ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ ኣለዉ

“ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ ኣለዉ

“ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ ኣለዉ

“እቶም ንህይወት ዘለኣለም [“ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም:” NW] ዘበሉ ዅላቶምውን አመኑ።”—ግብ. 13:48

1, 2. እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ ምዃኑ እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ምላሽ ሃቡሉ፧

 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ግብሪ ሃዋርያት: ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ ምዃኑ እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ምላሽ ከም ዝሃቡሉ ዚገልጽ ባህ ዜብል ጸብጻብ ሒዛ ኣላ። (ማቴ. 24:14) እዞም ቀናኣት ሰበኽቲ እዚኣቶም ነቶም ብድሕሪኦም ስዒቦም ዝመጹ ኣብነት ሓዲጎምሎም እዮም። ሳላ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝሃብዎ ውዕዉዕ ምስክርነት: ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት: እንተላይ “ብዙሓት ካብ ካህናትውን” ናብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ወሓዙ።—ግብ. 2:41፣ 4:4፣ 6:7

2 ቀዳሞት ሚስዮናውያን: ብዙሓት ሰባት ንሓቂ ኪቕበሉ ሓጊዞም እዮም። ንኣብነት: ፊልጶስ ናብ ሰማርያ ኸደ: ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ሰምዕዎ። (ግብ. 8:5-8) ጳውሎስ ምስ እተፈላለዩ ሰባት ኰይኑ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጓዕዘ: ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ኸኣ ናብ ቆጵሮስ: ናብ ገሊኡ ኽፋላት ንእሽቶ እስያ: ናብ መቄዶንያ: ናብ ግሪኽ: ከምኡውን ናብ ኢጣልያ ኣብጽሖ። ኣብተን ንሱ ዝሰበኸለን ከተማታት: ብዙሓት ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣመንቲ ዀኑ። (ግብ. 14:1፣ 16:5፣ 17:4) ቲቶስ ኣብ ቅሬጥስ የገልግል ነበረ። (ቲቶ. 1:5) ጴጥሮስ ኣብ ባቢሎን ብዕዮ ትሑዝ እዩ ነይሩ፣ ኣብ ከባቢ 62-64 ድ.ክ. ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ኺጽሕፍ ከሎ ድማ እቲ ክርስትያናት ዚዓይዎ ዝነበሩ ዕዮ ኣብ ጶንጦስ: ገላትያ: ቀጶዶቅያ: እስያ: ከምኡውን ኣብ ቢቲንያ ብሰፊሑ ይፍለጥ ነበረ። (1 ጴጥ. 1:1፣ 5:13) እቲ እዋን እቲ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ ግዜ ዀን እዩ ነይሩ! እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሰበኽቲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣዝዮም ቀናኣት ስለ ዝነበሩ: እቶም ጸላእቶም “ንዅሉ ዓለም ዜናዕቡ” ኸም ዝዀኑ ገይሮም ተዛረቡሎም።—ግብ. 17:6፣ 28:22

3. ኣብዚ እዋን እዚ: እቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ፍረ ይረኽቡ ኣለዉ፧ እዚኸ እንታይ ስምዒት እዩ ዜሕድረልካ፧

3 ኣብዚ ግዜና እውን: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዜደንቕ ዕቤት ተባሪኻ እያ። ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተንብብ ከለኻ እትርእዮ ብዓለምለኻዊ ደረጃ እተረኽበ ፍረ ዜተባብዕ ደይኰነን፧ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2007 ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝመርሑ ምፍላጥ ባህ ዜብል ደይኰነን፧ ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ቍጽሪ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እተገብረ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ እተኣከቡ ሰባት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ዓሰርተ ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ኣብቲ ብስራት ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዚሕብር እዩ። እዚ ኸኣ ገና ዚዕየ ዕዮ ኸም ዘሎ ዜርኢ እዩ።

4. ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ዚህቡሉ ዘለዉ መን እዮም፧

4 ሎሚ እውን ልክዕ ምስ ቀዳማይ ዘመን ብዚመሳሰል መገዲ: “እቶም ንህይወት ዘለኣለም ቅኑዕ ዝንባለ ዘለዎም” ሰባት ነቲ መልእኽቲ ሓቂ ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ። (ግብ. 13:48 NW) የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ናብ ውድቡ ይስሕቦም ኣሎ። (ሃጌ 2:7 ኣንብብ።) ኣብዚ ናይ ምእካብ ዕዮ ምሉእ ብምሉእ ንኽንተሓባበር: ነዚ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧

ብዘይ ኣድልዎ ስበኽ

5. የሆዋ ንኸመይ ዝበሉ ሰባት እዩ ሞገሱ ዚህቦም፧

5 እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ይፈልጡ ነበሩ። (ግብ. 10:34, 35) ሓደ ሰብ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ እንተ ኣለዎ ወይ እንተ ዘይብሉ ዚውስኖ: ኣብቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዘለዎ እምነት እዩ። (ዮሃ. 3:16, 36) ኣብ ርእሲኡ ድማ ፍቓድ የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ።—1 ጢሞ. 2:3, 4

6. ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ካብ ምግባር እዮም ኪቝጠቡ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

6 ኣወጅቲ እቲ ብስራት ንሰባት ብዓሌቶም: ብማሕበራዊ ደረጃኦም: ብትርኢቶም: ብሃይማኖቶም: ወይ እውን ብዝዀነ ይኹን ካልእ መለለይኦም ኪፈርድዎም ግቡእ ኣይኰነን። ሕስብ እሞ ኣብሎ። እቲ ንመጀመርታ እዋን ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ዝነገረካ ሰብ: ኣድልዎ ስለ ዘይነበሮ ኣይተማስወሉንዶ ኢኻ፧ ንስኻ እውን ነቲ ንዚሰምዕ ዘበለ ህይወቱ ኼድሕነሉ ዚኽእል መልእኽቲ ኻብ ምክፋል ስለምንታይ ድሕር ምሕር ትብል፧—ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ።

7. ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ካብ ምፍራድ ክንቍጠብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 የሆዋ ንየሱስ ፈራዲ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ፣ ስለዚ: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ናይ ምፍራድ ስልጣን የብልናን። ከመይሲ: ከምቲ የሱስ ዚገብሮ ዘይኰነስ: ‘ዓይንና ብእትርእዮ’ ወይ ‘እዝንና ብእትሰምዖ’ ኢና እንፈርድ፣ የሱስ ግን ንውሽጣዊ ሓሳብን ንልብን ኬንብብ ይኽእል እዩ።—ኢሳ. 11:1-5፣ 2 ጢሞ. 4:1

8, 9. (ሀ) ሳውል ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ኸመይ ዓይነት ሰብ ነበረ፧ (ለ) እቲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ተመክሮ እንታይ እዩ ኺምህረና ዘለዎ፧

8 እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት: ኣገልገልቲ የሆዋ ዀይኖም እዮም። ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ጕልሕ ኢሉ ዚርአ: እቲ ደሓር ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ እተጸውዐ ሳውል ብዓል ጠርሴስ እዩ። እዚ ፈሪሳዊ ዝነበረ ሰብ እዚ: ንክርስትና ኣመና ይጻረር ነበረ። ክርስትያናት ከም እተጋገዩ ኻብ ልቡ ይኣምን ስለ ዝነበረ ድማ: ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰጐጓ። (ገላ. 1:13) ብሰብኣዊ ኣረኣእያ ኽትርእዮ ኸለኻ: ሳውል ክርስትያን ኪኸውን እዩ ኢልካ ትጽቢት ዘይትገብረሉ ሰብ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: የሱስ ኣብ ልቢ ሳውል ጽቡቕ ነገር ረኣየ: ፍሉይ መዝነት ኪፍጽም ድማ ሓረዮ። በዚ ምኽንያት እዚ ሳውል ሓደ ኻብቶም ንጡፋትን ቀናኣትን ኣባላት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀነ።

9 እቲ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ተመክሮ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ምናልባት ኣብ ክልና ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ዚጻረርዎ ሰባት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ዋላ ሓደ ኻባታቶም ናይ ሓቂ ክርስትያን ዚኸውን እኳ እንተ ዘይመሰለ: ከነረድኦም ክንፍትን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ እቶም ዘይተጸበናዮም ውልቀ-ሰባት ይቕበሉና ይዀኑ። እቲ እተዋህበና መዝነት: ንዅሎም ሰባት ‘ከየብኰርና’ ምስባኽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:42 ኣንብብ።

እቶም ‘ከየብኰሩ’ ዚሰብኩ ይባረኹ

10. ነቶም ዜፍርህ ደጋዊ ትርኢት ዘለዎም ሰባት ካብ ምስባኽ ድሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብ ከባቢኻ እተረኽበ ተመክሮታት ኣዘንቱ።

10 ደጋዊ ትርኢት ኬታልል ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ዚነብር ኢግናስዮ: a ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ሕሱም ብምንባሩ ኣዝዩ ይፍራህ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እተፈላለየ ነገራት ሰሪሖም ነቶም እሱራት ዚሸጡ ዝነበሩ መተኣስርቱ: ካብቶም ዕዳኦም ቀልጢፎም ዘይከፍሉ ሰባት ገንዘብ ንምእካብ ንኢግናስዮ ይልእኽዎ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኢግናስዮ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ነቲ ዚመሃሮ ዝነበረ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ጀመረ: እዚ ሕሱም ዝነበረ ሰብ ሕያዋይ ኰነ። ዕዳ ንምእካብ ዚጥቀመሉ ሰብ ኣይነበረን: ንሱ ግን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታትን መንፈስ ኣምላኽን ንባህርያቱ ስለ ዝለወጦ ሕጉስ እዩ። እቶም ምስኡ መጽናዕቲ ንምግባር ጻዕሪ ዚገብሩ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ጸቢብ ኣተሓሳስባ ብዘይ ምሓዞም እውን የማስወሉ እዩ።

11. ንሰባት ብተደጋጋሚ እንበጽሖም ስለምንታይ ኢና፧

11 ናብቶም ኣቕድም ኣቢልና እቲ ብስራት ዝነገርናዮም ሰባት ደጋጊምና እንምለሰሉ ሓደ ምኽንያት: ኵነታቶምን ኣረኣእያኦምን ኪቕየር ስለ ዚኽእልን ስለ ዚቕየርን እዩ። ንፈለማ እዋን ምብጻሕ ድሕሪ ምግባርና: ገሊኦም ሰባት ብኸቢድ ሕማም: ብስራሕ ምስኣን: ወይ ብሞት ዜፍቅርዎ ሰብ ተጸልዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (መክብብ 9:11 ኣንብብ።) እዚ ዅነታት ዓለም ድማ ብዛዕባ መጻኢ ኣርዚኖም ከም ዚሓስቡ ገይርዎም ይኸውን። ከምዚ ዝበለ ምዕባለታት ንሓደ ተገዳስነት ዘይነበሮ ሰብ: እንተላይ ንሓደ ተጻራሪ: ኣወንታዊ ምላሽ ከም ዚህብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ነቲ ብስራት ካብ ምክፋል ድሕር ክንብል የብልናን።

12. ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

12 ደቅሰብ ብባህርዮም ንኻልኦት ሰባት ብጕጅለ ይፈርዱ እዮም። ይኹን እምበር: የሆዋ ንሰባት ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እዩ ዚርእዮም። ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ዓቕሚ ድማ የስተብህለሉ እዩ። (1 ሳሙኤል 16:7 ኣንብብ።) ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎት ከምዚ ኽንገብር ክንጽዕር ኣሎና። ብዙሕ ተመክሮታት ከም ዚሕብሮ: ብዛዕባ እቶም እንሰብከሎም ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ጽቡቕ ፍረ ኣለዎ።

13, 14. (ሀ) ሓንቲ ፈላሚት ብዛዕባ እታ ኣብ ኣገልግሎት ዝረኸበታ ሰበይቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘሕደረት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ካብዚ ተመክሮ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

13 እታ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ሳንድራ: ኣብተን ኣብ ካሪበያን ዚርከባ ደሴታት ከተገልግል ከላ ምስታ ኣብ በዓላት ካርኒቫል ብዙሕ ተሳትፎ ዝነበራ ሩት ተራኸበት። ሩት ሃገራዊት ንግስቲ ካርኒቫል ብምዃን ክልተ ሳዕ ዘውዲ ደፊኣ እያ። ብዛዕባ እቲ ሳንድራ እትብሎ ዝነበረት ነገር ፍሉይ ተገዳስነት ስለ ዘርኣየት ግን: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓላ ተቛጸራ። ሳንድራ ኸምዚ በለት:- “ናብቲ ሳሎና ምስ ኣተኹ: ሩት ናይ ካርኒቫል ክዳን ተኸዲና ኸላ ዜርኢ ዓብዪ ስእልን ሽልማታትን ነበረ። ከምዚኣ ዝኣመሰለ ኣብ በዓላት ካርኒቫል ዚካፈል ኣዝዩ ህቡብ ሰብ ብዛዕባ ሓቂ ብዙሕ ተገዳስነት ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ ኢለ ብጌጋ ደምደምኩ። ዳግማይ ክበጽሓ ኢለ ኣይከድኩን።”

14 ድሕሪ እተወሰነ እዋን: ሩት ናብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጸት: እቲ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ድማ ንሳንድራ: “ስለምንታይ ደኣ ምሳይ መጽናዕቲ ንምግባር ምምጻእኪ ሓዲግክዮ፧” ኢላ ሓተተታ። ሳንድራ ይቕረታ ብምሕታት ነቲ መጽናዕቲ መሊሰን ኪጅምራኦ ምድላው ገበረት። ሩት ቅልጡፍ ዕቤት ብምግባር ነቲ ናይ ካርኒቫል ስእልታት ኣውረደቶ: ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ጉባኤ ኽትካፈል ጀመረት: ርእሳ ኸኣ ንየሆዋ ወፈየት። ሳንድራ እቲ መጀመርታ ብዛዕባ ሩት እተሰምዓ ስምዒት ጌጋ ምንባሩ ተረድአት።

15, 16. (ሀ) ሓንቲ ኣስፋሒት ንዘመዳ ብምምስካራ እንታይ ፍረ ረኸበት፧ (ለ) ኣዝማድና ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ነገራት ንኸይንምስክረሎም ኪኽልክለና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

15 ብዙሓት ሰባት ነቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራ ቤቶም: እንተላይ ነቶም ኣወንታዊ ምላሽ ኪህቡ ዘይተጸበይዎም ብምምስካሮም ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም እዮም። ንኣብነት: ጆይስ እትበሃል ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ሓብቲ እስከ ንውሰድ። ዘማኣ ዀተቴ ኻብ ዝነበረሉ እዋን ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ይእሰር ነበረ። ጆይስ ከምዚ በለት:- “ሓሽሽ ዚሸይጥን ሰራቕን ካልእ ኽፉእ ነገራት ዚገብርን ብምንባሩ: ሰባት ከም ዘይረብሕ ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያታት እናሃለወ ኽነሱ: ን37 ዓመት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣካፈልክዎ።” ኣብ መወዳእታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጥታት ኪገብርን ምስ ጀመረ: እቲ ንዘመዳ ንምሕጋዝ ብትዕግስቲ ዝገበረቶ ጻዕሪ ዓስቢ ረኸበትሉ። ኣብ ቀረባ ግዜ: ዘማ ጆይስ ኣብ 50 ዓመት ዕድሜኡ ኣብቲ ኣብ ካሊፎርንያ: ሕ.መ.ኣ. ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ተጠምቀ። ብዛዕባ እዚ ጆይስ: “ብሓጐስ በኸኹ። ብእኡ ተስፋ ዘይምቝራጸይ ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰኒ” በለት።

16 ገሊኦም ኣዝማድካ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ነገራት: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ካብ ምንጋር ድሕር ምሕር ከም እትብል ይገብረካ ይኸውን። ጆይስ ግን ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ነቲ ዘማኣ ኻብ ምምስካር ኪዓግታ ኣይፈቐደትሉን። ከም ሓቂ ኸኣ: ነቲ ኣብ ልቢ እቲ ሰብ ዘሎ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ምናልባት ንሱ እውን ብቕንዕና ሃይማኖታዊ ሓቂ የናዲ ይህሉ ይኸውን። ስለዚ: ነታ ሓቂ ምእንቲ ኺረኽባ ነቲ ዚግብኦ ኣይትኽልኣዮ።—ምሳሌ 3:27 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ውጽኢታዊት መጽሓፍ

17, 18. (ሀ) ካብ መላእ ዓለም እተረኽበ ጸብጻባት ብዛዕባ ጥቕሚ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ እንታይ እዩ ዚሕብር፧ (ለ) ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምጥቃም ዝረኸብካዮ ኣወንታዊ ተመክሮታት ኣሎዶ፧

17 ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዚርከባ ሃገራት እተረኽበ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ: ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ውጽኢታዊት መጽሓፍ ጽቡቕ ምላሽ ይህቡላ ኣለዉ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትነብር ፔኒ ዝስማ ፈላሚት: በዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጠቒማ ንብዙሓት መጽናዕቲ ጀመረት። ካብዚኣተን እተን ክልተ: ብዕድመ ዝደፍኣ ውፉያት ኣባላት ኣብያተ-ክርስትያነን ነበራ። ፔኒ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ብኸመይ ከም ዚቕበላኦ የተሓሳስባ ነበረ። ይኹን እምበር: “እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ትምህርቲ ንጹርን ርትዓውን ሓጺርን ስለ ዝዀነ: ብኡንብኡ ብዘይ ክትዕን ብዘይ ምጥርጣርን እቲ ዝመሃርኦ ዝነበራ ሓቂ ምዃኑ ተቐበላኦ” ኢላ ጸሓፈት።

18 ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ፓት ዝስማ ኣስፋሒት: ምስ ሓንቲ ኻብ እስያ ብስደት ዝመጸት ሰበይቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት። እታ ሰበይቲ: ሰብኣያን ደቃን ብዓለወኛታት ወተሃደራት ተወሲዶም ሃለዋቶም ምስ ጠፍአ: ካብቲ ዓዲ ኽትወጽእ ተገደደት። ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣተወ: መንበሪኣ ነደደ: ብዙሓት ሰባት ድማ ዓመጽዋ። እዚ ዅሉ ኸኣ ዕላማ ህይወት ከም ዘይህልዋ ስለ ዝገበረ: ብተደጋጋሚ ርእሳ ኽትቀትል ሓሰበት። እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ተስፋ ሃባ። ፓት: “እቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ መግለጺታትን ምሳሌታትን ንምርዳኡ ቐሊል ስለ ዝዀነ: ዜደንቕ ጽልዋ ኣሕደረላ” ኢላ ጸሓፈት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ቕልጡፍ ዕቤት ገበረት: ዘይተጠመቐት ኣስፋሒት ንምዃን በቕዐት: ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓብዪ ኣኼባ ኽትጥመቕ ዘለዋ ድሌት ድማ ገለጸት። ቅኑዓት ሰባት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ተስፋ ንኺረኽብዎ ምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

“ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ”

19. እቲ ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

19 መዓልቲ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን: እቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን መዝነትና ብዝያዳ ህጹጽ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ቕኑዕ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ነቲ ስብከትና ምላሽ ይህቡሉ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: “እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር . . . ቀሪባ እያ:” እዚ ማለት ከኣ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ዚጸንሑ ሰባት “ናብ ማሕረዲ ይኸዱ” ኣለዉ።—ጸፎ. 1:14፣ ምሳ. 24:11

20. ነፍሲ ወከፍና እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

20 ነዞም ሰባት እዚኣቶም ገና ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። ከምዚ ንምግባር ግን: ነቶም “ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ” እተባህለሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ክንመስሎም ኣሎና። (ግብ. 5:42) ጸገም እናኣጋጠመካ ብምጽናዕ: ን“ጥበብ ኣመሃህራኻ” ኣቓልቦ ብምግባር: ከምኡውን ብዘይ ኣድልዎ ብምስባኽ ንኣብነቶም ስዓብ። እንተ ጸኒዕና: ነቲ ሞገስ ኣምላኽ ዜምጽኦ ብዙሕ በረኸት ስለ እንዓጽድ: “ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።”—2 ጢሞ. 4:2፣ ገላትያ 6:9 ኣንብብ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ነቲ ብስራት ምላሽ ዚህቡሉ ዘለዉ መን እዮም፧

• ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ካብ ምፍራድ ክንቍጠብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ብምጥቃም እንታይ ፍረ ተረኺቡ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ቕኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ምላሽ ይህቡ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ ለውጢ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣወጅቲ እቲ ብስራት ንሰባት ኣይፈርዱን እዮም