ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ”

“ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ”

“ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ”

“ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ።” —ቈሎ. 4:17

1, 2. ክርስትያናት ንደቂ ሰብ ብዚምልከት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

 ብዛዕባ እቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ረዚን ሓላፍነት ኣሎና። ብግዜ “ብርቱዕ ጸበባ” እንተ ኺሞቱ ወይ ኪድሕኑ: ኣብቲ ሕጂ ዚገብርዎ ውሳነ እዩ ዚምርኰስ። (ራእ. 7:14) እቲ ብመንፈስ ተመሪሑ ንመጽሓፍ ምሳሌ ዝጸሓፈ ጸሓፊ: “ነቶም ናብ ሞት ዚጕተቱ ኣናግፎም: ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም” በለ። ኣዝየን ዜገርማ ቓላት እየን! ነቲ ሰባት ምርጫ ኺገብሩ ናይ ምንጋር ሓላፍነትና ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ: ብደሞም ተሓተትቲ ኽንከውን ኢና። ከመይሲ: እታ ጥቕሲ ቐጺላ: “እንሆ: እዝስ ኣይፈለጥናን: እንተ በልካ: እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ፧ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ፧” ትብል። ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ሓደጋ “ኣይፈለጥናን” ኪብሉ ኣይክእሉን እዮም።—ምሳ. 24:11, 12

2 የሆዋ ንህይወት ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ንኣገልገልቱ: ህይወት ብዙሓት ሰባት ንኺድሕን ኣብ ምሕጋዝ ዚከኣሎም ኪገብሩ ዚምሕጸኖም ዘሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ንኻልኦት ኪነግር ኣለዎ። እቲ ዕዮና ምስቲ ዜስግእ ሓደጋ ምስ ረኣየ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ዜስምዕ ሓላዊ ይመሳሰል። ደም እቶም ኣብ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት: ኣብ ርእስና ኪኸውን ኣይንደልን ኢና። (ህዝ. 33:1-7) ስለዚ: ከይተሓለልና ‘ነቲ ቓል ምስባኽና’ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 4:1, 2, 5 ኣንብብ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻትን ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ: ህይወት ሰባት ንምድሓን ከተገልግል ከለኻ ንዜጋጥመካ ዕንቅፋት ብኸመይ ክትሰግሮ ኸም እትኽእል ከምኡውን ብኸመይ ንብዙሓት ሰባት ክትሕግዝ ከም እትኽእል ክንርኢ ኢና። ኣብታ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ድማ ነቲ ኣገዳሲ ሓቅታት ክትምህር ብዛዕባ እትኽእለሉ ጥበብ ኣመሃህራ ኽንምርምር ኢና። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓንቀጽ መጽናዕቲ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ዘለዉ ዜተባብዕ ውጽኢታት ክንርኢ ኢና። ቅድሚ ነዚ ርእሰ ነገር እዚ ምርኣይና ግን: እዚ እዋንና ጽንኩር ብዛዕባ ዝዀነሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።

ብዙሓት ብዘይ ተስፋ ዚተርፉሉ ዘለዉ ምኽንያት

4, 5. ንደቂ ሰብ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ፧ ብዙሓት ሰባትከ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይስምዖም ኣሎ፧

4 ኣብ ከባቢና እንርእዮ ዘለና ዅነታት: ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ንነብር ከም ዘለናን እዚ ድማ ኪዛዘም ከም ዝቐረበን ዚሕብር እዩ። እቲ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ምልክት “ዳሕሮት መዓልትታት” እዩ ኢሎም ዝገለጽዎ ነገራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ይወርድ ኣሎ። እቲ ልክዕ ከም “ቅልውላው” ዝዀነ ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ካልእ መዓትን ንደቂ ሰብ የጥቅዖም ኣሎ። መፍረስቲ ሕጊ: ስሱዓት: ከምኡውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ይበዝሑ ኣለዉ። ነቶም ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪነብሩ ዚጽዕሩ ሰባት እውን ከይተረፈ: እዚ ግዜ እዚ “ኽፉእ ዘመን” እዩ።—ማቴ. 24:3, 6-8, 12፣ 2 ጢሞ. 3:1-5

5 ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ኣብ ዓለም ዚፍጸም ዘሎ ፍጻመታት ዘለዎ ትርጕም ኣይርድእዎን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ: ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶምን ስድራ ቤቶምን ድሕንነት ይሓስቡ። ገሊኦም ብሞት ዜፍቅርዎም ሰባት ወይ ከኣ ንውልቆም ብዜጋጠሞም ዜሕዝን ፍጻመ ይጭነቑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም: ከምዚ ዜጋጥመሉ ምኽንያትን መፍትሒኡን ስለ ዘይፈልጡ: ተስፋ የብሎምን።—ኤፌ. 2:12

6. “ዓባይ ባቢሎን” ንሰዓብታ ኽትሕግዞም ዘይከኣለት ስለምንታይ እያ፧

6 እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን:” ንደቂ ሰብ ምጽንናዕ ኣየምጽኣትሎምን። የግዳስ: “ብወይኒ ምንዝርናኣ” ኣቢላ ንብዙሓት ሰባት ኣብ መንፈሳዊ ሕንፍሽፍሽ ከም ዚኣትዉ ገበረቶም። በቲ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነትን ሓተታ መናፍስትን ገይራ ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ መንግስትታት ከም ዚግዝኡ ብምግባር እውን ን“ነገስታት ምድሪ” ተስሕትን ትቈጻጸርን እያ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣመንዝራ ምዃና ተርኢ ኣላ። ስለዚ: ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓይልን ጽልዋን እኳ እንተ ኣለዋ: ንሃይማኖታዊ ሓቂ ግን ምሉእ ብምሉእ ነጺጋቶ እያ።—ራእ. 17:1, 2, 5፣ 18:23

7. መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ እዮም ዘለዉ፧ ንገሊኦም ሰባትከ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

7 የሱስ: መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኣብታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ገፋሕ መገዲ ይጐዓዙ ኸም ዘለዉ ገለጸ። (ማቴ. 7:13, 14) ገሊኦም ሰባት ኣብታ መገዲ እቲኣ ዚጐዓዙ ዘለዉ: ደይ መደይ ኢሎም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ነገር ስለ ዝነጸግዎ እዩ፣ ብዙሓት ግን ነቲ የሆዋ ኼማልእዎ ዚደልዮም ብቕዓት ስለ ዘይተማህርዎ ወይ ስለ ዘይተገልጸሎም እዩ። ምናልባት ንጹር ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ እንተ ተዋሂብዎም: ኣነባብራኦም ኪቕይሩ ይኽእሉ ይዀኑ። እቶም ኣብታ ዓባይ ባቢሎን ዚጸንሑን ንመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚነጽጉን ሰባት ግን: “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ኣይኪድሕኑን እዮም።—ራእ. 7:14

‘ከየብኰርካ’ ስበኽ

8, 9. እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ምጽራር ምስ ኣጋጠሞም እንታይ ገበሩ፧ ስለምንታይከ፧

8 የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ምዃኖም ተዛሪቡ ነበረ። (ማቴ. 28:19, 20) ስለዚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ወትሩ ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋል: ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ዜርእዩሉን መሰረታዊ ብቕዓት እምነቶምን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ምጽራር እናኣጋጠሞም ክነሱ: ጸኒዖም ምስባኾም ዝቐጸሉ። የሆዋ: ‘ብዅሉ ትብዓት ቃሉ ምዝራብ’ ንኪቕጽሉ ኺሕግዞም ብምጽላይ ኣብቲ ንሱ ዚህቦም ሓይሊ ተወከሉ። የሆዋ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም: ንሳቶም ከኣ ንቓል ኣምላኽ ብድፍረት ሰበኹ።—ግብ. 4:18, 29, 31

9 እቲ ምጽራር እናኸፍአ ምስ ከደ: ሰዓብቲ የሱስ ነቲ ብስራት ንምስባኽ እተዋህቦም መዝነት ንምፍጻም ካብ ዝገበርዎ ቘራጽነት ዘልሓጥሓጥ ኢሎምዶ፧ ኣይበሉን። እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት በቲ ስብከት ሃዋርያት ስለ ዝሓረቑ: ኣሰርዎም: ኣፈራርህዎም: ከምኡውን ገረፍዎም። እቶም ሃዋርያት ግን: “ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” ነቲ “ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዚብል ሓሳብ ብንጹር ይርድእዎ ነይሮም እዮም።—ግብ. 5:28, 29, 40-42

10. ኣብዚ እዋን እዚ: ክርስትያናት እንታይ ብድሆ እዩ ዜጋጥሞም፧ እቲ ዜርእይዎ ሰናይ ኣካይዳኸ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ ይኽእል፧

10 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምኽንያት ናይ ስብከት ንጥፈታቶም መውቃዕትን ማእሰርትን ኣይወርዶምን ይኸውን። ይኹን እምበር: ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ፈተናታት የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት: እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ: ዘይፍቶ ዓይነት ኣካይዳ ንኽትስዕብ ወይ ፍሉይ ንኽትኸውን ይድርኸካ ይኸውን። መሳርሕትኻ: መማህርትኻ: ወይ ጐረባብትኻ: ውሳነታትካ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ስለ ዝዀነ: ከም ስግንጢር ገይሮም ይርእዩኻ ይዀኑ። ኰይኑ ግን: እቲ ዚህብዎ ኣሉታዊ ምላሽ ኪዓግተካ የብሉን። እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት እኳ እንተላ: ክርስትያናት ግን “ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም” ኪበርሁ ኣለዎም። (ፊል. 2:15) ምናልባት ገሊኦም ቅኑዓት ሰባት ነዚ ምስ ተዓዘቡ: ነቲ ሰናይ ተግባርካ ይንእድዎን ንየሆዋ ኽብሪ ይህብዎን ይዀኑ።—ማቴዎስ 5:16 ኣንብብ።

11. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ነቲ ዕዮ ስብከት እንታይ ምላሽ እዮም ዚህቡሉ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ምጽራር እዩ ኣጋጢምዎ፧ እንታይ ምላሽከ ሃበ፧

11 ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽ ትብዓት የድልየና። ገሊኦም ሰባት: ኣዝማድ እውን ከይተረፉ: የላግጹልካ ወይ ተስፋ ኬቝርጹኻ ይፍትኑ ይዀኑ። (ማቴ. 10:36) ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ብተኣማንነት ስለ ዝፈጸመ: ካብ ሓደ እዋን ንላዕሊ ተቐጥቂጡ እዩ። እንታይ ከም ዝበለ ግን እስከ ኣስተብህለሉ:- “መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን: ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና።” (1 ተሰ. 2:2) ሓቂ እዩ: ጳውሎስ ተታሒዙ: ክዳኑ ተገፊፉ: ብሽመል ተዘቢጡ: ናብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታዉ: ብዛዕባ እቲ ብስራት ንሰባት ምንጋር በዳሂ ዀይንዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 16:19-24) ንኪቕጽል ትብዓት ዝሃቦ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ምስባኽ መዝነት ንኺፍጽም ዝነበሮ ድሌት እዩ።—1 ቈረ. 9:16

12, 13. ገሊኦም ሰባት እንታይ ዓይነት ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧ ንኺዋጽኡሉኸ እንታይ ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ፧

12 ኣብቲ ሰባት ሳሕቲ ኣብ ቤቶም ዚርከቡሉ ወይ ከኣ ኣብቲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበልሉ ኽልታት: ቅንኣትና ሓሊና ምቕጻል ከቢድ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ነቶም ሰባት ብዘይወግዓዊ መገዲ ንኽንምስክረሎም ዝያዳ ትብዓት ኪህልወና ኣለዎ። መደባትና ኸነተዓራሪ ወይ ኣብቲ ንብዙሓት ሰባት ክንረኽቦም እንኽእለሉ ቦታ ዝያዳ ኸነተኵር እውን የድልየና ይኸውን።—ምስ ዮሃንስ 4:7-15፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:13፣ 17:17 ኣረኣኢ።

13 ዕድመ ምድፋእ ከምኡውን ጥዕና ምስኣን ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንገብሮ እንኽእል ስለ ዚድርቶ: ክንቃለሶ ዘሎና ኻልእ ጸገም እዩ። ከምዚ የጋጥመካ እንተ ኣልዩ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሆዋ ነቲ ዘሎካ ድሩትነት ይርድኦን ነቲ እትገብሮ ነገራት የማስወሉን እዩ። (2 ቈረንቶስ 8:12 ኣንብብ።) ከም ምጽራር: ዘይተገዳስነት: ወይ ምስኣን ጥዕና ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠመካ: ኵነታትካ ብዚፈቕደልካ መጠን ነቲ ብስራት ንኻልኦት ኣካፍል።—ምሳ. 3:27፣ ምስ ማርቆስ 12:41-44 ኣረኣኢ።

‘ንኣገልግሎትካ ተጠንቀቕ’

14. ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ከመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም፧ እንታይ ምኽሪኸ እዩ ዝሃበ፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ኣርዚኑ ይርእዮ ነበረ: ነቶም ኣመንቲ ብጾቱ ድማ ከምኡ ገይሮም ኪርእይዎ ኣተባብዖም። (ግብ. 20:20, 21፣ 1 ቈረ. 11:1) ሓደ ኻብቶም ጳውሎስ ፈልዩ ዘተባብዖ ሰብ: እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ኣርኪጶስ ዝስሙ ክርስትያን ነበረ። ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ቈሎሴ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: “ንኣርኪጶስ ድማ: ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ: በልዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎ. 4:17) ኣርኪጶስ መን ምዃኑን ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዝነበረን ኣይንፈልጥን ኢና: ብርግጽ ግን ናይ ምስባኽ መዝነት ተቐቢሉ እዩ። ንስኻ እውን ርእስኻ ዝወፈኻ ክርስትያን እንተ ዄንካ: ናይ ምስባኽ መዝነት ተቐቢልካ ኢኻ። እሞኸ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ንምፍጻም ትጥንቀቕዶ ኣለኻ፧

15. ክርስትያናዊ ወፈያ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ኢልና ኸም እንሓትት እዩ ዚገብረና፧

15 ቅድሚ ምጥማቕና: ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ ርእስና ወፊና ኢና። እዚ ኸኣ ፍቓዱ ንምግባር ቈራጽነት ከም ዝገበርና ዜርኢ እዩ። ስለዚ: ንርእስና ‘ኣብ ህይወተይ ቀዳምነት ዝህቦ ብሓቂ ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። የሆዋ ኸነማልኦ ዚጽበየና ኸም እኒ ንስድራና ምሕላይ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሓላፍነታት ይህልወና ይኸውን። (1 ጢሞ. 5:8) ነቲ ኻብዚ ወጻኢ ዘሎ ግዜናን ጕልበትናን ግን ብኸመይ ኢና እንጥቀመሉ፧ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገር እንታይ እዩ፧—2 ቈረንቶስ 5:14, 15 ኣንብብ።

16, 17. ክርስትያን መንእሰያት ወይ ከኣ እቶም ሒደት ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኣብ ግምት ኬእትውዎ ዚኽእሉ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎ፧

16 ትምህርቲ ዝወዳእካ ወይ ክትውድእ ዝቐረብካ ርእስኻ ዝወፈኻ ክርስትያን መንእሰይ ዲኻ፧ መቸም ገና ስድራ ቤት ናይ ምእላይ ከቢድ ሓላፍነት የብልካን። ስለዚ: ንህይወትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኻ ኸተውዕላ፧ ነቲ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ዝኣተኻዮ መብጽዓ ንኽትፍጽሞ ዜኽእለካ ውሳነ እንታይ እዩ፧ ብዙሓት ሰባት: ፈለምቲ ዀይኖም ንኼገልግሉ ምትዕርራይ ብምግባሮም ዓብዪ ሓጐስን ዕግበትን ረኸቦም እዮም።—መዝ. 110:3፣ መክ. 12:1

17 ምናልባት ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ዘሎካ ኸምኡውን ካብ ንርእስኻ ምእላይ ወጻኢ ኻልእ ሓላፍነት ዘይብልካ መንእሰይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። መደባትካ ብዚፈቕደልካ መጠን ኣብ ጉባኤ ምስታፍካ ሓጐስ ከም ዜምጽኣልካ ፍሉጥ እዩ። እዚ ሓጐስካ ግን ኪውስኽ ይኽእልዶ፧ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ (መዝ. 34:8፣ ምሳ. 10:22) ኣብ ገሊኡ ኽልታት: እቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ሓቂ ንዅሉ ሰብ ንኺበጽሖ ዝያዳ ዕዮ ኺዕየ ኣለዎ። ምናልባት ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድካ ንምግልጋል ኣብ ህይወትካ ምትዕርራይ ክትገብር ትኽእልዶ፧—1 ጢሞቴዎስ 6:6-8 ኣንብብ።

18. ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ምትዕርራይ እዮም ገይሮም፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኸቡ፧

18 ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ኬቨንን ኢለናን እስከ ርአ። a ከምቲ ኣብ ከባቢኦም ዚርከቡ ሓደስቲ ምርዑዋት ዚገብርዎ: ንሳቶም እውን ቤት ኪዕድጉ ደለዩ። ምሹእ ናብራ ንምንባር ኢሎም ድማ ክልቲኦም ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ይሰርሑ ነበሩ። ይኹን እምበር: እቲ ዓለማዊ ስራሖምን ኣብ ቤት ዝነበሮም ዕዮን: ንመብዛሕትኡ እቲ ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ግዜ ወሰዶ። ዳርጋ ዅሉ ግዜኦምን ጕልበቶምን ድማ ሃብቲ ኣብ ምእካብ የውዕልዎ ኸም ዝነበሩ ኣስተውዓሉ። ሓደ እዋን: ነቲ ፈለምቲ ዝዀኑ ኻልኦት ሰብ ሓዳር ዚመርሕዎ ዝነበሩ ባህ ዜብል ቀሊል ናብራ ምስ ረኣዩ: ነቲ ኣብ ህይወቶም ኣትኵሮ ዚገብሩሉ ዝነበሩ ነገራት ኪቕይርዎ ወሰኑ። የሆዋ ንኺመርሖም ብጸሎት ድሕሪ ምሕታቶም ድማ ቤቶም ሸይጦም ናብ ኣፓርታማ ገዓዙ። ኢለና ነቲ እትሰርሓሉ ዝነበረት ሰዓታት ብምጕዳል ፈላሚት ኰነት። ኬቨን እውን በቲ ሰበይቱ እትረኽቦ ዝነበረት ተመክሮታት ብምትብባዕ: ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ሓዲጉ ፈላሚ ዀነ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን: ኣብቲ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ንምግልጋል ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ እትርከብ ዓዲ ገዓዙ። ኬቨን: “ካብ ቀደምና ባህ ዜብል ሓዳር እዩ ነይሩና: መንፈሳዊ ሸቶ ብምስዓብ ከነገልግል ምስ ጀመርና ግን ሓጐስና ዝያዳ ዓሚቝ ኸም ዚኸውን ገበሮ” በለ።—ማቴዎስ 6:19-22 ኣንብብ።

19, 20. ስብከት እቲ ብስራት ኣብዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

19 ስብከት እቲ ብስራት: ኣብ ምድሪ ይፍጸሙ ኻብ ዘለዉ ዕዮታት ብዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ራእ. 14:6, 7) ንስም የሆዋ ኣብ ምቕዳስ ኣበርክቶ ኣለዎ። (ማቴ. 6:9) መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ንህይወት እቶም ኣብ ዓዓመት ዚቕበልዎ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት የመሓይሾ ስለ ዘሎ: ናብ ድሕነት ይመርሖም ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግን “ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ኢሉ ሓቲቱ ነበረ። (ሮሜ 10:14, 15) እወ: ሓቁ እዩ። እምበኣር: ኣገልግሎትካ ንምፍጻም ዚከኣለካ ንምግባር ስለምንታይ ቈራጽነት ዘይትገብር፧

20 ንጥበብ ኣመሃህራኻ ብምምሕያሽ: ሰባት ንኣገዳስነት እዚ ጽንኩር እዋንን እቲ ዚገብርዎ ውሳነ ንዜምጽኦ ሳዕቤንን ንኺርድኡ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብኸመይ ነዚ ኽትገብሮ ኸም እትኽእል ክንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ክርስትያናት ንደቂ ሰብ ብዚምልከት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

• ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዜጋጥመና ዕንቅፋታት ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧

• ነቲ እተቐበልናዮ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንፍጽሞ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ምጽራር እናኣጋጠመካ ንኽትሰብኽ ትብዓት የድሊ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ሰባት ሳሕቲ ኣብ ቤቶም ዚርከቡሉ ኽልታት ትሰብኽ እንተ ኣሊኻ: እንታይ ክትገብር ትኽእል፧