ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓዳስ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ

ሓዳስ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ

ሓዳስ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ

እዛ እተንብባ ዘለኻ መጽሔት ናይ መጀመርታ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እያ። ኣብዚ ሓድሽ ቅርጺ እዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ገለ መዳያት ክንገልጸልካ ንፈቱ።

ሕታም መጽናዕቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዕቤት ንዚገብሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ትሕተም። ሓንሳእ ኣብ ወርሒ እትሕተም ኰይና: ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ትሕዝ። እዚ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ብዛዕባ ዚውሰደሉ እዋን ዚገልጽ መደብ ኣብ ገበር እታ መጽሔት ይሕተም። እዛ ሕታም መጽናዕቲ ኸምታ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ስለ ዘይትብርከት: ኣብ ገበር ነፍሲ ወከፍ እተፈላለየ ዕለት እታ ሕታም እተፈላለየ ስእሊ ኣይኪህሉን እዩ።

ኣብ ገጽ 2 እዛ መጽሔት እዚኣ: ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ መጽናዕቲ ወይ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ከምኡውን ዕላማ ኻልኣዊ ዓንቀጻት ዚገልጽ ኣዝዩ ሓጋዚ ጽማቝ ሓሳባት ይርከብ። መራሕቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ትርጕም ዘለዎ ምይይጥ ንምግባር ኪዳለዉ ኸለዉ: ነዚ ኣቀራርባ እዚ ኣዝዩ ሓጋዚ ዀይኑ ኺረኽብዎ እዮም።

እቲ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ኻብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ቝሩብ ከም ዝሓጸረ ኸተስተብህል ኢኻ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኣብ ግዜ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣገዳሲ ጥቕስታት ንምምይያጥ ዝያዳ ግዜ ኺህሉ እዩ። ኣብ ሰሰሙን ንዅሉ እቲ እተሓበረ ጥቕስታት ከተንብቦ ነተባብዓካ። ገሊኡ እተሓበረ ጥቕስታት “ኣንብብ” ዚብል ኣለዎ: እዚ ድማ ኣብ ግዜ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኺንበብን ምይይጥ ኪግበረሉን ይግባእ። ግዜ ኸም ዜፍቅዶ ኻልእ ጥቕስታት እውን ኪንበብ ይከኣል እዩ። ኣብ ገሊኡ ዓንቀጻት “ምስ . . . ኣረኣኢ” ዚብል ዘለዎ ጥቕስታት ክትረክብ ኢኻ። እዚ ጥቕስታት እዚ ነቲ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ቀንዲ ነጥብታት ብቐጥታ መረጋገጺ ስለ ዘይኰኖ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ኺንበብ ኣየድልን እዩ። ኰይኑ ግን: “ምስ . . . ኣረኣኢ” ዚብል ዘለዎ ጥቕስታት ኣገዳሲ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለዎ: ወይ ነቲ ምይይጥ ዚግበረሉ ነጥቢ ብተዘዋዋሪ ኺድግፎ ይኽእል እዩ። ነቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኽትዳሎ ኸለኻ: ነዚ ጥቕስታት እዚ ኸተንብቦ ነተባብዓካ። ምናልባት ኣብቲ እትህቦ ሓሳባት ከተጠቓልሎ ትኽእል ኢኻ።

ዓመታዊ ጸብጻብ ድሕሪ ደጊም ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ኣይኪወጽእን እዩ። ካብ 2008 ኣትሒዙ: ኣብ መጽሓፍ ዓመት ከምኡውን ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኸም እታው ኰይኑ ኺወጽእ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ላዕሊ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: ሕታም መጽናዕቲ: ካልኣዊ ዓንቀጻት እውን ተጠቓልል እያ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ዘይቀርብ እኳ እንተ ዀነ: ተጠንቂቕካ ኸተንብቦ ግን ነተባብዓካ። እዚ ዓንቀጻት እዚ እውን ካብቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዝመጸ መንፈሳዊ ምግቢ ሒዙ ኣሎ።—ማቴ. 24:45-47

እተን ሕታም መጽናዕትን ሕታም ህዝብን ዚበሃላ ግምቢ ዘብዐኛ: ክልተ እተፈላለያ መጽሔታት ኣይኰናን። ክልቲአን መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ እየን። ኣብ ገጽ 2 ዕላማ ግምቢ ዘብዐኛ ዚገልጽ ሕደ ዓይነት ሕጡብ ጽሑፍ ኣለወን። ክልቲአን ኣብቲ ዓመታዊ ጥሙር ጥራዝ ብሓደ ኺጠቓለላ እየን። ኣብ ክልቲአን ካብ ዚወጽእ ዓንቀጻት እተወስደ ሓሳባት: ኣብታ “ትዝክሮዶ፧” እትብል ዓንቀጽ ኪወጽእ እዩ: እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ እያ ኽትሕተም።

ካብ 1879 ኣትሒዙ: ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ እዋን ውግእን ቍጠባዊ ጸገማትን መስጐጕትን ብተኣማንነት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቅታት ኣዊጃ እያ። ነዚ ሓድሽ ቅርጺ እዚ ሒዛ: ብበረኸት የሆዋ ኸምኡ ምግባር ክትቅጽል ጸሎትና እዩ። ዎ ኣንባቢ: ነዛ ሓዳስ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብጽቡቕ ክትጥቀመላ ኸለኻ የሆዋ ኺባርኸካ ንጽሊ።