ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣረማዊ በዓል ክርስትያናዊ ኽትገብሮ ይከኣልዶ፧

ንኣረማዊ በዓል ክርስትያናዊ ኽትገብሮ ይከኣልዶ፧

ንኣረማዊ በዓል ክርስትያናዊ ኽትገብሮ ይከኣልዶ፧

ኣብቲ ቖራሪ ወቕቲ እዋን ልደት 2004: ኣብ ኢጣልያ ብርቱዕ ክትዕ ተገብረ። ገሊኦም መምህራንን ሓለፍትን ኣብያተ-ትምህርትን: ነቲ ኣብ እዋን ልደት ዚዝውተር ሃይማኖታዊ ልምድታት ምጥቃስ ኪቕነስ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኪተርፍ ኣለዎ ዚብል ሓሳብ ደገፉ። ነዚ ሓሳብ እዚ ዝደገፉ: ነቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ካቶሊክ ወይ ከኣ ፕሮተስታንት ዘይኰኑ ተመሃሮ ስምዒቶም ንምሕላው ኢሎም እዮም። ይኹን እምበር: ገሊኦም ምሁራት ኰኑ ኻልኦት ሰባት እቲ ዝጸንሐ ልምዲ ኪኽበርን ምሉእ ብምሉእ ኪዕቀብን ሓተቱ።

ዋላ እኳ እዚ ኽትዕ እዚ እንተ ተገብረ: ምንጪ እቲ ኣብ በዓል ልደት ዚዝውተር ልምድታት ግን እንታይ እዩ፧ እቲ ኽትዕ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ምስ በጽሐ: ሎሰርቫቶረ ሮማኖ እትበሃል ጋዜጣ ቫቲካን ኣገዳሲ ርእይቶ ሃበት።

ብዛዕባ እቲ ልደት ዚበዓለሉ ዕለት: እታ ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ ኸምዚ በለት:- “እታ የሱስ እተወልደላ ዕለት ብርግጽ ክትፍለጥ ኣይትከኣልን እያ፣ ከመይሲ: ኣብ ታሪኽ ሮማ ማለት ኣብቲ እዋን እቲ እተገብረ ቘጸራ ህዝብን ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዘመናት እተገብረ መጽናዕትን ነታ ዕለት ብንጹር ኣይሕብርን እዩ። . . . እታ ሎሚ ብሰፊሑ እትፍለጥ ታሕሳስ 25: ኣብ ራብዓይ ዘመን ብቤተ-ክርስትያን ሮማ እተመርጸት እያ። እዛ ዕለት ኣብታ ኣረማዊት ዝነበረት ሮማ ንኣምላኽ ጸሓይ እተወፈየት እያ ነይራ። . . . ዋላ እኳ ክርስትና ብኣዋጅ ቆስጣንጢኖስ ኣቢሉ ወግዓዊ ተፈላጥነት እንተ ረኸበ: ጽውጽዋይ እቲ . . . ኣምላኽ ጸሓይ ግን ኣብቲ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ወተሃደራት ሰፊሕ ተቐባልነት ነበሮ። እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብ 25 ታሕሳስ ዘተኰረ በዓላት: መበቈሉ ናይቲ ህዝቢ ባህሊ እዩ። እዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን ሮማ ንኣምላኽ ጸሓይ በቲ ናይ ሓቂ ጸሓይ ፍትሒ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምትካእን ነታ ዕለት መዓልቲ ልደቱ ገይራ ብምሕራይን: ኣብ ክርስትና ሃይማኖታዊ ትርጕም ከም ዘለዋ ገይራ ንኸተስርጽ መገዲ ኸፈተላ።”

ብዛዕባ እቲ ሕጂ ኽፍሊ ስርዓት ካቶሊክ ኰይኑ ዘሎ: ኦም በዓል ልደትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

ኣብ ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ ዝወጸት ዓንቀጽ: ብግዜ ጥንቲ ብዙሓት ወትሩ ሓምላይ ዝዀኑ ኣእዋም: ንኣብነት “ገሊኡ ዓይነት ጨናፍር ጽሕዲ ኻብ ሕማም ዚከላኸል ስሒር ወይ ፈውሲ ኸም ዝዀነ ይእመነሉ ነበረ” በለት። ቀጺላ ኸኣ: “ኣብ 24 ታሕሳስ ድሮ በዓል ልደት ንኣዳምን ሄዋንን በታ ብዛዕባ እታ ኦም ምድራዊት ገነት እትገልጽ ኣዝያ ህብብቲ ዛንታ ጌርካ ዝኽሪ ይግበረሎም ነበረ። . . . እታ ኦም ቱፋሕ ክትኸውን እኳ እንተ ነበራ: ኦም ቱፋሕ ኣብ ቘራሪ ወቕቲ ስለ ዘይርከብ ኦም ጽሕዲ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ብምግባር ኣብቲ ጨናፍሩ እተወሰነ ፍረ ቱፋሕ ይንጥልጠል ወይ ከኣ ነቲ ናይ መጻኢ ድሕነት ንምምልካት ተምሳል ቅዱስ ቍርባን የሱስ ንኪኸውን ብፍሉይ ቅርጺ እተሰርሐ ደረቕ ቅጫ: ከምኡውን ንቘልዑ ምቁር ዚብላዕን ህያባትን ይቕመጥ ነበረ” በለት። ድሕሪኡኸ እንታይ ኰነ፧

ሎሰርቫቶረ ሮማኖ ኦም ልደት ምጥቃም ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ ጀርመን ከም እተጀመረ ብምግላጽ ቀጺላ ኸምዚ በለት:- “ኣብ ኢጣልያ ኦም ልደት ምጥቃም ናይ ፕሮተስታንት ልምዲ ኸም ዝዀነን ብመብልዕ ማል [ምስ ውልደት የሱስ ዚተሓሓዝ] ኪትካእ ከም ዘለዎን ይእመን ስለ ዝነበረ: ካብቶም ኣብ መወዳእታ ኦም ልደት እተቐበሉ ሃገር ሓንቲ ነበረት።” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ውልደት የሱስ ብምትሕሓዝ: “ገዚፍ ኦም ልደት [ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ] ብምድላው ነቲ ልምዲ ጀመርዎ።”

መራሕቲ ሃይማኖት ምንጩ ኣረማዊ ዝዀነ ፍጻመታትን ምልክታትን ክርስትያናዊ ትርጕም ምሃቦምሲ ቕኑዕ እዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ንናይ ሓቂ ክርስትያናት: “ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧” ብምባል ብግቡእ መገዲ ይምዕድ።—2 ቈረንቶስ 6:14-17

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኦም ልደት (ኣብዛ እትቕጽል ገጽ ዘሎ ስእሊ) ከምኡውን ምርኢት ልደት ኣብ ቫቲካን

[ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ጸሓይ

[ምንጪ ስእሊ]

Museum Wiesbaden