ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወቶም ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገበሩ ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧

ህይወቶም ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገበሩ ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧

ህይወቶም ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገበሩ ንስኻኸ ኸምኡ ኽትገብር ትኽእልዶ፧

ማርክ ዚበሃል ኣብ ካናዳ ዚነብር ሓው: ትካላት ምርምር ጠፈር ዚጥቀምሉ እተራቐቐ ሮቦት ኣብ ዚስርሓሉ ኩባንያ ይሰርሕ ነበረ። ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ እናሰርሐ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ድሕሪዚ: ሓለቓኡ ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ምስ ብዙሕ ደሞዝ ብምሃብ ናይ ስራሕ ዕቤት ገበረሉ። ማርክ እንታይ ገበረ፧

ኤሚ እትበሃል ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ሓብቲ: ትምህርታ ኽሳዕ እትውድእ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ነበረት። ድሕሪ ምረቓ: ብዙሕ ግዜ ዚወስደላ ግን ከኣ ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሕ ረኸበት። ኤሚ እንታይ ምርጫ ገበረት፧

ማርክን ኤሚን እተፈላለየ ውሳነ ገበሩ፣ እቲ ምርጫኦም ዜስዓቦ ውጽኢት ድማ: እቲ ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ንዝነበሩ ክርስትያናት እተዋህበ ምኽሪ ጥበባዊ ምዃኑ ዜርኢ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረ. 7:29-31

ንዓለም ተጠቐመላ: ምሉእ ብምሉእ ግን ኣይትጠቐመላ

ማርክን ኤሚን እንታይ ከም ዘጋጠሞም ቅድሚ ምርኣይና: ነታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበኡ እተጠቕመላ “ዓለም” (ወይ ከኣ ብግሪኽ ኮስሞስ) እትብል ቃል ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንርአ። ኣብዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ጥቕሲ: እታ ኮስሞስ እትብል ቃል ነቲ ንሕናን ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ዚነብረሉ ዘሎ ስርዓት ተመልክት፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኽፋል መዓልታዊ ህይወትና ዝዀነ ኸም እኒ ቤት: ምግቢ: ክዳን ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ነገራት የጠቓለል። a መብዛሕትና መዓልታዊ ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ንምምላእ ስራሕ ክንሰርሕ የድልየና እዩ። እወ: ንርእስናን ንስድራቤትናን ክንኣሊ እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ ንምፍጻም በዛ ዓለም እዚኣ ኻብ ምጥቃም ሓሊፉ ኻልእ ኣማራጺ የብልናን። (1 ጢሞ. 5:8) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: “ዓለም ትሐልፍ” ምዃና ግን ኸነስተውዕል ኣሎና። (1 ዮሃ. 2:17) ስለዚ: ዋላ እኳ ንዓለም ኣድላዪ ብዝዀነሉ መጠን እንተ ተጠቐምናላ: ምሉእ ብምሉእ ‘ከም ዘይተጠቐምናላ’ ኢና እንኸውን።—1 ቈረ. 7:31

ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን: በቲ ንዓለም ኪጥቀሙላ ኸለዉ ብእተኻእሎም መጠን ደረት ኪገብሩሉ ዚምዕድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ተተባቢዖም ኵነታቶም እንደገና ብምምርማር: ኣብ ስራሕ ዜሕልፍዎ ግዜ ቐኒሶም ናብራኦም ቀሊል ገይሮም እዮም። ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሑ: ምስ ስድራኦምን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋን ዝያዳ ግዜ ኼሕልፉ ስለ ዝኸኣሉ: ብሓቂ ህይወቶም ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ኸም ዝገበሩ ፈለጡ። ብተወሳኺ እውን: እቲ ቐሊል ናብራ ህይወቶም: ካብ ኣብ ዓለም ብዝያዳ: ኣብ የሆዋ ንኺጽግዑ ገይርዎም እዩ። ንስኻኸ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ናብራኻ ቐሊል ክትገብር ትኽእልዶ፧—ማቴ. 6:19-24, 33

“ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ዝቐረብና ዀይኑ ይስምዓና”

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ማርክ: ነቲ ብዓለም ከም ዘይተጠቐምና ኽንከውን ዚምዕድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣቕለበሉ። ነቲ ዝቐረበሉ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከቦ ናይ ስራሕ ዕቤት ኣይተቐበሎን። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት: ሓለቓ ማርክ ዝያዳ ደሞዝ ብምቕራብ ነቲ ሓድሽ ስራሕ ንኪቕበል ከእምኖ ፈተነ። ማርክ “ፈታኒ እዩ ነይሩ: ይኹን እምበር ዳግም ነጸግክዎ” በለ። ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ: “ኣነን ብዓልቲ ቤተይ ፓውላን: ንህይወትና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም እተተኵር ክንገብራ ደለና። ስለዚ: ናብራና ቐሊል ንምግባር ወሰንና። ሸቶና ንምውቃዕ የሆዋ ጥበብ ንኺህበና ብምጽላይ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ግዜ ምሕላፍ እንጅምረላ ዕለት ወሰንና” በለ።

ፓውላ ድማ: “ኣብ ሆስፒታል ጸሓፊት ኰይነ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ብምስራሕ እኹል ደሞዝ እየ ዝረክብ ነይረ። ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ድማ አገልግል ነበርኩ። ይኹን እምበር: ኣነ እውን ከም ማርክ ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይደ ኸገልግል እደሊ ነበርኩ። ካብቲ ስራሕ ብፍቓደይ ክሰናበት ምስ ሓተትኩ ግን: ሓለቓይ ነቲ ተኸፊቱ ዘሎ ቐንዲ ጸሓፊት ናይ ምዃን ሓላፍነት ከም ዝበቃዕኩ ነገረትኒ። እዚ ኣብቲ ሆስፒታል ዝለዓለ ኽፍሊት ደሞዝ ናይ ጸሓፍቲ ዚርከቦ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ውሳነይ ጸናዕኩ። ነታ ሓለቓይ: ነቲ ናይ ስራሕ መደብ ንኽረክብ ዘይሓተሉ ምኽንያት ምስ ነገርክዋ: ብእምነተይ ነኣደትኒ” በለት።

ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ማርክን ፓውላን ኣብ ግሉል ከባቢ ካናዳ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ንኼገልግሉ ተመደቡ። እሞ ደኣ ስራሖም ገዲፎም ብምግዓዞም እንታይ ኣጋጠሞም፧ ማርክ ከምዚ በለ:- “ካብቲ ዳርጋ ፍርቂ ዕድመይ ዝሰራሕክዎ ቝጠባዊ ውሕስነት ዝነበሮ ቐዋሚ ስራሕ ድሕሪ ምውጻአይ: ብዛዕባ መጻኢ ተሻቒለ እኳ እንተ ነበርኩ: የሆዋ ግን ንኣገልግሎትና ባሪኽዎ እዩ። ንኻልኦት መንፈሳዊ ውህበታት ከነማቕል ብምኽኣልና ብዙሕ ሓጐስ እዩ ዚስምዓና። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት: ንሓዳርና እውን ኣመሓይሽዎ እዩ። ዕላልና ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ነገራት ዜተኵር ኰነ። ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ናብ የሆዋ ዝቐረብና ዀይኑ ይስምዓና።” (ግብ. 20:35) ፓውላ ኣስዕብ ኣቢላ: “ስራሕካን ዝለመድካዮ ምሹእ ቤትካን ሓዲግካ ኽትከይድ ከለኻ: ምሉእ ትውክልትኻ ኣብ የሆዋ ኽትገብር ኣሎካ። ንሕና ኸምኡ ብምግባርና ኸኣ የሆዋ ባሪኹና እዩ። ኣብታ ሓዳስ ጉባኤና ዚርከቡ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን: ተፈቀርትን ተደለይትን ምዃንና ኸም ዚስምዓና ገበሩ። ሕጂ: ነቲ ቐደም ኣብ ስራሕ ዘሕልፎ ዝነበርኩ ሓይሊ ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ንኽሕግዞም እየ ዝጥቀመሉ። ኣብዚ ምደባ እዚ ኸገልግል ብምኽኣለይ ካብ መጠን ንላዕሊ ሕጕስቲ እየ” በለት።

‘ርኽብቲ ግን ከኣ ዘይሕጕስቲ’

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤሚ: እተፈልየ መገዲ ሰዓበት። ነቲ ዝቐረበላ ብዙሕ ኣታዊ ዜምጽእ ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ተቐበለት። ኤሚ: “ኣብ መጀመርያ ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ንጥፍቲ ዀይነ እኳ እንተ ጸናሕኩ: ትዅረተይ በብቝሩብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምቕዳም: ንናይ ስራሕ ዕቤት ናብ ምቅድዳም ተቐየረ። ፈታኒ ዝዀነ ናይ ስራሕ ዕቤት ዝረኽበሉ ኣጋጣሚታት ምስ ተቐበልኩ: ተወሳኺ ናይ ስራሕ ዕቤት ንምርካብ ጕልበተይ ኵሉ ኸጥፍእ ጀመርኩ። እቲ ኣብ ስራሕ ዝነበረኒ ሓላፍነት ብምውሳኹ: ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፎ ግዜ እናነከየ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ምስባኽ ኣቋረጽኩ” በለት።

ነቲ ግዜ እቲ ብምዝካር ኤሚ ኸምዚ በለት:- “ብቝጠባ ርኽብቲ ነበርኩ። ብዙሕ ግዜ እገይሽ ከምኡውን ብምኽንያት እቲ ዝነበረኒ ሞያዊ ደረጃ ኽብረት እረክብ ነበርኩ። እንተዀነ ግን: ሕጕስቲ ኣይነበርኩን። ዋላ እኳ ገንዘብ እንተ ነበረኒ: ብዙሕ ጸገማት ግን ነበረኒ። እቲ ጸገም እንታይ ከም ዝዀነ ይገርመኒ ነበረ። ኣብ መወዳእታ: ዓለማዊ ሞያ ብምስዓበይ ‘ካብ እምነት ንኽዝምብል’ ቀሪበ ኸም ዝነበረ ኣስተውዓልኩ። ብሰንኪ እዚ ድማ: ልክዕ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዚብሎ ‘ብዙሕ ስቓይ’ ኣሕለፍኩ።”—1 ጢሞ. 6:10

ኤሚ እንታይ ገበረት፧ “ናብ መንፈሳዊ ጥዕናይ ንኽምለስ ኪሕግዙኒ ንሽማግለታት ሓተትኩ: ኣብ ኣኼባታት ከኣ ክእከብ ጀመርኩ። መዝሙር ኣብ እተዘመረሉ እዋን ክበኪ ጀመርኩ። ኣብተን ፈላሚት ኰይነ ኣብ ዕዮ ስብከት እተኻፈልኩለን ሓሙሽተ ዓመት: ብስጋ ድኻ እኳ እንተ ነበርኩ: ክሳዕ ክንደይ ሕጕስቲ ምንባረይ ዘከርኩ። ደድሕሪ ገንዘብ ብምስዓብ ግዜይ ካብ ምጥፋእ ኣቋሪጸ: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከቐድም ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ካብቲ ዝነበረኒ ደሞዝ 50 ሚእታዊት ዚውሕድ ዚኽፈሎ ዝተሓተ ደረጃ ስራሕ ብምስራሕ: ዳግም ኣብ ዕዮ ስብከት ክካፈል ጀመርኩ” በለት። ኤሚ ብሓጐስ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ንሒደት ዓመታት ፈላሚት ኰይነ ብምግልጋለይ ሓጐስ ረኺበ እየ። ሕጂ ኣብቲ ንዓለም ብምስራሕ ዘጥፋእክዎ መብዛሕትኡ ግዜይ ረኺበዮ ዘይፈልጥ ዕግበት ኣሎኒ።”

ንስኻኸ ዅነታትካ ብምትዕርራይ ናብራኻ ቐሊል ክትገብሮ ትኽእልዶ፧ ነቲ ዘሎካ ግዜ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳም እንተ ደኣ ተጠቒምካሉ: ንህይወትካ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 10:22

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 1207-8 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ንስኻኸ ዅነታትካ ብምትዕርራይ ናብራኻ ቐሊል ክትገብሮ ትኽእልዶ፧

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

“ድሮ እኳ ፈትየዮ ኣለኹ!”

ዴቪድ ዚበሃል ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ክርስትያን ሽማግለ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንሰበይቱን ደቁን ኪሓብሮም ባህጊ ኣሕደረ። ኣብቲ ዚሰርሓሉ ኩባንያ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ንኺሰርሕ ምትዕርራይ ብምግባር: ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። እቲ ዝገበሮ ለውጢ ንህይወቱ ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዋ ገይሩዶ፧ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ዴቪድ ንዓርኩ: “ምስ ስድራኻ ዄንካ: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምግልጋል ካብ ምስታፍ ንላዕሊ ዜዕግብ ነገር የለን። ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ንኽለምዶ እተወሰነ ግዜ ኺወስደለይ ተጸብየ ነይረ: እንተ ዀነ ግን ድሮ እኳ ፈትየዮ ኣለኹ! ባህ ዜብል እዩ” ኢሉ ጸሓፈሉ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ማርክን ፓውላን ኣብ ኣገልግሎት ከለዉ