ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ሚልክያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ሚልክያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ሚልክያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ዳግም እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ካብ እትዛዘም ልዕሊ 70 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን: መንፈሳውነት እቶም ኣይሁድ ኣንቈልቊሉ ነበረ። እቶም ካህናት እውን እንተ ዀኑ ብልሹዋት ነበሩ። ብዛዕባ እቲ ዝነበርዎ ናይ ሓቂ ዅነታት ኪነግሮምን ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ብሓድሽ ንኺጥዕዩ ኺሕግዞምን ዚኽእል መን እዩ፧ የሆዋ ነዚ ዕማም እዚ ንኺፍጽም ንነብዪ ሚልክያስ መዘዞ።

እዛ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናይ መወዳእታ ዝዀነት ብሚልክያስ እተጻሕፈት ሓያል መጽሓፍ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ትንቢት ዝሓዘት እያ። ኣብቲ ትንቢታዊ ቓላት ሚልክያስ ምቕላብና: ቅድሚ እታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዚዛዘመላ “ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ምምጻኣ ንኽንዳሎ ይሕግዘና።—ሚልክያስ 4:5

ካህናት ‘ንብዙሓት ኣዐንቀፉ’

(ሚልክያስ 1:1–2:17)

የሆዋ: “ኣነ ኣፍቀርኩኹም” ብምባል ነቲ ንእስራኤል ዝነበሮ ስምዒት ገለጸ። እቶም ካህናት ግን ንስም የሆዋ ነዓቕዎ። ብኸመይ፧ ‘ኣብ መሰውኢኡ ርኹስ እንጌራ ብምቕራብ’ ከምኡውን ‘ሓንካስ ወይ ሕሙም’ ንመስዋእቲ ብምሃብ እዩ።—ሚልክያስ 1:2, 6-8

እቶም ካህናት ‘ንብዙሓት ብሕጊ ኣዐንቀፍዎም።’ እቶም ህዝቢ ‘ንሓድሕዶም ይጣላለሙ’ ነበሩ። ገሊኦም ሰብኡት ጓኖት ኣንስቲ ኣእተዉ። ገሊኦም ከኣ ‘ንሰበይቲ ንእስነቶም’ ይጠልሙ ነበሩ።—ሚልክያስ 2:8, 10, 11, 14-16

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:2—የሆዋ ‘ንበረኸት’ እቶም ደረቓት ካህናት ‘ዝረገሞ’ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ነቲ እቶም ካህናት ዚዛረብዎ ዝነበሩ በረኸት ኣብ መወዳእታኡ መርገም ከም ዚኸውን ብምግባር እዩ ኸምዚ ገይሩ።

2:3—ኣብ ገጽ እቶም ካህናት ‘ዒባ ምብታን’ እንታይ እዩ ዜመልክት፧ ብመሰረት እቲ ሕጊ: ፈርሲ ናይ ዚስዋእ እንስሳ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እዩ ዝነድድ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 16:27) የሆዋ ነቲ ዒባ ኣብ ገጽ እቶም ካህናት ምብታኑ ግን ነቲ መስዋእቶም ከም ዝነጸጎን ነቶም ዜቕርብዎ ሰባት ከም ዝነዓቖምን ዜርኢ እዩ።

2:13—እቲ መሰውኢ የሆዋ ብናይ መን ንብዓት እዩ ተኸዲኑ፧ እዚ ንብዓት ናይተን ናብቲ ቤተ መቕደስ መጺአን ንየሆዋ ዚልምና ዝነበራ ኣንስቲ እዩ ነይሩ። ከም ዝጕህያ ዝገበረን ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ እቶም ኣይሁዳውያን ሰብኡተን ምናልባት ነተን ጓኖት ዝዀና መንእሰያት ኣንስቲ ንኺምርዓዉ ኢሎም ብዘይሕጋዊ ምኽንያት ስለ ዝፈትሕወን እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:10 የሆዋ በቲ እቶም ስሱዓት ካህናት ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእቲ ኣይሕጐስን እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ: እዞም ካህናት እዚኣቶም ደገታት ምዕጻውን ንመሰውኢ ዚኸውን ሓዊ ምንዳድን ንዝኣመሰለ ቐሊል ኣገልግሎት እውን ከይተረፈ የኽፍሉ ነበሩ። ኣምልኾና: እንተላይ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ብገንዘብ ዘይኰነስ: በቲ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘሎና ስስዐ ዘይብሉ ፍቕሪ ኺድረኽ ኣለዎ።—ማቴዎስ 22:37-39፣ 2 ቈረንቶስ 11:7

1:14፣ 2:17 የሆዋ ንግብዝና ኣይጻወሮን እዩ።

2:7-9 እቶም ኣብታ ጉባኤ ናይ ምምሃር ፍሉይ መሰል እተዋህቦም ሰባት: እቲ ዚምህርዎ ነገር ምስቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ ቕዱሳት ጽሑፋትን ምስቲ “እቲ እሙን . . . መጋቢ” ዜውጽኦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ዚሰማማዕ ምዃኑ ኼረጋግጹ ኣለዎም።—ሉቃስ 12:42፣ ያእቆብ 3:11

2:10, 11 የሆዋ: ኣምለኽቱ ነቲ ‘ብጐይታ ጥራይ’ ኪምርዓዉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣርዚኖም ኪርእይዎ ይጽበዮም።—1 ቈረንቶስ 7:39

2:15, 16 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ምስ ሰበይቲ ንእስነቶም ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ኬኽብርዎ ኣለዎም።

“ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ”

(ሚልክያስ 3:1–4:6)

“ጐይታ” ማለት የሆዋ ኣምላኽ ምስቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ “ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ።” ነቶም ህዝቡ ‘ንፍርዲ ኪቐርቦም እዩ:’ ንዅሎም ኣበሰኛታት ድማ ቅልጡፍ ምስክር ኪዀኖም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ስም እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ ሰባት ዝሓዘ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኺጸሓፍ እዩ።—ሚልክያስ 3:1, 3, 5, 16

እታ “ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ” መጺኣ ንዅሎም እኩያት ሰባት ከተጠፍኦም እያ። እታ መዓልቲ እቲኣ ቕድሚ ምምጻኣ ግን: ሓደ ነብዪ “ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ: ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታት ኪመልስ” ኪለኣኽ እዩ።—ሚልክያስ 4:1, 5, 6

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:1-3—እቲ “ጐይታ” ኸምኡውን እቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ናብታ ቤተ መቕደስ ዝመጹ መዓስ እዮም፧ ቀቅድሚኦም እተላእክኸ መን እዩ፧ የሆዋ ብ10 ኒሳን 33 ድ.ክ. ብተወካሊ ኣቢሉ ናብታ ቤተ መቕደስ ብምምጻእ ኣጽረያ። እዚኣ ኸኣ እታ የሱስ ናብታ ቤተ መቕደስ ብምእታው ነቶም ዚዕድጉን ዚሸጡን ዝነበሩ ሰባት ዘውጽኣላ እዋን እያ። (ማርቆስ 11:15) የሱስ ከም እተመዘዘ ንጉስ ኰይኑ ኻብ ዚቕባእ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን እዩ እዚ ተፈጺሙ። ምስዚ ብዚሰማማዕ: የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ካብ ዚቕመጥ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን: ምስ የሆዋ ዀይኑ ናብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ብምምጻእ ህዝቢ ኣምላኽ ምጽራይ ዜድልዮም ኰይኑ ዝረኸቦም እዩ ዚመስል። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ዮሃንስ መጥምቕ ንምምጻእ የሱስ ክርስቶስ ኬዳልዎም ናብ ኣይሁድ ተላኢኹ ነበረ። ኣብዚ ግዜና እውን ነቲ የሆዋ ናብታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደሱ ዚመጽኣሉ መገዲ ንምጽራግ ኣቐዲሙ ልኡኽ ተላኢኹ ነበረ። ካብ 1880ታት ኣትሒዙ: ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት መሰረታዊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ኣብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪካፈሉ ጀመሩ።

3:10—“ዕሽር ዘበለ ዅሉ” ምሃብ: ዘሎና ዅሉ ንየሆዋ ንህቦ ማለት ድዩ፧ ሕጊ ሙሴ ብሞት የሱስ ስለ እተሳዕረ: ብገንዘብ ዚወሃብ ዕሽር ኣምላኽ ኪማላእ ዚደልዮ ብቕዓት ኣይኰነን። ዕሽር ግን ምሳልያዊ ትርጕም ኣለዎ። (ኤፌሶን 2:15) ዘሎና ዅሉ ንየሆዋ ኽንህብ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። እቲ ዕሽር ዓመት ንዓመት እኳ ይወሃብ እንተ ነበረ: ንሕና ግን ሓንሳእ ርእስና ብምውፋይን ወፈያና ብጥምቀት ብምርኣይን ንዅልንትናና ንህብ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ኵሉ ዘሎና ናይ የሆዋ ይኸውን። ኰይኑ ግን: ካብቲ ዘሎና እተወሰነ ኽፋል: ምሳልያዊ ዕሽር ማለት እዩ: ኣብ ኣገልግሎቱ ኽንጥቀመሉ ባዕልና ኽንመርጽ ፈቒዱልና ኣሎ። እዚ ኸኣ ብመሰረት እቲ ዅነታትና ዚፈቅደልናን ልብና ዝደረኸናን ኢና እንህቦ። እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ መስዋእቲ: ኣብቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እነውዕሎ ግዜን ጕልበትን ጥሪትን ዘጠቓለለ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ምክፋል: ነቶም ሕሙማትን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣመንቲ ብጾትና ምብጻሕ: ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብገንዘብ ሓገዝ ምግባር እውን ምስዚ ዚጠቓለል እዩ።

4:3—ኣምለኽቲ የሆዋ ‘ንረሲኣን ዚረግጽዎም’ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ኣብቲ ንረሲኣን ዚወርዶም ፍርዲ ብምክፋል ‘ንረሲኣን ኣይረግጽዎምን እዮም።’ የግዳስ: ምድራውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብቲ ድሕሪ ጥፍኣት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚህሉ ናይ ዓወት በዓል ብምሉእ ልቦም ብምክፋል እዮም ብምሳልያዊ መገዲ ንረሲኣን ዚረግጽዎም።—መዝሙር 145:20፣ ራእይ 20:1-3

4:4—‘ንሕጊ ሙሴ ኽንዝክሮ’ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እዚ ሕጊ እዚ ንክርስትያናት ዘይቅይዶም እኳ እንተ ዀነ: “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” እዩ። (እብራውያን 10:1) ስለዚ: ኣብ ሕጊ ሙሴ ኣቓልቦ ምግባርና: እቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ነገራት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሉቃስ 24:44, 45) ኣብ ርእሲኡ ድማ እቲ ሕጊ “ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር” ዝሓዘ እዩ። ንክርስትያናዊ ትምህርትታትን ኣካይዳን ንምርዳእ ነዚ ሕጊ እዚ ምጽናዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—እብራውያን 9:23

4:5, 6—“ነብዪ ኤልያስ” ንመን እዩ ዜመልክት፧ “ኤልያስ” ናይ ምምላስ: ማለት ንልቢ እቶም ህዝቢ ናይ ምድላው ዕዮ ኸም ዚዓዪ ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: የሱስ ክርስቶስ ንዮሃንስ መጥምቕ “ኤልያስ” ኢሉ ጸውዖ። (ማቴዎስ 11:12-14፣ ማርቆስ 9:11-13) እቲ ዘመናዊ ኤልያስ: “እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት” እዩ ተላኢኹ። ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኤልያስ ካብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ማቴዎስ 24:45) እዚ ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣብ ዕዮ መንፈሳዊ ምምላስ ብትግሃት ይዓዪ ኣሎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

3:10 ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ዘይንህቦ እንተ ደኣ ዄንና: ንርእስና ኻብ በረኸቱ ንጠልያ ኣሎና ማለት እዩ።

3:14, 15 እቶም ኣይሁድ ብሰንኪ ሕማቕ ኣብነት እቶም ካህናት: ነቲ ንኣምላኽ ዚቐርብ ኣገልግሎት: ዋጋ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ኪርእይዎ ጀመሩ። እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ጽቡቕ ኣብነት ኪዀኑ ኣለዎም።—1 ጴጥሮስ 5:1-3

3:16 የሆዋ ናይቶም ዚፈርህዎን ንዕኡ እሙናት ዝዀኑን ሰባት መዝገብ ይሕዝ እዩ። ከቶ ኣይርስዖምን እዩ: ነዛ እክይቲ ናይ ሰይጣን ዓለም ኬጥፍኣ ኸሎ ድማ ኬዕቍቦም እዩ። ስለዚ: ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንኽንሕሉ ኣብ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ንጽናዕ።—እዮብ 27:5

4:1 ኣብቲ ንየሆዋ ጸብጻብ ዚቐርበሉ እዋን: እቲ “ጨንፈር” ልክዕ ከምቲ “ሱር:” ማለት ውሉዳት ማዕረ ወለዶም ፍርዲ ኺወሃቦም እዩ። ወለዲ ንውሉዳቶም ብዚምልከት ከመይ ዝበለ ሓላፍነት ኰን እዮም ተሰኪሞም ዘለዉ! ክርስትያን ኣቦታትን ኣዴታትን: ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ከምኡውን ኣብ ቅድሚኡ ሰናይ ኣቕዋም ንምሓዝ ኣበርቲዖም ኪዓዪ ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 7:14

“ንኣምላኽ ፍርሃዮ”

“እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ምስ መጸት ኪድሕን ዚኽእል መን እዩ፧ (ሚልክያስ 4:5) የሆዋ “ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና: ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ: ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፋ እዩ [“ፈውሲ ኸተምጽኣሎም እያ:” ትርጕም 1990]። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩን ኢኹም” ኢሉ ኣሎ።—ሚልክያስ 4:2

እቲ “ጸሓይ ጽድቂ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ልዕሊ እቶም ንስም ኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ዘለዎም ሰባት የብርህ: ንሳቶም ከኣ ሞገስ የሆዋ ይረኽቡ። (ዮሃንስ 8:12) ብተወሳኺ ኸኣ “ፈውሲ ኸተምጽኣሎም እያ:” ማለት ኣብዚ እዋን እዚ መንፈሳዊ ፈውሲ: ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ፈውሲ ኺረኽቡ እዮም። (ራእይ 22:1, 2) እቲ ሓጐሶም ኣዝዩ ስለ ዚበዝሕ: ‘ከም ብተይ ደምበ ኺዕንድሩ’ እዮም። ነዚ በረኸት እዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ነቲ “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ” ዚብል ምዕዶ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልብና ነሕድሮ።—መክብብ 12:13

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ነብዪ ሚልክያስ ቀናእን ውፉይን ኣገልጋሊ የሆዋ ነበረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

እቲ እንምህሮ ነገር ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣገልገልቲ የሆዋ ንቓል ኪዳኖም ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ