ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ’

‘ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ’

‘ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ’

“[“የሆዋ:” NW] ምሳይ እዩ: ኣይፈርህን: ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” —መዝሙር 118:6

1. ደቅሰብ ኣብ መጻኢ እንታይ ወሳኒ ፍጻመ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

 ድሕሪ ሓጺር እዋን ደቅሰብ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ መዓት ኬጋጥሞም እዩ። የሱስ ብዛዕባ እዚ ዘለናሉ ግዜ ኺንበ ኸሎ: ንሰዓብቱ ኸምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖም:- “ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ: ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ: ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ . . . እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።”—ማቴዎስ 24:21, 22

2. እቲ ዓብዪ መከራ ኸይጅመር ሒዝዎ ዘሎ እንታይ እዩ፧

2 ብሰብኣዊ ዓይኒ ዘይረኣዩ ሰማያዊ ሓይልታት ነቲ ዓብዪ መከራ ኸይፍኖ ሒዞምዎ ኣለዉ። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ብየሱስ እተዋህቦ ራእይ: እቲ መዓት ተታሒዙሉ ዘሎ ምኽንያት ኪፈልጥ ክኢሉ እዩ። እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ነዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ኢሉ ገለጾ:- “ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም: . . . ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርኤኹ። ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪወጽእ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም . . . ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፤ ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሐትሞምሲ: ምድሪ: ወይስ ባሕሪ: ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ: በለ።”—ራእይ 7:1-3

3. ቀዳማይ መዳይ እቲ ዓብዪ መከራ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

3 እቶም ቅቡኣት “ባሮት ኣምላኽና” ናይ መወዳእታ ዚሕተሙሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ። እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ነቲ ኣዕናዊ ንፋሳት ኪፍንውዎ ቐሪቦም እዮም። ከምኡ ምስ ገበሩ: ፈለማ እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ሓደ መልኣኽ: “ባቢሎን: እታ ዓባይ ከተማ: ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ: ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ” ብምባል መልሲ ይህበና። (ራእይ 18:21) እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ጠፍአትሲ: ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ኪኸውን!—ራእይ 19:1, 2

4. ኣብ መጻኢ እንታይ ምዕባለታት ኪህሉ እዩ፧

4 ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ሓቢሮም ኣንጻር ህዝቢ የሆዋ ኺለዓሉ እዮም። ኣህዛብ ንእሙናት ክርስትያናት ንምድምሳስ ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኺዕወቱ ድዮም፧ ኪዕወቱ ዚኽእሉ እዮም ዚመስሉ። ይኹን እምበር: ንክርስቶስ የሱስ ዚስዕብዎ ሰማያውያን ሰራዊት: ንሰብኣውያን ሓይልታት ኪድምስስዎም እዮም። (ራእይ 19:19-21) ኣብ መወዳእታ: ድያብሎስን መላእኽቱን ናብቲ ዋላ ሓንቲ ንጥፈት ዘይገብሩሉ መዓሙቝ ኪድርበዩ እዮም። ንሓደ ሽሕ ዓመት ስለ ዚእሰሩ: ደጊም ንሰብ ኬስሕቱ ኣይኪኽእሉን እዮም። እዝስ ነቶም ዚድሕኑ ብዙሓት ሰብ ከመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዩ ኼምጽኣሎም!—ራእይ 7:9, 10, 14፣ 20:1-3

5. ነቶም ንየሆዋ እሙናት ዚዀኑ እንታይ ሓጐስ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

5 ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ዜደንቕን ዜፍርህን ፍጻመታት ክንርኢ ኢና። ኵሉ እቲ ፍጻመታት ነቲ የሆዋ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ወይ ልዑላውነት ዜረጋግጽ እዩ። ሕስብ እሞ ነብሎ። ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንናን ንልዑላውነቱ ጸኒዕና እንተ ቜምናን: ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋን ኣብ ምፍጻም ዕላማኡን ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ኺህልወና እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዘይተኣደነ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽኣልና!

6. ነቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው: እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

6 ነዚ ዘይርሳዕ ፍጻመታት ተዳሊና ዲና፧ ኣብቲ የሆዋ ንኼድሕን ዘለዎ ሓይሊ እምነት ኣሎና ድዩ፧ ኣብ ግቡእ ግዜን ብብሉጽ መገድን ከም ዚድግፈና ንተኣማመን ዲና፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ሕቶታት ክንሓስበሉ ኸለና: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንዝነበሩ ክርስትያን ብጾቱ ዝበሎም ክንዝክር ኣሎና:- “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) ገለ ኻብቲ ንምህሮና እተጻሕፈ ምጽንናዕን ተስፋን ዚህበና ጽሑፋት: የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብቶም ጨቈንቲ ግብጻውያን ሓራ ዘውጸኣሉ ጸብጻብ እዩ። ነቲ የሆዋ ንደቂ እስራኤል ዘድሓነሉ መገዲ ዚገልጽ መሳጢ ፍጻመታት ብዝርዝር ምምርማርና: ነቲ ብቕልጡፍ ዚቐርብ ዘሎ ዓብዪ መከራ ኽንጽበ ኸለና ብዙሕ ምትብባዕ ኪዀነና ይኽእል እዩ።

የሆዋ ንህዝቡ የናግፎ

7. ብ1513 ቅ.ክ. ኣብ ግብጺ እንታይ ውጥረት ሰፊኑ ነበረ፧

7 እዋኑ 1513 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ድሮ ትሽዓተ መጥቃዕቲ ፈንዩ ነበረ። ካብዚኣተን እታ ናይ መወዳእታ መዓት ምስ ፈነወ: ፈርኦን ንሙሴ ጸዊዑ: “ካባይ ኪድ: ገጸይ ምስ እትርኢ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ: መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ንርእስኻ ተጠንቀቕ” በሎ። ሙሴ ኸኣ: “ከም ዝበልካዮ ይኹን: ደጊም መሊሰ ገጽካ ኣይርእን” ኢሉ መለሰሉ።—ዘጸኣት 10:28, 29

8. እስራኤላውያን ካብቲ መዓት ንኺድሕኑ እንታይ መምርሒ እዩ እተዋህቦም፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

8 ድሕርዚ የሆዋ ንሙሴ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ኵሎም ግብጻውያንን ሓደ ናይ መወዳእታ መዓት ኬምጽእ ምዃኑ ነገሮ። ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ ኣቢብ (ኒሳን): በዅሪ ዅሎም ግብጻውያንን በዅሪ ዅሎም እንስሳታቶምን ኪሞቱ ምዃኖም ተነግረ። እስራኤላውያን ግን ነቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ መምርሒታት ተጠንቂቖም ብምስዓብ ኪነሓፉ ይኽእሉ እዮም። ደም ገንሸል ወሲዶም ነቲ ናይ ቤቶም ክልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ኪለኽይዎ: ካብ ቤቶም ድማ ከይወጹ ተነግሮም። በታ ለይቲ እቲኣ እንታይ ኣጋጠመ፧ ሙሴ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይነግረና:- “ፍርቒ ለይቲ ምስ ኰነ: እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ . . . ቐተለ።” ፈርኦን ብኡንብኡ ስጕምቲ ወሰደ። ንሙሴን ኣሮንን ጸዊዑ: “ተንስኡ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ: ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ” በሎም። እስራኤላውያን ከኣ ወጹ: ምናልባት ኣብቲ ግዜ እቲ ቝጽሮም ሰለስተ ሚልዮን ኣቢሉ ይኸውን ነበረ: ምሳታቶም ድማ ካብ እስራኤል ዘይኰነ “ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝቢ” ወጸ።—ዘጸኣት 12:1-7, 29, 31, 37, 38

9. የሆዋ ንእስራኤላውያን በየናይ መገዲ እዩ ኻብ ግብጺ ዘውጸኦም፧ ስለምንታይከ፧

9 እስራኤላውያን ብጐድኒ ጐድኒ ባሕሪ መዲተራነያን ኣቢሎም ብምድሪ ፍልስጥኤማውያን እንተ ዚኸዱ ዝሓጸረ ምዀነሎም። ኰይኑ ግን: እቲ ቦታ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጸላኢ ነበረ። ስለዚ: የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ውግእ ምእንቲ ኸይኣትዉ ኢሉ: ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንቐይሕ ባሕሪ ኣዘሮም። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ይምርሹ እኳ እንተ ነበሩ: ስርዓት ዘይብሎም ግን ኣይነበሩን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ይጽብጽብ:- “ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ።”—ዘጸኣት 13:17, 18

‘የሆዋ ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ’

10. ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ መንጽር ጲ-ሃሒሮት ኪሰፍሩ ዝነገሮም ስለምታይ እዩ፧

10 ድሕርዚ ዜስደምም ፍጻመታት ተራእየ። የሆዋ ንሙሴ: “ንደቂ እስራኤል: ተመሊሶም ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ኣብ መንጽር ጲ-ሃሒሮት ኪሰፍሩ: ንገሮም። ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን: ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ” በሎ። እቶም ብዙሓት ህዝቢ ነቲ መምርሒታት እቲ ምስ ሰዓቡ: ኣብ መንጎ ኣኽራንን ልሳን ቀይሕ ባሕርን ተቐርቀሩ። መውጽኢ ዘለዎም ኣይመስልን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ይፈልጥ ነበረ። ንሙሴ ኸምዚ በሎ:- “ኣነ ድማ ንልቢ ፈርኦን ከትርሮ እየ: ንሱ ኸኣ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኺሰጎም እዩ። ብፈርኦንን ብዅሉ ሰራዊቱን ክኸብር እየ: ግብጻውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም።”—ዘጸኣት 14:1-4

11. (ሀ) ፈርኦን እንታይ ስጕምቲ እዩ ዝወሰደ፧ እስራኤላውያንከ እንታይ በሉ፧ (ለ) ሙሴ ንመረረ እስራኤላውያን እንታይ ምላሽ ሃበ፧

11 ፈርኦን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ብምፍቃዱ ጌጋ ኸም ዝገበረ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ: 600 ሕሩያት ሰረገላታት ውግእ ሒዙ ደድሕሪኦም ሰዓበ። እስራኤላውያን ንሰራዊት ግብጺ ምስ ረኣዩ ረዓዱ: ንሙሴ ድማ: “ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዝወሰድካናስ: ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን፧” ኢሎም መረረኦም ገለጹ። ሙሴ ግን ብምድሓን የሆዋ ተኣማሚኑ: “ኣይትፍርሁ: ደው በሉ: እቲ ምድሓን [“የሆዋ:” NW] ሎሚ ዚገብረልኩም ርአዩ። . . . [“የሆዋ:” NW] ኪዋግኣልኩም እዩ እሞ: ህድኡ” በሎም።—ዘጸኣት 14:5-14

12. የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ኣናገፎ፧

12 ከምቲ ሙሴ ዝበሎ: የሆዋ ባዕሉ ንእስራኤላውያን ኪዋግኣሎም ስለ ዝጀመረ: ልዕለ-ሰብኣዊ ሓይልታት ነቲ ዅነታት ተቘጻጸሮ። መልኣኽ የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ነቲ ንሰፈር እስራኤል ዚመርሕ ዝነበረ ዓንዲ ደበና ናብ ድሕሪት ኣግዓዞ። እዚ ዓንዲ እዚ ንግብጻውያን ኬጸልምተሎም ከሎ: ንእስራኤላውያን ግን ብርሃን ኣብረሃሎም። (ዘጸኣት 13:21, 22፣ 14:19, 20) ድሕርዚ ሙሴ ኸምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ: ኢዱ ዘርግሐ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣልጊሱ: ነቲ ባሕሪ ኣንቀጾ። . . . ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑጽ ናብ ማእከል ባሕሪ አተዉ። እቲ ማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው በለ።” ግብጻውያን ከም ብሓድሽ ሰዓብዎም: የሆዋ ግን ኣብ ጐድኒ ህዝቡ እዩ ነይሩ። ንግብጻውያን ኣሸበሮም: ድሕሪኡ ኸኣ ንሙሴ: “ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ: እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን: ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ይምለስ” በሎ። ካብ ሰራዊት ፈርኦን ዋላ ሓደ ወተሃደር እኳ ኸይተረፈ ምሉእ ብምሉእ ተደምሰሱ!—ዘጸኣት 14:21-28፣ መዝሙር 136:15

ካብቲ እስራኤል ዝረኸቦ ምድሓን ተምሃር

13. ደቂ እስራኤል ምስ ደሓኑ እንታይ እዮም ገይሮም፧

13 እዚ ተኣምራዊ ምድሓን እዚ ኣብቶም ዝደሓኑ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ብኡንብኡ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘመሩ። “ንሱ ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። . . . እግዚኣብሄር ንወርትግ: ንዘለኣለም ይነግስ” ኢሎም ዘመሩ። (ዘጸኣት 15:1, 18) እወ: ብቐዳምነት ንየሆዋ ኽብ ምባል እዩ ተራእይዎም። ኣብቲ ዅነታት እቲ ልዑላውነት የሆዋ ተራእየ።

14. (ሀ) ካብቲ እስራኤላውያን ዘሕለፍዎ ተመክሮ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ለ) ጥቕሲ ዓመት 2008 እንታይ እትብል እያ፧

14 ካብዚ ባህ ዜብል ኵነታት ከመይ ዝበለ ትምህርትን ምጽንናዕን ተስፋን ኰን ኢና ንረክብ፧ የሆዋ ነቲ ህዝቡ ዜሕልፍዎ ዝዀነ ይኹን ፈተና ንምቍጽጻር ተዳልዩ ኸም ዘሎ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥሞም ኵነታት ኬስግሮም ይኽእል እዩ። የሆዋ ነቲ ሓያል ንፋስ ምብራቕ ምስ ኣምጽአ ቐይሕ ባሕሪ ንእስራኤል ዕንቅፋት ኣይኰኖን። ነቲ ቐይሕ ባሕሪ እቲ ኸኣ መቓብር ሰራዊት ፈርኦን ከም ዚኸውን ገበሮ። ነዚ ኸነስተንትነሉ ኸለና: “[“የሆዋ:” NW] ምሳይ እዩ: ኣይፈርህን: ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧” ዚብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ክንዝክር ንኽእል ኢና። (መዝሙር 118:6) ካብቲ ኣብ ሮሜ 8:31 ዚርከብ: “ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ: መን እዩ ዚቃወመና፧” ዚብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ምትእምማን ዜሕድረልና! ንዝዀነ ይኹን ፍርህናን ጥርጣረናን የህድኣልና: ብተስፋ ድማ ይመልኣና። ጥቕሲ ዓመት 2008: “ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ . . . ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ” እትብል ምዃና እምበኣር ብሓቂ ግቡእ እዩ!—ዘጸኣት 14:13 NW

15. እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ንኺወጹ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ተኣዛዝነት ዘድለዮም፧ ሎሚኸ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዜድልየና፧

15 ካብቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዝወጹሉ ኣገባብ እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ንረክብ፧ ኵሉ እቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዝሓተተና ነገር ክንእዘዝ ከም ዘሎና ንመሃር ኢና። እስራኤላውያን ንፋስጋ ኺገብርዎ እተኣዘዝዎ ምድላዋት ብዝርዝር ሓልዮም እዮም። ብ14 ኒሳን ኣብ ዝነበረት ለይቲ: ብተኣዛዝነት ካብ ቤቶም ኣይወጹን። ኣብ መወዳእታ ኻብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ: “ተሰሊፎም” ወጹ። (ዘጸኣት 13:18) ሎሚ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዚወሃበና መምርሒ ኽንስዕብ ኣሎና! (ማቴዎስ 24:45) ነቲ ቓል ኣምላኽ ብድሕሬና: ‘ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስና: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ’ ኢሉ ዚዛረበና ቓላት ተጠንቂቕና ኽንሰምዖ ኣሎና። (ኢሳይያስ 30:21) ናብቲ እቲ ዓብዪ መከራ ዚጅምረሉ ግዜ እናቐረብና ምስ ከድና: ዝርዝር መምርሒታት ኪወሃበና ይኽእል እዩ። ነቲ መከራ ዝመልኦ እዋን ክንሰግሮ እንተ ዄንና: ምስ ካልኦት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብሓባር ክንስጕም ኣሎና።

16. ካብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዘድሓነሉ ኣገባብ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

16 የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ መንጎ ኣኽራንን ቀይሕ ባሕርን ኣብ እተቐርቀሩሉ ዚመስል ኵነታት ከም ዘእተዎም እውን ኣይትረስዕ። ቅኑዕ ስጕምቲ ኣይመስልን እዩ ነይሩ። የሆዋ ግን ንዅሉ ነገር ይቈጻጸሮ ነበረ: ኵሉ ነገር ዕዉት ብምዃኑ ድማ ንዕኡ ውዳሰ: ንህዝቡ ኸኣ ምድሓን ኣምጸኣሎም። ሎሚ ገሊኡ ውድባዊ ጕዳያት እተታሕዘሉ መገዲ ብንጹር ኣይርድኣናን ይኸውን: ኰይኑ ግን ነቲ የሆዋ በቲ መልእኽቲ ዜመሓላልፈሉ መትረብ ኣቢሉ ዚልእኮ መምርሒ ንኽንኣምኖ እኹል ምኽንያት ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ጸላእትና ዚሰልጦም ዘሎ ዝመስለሉ እዋን ኣሎ። ኣረኣእያና ድሩት ብምዃኑ: ኵሉ እቲ ረቛሒታት ኣይረኣየናን ይኸውን። ኰይኑ ግን: የሆዋ ኸምቲ ንደቂ እስራኤል ዝገበረሎም: ኣብቲ ቕኑዕ ህሞት ንነገራት ናብ ዝጥዕሞ ኺጠዋውዮ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 3:5

ኣብ የሆዋ ምትእምማን ይሃሉኻ

17. ኣብ መምርሒ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ኪህልወና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

17 እስራኤላውያን ነቲ ብመዓልቲ ዓንዲ ደበና: ብለይቲ ድማ ዓንዲ ሓዊ ዀይኑ ዜገልግሎም ዝነበረ ኺሓስቡሉ ኸለዉ ዚስምዖም ምትእምማን ብኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ምኸኣልካ፧ “መልኣኽ ኣምላኽ” ኣብ ጕዕዞኦም ይመርሖም ከም ዝነበረ ርኡይ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 13:21, 22፣ 14:19) ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ንምምራሕን ንምዕቋብን ንምድሓንን ምሳታቶም ከም ዘሎ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ነቲ “[የሆዋ] ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሐድጎምን: ንዘለኣለም ይሕለዉ” ዚብል መብጽዓ ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 37:28) ነቶም ሎሚ ንኣገልገልቲ የሆዋ ዚድግፍዎም ዘለዉ ሓያላት መላእኽቲ ኸቶ ኣይንረስዓዮም። ብደገፎም ነቲ “ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ . . . ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ” ዚብል ቃላት ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና።—ዘጸኣት 14:13 NW

18. “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ዚብል ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኸነውዕል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

18 ኣብ መገዲ ሓቂ ‘ደው ክንብል’ ዜኽእለና እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዝገለጾ መንፈሳዊ ኣጽዋር ምልባስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እቲ ሃዋርያ: “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ኢሉ ኸም ዝመዓደና ነስተብህለሉ። ንዅሉ ኽፍልታት እዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር ለቢስናዶ ኣሎና፧ ኣብ እትመጽእ ዓመት: ኵሉ ኽፍልታት እቲ ኣጽዋር ብግቡእ ከም ዝለበስና ንምርግጋጽ ነፍሲ ወከፍና ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ጸላኢና ሰይጣን ድያብሎስ ድኽመትና ይፈልጥ እዩ: ኣዳህሊሉ ኺሕዘና ወይ ኣብ ተኣፋፊ ቦታ ኼጥቅዓና እዩ ዚፍትን። “ቅልስና” ምስ መናፍስቲ እከይ እዩ። ግናኸ ብሓይሊ የሆዋ ኽንዕወት ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 6:11-18፣ ምሳሌ 27:11

19. እንተ ተዓጊስና: እንታይ ንኽንገብር ኢና ፍሉይ መሰል እንረክብ፧

19 የሱስ ንሰዓብቱ: “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም” በሎም። (ሉቃስ 21:19) እምበኣር ካብቶም ዝዀነ ይኹን ዜጋጥሞም ጸገማት ብተኣማንነት እተዓገሱ: ብጸጋ ኣምላኽ ከኣ ‘ደው ኪብሉን ምድሓን የሆዋ ኺርእዩን’ ፍሉይ መሰል ዝረኸቡ ሰባት ንኹን።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ድሕሪ ሓጺር ግዜ እንታይ ባህ ዜብል ፍጻመታት ኬጋጥም እዩ፧

• ብ1513 ቅ.ክ. የሆዋ ናይ ምድሓን ሓይሉ ብኸመይ ኣርኣየ፧

• ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ዓመት ጥቕሲ 2008:- “ጸኒዕኩም ቁሙ: እቲ የሆዋ . . . ዚገብረልኩም ምድሓን ርኣዩ።” —ዘጸኣት 14:13 NW

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

“እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ”

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ፈርኦን ተሪር ክሳድ ብምንባሩ: ኣብ ግብጺ ጥፍኣት ኣምጽአ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

እስራኤላውያን ኵሉ እቲ የሆዋ ዝኣዘዞም ምስ ገበሩ ደሓኑ