ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• “ብሉይ ኪዳን” ነባሪ ረብሓ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ደራሲኡ ጨካን ኣምላኽ ዘይኰነስ: እቲ ፈቃር ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ። የሱስን እቶም ቀዳሞት ሰዓብቱን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ይጠቕሱ ነበሩ። ብዘይካዚ ንመዓልታዊ ህይወት ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ ኸምኡውን ንመጻኢ ዚኸውን ዜደንቕ ተስፋ ዝሓዘ እዩ።—1/9 ገጽ 4-7

• ኣዳምን ሄዋንን ካብ ዚሓጥኡ ኣትሒዙ እተወሰነ ግዜ ምሕላፉ እንታይ ተራእየ፧

ኣብዚ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ተራእየ፣ ከመይሲ: ኣዳምን ሄዋንን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ውሉዳቶምን ሞይቶም እዮም። ደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ኪነብሩ ኸም ዘይክእሉ ኸምኡውን ንስጕምቶም ኬቕንዑ መሰልን ክእለትን ከም ዘይብሎም ምስ ግዜ ተራእዩ እዩ።—15/9 ገጽ 6-7

• ያእቆብ ንኤሳው መሲሉ ብምቕራቡ ዘይተነቕፈ ስለምንታይ እዩ፧

ያእቆብ ንብዅርና ኤሳው ዓዲግዋ ስለ ዝነበረ: ምርቓ ኣቦኡ ንምቕባል መሰል ነበሮ። ይስሃቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ ምስ ፈለጠ እውን: ንምርቓኡ ኪቕይሮ ኣይደለየን። ኣምላኽ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ጣልቃ ኺኣቱ እናኸኣለ ስቕ ምባሉ: ያእቆብ ኪምረቕ ከም ዝደለየ ብንጹር ዜርኢ እዩ።—1/10 ገጽ 31

• ሕልና ዘሎና ምዃንና ምስ ፍልቀት ዚጋጮ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ኵሉ ዓሌታትን ባህልታትን ዘለዉ ሰባት: ንርእሶም ኣብ ሓደጋ እውን ከይተረፈ ኣእትዮም ንኻልኦት ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ደቅሰብ ዝኸፈሉ ኸፊሎም ብህይወት ኪነብሩ ዚጽዕሩ እንስሳታት እንተ ዚዀኑ ነይሮም: ከምዚ ዝበለ ኬር ኣይምሃለወን ነይሩ።—15/10 ገጽ 20

• ኣምላኽ ትሑት እዩ ኢልና ኽንዛረብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ነዛ ባህርይ እዚኣ ዜንጸባርቓኸ ብኸመይ እዩ፧

ኣምላኽ ልዑላውን ፈጣርን ከም ምዃኑ መጠን: ከማና ዓቕሙ ድሩት ኣይኰነን። ምስ 2 ሳሙኤል 22:36 ብምስምማዕ ግን: ነቶም ኬሐጕስዎ ዚደልዩ ለጠቕ ዝበሉ ደቅሰብ ምሕረት ብምግባር ይሓልየሎም ብምዃኑ ትሑት ኪበሃል ይከኣል እዩ። ነቶም ዚፈርህዎ ሕያውነቱ ንኼርእዮም ድማ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ይወርድ።—1/11 ገጽ 4-5

• ጥንታዊ ኣጋልዕ ሓቅነት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ነቲ ኣብ እያሱ 17:1-6 ተጠቒሱ ዘሎ ሸውዓተ ስማት እንዳታት ዝሓዘ ኣጋልዕ ኣብ ሰማርያ ረኸቡ። እቲ ኣብ ዓራድ እተረኽበ ኣጋልዕ ድማ ነቲ ብዛዕባ ዓሌታት ካህናት ዚገልጽ ሓበሬታ ኣረጋገጾ: ስም ኣምላኽ እውን ኣብኡ ተረኺቡ እዩ። እቲ ኣብ ላኪሽ እተረኽበ ኣጋልዕ: ነቲ ባቢሎናውያን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ መጥቃዕቲ ቕድሚ ምውራዶም ዝነበረ ፖለቲካዊ ዅነታትን ህውከትን ዜብርህ እዩ።—15/11 ገጽ 12-14

• ሉቃስ ንግብሪ ሃዋርያት ጽሒፍዋ እዩ ኢልና ኸም እንድምድም ዚገብረና እንታይ እዩ፧

ወንጌል ሉቃስን ግብሪ ሃዋርያትን ናብ ቴዎፍሎስ እየን ተጻሒፈን፣ እዚ ኸኣ ሉቃስ ከም ዝጸሓፈን ዚሕብር እዩ። ‘ንሕና’ እናበለ ይዛረብ ምንባሩ እውን ኣብ ሓድሓደ ፍጻመታት ከም እተኻፈለ ዜርኢ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:8-15)—15/11 ገጽ 18

• ሓደ ክርስትያን ንሃድንን ንምግፋፍ ዓሳን ብኸመይ ኪምልከቶ ኣለዎ፧

ኣምላኽ ካብ ግዜ ኖህ ኣትሒዙ: ደቅሰብ ንእንስሳታት ቀቲሎም ኪበልዑ ፈቒዱሎም እዩ። ነቲ ደሞም ኬፍስስዎ ዝሃቦም መምርሒ ግን: ህይወት እንስሳ ብኣምላኽ ስለ እተፈጥረ: ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኸም ዚግባእ ዜጕልሕ ነበረ። ክርስትያናት ንስፖርት ወይ በቲ ነቲ ተሃዳኒ እግሩ እግሩ ብምስዓብ: ወይ ብምቕታል ዚርከብ ውዕዉዕ ስምዒት ኪረውዩ ኢሎም ኪቐትሉ የብሎምን። ስለዚ: ንሕጊ ቄሳር ምሕላውን ንሕልና ኻልኦት ሰባት ኣብ ግምት ምእታውን ኣገዳሲ እዩ። (ሮሜ 14:13)—1/12 ገጽ 31