ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ንኺምርሑ ብቑዓት ኰይኖም እተቘጽሩ

ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ንኺምርሑ ብቑዓት ኰይኖም እተቘጽሩ

ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ንኺምርሑ ብቑዓት ኰይኖም እተቘጽሩ

“እቲ . . . ገንሸል ስለ ዚጓስዮም: ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም።” —ራእ. 7:17

1. ቃል ኣምላኽ ንቕቡኣት ክርስትያናት እንታይ ኢሉ ይጽውዖም፧ የሱስከ እንታይ ሓላፍነት ሃቦም፧

 ቃል ኣምላኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘሎ ረብሓታት ክርስቶስ ዚኣልዩ ቕቡኣት ክርስትያናት: “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኢሉ ይጽውዖም። ክርስቶስ ነቲ “ባርያ” ብ1918 ምስ መርመሮ: ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቕቡኣት መንፈሳዊ ‘ምግቢ በብግዜኡ’ ብምሃብ ዝመጸ እሙናት ኰይኖም ረኸቦም። ስለዚ: እቲ ጐይታ ዝዀነ የሱስ ስለ እተሓጐሰ: ድሕሪኡ “ኣብ ኵሉ ገንዘቡ” ሸሞም። (ማቴዎስ 24:45-47 ኣንብብ።) በዚ ኸምዚ: ቅቡኣት ዘበሉ ሰማያዊ ርስቶም ቅድሚ ምቕባሎም ንኻልኦት ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ የገልግሉ ኣለዉ።

2. ጥሪት የሱስ እንታይ ምዃኑ ግለጽ።

2 ጐይታ ኣብ ገንዘቡ ወይ ጥሪቱ ስልጣን ኣለዎ: ከም ዝደለዮ ገይሩ ኸኣ ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ። እቲ የሆዋ ዘንገሶ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ጥሪት: ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ነገራት የጠቓልል። እዚ ድማ ነቶም ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ ዝረኣዮም “ብዙሓት ሰብ” እውን ዜጠቓልል እዩ። ዮሃንስ ነቶም ብዙሓት ሰብ ከምዚ ኢሉ ገለጾም:- “ድሕርዚ ድማ ርኤኹ: እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ: ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም: ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም: ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ።”—ራእ. 7:9

3, 4. እቶም ብዙሓት ሰብ ፍሉይ መሰል ዘለዎም ብኸመይ እዩ፧

3 ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ: ካብቶም የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝበሎም ሰባት እዮም። (ዮሃ. 10:16) ተስፋኦም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር እዩ። የሱስ ‘ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከም ዚመርሖም: ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኸም ዚደርዘሎም’ ርግጸኛታት እዮም። ስለዚ ድማ “ንኽዳውንቶም . . . ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ።” (ራእ. 7:14, 17) ኣብ መስዋእቲ የሱስ እምነት ገይሮም እዮም: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ኣምላኽ ‘ጻዕዳ ኽዳውንቲ’ ተኸዲኖም ኣለዉ። ልክዕ ከም ኣብርሃም: ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ጸዲቖም እዮም።

4 ብዘይካዚ: እቶም እናወሰኹ ዚኸዱ ዘለዉ ኽፍሊ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ጌርካ ስለ ዚረኣዩ: ካብቲ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚመጽእ ጥፍኣት እዚ ስርዓት እዚ ኺድሕኑ ተስፋ ኣለዎም። (ያእ. 2:23-26) ንየሆዋ ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም: ብደረጃ ጕጅለ ኸኣ ካብ ኣርማጌዶን ናይ ምድሓን ዜደንቕ ተስፋ ኣለዎም። (ያእ. 4:8፣ ራእ. 7:15) ብርእሶም ዚመሓደሩ ጕጅለ ዘይኰኑስ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ሰማያዊ ንጉስን ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ኣሕዋቱን ኰይኖም እዮም ዜገልግሉ።

5. እቶም ብዙሓት ሰብ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ዚሕግዝዎም ብኸመይ እዮም፧

5 ቅቡኣት ክርስትያናት ካብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጢምዎም እዩ: ብሕጂ እውን ኬጋጥሞም እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ደገፍ እቶም ብጾቶም ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። ቅቡኣት ክርስትያናት ሕጂ ሒደት እኳ እንተ ዀኑ: እቶም ብዙሓት ሰብ ግን ዓመት ንዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ይውስኹ ኣለዉ። እቶም ቅቡኣት ንነፍሲ ወከፍ እተን ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ 100,000 ዚኣኽላ ክርስትያን ጉባኤታት ብኣካል ኪሕልውወን ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ: እቶም ቅቡኣት ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዚረኽብዎ ሓደ ዓይነት ደገፍ: ካብቶም ብዙሓት ሰብ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ኣብ ጉባኤታት ሽማግለታት ኰይኖም ብምግልጋሎም እዩ። ንሳቶም ነቶም ሎሚ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብሕድሪ እተዋህቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ኣብ ምሕላይ ይሕግዙ።

6. እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብቶም ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕ ደገፍ ከም ዚረኽቡ ብኸመይ እዩ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧

6 እቲ ኻብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብፍታው ዚወሃብ ደገፍ: ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቐዲምካ ተነጊሩ ነይሩ። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል: ጻዕሪ [“ዘይክፈሉ ሸቃሎ:” NW] ግብጽን ንግድ ኢትዮጵያን እቶም ነዊሕ ዝቝመቶም ሰብ ሳባን ናባኻ ኺሐልፉ ናትካውን ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ደድሕሬኻ ኺስዕቡ . . . እዮም።” (ኢሳ. 45:14) ብተምሳላዊ ኣዘራርባ: ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ሎሚ ደድሕሪ እቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ጕጅለ ባርያን ደድሕሪ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካልን ብምኻድ መሪሕነቶም ይስዕቡ ኣለዉ። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ “ዘይክፈሉ ሸቃሎ” ኸም ምዃኖም መጠን: ጕልበቶምን ጥሪቶምን ነቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ቕቡኣት ሰዓብቱ ዝመደበሎም ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድጋፍ ብፍታውን ብምሉእ ልቦምን የውዕልዎ።—ግብ. 1:8፣ ራእ. 12:17

7. እቶም ብዙሓት ሰብ ንምንታይ እዮም ዚስልጥኑ ዘለዉ፧

7 ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ ንቕቡኣት ኣሕዋቶም ደገፎም ኪህብዎም ከለዉ: ድሕሪ ኣርማጌዶን ዚህሉ መሰረት እቲ ሓድሽ ምድራዊ ሕብረተሰብ ንኪዀኑ ይስልጥኑ እዮም ዘለዉ። እቲ መሰረት እቲ ድልዱልን ጽኑዕን ኪኸውን ኣለዎ: ኣባላቱ ኸኣ መምርሒ እቲ ጐይታ ኺፍጽሙ ፍቓደኛነትን ክእለትን ዘለዎም ኪዀኑ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን: እቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ምዃኑ ኼርኢ ኣጋጣሚ ተዋሂብዎ ኣሎ። ሕጂ እምነትን ተኣማንነትን ብምርኣይ: እቲ ንጉስ ኣብታ ሓዳስ ዓለም መምርሒ ኺህቦ ኸሎ ብፍታው ከም ዚቕበሎ የርኢ።

እቶም ብዙሓት ሰብ እምነቶም የርእዩ

8, 9. እቶም ብዙሓት ሰብ እምነቶም ዜርእዩ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

8 እቶም ንጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ብጾቶም ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕ: እምነቶም ብእተፈላለየ መገዲ የርእዩ ኣለዉ። ቀዳማይ: ኣብ ምእዋጅ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ቅቡኣት ይድግፍዎም ኣለዉ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ካልኣይ: ነቲ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚወሃብ መምርሒ ብፍታው ይግዝኡ ኣለዉ።—እብ. 13:17፣ ዘካርያስ 8:23 ኣንብብ።

9 ሳልሳይ: ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ተሰማሚዖም ብምምልላስ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ይድግፍዎም ኣለዉ። “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ኬፍርዩ ይጽዕሩ ኣለዉ። (ገላ. 5:22, 23) ሎሚ: “ግብሪ ስጋ” ምፍራይ ሓዲግካ: ብፍረ መንፈስ ምምልላስ ብሰባት ኣይፍቶን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ: “ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ: ዝርግርግ: ቅንኣት: ቅትለት: ስኽራን: ጓይላ: ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን” ኪርሕቁ ቘሪጾም እዮም።—ገላ. 5:19-21

10. ኣባላት እቶም ብዙሓት ሰብ እንታይ ኪገብሩ እዮም ቈሪጾም፧

10 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ፍረ መንፈስ ምፍራይን ካብ ግብሪ ስጋ ምርሓቕን ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚመጽእ ጸቕጢ ምጽራርን በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ብሕታዊ ድኽመት: ግዜያዊ ፍሽለት: ወይ ኣካላዊ ድሩትነት ዜስዕቦ ተስፋ ምቝራጽ: ንብርታዐ እምነትና ኺጸልዎ ወይ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኺንክያ ኣይነፍቅድን ኢና። የሆዋ መብጽዓኡ ኸም ዚፍጽም: ማለት ነቶም ብዙሓት ሰብ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዜድሕኖም ንፈልጥ ኢና።

11. ሰይጣን ንእምነት ክርስትያናት ንኼዳኽም ኣብ ዚገብሮ ጻዕሪ እንታይ ስልትታት እዩ ተጠቒሙ፧

11 ይኹን እምበር: እቲ ናይ ሓቂ ጸላኢና ድያብሎስ ምዃኑ ስለ እንፈልጥን ንሱ ድማ ብቐሊሉ ተስፋ ስለ ዘይቈርጽን: ወትሩ ንጥንቀቕ ኢና። (1 ጴጥሮስ 5:8 ኣንብብ።) እቲ እንስዕቦ ዘለና ትምህርትታት ሓሶት ምዃኑ ንኼእምነና ኢሉ: ከሓድትን ካልኦትን ተጠቒሙ እዩ። እቲ ስልቲ እቲ ግን ብዙሕ ግዜ ፈሺሉ እዩ። ብተመሳሳሊ: ሓድሓደ ግዜ ዚለዓል መስጐጕቲ ንዕዮ ስብከት እኳ እንተ ኣዝሓሎ: ብዙሕ ግዜ ግን ንእምነት እቶም እተሰጐጉ የደልድሎ እዩ። ስለዚ: ሰይጣን ንእምነትና ንምድኻም ዝያዳ ኣሳልጦ ኸም ዚረኽበሉ ገይሩ ዚኣምነሉ ሜላ ብብዝሒ ይጥቀም ኣሎ። እወ: ንተስፋ ምቝራጽ ይጥቀመሉ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዚአክል ምጽራር እተዐገሰ [የሱስ] ዘክርዎ” ብዚብል ቃላት ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነበረ። ስለምንታይ፧ ከምኡ ዚገብሩሉ ምኽንያት: “ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን” ብዚብላ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ።—እብ. 12:3

12. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ብኸመይ የበራትዖም፧

12 ከም እተሓለልካ ዀይኑ እተሰምዓካ እዋንዶ ኣሎ፧ ሓድሓደ ግዜ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ዘይትኽእል ከም ዝዀንካ ዀይኑዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ: ሰይጣን በዚ ስምዒታት እዚ ተጠቒሙ ንየሆዋ ኸይተገልግሎ ዕንቅፋት ኪዀነካ ኣይተፍቅደሉ። ዕምቈት ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ዕቱብ ጸሎት: ኣዘውቲርካ ኣብ ኣኼባ ምእካብ: ከምኡውን ምስቶም ከም ናትካ ዓይነት እምነት ዘለዎም ምሕባር ኬበርትዓካን ‘ነፍስኻ ከይትሕለል’ ኪሕግዘካን እዩ። የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎ ሓይሎም ከም ዚሕድስ ተመባጺዑ ኣሎ: መብጽዓኡ ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ኢሳይያስ 40:30, 31 ኣንብብ።) ኣዒንትኻ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ትኸል። ግዜ ዚወስድ መስገሊታት ኣርሕቕ: ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ኣተኵር። ድሕሪኡ ዝዀነ ይኹን ተስፋ ዜቝርጽ ነገር እንተ ኣጋጠመካ: ንኽትጻወሮ ብርታዐ ኽትረክብ ኢኻ።—ገላ. 6:1, 2

ካብቲ ጸበባ ወጺኦም: ናብ ሓዳስ ዓለም ይኣትዉ

13. ነቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ እንታይ ዕዮ ይጽበዮም ኣሎ፧

13 ድሕሪ ኣርማጌዶን ብዙሓት ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሓጥኣን: መገድታት የሆዋ ኺፈልጡ ኼድልዮም እዩ። (ግብ. 24:15) ብዛዕባ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ኪፈልጡ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብቲ መስዋእቲ ጥቕምታት ንምርካብ ኣብኡ እምነት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ኺመሃሩ ኼድልዮም እዩ። ኣቐዲሞም ሒዞምዎ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ሓሳባት ኬወግዱ: ቀደም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ህይወት ድማ ኪሓድጉ ኼድልዮም እዩ። ነቲ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚዀነ ሓድሽ ሰብ ምልባስ ኪመሃሩ ኣለዎም። (ኤፌ. 4:22-24፣ ቈሎ. 3:9, 10) እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ኻልኦት ኣባጊዕ ብዙሕ ዚዕየ ዕዮ ኺህልዎም እዩ። ካብ ጸቕጥታትን መስገሊታትን እዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ናጻ ዄንካ ንየሆዋ በዚ ኸምዚ ምግልጋልሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ!

14, 15. ኣብ መንጎ እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑን ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ጻድቃንን ዚህሉ ምልውዋጥ ሓበሬታ ግለጽ።

14 እቶም ቅድሚ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ዚመሃርዎ ነገራት ኣለዎም። እቲ ብናፍቖት እተጸበይዎ ግናኸ ዘይረኣይዎ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ መን ምዃኑ ኺፈልጡ እዮም። ኣብቲ ቕድሚኡ ዝነበሮም ህይወት ብየሆዋ ኺመሃሩ ፍቓደኛታት ምዃኖም ኣርእዮም እዮም። ንዓታቶም ክንሕግዞም: ንኣብነት ንዳንኤል ፍጻመ እቲ ባዕሉ ዝጸሓፎ ግናኸ ዘይተረድኦ ትንቢታት ክንገልጸሉ ኸለና ዚስምዓና ሓጐስን ክብርን እሞ ሕስብ ኣብሎ!—ዳን. 12:8, 9

15 ልክዕ እዩ: እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ብዙሕ ኪመሃርዎ ዜድልዮም ነገራት ኪህልዎም ከሎ: ንሕና እውን ክንሓቶም እንደሊ ብዙሕ ሕቶታት ኪህልወና እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ግን ከኣ ብዝርዝር ዘይተገልጸ ፍጻመታት: ብዝርዝር ኪሕብሩና ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ የሱስ ካብቲ ዘመዱ ዝነበረ ዮሃንስ መጥምቕ ዝርዝር ነገራት ምፍላጥ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜሐጕስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ከምዚኣቶም ካብ ዝኣመሰሉ እሙናት መሰኻኽር እንፈልጦ ነገራት: ንቓል ኣምላኽ ካብቲ ሕጂ ዘሎና ምርዳእ ብዝያዳ ዕምቈት ንኽንርድኦ ኺሕግዘና እዩ። እቶም ሞይቶም ዚጸንሑ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ—እንተላይ እቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ ዚሞቱ ኻብቶም ብዙሓት ሰብ—“ዚሐይሽ ትንሳኤ” ኺረኽቡ እዮም። ኣብታ ብሰይጣን እትግዛእ ዓለም እዮም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ጀሚሮም። ኣገልግሎቶም ኣብታ ኣዝዩ ዝሓሸ ዅነታት ዚህልዋ ሓዳስ ዓለም ኪቕጽሉ ምኽኣሎምሲ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ኼምጽኣሎም!—እብ. 11:35፣ 1 ዮሃ. 5:19

16. ብመሰረት ትንቢት: ኣብ መዓልቲ ፍርዲ እንታይ ኪግበር እዩ፧

16 ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ: መጻሕፍቲ ኺግንጸል እዩ። እዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ኰይኑ: ንዅሎም እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወት ዚነብሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ብቕዓት ዘለዎም እንተ ዀይኖም ንምፍራድ መሰረት ኰይኑ ኼገልግል እዩ። (ራእይ 20:12, 13 ኣንብብ።) ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ፍርዲ: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣብቲ ጕዳይ ልዑላውነት ኣበይ ከም ዚቐውም ንኼርኢ እኹል ኣጋጣሚ ኪኽፈተሉ እዩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪግዛእን ነቲ ገንሸል ናብ “ዔላታት ማይ ህይወት” ኪመርሖ ኼፍቅደሉን ድዩ፧ ወይስ ንመንግስቲ ኣምላኽ ተገዛኢ ምዃን ኪኣቢ እዩ፧ (ራእ. 7:17፣ ኢሳ. 65:20) ኣብቲ ግዜ እቲ ዅሎም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ዝወረስዎ ሓጢኣት ስለ ዜልግስን ኣብ ከባቢኦም እኩይ ሃዋህው ስለ ዘይህልዎምን: ብዘይ ዕንቅፋት ብሕታዊ ውሳነ ኺገብሩ ኣጋጣሚ ኺወሃቦም እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ የሆዋ ዚህቦ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ቕኑዕ ምዃኑ ኣብ ሕቶ ኣይኬእትዎን እዩ። እኩያት ጥራይ እዮም ንዘለኣለም ዚጠፍኡ።—ራእ. 20:14, 15

17, 18. ቅቡኣት ክርስትያናትን ካልኦት ኣባጊዕን ነታ መዓልቲ ፍርዲ ብኸመይ ዝበለ ሕጉስ መንፈስ እዮም ዚጽበይዋ፧

17 ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት: መንግስቲ ኪቕበሉ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ኺገዝኡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። ከመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዮም ኪረኽቡ! እዚ ተስፋ እዚ: እቲ ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋት ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝሃቦም ምኽሪ ንኺስዕቡ ይድርኾም:- “ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ: ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።”—2 ጴጥ. 1:10, 11

18 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምስቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ይሕጐሱ እዮም። ኪድግፍዎም ድማ ቈሪጾም ኣለዉ። ሎሚ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ስለ ዝዀኑ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዚከኣሎም ዘበለ ኺገብሩ ድራኸ ኣለዎም። ኣብታ መዓልቲ ፍርዲ: የሱስ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ኪመርሖም ከሎ: ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ስርዓት ብምሉእ ልቦም ተሓጒሶም ኪድግፉ እዮም። ድሕሪኡ: ኣብ መወዳእታ ንዘለኣለም ምድራውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ንኪዀኑ ብቑዓት ኰይኖም ኪቝጸሩ እዮም!—ሮሜ 8:20, 21፣ ራእ. 21:1-7

ትዝክሮዶ፧

• ጥሪት የሱስ እንታይ የጠቓልል፧

• እቶም ብዙሓት ሰብ ንቕቡኣት ኣሕዋቶም ዚድግፍዎም ብኸመይ እዮም፧

• እቶም ብዙሓት ሰብ እንታይ ፍሉይ መሰልን ተስፋን እዩ ዘለዎም፧

• ነታ መዓልቲ ፍርዲ ብኸመይ ኢኻ እትርእያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ብዙሓት ሰብ ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ካብቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ እሙናት ሰባት እንታይ ክትመሃር ኢኻ ተስፋ ጌርካ ዘለኻ፧