ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ንምቕባል ብቑዓት ኰይኖም እተቘጽሩ

መንግስቲ ንምቕባል ብቑዓት ኰይኖም እተቘጽሩ

መንግስቲ ንምቕባል ብቑዓት ኰይኖም እተቘጽሩ

“ነታ . . . መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ: እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ።”—2 ተሰ. 1:5

1, 2. ንፍርዲ ብዚምልከት ዕላማ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ እቲ ዚፈርድከ መን እዩ፧

 ብ50 ድሕሪ ክርስቶስ ኣቢሉ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ነበረ። በቲ ኣብታ ኸተማ ዝረኣዮ ኣምልኾ ጣኦት ስለ እተረበሸ: ጽቡቕ ምስክርነት ኪህብ ተደረኸ። ዘረባኡ በቲ ነቶም ኣረማውያን ሰማዕቱ ኣቓልቦኦም ሒዙ ኪኸውን ዚኽእል ቃላት ዛዘሞ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣምላኽ . . . በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዅሉ እምነት እናሀበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ: ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።”—ግብ. 17:30, 31

2 ኣምላኽ ንደቅሰብ ዚፈርደላ መዓልቲ ምምዳቡ ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳይ እዩ! ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኣብ ዝሃቦ መደረ እቲ ፍርዲ እቲ ብመን ከም ዚፍጸም ብስም ጠቒሱ እኳ እንተ ዘይሓበረ: በቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚፍጸም ግን ንሕና ንፈልጥ ኢና። የሱስ ዚፈርዶ ፍርዲ: ህይወት ወይ ሞት ማለት እዩ።

3. የሆዋ ንኣብርሃም ኪዳን ዝኣተወሉ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ፍጻመ እቲ ኺዳንከ መን እዩ ፍሉይ ግደ ዚጻወት፧

3 እታ መዓልቲ ፍርዲ እቲኣ 1,000 ዓመት ዚኣክል ንውሓት ኣለዋ። የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ነቲ ፍርዲ ብስም የሆዋ ኺመርሖ እዩ: ግናኸ በይኑ ኣይኰነን ዚፈርድ። የሆዋ ኻብ ደቅሰብ ኣብታ ሽሕ ዓመት ዝንውሓታ መዓልቲ ምስ የሱስ ዚነግሱን ዚፈርዱን ሰባት መሪጹ እዩ። (ምስ ሉቃስ 22:29, 30 ኣረኣኢ።) ኣስታት 4,000 ዓመት ይገብር: የሆዋ ነቲ እሙን ዝነበረ ኣገልጋሊኡ ኣብርሃም ኪዳን ኪኣትወሉ ኸሎ: ነታ መዓልቲ ፍርዲ እቲኣ ዚኸውን መሰረት ኣንበረ። (ዘፍጥረት 22:17, 18 ኣንብብ።) እቲ ኺዳን እቲ ብ1943 ቅ.ክ. እዩ ጸኒዑ ኪኸውን ዘለዎ። ልክዕ እዩ: ኣብርሃም ነቲ እቲ ኺዳን ንደቅሰብ ዘለዎ ትርጕም ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ኣይከኣለን ነይሩ። ሎሚ ግን ንሕና: ዘርኢ ኣብርሃም ኣብ ትሕቲ እቲ ኺዳን ኰይኑ ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ንምፍራድ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምፍጻም ፍሉይ ግደ ኸም ዚጻወት ንፈልጥ ኢና።

4, 5. (ሀ) ቀንዲ ኽፋል እቲ ዘርኢ ኣብርሃም መን እዩ፧ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽከ እንታይ በለ፧ (ለ) ክፍሊ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ተስፋ መዓስ እዩ ተኸፊቱ፧

4 እቲ ቐንዲ ኽፋል ዘርኢ ኣብርሃም: የሱስ ኰይኑ ተረኽበ፣ ንሱ ድማ ብ29 ድ.ክ. ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብአ: እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ወይ ክርስቶስ ድማ ኰነ። (ገላ. 3:16) የሱስ እቲ ዚቕጽል ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኣይሁድ ኣብ ምእዋጅ ኣሕለፎ። ዮሃንስ መጥምቕ ምስ ተኣስረ: ካልኦት ኣብታ መንግስቲ ኺካፈሉ ተስፋ ኸም ዘለዎም የሱስ ኪሕብር ከሎ ኸምዚ በለ:- “ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ: ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ አለዉ።”—ማቴ. 11:12

5 እቲ ዜገርም: የሱስ ብዛዕባ እቶም ንመንግስተ ሰማያት ‘ዚዛረፉ’ ወይ ዚሕዙ ቐቅድሚ ምዝራቡ: “ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፤ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ” ኢሉ ነበረ። (ማቴ. 11:11) ስለምንታይ ከምኡ ይኸውን፧ ምኽንያቱ ኽፍሊ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምዃን ተስፋ: መንፈስ ቅዱስ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ክሳዕ ዚፈስስ ንእሙናት ዘበሉ ምሉእ ብምሉእ ኣይተኸፍተን ነይሩ። እቲ ግዜ እቲ ምስ ኣኸለ ኸኣ: ዮሃንስ መጥምቕ ድሮ ሞይቱ ነበረ።—ግብ. 2:1-4

ዘርኢ ኣብርሃም ጸደቑ

6, 7. (ሀ) ዘርኢ ኣብርሃም “ከም ከዋኽብቲ ሰማይ” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብርሃም እንታይ በረኸት እዩ ተቐቢሉ፧ ዘርኡኸ እንታይ ተመሳሳሊ በረኸት እዮም ተቐቢሎም፧

6 ዘርኢ ኣብርሃም “ከም ከዋኽብቲ ሰማይን” ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ከም ዚበዝሑ: ንኣብርሃም ተነጊርዎ ነይሩ። (ዘፍ. 13:16፣ 22:17) ብኻልእ ኣዘራርባ: ብግዜ ኣብርሃም ክንደይ ዚኣኽሉ ዘርኡ ኸም ዚዀኑ ሰባት ኪፈልጡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ልክዕ ቍጽሪ እቶም መንፈሳውያን ዘርኡ ኣብ መወዳእታኡ ተገልጸ። ንየሱስ ሓዲግካ: እቶም ዝተረፉ ቝጽሮም 144,000 እዩ።—ራእ. 7:4፣ 14:1

7 ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እምነት ኣብርሃም: “ብእግዚኣብሄር ከኣ አመነ: ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ” ይብል። (ዘፍ. 15:5, 6) ሓቂ እዩ: ዋላ ሓደ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ጻድቕ ኣይኰነን። (ያእ. 3:2) ይኹን እምበር: የሆዋ ነታ ሓለፍ ዝበለት እምነት ኣብርሃም ኣብ ግምት ብምእታው: ከም ጻድቕ ገይሩ ረኣዮ: ፈታውየይ ኢሉ እውን ጸውዖ። (ኢሳ. 41:8) እቶም ምስ የሱስ ኣባላት እቲ መንፈሳዊ ዘርኢ ኣብርሃም ዚዀኑ እውን ጸዲቖም እዮም: እዚ ድማ ካብቲ ኣብርሃም እተቐበሎ ዝዓበየ በረኸት የምጽኣሎም።

8. ንኣባላት ዘርኢ ኣብርሃም እንታይ በረኸት እዩ ተኸፊቱሎም፧

8 ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ስለ ዘርኣዩ እዮም ጸዲቖም። (ሮሜ 3:24, 28) ኣብ ዓይኒ የሆዋ: ካብ ሓጢኣት ሓራ እዮም: መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽን ኣሕዋት የሱስ ክርስቶስን ንኪዀኑ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡ ይኽእሉ እዮም። (ዮሃ. 1:12, 13) ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ኣትዮም: “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዚበሃል ሓድሽ ህዝቢ ድማ ኣቚሞም እዮም። (ገላ. 6:16፣ ሉቃ. 22:20) እዝስ ከመይ ዘበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ! ከም ውጽኢት እዚ ኣምላኽ ምእንታኦም ዝወሰዶ ስጕምትታት: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ የብሎምን። ነቲ ተስፋ እቲ መስዋእቲ ብምግባር: ምስ የሱስ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ናይ ምሕባርን ምስኡ ኣብ ሰማያት ናይ ምግዛእን ብቓላት ዘይግለጽ ሓጐስ ይረኽቡ።ሮሜ 8:17 ኣንብብ።

9, 10. (ሀ) ክርስትያናት ፈለማ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ መዓስ እዮም፧ እንታይከ ይጽበዮም ነበረ፧ (ለ) ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ሓገዝ ረኸቡ፧

9 ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ሓደ ጕጅለ እሙናት ሰባት ካብቶም ምስ የሱስ ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ዚገዝኡ ሰባት ኪዀኑ ኣጋጣሚ ተዋህቦም። ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: 120 ዚዀኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠምቁ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ቀዳሞት ቅቡኣት ክርስትያናት ኰኑ። ይኹን እምበር: እዚ ንዓታቶም መጀመርታ ስጕሚ ጥራይ እዩ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም: ሰይጣን ዝዀነ ይኹን ፈተና እኳ እንተ ኣምጽአ: ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ኬርእዩ ነበሮም። ኣኽሊል ሰማያዊት ህይወት ኪቕበሉ እንተ ዀይኖም: ክሳዕ ሞት እሙናት ኪዀኑ ነበሮም።—ራእ. 2:10

10 ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: የሆዋ ብቓሉን ብክርስትያናዊት ጉባኤኡን ኣቢሉ ንቕቡኣት ክርስትያናት ዜድልዮም ምዕዶን መተባብዕን ሃቦም። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት: “ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና” በሎም።—1 ተሰ. 2:11, 12

11. የሆዋ ንኣባላት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” እንታይ መሰናድዎ እዩ ገይሩሎም፧

11 ቀዳሞት ኣባላት እታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ምስ ተሓርዩ ኣብ ዝነበረ ዓመታት: የሆዋ ነቲ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስን ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ምስ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝነበሮ ርክብን ነቲ ዝሃቦም ምኽርን ኣብ ቀዋሚ መዝገብ ኬስፍሮ ግቡእ ኰይኑ ተራእዮ። ስለዚ: የሆዋ ነቲ ድሮ ዝነበረ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ወሰኸሉ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ፈለማ ነቶም ብስጋ ህዝቢ እስራኤል ዝዀኑ: ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ዝነበሮም እዋን እዩ ተጻሒፉ። እቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ድማ ብቐዳምነት ነቶም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል:” ማለት ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስን መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽን እዩ ተጻሒፉ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ እስራኤላውያን ዘይኰኑ ሰባት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዙሕ ጥቕሚ ኣይረኽቡን እዮም ማለት ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ: ብመንፈስ ቅዱስ ዘይተቐብኡ ክርስትያናት እውን ነቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዚርከብ ምኽሪ ብምጽናዕን ብእኡ ብምምልላስን ዘይተኣደነ ጥቕሚ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።2 ጢሞቴዎስ 3:15-17 ኣንብብ።

12. ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት እንታይ መዘኻኸሪ እዩ ዝሃቦም፧

12 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝጸደቑን ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡን: ሰማያዊ ርስቶም ምእንቲ ኺረኽቡ ተባሂሉ እዩ። እተቐብኡ ምዃኖም ኣብ ልዕሊ እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብጾቶም ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ነገስታት ኣይገብሮምን እዩ። ገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ሓቂ እዚ ስለ ዝሰሓትዎ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋቶም ዘየድሊ ጸብለልትነት ኪደልዩ ጀመሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ጳውሎስ: “ድሮ ጸገብኩም: ድሮ ሀብተምኩም: ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽንነግስሲ: ወሸለ ምነገስኩም” ኢሉ ኺዛረቦም ተደረኸ። (1 ቈረ. 4:8) ስለዚ: ጳውሎስ ብግዜኡ ንዝነበሩ ቕቡኣት: “ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” ኢሉ ኣዘኻኸሮም።—2 ቈረ. 1:24

ነቲ ኣቐዲምካ እተነግረ ቝጽሪ ምምላኡ

13. ጽውዓ እቶም ቅቡኣት ድሕሪ 33 ድ.ክ. ዝቐጸለ ብኸመይ እዩ፧

13 ኵሎም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ኣይኰኑን ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተሓርዩ። ጽውዓኦም ኣብ ብምሉኡ እቲ ሃዋርያት ዝነበሩሉ እዋን ድሕሪ ምቕጻል: ብተዛማዲ ብዝሒ እቶም ዚጽውዑ ዝሕል ኢሉ እዩ። ይኹን እምበር: ክሳዕ እዚ ግዜና ኣብ ብምሉኡ እቲ ዘመናት እቲ ጽውዓ ቐጺሉ እዩ። (ማቴ. 28:20) ኣብ መወዳእታ: የሱስ ብ1914 ኪገዝእ ምስ ጀመረ: እቲ ነገር ተቐላጠፈ።

14, 15. ንጽውዓ እቶም ቅቡኣት ብዚምልከት ኣብዚ ግዜና እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧

14 ፈለማ: የሱስ ንሰማያት ካብ ኵሎም እቶም ንግዝኣት ኣምላኽ ዚጻረሩ ዘበሉ ኣጽረዮ። (ራእይ 12:10, 12 ኣንብብ።) ድሕሪኡ ነቶም 144,000 ንምምላእ: ኣቓልቦኡ ነቶም ኣባላት እታ መንግስቱ ዚዀኑ ኣብ ምእካብ ገበረ። ኣብ መፋርቕ 1930ታት እቲ ዕዮ እቲ ናብ ምዝዛም ገጹ ቐሪቡ ነበረ: ብዙሓት ካብቶም ነቲ ዕዮ ስብከት ምላሽ ዝሃቡ ኸኣ ናብ ሰማይ ናይ ምኻድ ባህጊ ኣይነበሮምን። ውሉድ ኣምላኽ ምዃኖም: እቲ መንፈስ ምሳታቶም ኰይኑ ኣይምስክረሎምን ነበረ። (ምስ ሮሜ 8:16 ኣረኣኢ።) ኣብ ክንዳኡስ: ካብቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምዃኖም ሓበሩ። (ዮሃ. 10:16) ስለዚ: ድሕሪ 1935 ቀንዲ ኣትኵሮ እቲ ዕዮ ስብከት: ናብ ምእካብ እቶም ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ራእዩ ዝረኣዮም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝወጹ “ብዙሓት ሰብ” ተቐየረ።—ራእ. 7:9, 10, 14

15 ኰይኑ ግን: ካብ 1930ታት ንነጀው ኣብ ዘሎ ዓመታት: ገለ ውልቀ-ሰባት ናብ ሰማያዊ ተስፋ ተጸዊዖም እዮም። ስለምንታይ፧ ኣብ ገሊኡ መዳያት: ነቶም ኣቐዲሞም ተጸዊዖም ግን ከኣ እሙናት ዘይኰኑ ውልቀ-ሰባት ንምትካእ እዩ ዚኸውን። (ምስ ራእይ 3:16 ኣረኣኢ።) ጳውሎስ እኳ ብዛዕባ ንሓቂ ዝገደፉ ገሊኦም ብውልቂ ዚፈልጦም ሰባት ተዛሪቡ ኣሎ። (ፊል. 3:17-19) የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንምትካእ ንመን ኰን እዩ ዚጽውዕ፧ ልክዕ እዩ: እዚ ናቱ ውሳነ እዩ። ኰይኑ ግን: ንሓደስቲ ክርስትያናት ዘይኰነስ: ነቶም ተኣማንነቶም ብእተወሰነ ደረጃ ዘመስከሩ: ከምቶም የሱስ በዓል ዝኽሪ ኬቕውም ከሎ እተዛረቦም ደቀ መዛሙርቱ ዝኣመሰሉ ሰባት እዩ ዚጽውዕ ምባል ርትዓዊ እዩ። aሉቃ. 22:28

16. ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት እንታይ ኢና ኸነመስግነሉ ዚግባእ፧ እንታይከ ኢና ብዘይ ውልውል ክንኣምነሉ እንኽእል፧

16 ይኹን እምበር: ኵሎም እቶም ካብ 1930ታት ኣትሒዞም ናብ ሰማያዊ ተስፋ እተጸውዑ ሰባት: ነቶም ዝወደቑ መተካእታ ኸይኰኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ኣብ ብምሉኡ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ: ክሳዕ ጥፍኣት እታ “ዓባይ ባቢሎን:” ቅቡኣት ክርስትያናት ምሳና ኸም ዚዀኑ ኺገብር መዲቡ ኪኸውን ኣለዎ። b (ራእ. 17:5) ኣብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ምሉእ ቍጽሪ እቶም 144,000 ከም ዚማላእ: ኵላቶም ከኣ ኣብ መወዳእታ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ቦታኦም ከም ዚሕዙ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብዙሓት ሰብ ብደረጃ ጕጅለ ተኣማንነቶም ከም ዚሕልዉ ዚገልጽ ትንቢታዊ ቓል እውን ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚወርድ ‘ብርቱዕ ጸበባ ኺወጹ:’ (ትርጕም 1990) ብታሕጓስ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዘቘማ ሓዳስ ዓለም ኪኣትዉ እዮም።

ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዳርጋ ተማሊኣ!

17. ብመሰረት 1 ተሰሎንቄ 4:15-17 ከምኡውን ራእይ 6:9-11: ነቶም ብተኣማንነት ዝሞቱ ቕቡኣት ክርስትያናት እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም፧

17 ካብ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ: ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ቕቡኣት ክርስትያናት: ድልድልቲ እምነት ኣርእዮምን ክሳዕ ሞት ብተኣማንነት ተዓጊሶምን እዮም። እዚኣቶም ነታ መንግስቲ ኪቕበሉ ብቑዓት ኰይኖም ተቘጺሮም እዮም: ካብቲ መጀመርታ ህላወ ክርስቶስ ኣትሒዙ ኸኣ ዓስቦም ረኺቦም ኪዀኑ ኣለዎም።1 ተሰሎንቄ 4:15-17፣ ራእይ 6:9-11 ኣንብብ።

18. (ሀ) እቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት እንታይ ምትእምማን እዩ ዘለዎም፧ (ለ) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንቕቡኣት ክርስትያን ኣሕዋቶም ብኸመይ ይርእይዎም፧

18 እቶም ካብ ቅቡኣት ክርስትያናት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘለዉ: ብተኣማንነት እንተ ቐጺሎም: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዓስቦም ከም ዚረኽቡ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት እዮም። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኻብቶም ካልኦት ኣባጊዕ: ንእምነት እቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ኬስተንትኑሉ ኸለዉ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ቕቡኣት ኣሕዋቱ ዝበሎ ይሰማምዑሉ እዮም:- “ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዅሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና: ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ: እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ።” (2 ተሰ. 1:3-5) እዋኑ ብዘየገድስ: እቲ ናይ መወዳእታ ኣባል እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ምስ ሞተ: እታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተማልአት ክትከውን እያ። እዝስ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ኺፈጥር!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 መጋቢት 1992 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16 [ወይ ገጽ 20 (እንግሊዝኛ)]: ሕጡብ ጽሑፍ 17 ተወከስ።

b ነታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2007 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• የሆዋ ምስ መዓልቲ ፍርዲ ብዚተሓሓዝ ንኣብርሃም እንታይ እዩ ገሊጹሉ፧

• ኣብርሃም ዝጸደቐ ስለምንታይ እዩ፧

• እቶም ዘርኢ ኣብርሃም ብምጽዳቖም ናብ ምንታይ እዩ መሪሕዎም፧

• ኵሎም ክርስትያናት እንታይ ምትእምማን ኣለዎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰዓብቱ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ኪጽዕሩ ኣተባብዖም

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. የሆዋ ነቶም ብኻልኣይ ደረጃ ዚስርዑ ኣባላት ዘርኢ ኣብርሃም ኪሓሪ ጀመረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ካልኦት ኣባጊዕ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ምሳታቶም ብምዃኖም የመስግኑ