ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣዝያ ኽብርቲ ህያብ”

“ኣዝያ ኽብርቲ ህያብ”

“ኣዝያ ኽብርቲ ህያብ”

እዛ ሓሳብ እዚኣ: ቀዳማይ ሚኒስተር በልጅዩም ነበር: ብዛዕባ እታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ እተዛረባ እያ። a ሓደ ጐረቤቱ ዕርክነታዊ ምብጻሕ ኪገብረሉ ምስ ከደ: እቲ ብዓል ስልጣን ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ወሰደ። ጸኒሑ: “ዕርክነታዊ ምብጻሕካ ናይ ብሓቂ ልበይ ተንኪፉኒ እዩ: በታ ኣዝያ ኽብርቲ ዝዀነት ህያብካ: ማለት በታ ‘እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ’ እትበሃል መጽሓፍ እውን ኣዝየ እየ ተመሲጠ” ኢሉ ናይ ምስጋና ደብዳበ ጸሓፈ።

እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ነበር: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ኣንበባ ኸምዚ ኢሉ ደምደመ:- “ሰባት ብዛዕባ እቲ መልእኽቲ ወንጌል ዝያዳ እንተ ዚግደሱን በቲ መሰረታዊ ስርዓት የሱስ ክርስቶስ እንተ ዚምርሑን: እዛ ዘለናላ ዓለም ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ኣዝያ እተፈለየት ምዀነት። ባይቶ ጸጥታ ኣይመድለየናን: ግብረ-ሽበራ ኣይምሃለወን: ዓመጽ እውን ካብ ዓለም ምተወገደ ነይሩ።” እዚ ትምኒት ጥራሕ እዩ ኢሉ እኳ ዚኣምን እንተ ዀነ: ነቲ ጐረቤቱ ዝገበረሉ ኣወንታዊ ስጕምቲ ዘለዎ ኣኽብሮት ግን ገሊጹሉ እዩ።

ቀጺሉ: “ንስኻ ኻብቶም ኵሉ ኣወንታዊ ወይ ኵሉ ኣሉታዊ ገይሮም ዚርእዩ ጕጅለ ዘይኰነስ: ሓደ ኻብቶም ኣብ ምምሕያሽ ሰባትን ነገራትን ዚኣምኑ ሞገስ ዘለዎም ዚነኣዱ ጕጅለ ኢኻ” ኢሉ ጸሓፈ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብቲ ደቅሰብ ዚገብርዎ ጻዕርታት ዘይኰነስ: ኣብቲ ዝሓሸት ዓለም ዜምጽእ ኣምላኽ ዚወስዶ ስጕምቲ እዮም ዚኣምኑ። ነቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንምምሳል ይጽዕሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቀረባ ግዜ ኣዘራሪቦምካዶ ይፈልጡ፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምሳታቶም እንተ ተዘራሪብካ ኽትሕጐስ ኢኻ። እታ ነቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ነበር ዝመሰጠቶ መጽሓፍ: ንዓኻ እውን ተሓጒሶም ኪህቡኻ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።