምስ ዚዀኑ: ንየሱስ እዮም ዚመስልዎ። ንሱ ንኻልኦት ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዝ ግዜ ሓጺርዎ ኣይፈልጥን። ሰባት ተሸጊሮም ከም ዘለዉ ምስ ኣስተብሃለ: ብርሕራሐ ይሕግዞም ነበረ።

የሱስ ብመንፈሳዊ ዝነደዩ ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ እተሰምዖ እሞ ተመልከት:- “ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረአየ: ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: እታ ኣብዚ “ደንገጸሎም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል: “ንሰብ ውሽጡ ዚትንክፎ ስምዒት” ከም እተመልክት ገለጸ። እዛ ቓል እዚኣ ንናይ ድንጋጽ ስምዒት እትገልጽ ሓንቲ ኻብተን ዝሓየላ ናይ ግሪኽ ቃላት ምዃና እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ: ርሕሩሓት ክርስትያናት ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ንእተሸገሩ ኻልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ቅልጡፍ ስጕምቲ ይወስዱ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም: እትዳናገጹ: ሕውነት እተፍቅሩ: ለዋሃት: ትሑታት ኩኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ንኣብነት: ኣባላት ሓንቲ እተሸገረት ስድራቤት ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና ናብ ሓድሽ ቦታ ኺግዕዙ ምስ ተገደዱ: ኣብኡ ዚነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ንሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ክራይ ገዛ ኸይከፈሉ ኺነብሩ ፈቐዱሎም። እቲ ሰብኣይ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ: “መዓልታዊ ኸመይ ከም ዘለና ኺርእዩና ይመጹ ነበሩ: እቲ ዜተባብዕ ሓሳባቶም ድማ ከም ዘይንጋየሽ ገበረና” በለ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ዘይፈልጥዎም ሰባት ኪሽገሩ ኸለዉ እውን ይሓልዩሎም እዮም። ንዘይፈልጥዎም ሰባት ምእንቲ ኼገልግሉ ኢሎም: ግዜኦምን ጕልበቶምን ጥሪቶምን ይውፍዩ እዮም። እቶም ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ዝጠቐስናዮም ንዘይፈልጥዋ ሰበይቲ ዝሓገዙ ወለንተኛታት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

ስለዚ: ክርስትያናዊት ጉባኤ ብርሕራሐን ብፍቕርን ብሕያውነትን ዝመልአት እያ። ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብፍቕሪ ተደሪኾም ንኻልኦት ዜገልግሉሉ መገዲ የናድዩ እዮም። ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ዘኽታማትን መበለታትን: እተፈላለየ ጸገማት ስለ ዘለዎም: ሓልዮትካን ድንጋጽካን የድልዮም ይኸውን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት: ድኽነት: ሕጽረት ሕክምናዊ ኽንክን: ግቡእ መንበሪ ዘይምርካብ: ወይ ካልእ ብሕታዊ ጸገማት ስለ ዜሸግሮም: ኣብዚ መዳይ እዚ ኽትሕግዞምዶ ትኽእል፧

ኣብ ግሪኽ ንዚነብሩ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ዘጋጠሞም እሞ ንርአ። እቲ ሰብኣይ ሃንደበታዊ ወቕዒ ኣጋጠሞ። ንሱን ሰበይቱን ብኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ናብ ዚርከብ ሆስፒታል ተወስዱ። እታ ዝርካባ ንእሽቶ ኣታዊኦም ግን: ኣብቲ ንምህርቲ ዝኣኸለ ዚእረ ዝነበረ ኣራንሺ እዩ ዚምርኰስ ነይሩ። ናብ ሆስፒታል ከይዶም ከለዉ መን ነዚ ይገብረሎም፧ እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ስጕምቲ ወሰደት። ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ ኣራንሺ ኣርዮም ሸጥዎ: ነቶም እተሸገሩ ሰብ ሓዳር ከኣ ምንጪ ኣታዊ ዀንዎም: ናይ ኣእምሮ ሰላም እውን ሃብዎም።

ርሕራሐ ብሓያሎ መገድታት ክትርአ ትኽእል እያ። ንኣብነት: ርሕሩሓት ክርስትያናት ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም ውጹዓት ሰባት ዜድልዮም ቀንዲ ነገር: እቶም ብድንጋጽ ዚሰምዕዎምን ሓልዮት ዜርእይዎምን ቅዱስ ጽሑፋዊ መጸናንዒ ዚህብዎምን ሰባት ዚገብሩሎም ምብጻሕ ምዃኑ የስተውዕሉ እዮም።—ሮሜ 12:15

ነቲ ርሕራሐ ዝሰፈኖ ሃዋህው ኣስተማቕሮ

እታ ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ ርሕራሐን ሕያውነትን ዚረኣየላ ቦታ ሰላምን ምጽንናዕን ምዃና ኣመስኪራ እያ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ርሕራሐ ንሰባት ከም እትስሕብ: ጭካነ ግን ንሰባት ከም እተርሕቕ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ: ንሰማያዊ ኣቦኦም ኪመስልዎ ኺፍትኑ ኸለዉ: ብግብሪ ርሕሩሓት ኪዀኑ ይጽዕሩ እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ማሕበረሰቦም ዚርከብ ርሕራሐን ፍቕርን ሓልዮትን ዝመልኦ ሃዋህው ከተስተማቕሮ ብኣኽብሮት ይዕድሙኻ ኣለዉ። እቲ ሃዋህው ባህ ዜብልን ሰሓብን ኰይኑ ኸም እትረኽቦ ርግጸኛታት እዮም።—ሮሜ 15:7

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ምሕረት ልቢ ወይ ርሕራሐ ኺለብሱ ተማሕጸኖም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ: ሰባት ተሸጊሮም ከም ዘለዉ ምስ ኣስተብሃለ: ብርሕራሐ ይሕግዞም ነበረ