ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ

ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ

ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ

“ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ።”—ኢሳይያስ 54:17

1, 2. ኣብ ኣልባንያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሕለፍዎ ተመክሮ ንሓቅነት ኢሳይያስ 54:17 ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

 ድሚ ሓያሎ ዓመታት: ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውሮጳ እትርከብ ኣኽራን ዝበዝሓ ሃገር: ተባዓት ጕጅለ ክርስትያናት ነበሩ። ህላወ ኣምላኽ ዘይኣምን ኮምዩኒስታዊ መንግስቲ ንኼጥፍኦም ዚከኣሎ ዅሉ ገበረ። ስቅያትን ደምበታት ሸቕልን ካብ መራኸቢ ብዙሓን ዚፍኖ መጥቃዕትታትን ግን ኣየጥፍኦምን። እቶም ጕጅለ መን እዮም፧ ኣብ ኣልባንያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ብሓባር ምእካብን ምስባኽን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ: ንሓያሎ ዓመታት ዘርኣይዎ ጽንዓት ንክርስትና ኽብ ኣቢልዎን ኣኽቢርዎን: ንስም የሆዋ ኸኣ ውዳሰ ኣምጺኡ እዩ። ዓሚ ሓድሽ መሳለጥያታት ጨንፈሮም ኪውፈ ኸሎ: ሓደ ንነዊሕ ግዜ እሙን ኰይኑ ዘገልገለ ናይ የሆዋ ምስክር: “ሰይጣን ዝፈተነ እኳ እንተ ፈተነ: ንሱ ይሰዓር ኣሎ: የሆዋ ግን ይዕወት ኣሎ!” በለ።

2 እዚ ዅሉ ንሓቅነት እቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝኣተዎ ኣብ ኢሳይያስ 54:17 ዚርከብ: “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ” ዚብል መብጽዓ ዚምስክር ህያው መረጋገጺ እዩ። ናይ ሰይጣን ዓለም እትገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር: ነቲ እቶም ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ዚፍጽምዎ ኣምልኾ ደው ከም ዘየብሎ ታሪኽ ይምስክር እዩ።

ዘይሰልጥ ጻዕርታት ሰይጣን

3, 4. (ሀ) ሰይጣን ካብ ዚጥቀመሉ ኣጽዋር ገለ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣጽዋር ድያብሎስ ዘይጠቅም ምዃኑ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

3 ገለ ኻብቲ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንምጥቃዕ ዜገልግል ኣጽዋር: እገዳን ናዕብን ማእሰርትን ‘ብሕጊ ምዕማጽን’ ኪጥቀስ ይከኣል። (መዝሙር 94:20) አረ መሰኻኽር የሆዋ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ዜጽንዑሉ እዋን እኳ: ኣብ ገሊአን ሃገራት ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ብምሕላዎም ‘ይፍተኑ’ ኣለዉ።—ራእይ 2:10

4 ንኣብነት: ሓደ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ጥራይ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ከለዉ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝወረዶም 32 ኣጋጣሚታት ጸብጺቡ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ እዚ: ህዝባዊ ምስክርነት ዚህቡ ዝነበሩ ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ኸምኡውን ደቂ ተባዕትዮ ዀኑ ደቂ ኣንስትዮ ዚርከብዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝኣተዉሉ 59 ኣጋጣሚታት ተጸብጺቡ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ንገለ ኻብዚኣቶም ልክዕ ከም ገበነኛታት ኣሰር ኣጻብዖም ወሲዶም: ስኢሎምዎም: ከምኡውን ኣሲሮምዎም። ንገሊኦም ከኣ ኣካላዊ ጕድኣት ኬውርዱሎም ምዃኖም ኣጕባዕቢዖምሎም። ኣብ ካልእ ሃገር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኸም ዝኣተዉ: ብገንዘብ ከም እተቐጽዑ: ወይ ከም እተወቕዑ ዚሕብር 1,100 ብሰነድ እተታሕዘ ጕዳያት ኣሎ። ልዕሊ 200 ኻብዚ ጕዳያት እዚ ድማ ሞት የሱስ ኪዝክሩ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ! ይኹን እምበር: ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ኰነ ኣብ ካልእ ሃገራት: ህዝቢ የሆዋ ብቐሊሉ ዚጥቅዑ እኳ እንተ መሰሉ: ሳላ መንፈስ የሆዋ ግን ኣይጠፍኡን። (ዘካርያስ 4:6) ነድሪ ጸላኢ ንኸናፍር እቶም ንየሆዋ ዚውድሱ ስቕ ኣየበለንን። እወ: ኵሉ ኣጽዋር ንዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይስዕሮ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።

ናይ ሓሶት ልሳን ተረቲዑ

5. ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ናይ ሓሶት ልሳን እዩ ተላዒሉ፧

5 ኢሳይያስ: ህዝቢ ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ዚትንስኦም ልሳን ከም ዚረትዑ ተነብዩ ነይሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ክርስትያናት ከም ገበርቲ እከይ ጌርካ ይግለጹ ብምንባሮም ብዙሕ ግዜ ዘይስሞም ይወሃቦም ነበረ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:20, 21 ዚርከብ: “እዞም ሰባት እዚኣቶም . . . ንኸተማና . . . የናዕብዋ አለዉ። ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ አለዉ” ዚብል ክስታት ነዚ ኣብነት ይኸውን እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ: “እዞም ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም: . . . ንሳቶም ኵላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ” ኢሎም ብምኽሳስ: ንመኳንንቲ ኸተማ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኬላዕልዎም ፈተኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:6, 7) ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዓለሙ ንዘለዉ ዅላቶም . . . ፌራን መነዓብን” ኢልካ ተጠቂኑ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:2-5

6, 7. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ልዕሊኦም እተፈነወ ኣፍኣዊ መጥቃዕቲ ዚረትዑሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

6 ስለዚ: ሎሚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብቕሉዕ ዘይስሞም ኪወሃቡን ኪጥቀኑን ኪካፍኡን ከለዉ ኣየገርመናን እዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣፍኣዊ መጥቃዕቲ ብኸመይ ኢና እንረትዖ፧—ኢሳይያስ 54:17

7 ከምዚ ዝኣመሰለ ኽስን ፕሮፓጋንዳን: መብዝሕትኡ ግዜ በቲ ጽቡቕ ኣካይዳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርታዕ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:12) ክርስትያናት ንድሕንነት ሰባት ብሓቂ ዚግደሱ ሕጊ ዜኽብሩ ዜጋታትን ስነ-ምግባር ዚሕልዉ ሰባትን ምዃኖም ምስ ኣርኣዩ: እቲ ዝቐረበሎም ክስታት ሓሶት ምዃኑ ይቃላዕ እዩ። ጽቡቕ ኣካይዳና ባዕሉ ይዛረብ እዩ። ተዓዘብቲ: ከይተሓለልና ሰናይ ግብሪ ኸም እንገብር ምስ ረኣዩ: ብዙሕ ግዜ ንሰማያዊ ኣቦና ኽብሪ ኺህቡን ኣገልገልቱ ብሉጽ ህይወት ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ኺህቡን ይድረኹ።—ኢሳይያስ 60:14፣ ማቴዎስ 5:14-16

8. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ ንቕዱስ ጽሑፋዊ መትከልና ንምጥባቕ እንታይ ክንገብር ኬድሊ ይኽእል፧ (ለ) ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ ንእትጻረረና ልሳን ክንረትዕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

8 ብኣምላኻዊ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ምምልላስና: ሓድሓደ ግዜ ንቕዱስ ጽሑፋዊ መትከልና ኽንጣበቐሉ ኣድላዪ ዚዀነሉ እዋን ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ እንገብረሉ መገዲ: ዕቝባ ንኺግበረልና ናብ መንግስትታትን ኣብያተ-ፍርድን ብምጥራዕ እዩ። (ኣስቴር 8:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 22:25-29፣ 25:10-12) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሓድሓደ ግዜ ነቶም ነቐፍቱ ኽስታቶም ሓሶት ምዃኑ ብምግላጽ ብግህዶ ይማጐቶም ነበረ። (ማቴዎስ 12:34-37፣ 15:1-11) ንሕና እውን ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ልባዊ እምነታትና ብንጹር ንምግላጽ እንረኽቦ ኣጋጣሚ ተሓጒስና ንጥቀመሉ ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:15) ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ወይ ካብ ዘይኣምኑ ኣዝማድ ዜጋጥመና ላግጺ: ሓቂ ቓል ኣምላኽ ካብ ምንጋር ደው ንኼብለና ኸቶ ኣይነፍቅድ።—2 ጴጥሮስ 3:3, 4

የሩሳሌም—“ከቢድ እምኒ”

9. ኣየነይቲ የሩሳሌም እያ በቲ ኣብ ዘካርያስ 12:3 ዚርከብ “ከቢድ እምኒ” እተመሰለት፧ ኣብ ምድሪ ንዓኣ ዚውክልዋኸ መን እዮም፧

9 ኣህዛብ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚጻረሩሉ ምኽንያት: ኣብ ትንቢት ዘካርያስ በሪሁ ኣሎ። ዘካርያስ 12:3: “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪኸውን እዩ: የሩሳሌም ንዅላቶም ህዝብታት ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ” ትብል። እዚ ትንቢት እዚ ነየነይቲ የሩሳሌም እዩ ዜመልክት፧ ዘካርያስ ብዛዕባ የሩሳሌም እተነበዮ ትንቢት: ነታ ቕቡኣት ክርስትያናት እተጸውዑላ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነት “ሰማያዊት የሩሳሌም” እዩ ዜመልክት። (እብራውያን 12:22) ሒደት ተረፍ እቶም ወረስቲ መሲሓዊት መንግስቲ: ሕጂ እውን ኣብ ምድሪ ኣለዉ። እዚኣቶም ምስቶም ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ብጾቶም ኰይኖም: ንሰባት ገና ግዜ ኸሎ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪምለሱ ይምሕጸኑ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 11:15) ኣህዛብ ነዚ ዕድመ እዚ እንታይ ምላሽ ሂቦምሉ፧ ሎሚኸ የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምለኽቱ እንታይ ዓይነት ደገፍ እዩ ዚህቦም፧ ቀጺልና ዘካርያስ ምዕራፍ 12 ሒዛቶ ዘላ ትርጕም ክንምርምር ከለና መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኽንረክብ ኢና። ከምኡ ምግባርና ንቕቡኣት ኣምላኽን ንውፉያት ብጾቶምን ንምውጋእ እተሰርሐ ‘ኣጽዋር ኵሉ ኸም ዘይጠቅም’ መረጋገጺ ኽንረክብ ኢና።

10. (ሀ) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ዚወርድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቶም ነታ “ኸቢድ እምኒ” ኪኣልዩ ዝፈተኑ እንታይ እዮም ኰይኖም፧

10 ዘካርያስ 12:3 ኣህዛብ “ኣዝዮም ኪቘስሉ” ምዃኖም ትሕብር። እዚ ብኸመይ እዩ ዚኸውን፧ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪስበኽ ከም ዘለዎ: ኣምላኽ ኣዊጁ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺሰብኩ እተዋህቦም ግዴታ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። ይኹን እምበር: ንደቅሰብ ተስፋ እትኸውን መንግስቲ ኣምላኽ በይና ጥራይ ምዃና ዚገልጽ ኣዋጅ: ንኣህዛብ “ከቢድ እምኒ” ዀይንዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ንሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዕንቅፋት ብምዃን ነቲ መልእኽቲ ኺኣልይዎ ፈቲኖም እዮም። እቶም ዕንቅፋት ኪዀኑ ዚጽዕሩ ኣህዛብ ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ: ‘ኣዝዮም ቈሲሎም’ እዮም። ዜዋርድ ፍሽለት ስለ ዘጋጠሞም: ስሞም እውን ከይተረፈ ጸሊሙ እዩ። ነቶም መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምምጻኡ ብዛዕባ መሲሓዊት መንግስቲ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ምእዋጅ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ስቕ ኬብልዎም ኣይከኣሉን። (ራእይ 14:6) ሓደ ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚነብር ሓላው እሱራት: ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ዝወረደ መጥቃዕቲ ምስ ረኣየ: ነቶም ተጻረርቲ: ‘ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንምስጓጕ እትገብርዎ ጻዕሪ ኸንቱ እዩ። ከቶ ኣይኪለማለሙን እዮም። እናበዝሑ እዮም ዚኸዱ’ በሎም።

11. ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዘካርያስ 12:4 ዚርከብ መብጽዓኡ ዝፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

11 ዘካርያስ 12:4 ኣንብብ። የሆዋ ነቶም ምስ ተባዓት መልእኽተኛታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚቃለሱ ብምሳልያዊ መገዲ ብዑረትን “ብስምባድ”ን ከም ዚወቕዖም ተመባጺዑ ኣሎ። ከምቲ ዝበሎ: ቃሉ ሓልዩ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ተኣጊዱላ ዝነበረት ሃገር: ተጻረርቲ ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ከይበጽሕ ኪዓግትዎ ኣይከኣሉን። አረ ሓንቲ ጋዜጣ እሞ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ናብታ ሃገር ንምእታው ባሉን ከም ዚጥቀሙ ጽሒፋ እያ! ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ: “ኣዒንተይ ቋሕ ከብል እየ: ንዅላቶም ኣፍራስ ህዝብታት ከኣ ብዑረት ክወቕዖም እየ” ኢሉ ዝኣተዎ መብጽዓ ተፈጺሙ እዩ። ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቝጥዓ ስለ ዝዓወሩ: ናበየናይ ኣንፈት ከም ዚኸዱ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ንሕና ግን የሆዋ ንህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኸም ዜዕቍቦምን ንድሕንነቶም ከም ዚሓልን ርግጸኛታት ኢና።—2 ነገስት 6:15-19

12. (ሀ) የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓዊ ዝወልዐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቶም ተረፍ ቅቡኣት ብመንፈሳዊ መገዲ ንነገራት ሃልሃል ዘበሉ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣፍረየ፧

12 ዘካርያስ 12:5, 6 ኣንብብ። እቶም “ሓላቑ ይሁዳ” ነቶም ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ሓላፍነት ዘለዎም እዮም ዜመልክቱ። የሆዋ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንምድራዊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ሃልሃል ዚብል ቅንኣት ከም ዚሓድሮም ይገብር እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ” በሎም። (ሉቃስ 12:49) ብሓቂ: ሓዊ እዩ ወሊዑ። በቲ ቕንኣት ዝመልኦ ንጥፈታቱ ኣቢሉ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ሰባት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዋ ጕዳይ ገበራ። እዚ ኣብ ብምሉኡ እቲ ሽዑ ዝነበሩ ህዝቢ ኣይሁድ ብርቱዕ ክርክር ኣበገሰ። (ማቴዎስ 4:17, 25፣ 10:5-7, 17-20) ብተመሳሳሊ: እቶም ኣብዚ ግዜና ኣሰር ክርስቶስ ዚስዕቡ ሰባት: “ከም ርሱን ምድጃ ኣብ ማእከል ዕጨይትን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኣብ ማእከል እንዳእትን” ብምዃኖም: ብመንፈሳዊ መገዲ የባርዑ እዮም ዘለዉ። እታ ብ1917 ዝወጸት ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ a ዘርእስታ መጽሓፍ: ንግብዝና ህዝበ-ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ኣቃሊዓ እያ። ካህናት ብእኣ ኣምሪሮም ተቘጢዖም እዮም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድማ እታ “ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!” ዘርእስታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37: ንብዙሓት ሰባት ሓደው ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ሓደው ኣንጻራ ኪቘሙ ደሪኻቶም እያ።

“ድንኳናት ይሁዳ” ድሒኑ

13. “ድንኳናት ይሁዳ” ዚብል መግለጺ እንታይ የመልክት፧ የሆዋ ነዚኣቶም ዜድሕኖምከ ስለምንታይ እዩ፧

13 ዘካርያስ 12:7, 8 ኣንብብ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ጓሶትን ሓረስቶትን ንድንኳናት ይጥቀሙሉ ስለ ዝነበሩ: ብብዝሒ ይርአ ነበረ። ጸላኢ ንየሩሳሌም ኬጥቅዓ እንተ መጺኡ: እቶም ኣብ ድንኳናት ዝነበሩ እዮም ብቐዳምነት ዚጽለዉን ዕቝባ ዜድልዮምን። እቲ “ድንኳናት ይሁዳ” ዚብል መግለጺ: እቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ተረፍ ቅቡኣት ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ቃልዕ ቦታ ደኣ እምበር: ኣብ እተዓርዳ ኸተማታት ከም ዘየለዉ የመልክት። ኣብኡ ዀይኖም ንረብሓታት መሲሓዊት መንግስቲ ብትብዓት ይድግፉ። ሰይጣን ነዚኣቶም ብቐጥታ ዕላማ መጥቃዕቱ ስለ ዚገብሮም: የሆዋ ጐይታ ሰራዊት “ቅድም ንድንኳናት ይሁዳ” ኼድሕን እዩ።

14. የሆዋ ነቶም ኣብ “ድንኳናት ይሁዳ” ዘለዉ ዚከላኸለሎምን ነቲ ኻባታቶም ድኹም ዘበለ ዚድግፎን ብኸመይ እዩ፧

14 እወ: የሆዋ ነቶም ኣብ “ድንኳናት” ኣብ ቃልዕ ቦታ ዘለዉ ቕቡኣት ኣምባሳደራት እታ መንግስቲ ኣምላኽ የዕቍቦም ከም ዘሎ ታሪኻዊ ጸብጻብ ይሕብር እዩ። b ነቲ ኻባታቶም “ድኹም” ኸም ዚድግፎ ዚገልጽ ሓሳብ ከኣ: ከምቲ ጅግና ንጉስ ዝነበረ ዳዊት ሓያላትን ተባዓትን ከም ዚገብሮም የመልክት።

15. የሆዋ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ዝደለየ’ ስለምንታይ እዩ፧ ነዚኸ መዓስ እዩ ዚገብሮ፧

15 ዘካርያስ 12:9 ኣንብብ። የሆዋ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ንምጥፋኦም ዝደለየ’ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ብዘይምቍራጽ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ተጻሪሮምዋ እዮም። ንህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዘጥቅዑን ዘሳጐጉን: ተዀኒኖም እዮም። ድሕሪ ሓጺር እዋን ምድራውያን ወኪላት ሰይጣን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እዮም: እዚ ድማ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርማጌዶን ተባሂሉ እተገልጸ ዅነታት ኪመርሕ እዩ። (ራእይ 16:13-16) ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ: እቲ ልዑል ዳኛ ንኣገልገልቱ ኺከላኸለሎምን ንስሙ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ ኪቕድስን እዩ።—ህዝቅኤል 38:14-18, 22, 23

16, 17. (ሀ) “ርስቲ ባሮት” የሆዋ እንታይ እዩ፧ (ለ) መጥቃዕትታት ሰይጣን ምስጋርና እንታይ የረጋግጽ፧

16 ሰይጣን ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም እምነት ዜዳኽም ኰነ ንቕንኣቶም ዜጥፍእ ኣጽዋር የብሉን። የሆዋ በቲ ናይ ምድሓን ሓይሉ ኸም ዜዕቍበና ብምፍላጥና እንረኽቦ መንፈሳዊ ሰላምና: “ርስቲ ባሮት” የሆዋ እዩ። (ኢሳይያስ 54:17) ዋላ ሓደ ነቲ ሰላምናን መንፈሳዊ ብልጽግናናን ብሓይሊ ኼሕድገና ኣይክእልን እዩ። (መዝሙር 118:6) ሰይጣን ነቲ ሃልሃልታ ምጽራር ምንብድባድ ኣይኬቋርጽን እዩ: ጸበባ እውን ኬላዕል ኪፍትን እዩ። እናተጸረፍና ኽነስና ብተኣማንነት ምጽማምና: መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ኸም ዝሓደረ መርትዖ ይኸውን። (1 ጴጥሮስ 4:14) ብስራት እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ የሆዋ ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ኣሎ። ከም ምሳልያዊ “እምኒ ወንጭፍ” ዝኣመሰለ ንመድሃሊ ዚኸውን ብዙሕ ምጽራር: ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ተደርብዩ እዩ። ኰይኑ ግን: ኣገልገልቲ የሆዋ ብሓይሊ ኣምላኾም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣእማን ሰጊሮም ወይ ከንቱ ገይሮም እዮም። (ዘካርያስ 9:15) ነቶም ተረፍ ቅቡኣትን ነቶም እሙናት ብጾቶምን ኪዓግቶም ዚኽእል ኣይኪህሉን እዩ።

17 ካብ መጥቃዕቲ ድያብሎስ ምሉእ ብምሉእ እንድሕነሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ‘ንኣና ኺወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ኵሉ ከም ዘይጠቅም: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣና ዅሉ ልሳን ድማ ከም እንረትዖ’ እተዋህበና ውሕስነትሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

b ዝያዳ ዝርዝር እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ገጽ 675-6 ተወከስ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣጽዋር ሰይጣን ከም ዘይተዓወተ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

• ሰማያዊት የሩሳሌም “ከቢድ እምኒ” ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

• የሆዋ “ንድንኳናት ይሁዳ” ዘድሓነ ብኸመይ እዩ፧

• ናብ ኣርማጌዶን ኣብ እንቐርበሉ ዘለና እዋን: ብዛዕባ እንታይ ርግጸኛ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣልባንያ ዚርከቡ ህዝቢ የሆዋ ኻብ ሰይጣን መጥቃዕትታት እኳ እንተ ወረዶም: ተኣማንነቶም ሓለዉ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንናይ ሓሶት ክስታት ረትዐ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ነቲ ብስራት ዚሰብኩ ንምውጋእ እተሰርሐ ዅሉ ኣጽዋር ኣይኪጠቅምን እዩ