ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣቕልበሉ

‘ንጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣቕልበሉ

‘ንጥበብ ኣመሃህራኻ’ ኣቕልበሉ

“ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን [“ብጥበብ ኣመሃህራን:” NW] እቲ ቓል ክትሰብኽ: . . . ክትገንሕ: ክትቀጽዕ: ክትምዕድ።”—2 ጢሞ. 4:2

1. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ትእዛዝ እንታይ እዩ፧ እንታይ ኣብነትከ እዩ ዝሓደገሎም፧

 የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንሰባት ብዜደንቕ መገዲ እኳ እንተ ፈወሶም: ብቐንዱ ግን ከም ፈዋስን ገባር ተኣምራትን ዘይኰነስ: ከም መምህር እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። (ማር. 12:19፣ 13:1) እቲ ቐዳምነት ዚህቦ ዝነበረ ዕዮ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ እዩ ነይሩ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሰዓብቱ እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ። ክርስትያናት ንሰባት ኵሉ እቲ የሱስ ዝኣዘዞም ኪሕልዉ ብምምሃር ዚገብርዎ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኪቕጽልዎ መዝነት ተዋሂብዎም እዩ።—ማቴ. 28:19, 20

2. ዕዮ ስብከትና ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

2 ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነትና ንኽንፍጽም: ንኽእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሽ ብቐጻሊ ንጽዕር ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መገላግልቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኪጽሕፈሉ ኸሎ: ንኣገዳስነት እዚ ኽእለት እዚ ኣጕልሐ። “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ድማ በሎ። (1 ጢሞ. 4:16) እቲ ጳውሎስ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዝዎ ዝነበረ ዓይነት ትምህርቲ: ፍልጠት ምክፋል ጥራይ ኣይኰነን። ውጽኢታውያን ዝዀኑ ክርስትያን ኣገልገልቲ ንልቢ ሰባት ይትንክፉን ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩ የለዓዕልዎምን እዮም። ከምዚ ምግባር ግን ጥበብ ዚሓትት እዩ። ከመይ ጌርና ደኣ እሞ ኢና ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እነቕርበሉ ኣገባብ ነዚ “ጥበብ ኣመሃህራ” እዚ ኸነማዕብሎ እንኽእል፧—2 ጢሞ. 4:2

“ጥበብ ኣመሃህራ” ምምዕባል

3, 4. (ሀ) “ጥበብ ኣመሃህራ” ኸነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ውጽኢታውያን መምህራን ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 ሓደ መዝገበ ቓላት ነታ “ጥበብ” እትብል ቃል: “ብመጽናዕቲ: ብምልምማድ: ወይ ብምዕዛብ ዚርከብ ክእለት” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ነቲ ብስራት ብውጽኢታዊ መገዲ ንኽንምህር ነዘን ሰለስተ መዳያት እዚኣተን ከነቕልበለን ኣሎና። ብጸሎት እተደገፈ መጽናዕቲ ምስ እንገብር ጥራይ ኢና ነቲ እንዛረበሉ ርእሰ ነገር ብቕኑዕ መገዲ ኽንርድኦ እንኽእል። (መዝሙር 119:27, 34 ኣንብብ።) እቶም ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ኺምህሩ ኸለዉ ምዕዛብና እውን ነቲ ሜላታቶም ንኽንመሃሮን ንዕኦም ንኽንመስሎምን ይሕግዘና። ነቲ እተመሃርናዮ ብቐጻሊ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንጽዕር እንተ ዄንና: ንኽእለትና ንኸነመሓይሾ ኺሕግዘና እዩ።—ሉቃ. 6:40፣ 1 ጢሞ. 4:13-15

4 የሆዋ እቲ ዓብዪ መምህርና እዩ። ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣገልገልቱ ድማ በቲ ዚርአ ኽፋል ውድቡ ገይሩ: ነቲ ናይ ስብከት መዝነቶም ዚፍጽምሉ መምርሒ ይህቦም ኣሎ። (ኢሳ. 30:20, 21) በዚ ምኽንያት እዚ እያ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ሰሙናዊ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት እተቕርብ፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እተመዝገቡ ሰባት ውጽኢታውያን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪዀኑ ይሕግዞም። ናይዚ ቤት ትምህርቲ ቐንዲ መምሃሪ መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል የሆዋ እንታይ ክንምህር ከም ዘሎና ይነግረና እዩ። ኣየናይ ሜላታት ኣመሃህራ ውጽኢታውን ግቡእን ከም ዝዀነ እውን ይሕብረና እዩ። ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት: ክንምህር ከለና ቓል ኣምላኽ ንጥቀም: ውጽኢታዊ ሕቶታት ንሓትት: ብቐሊል መገዲ ንምህር: ከምኡውን ልባዊ ተገዳስነት ነርኢ እንተ ዄንና ብዝያዳ ኽኢላታት መምህራን ከም እንኸውን የዘኻኽረና። ነዘን ነጥብታት እዚኣተን እስከ በብሓደ ንርኣየን። ብድሕሪኡ: ብኸመይ ንልቢ ተመሃራይና ኽንትንክፍ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና።

ንትምህርትኻ ኣብ ቃል ኣምላኽ መስርቶ

5. እቲ እንምህሮ ነገር ኣብ ምንታይ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ፧ ስለምንታይከ፧

5 እቲ ኻብ ኵሎም ሰብኣውያን መምህራን ዝዓበየ መምህር ዝዀነ የሱስ: ንትምህርቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መስረቶ። (ማቴ. 21:13፣ ዮሃ. 6:45፣ 8:17) ካብ ርእሱ ዘይኰነስ: ብስም እቲ ዝለኣኾ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዮሃ. 7:16-18) እዚ ኽንስዕቦ ዘሎና ኣብነት እዩ። ስለዚ: ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና ይኹን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: እቲ እንዛረቦ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘተኰረ ኪኸውን ኣለዎ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ብዙሕ ሳዕ እኳ በሊሕ ሓሳብ እንተ ኣቕረብና: ምስቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘለዎ ውጽኢታውነትን ሓይልን ግን ኪወዳደር ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ስልጣን ኣለዎ። ስለዚ: ነቲ ተመሃራይ ከነረድኦ እንደልዮ ዘለና ነጥቢ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ነጥቢ ዚብሎ ነገር ከም ዜንብብ ምግባርና እቲ ዝበለጸ ሜላ እዩ።—እብራውያን 4:12 ኣንብብ።

6. ሓደ መምህር: እቲ ተመሃራይ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ኸም ዚርድኦ ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

6 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን: እቲ ክርስትያን መምህር ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዳሎ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: መጽናዕቲ ኺመርሕ ከሎ ንሱ ወይ እቲ ተመሃራይ ኣየኖት ጥቕስታት ከም ዜንብቡ ንምውሳን ኣቐዲሙ ኺዳሎ ኣለዎ። ብሓፈሻኡ: እቲ ንእምነትና መሰረት ዚኸውን ጥቕስታት ኪንበብ ኣለዎ። እቲ ተመሃራይ ንዜንብባ ነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ንኺርድኣ ምሕጋዝ እውን ኣገዳሲ እዩ።—1 ቈረ. 14:8, 9

ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም

7. ሕቶታት ምጥቃም ብሉጽ ሜላ ኣመሃህራ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ንሕቶታት ብዚግባእ ምጥቃም: ንኣተሓሳስባ ኼነቓቕሕን እቲ መምህር ንልቢ እቲ ተመሃራይ ንኺትንክፍ ኪሕግዞን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ነቲ ጥቕስታት ንተመሃራይካ ኣብ ክንዲ እትገልጸሉ: ንሱ ንዓኻ ኺገልጸልካ ሕተቶ። ሓድሓደ ግዜ: እቲ ተመሃራይ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ንምሕጋዝ: ተወሳኺ ሕቶታት ምሕታት ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕቶታት ብምጥቃም እቲ ተመሃራይ ኣብቲ ትምህርቲ ኸም ዚካፈል ምስ እትገብሮ: ነቲ ዝቐረበ መደመደምታ ምኽንያት ዝዀነ ነጥብታት ከም ዚርድኦ ጥራይ ዘይኰነስ: ብብሕቱ ኸም ዚኣምነሉ እውን ኢኻ እትገብሮ ዘለኻ።—ማቴ. 17:24-26፣ ሉቃ. 10:36, 37

8. ነቲ ኣብ ልቢ እቲ ተመሃራይ ዘሎ ነገር ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

8 ጽሑፋትና ብመልክዕ ሕቶን መልስን ዝቐረበ እዩ። መብዛሕትኦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎም ሰባት ድማ መልሲ እቲ ሕቶታት ካብቲ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዚርከብ ሓበሬታ ቐልጢፎም ይረኽብዎ ይዀኑ። ኰይኑ ግን: መስተውዓሊ መምህር በቲ ቕኑዕ መልሲ ጥራይ ኣይዓግብን እዩ። ንኣብነት: ሓደ ተመሃራይ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምንዝር ዚብሎ ነገራት ብትኽክል ኪገልጾ ይኽእል ይኸውን። (1 ቈረ. 6:18) ይኹን እምበር: ኣረኣእያኡ ኸም ዚገልጽ ዚገብሮ ሕቶታት ብሜላ ምጥቃምና: እቲ ተመሃራይ ብዛዕባ እቲ ዚመሃሮ ዘሎ እንታይ ዓይነት ርእይቶ ኸም ዘለዎ ኺሕብረና ይኽእል እዩ። ስለዚ: እቲ መምህር: “መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኻብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዚዅንኖ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ቐይዲ ብምግባሩ እንታይ ይስምዓካ፧ ብመሰረት ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ምንባር ጥቕሚ ዘለዎዶ ይመስለካ፧” ኢሉ ኺሓቶ ይኽእል እዩ። እቲ ተመሃራይ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ዚህቦ መልሲ: ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ዚሕብር እዩ።—ማቴዎስ 16:13-17 ኣንብብ።

ቀሊል ግበሮ

9. ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ኸነካፍል ከለና እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧

9 መብዛሕትኡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት: ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ንምርዳኡ ቐሊል እዩ። እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ግን በቲ ሰረተ-እምነታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተደናጊሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: መምህራን ከም ምዃንና መጠን: ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምርዳኡ ቐሊል ክንገብረሎም ኣሎና። ውጽኢታውያን መምህራን ንሓደ ሓበሬታ ቐሊልን ንጹርን ልክዕን ገይሮም እዮም ዜቕርብዎ። ነዚ መምርሒ እዚ እንተ ስዒብና: ነታ ሓቂ ሕልኽልኽ ዝበለት ኣይንገብራን ኢና። ስለዚ: ኣገዳስነት ዘይብሉ ዝርዝር ነገራት ካብ ምዝራብ ተቘጠብ። ንሓንቲ እነንብባ ጥቕሲ ብዅሉ ዅርናዓት ሓሳብ ክትህበላ ኣድላዪ ኣይኰነን። ኣብቲ ነቲ ዚውሰድ ዘሎ ትምህርቲ ብዝያዳ ዜብርሆ ነጥቢ ጥራይ ኣተኵር። ከመይሲ: እቲ ተመሃራይ ዘለዎ ምርዳእ እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ: እቲ ዓሚቝ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት እናተረድኦ ኪኸይድ እዩ።—እብ. 5:13, 14

10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና: ንብዝሒ እቲ እንሽፍኖ ትምህርቲ ዚውስኖ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

10 መጽናዕቲ ኽንመርሕ ከለና: ብዝሒ እቲ እንሽፍኖ ትምህርቲ ኽንደይ ኪኸውን ኣለዎ፧ ነዚ ንምውሳን ምስትውዓል የድልየና። ክእለትን ኵነታትን እቲ ተመሃራይን እቲ መምህርን ኪፈላለ ይኽእል እዩ: እቲ ቐንዲ ዕላማና ግን ተመሃራይና ድልድልቲ እምነት ክትህልዎ ምግባር ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ስለዚ: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሓቅታት ንኼንብቦን ንኺርድኦን ንኪቕበሎን እኹል ግዜ ኽንህቦ ኣሎና። ካብቲ ዓቕሙ ዚፈቕደሉ ንላዕሊ ድማ ኣይነጽንዕን ኢና። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን: እቲ መጽናዕቲ ብግቡእ ፍጥነት ኪቕጽል ኣለዎ። እቲ ተመሃራይና ነቲ ነጥቢ ምስ ተረድኦ: ናብቲ ቐጺሉ ዘሎ ኽንሓልፍ ኣሎና።—ቈሎ. 2:6, 7

11. ንኣመሃህራ ብዚምልከት ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ: ነቶም ሓደስቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ ብስራት ኪነግሮም ከሎ ንምርዳኡ ቐሊል ብዝዀነ መገዲ ይዛረቦም ነበረ። ምሁር እኳ እንተ ነበረ: ከቢድ ቃላት ግን ኣይተጠቕመን። (1 ቈረንቶስ 2:1, 2 ኣንብብ።) እቲ ዘይተሓላለኸ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ነቶም ቅኑዓት ሰባት ይስሕቦምን የዕግቦምን እዩ። ሓደ ሰብ ነዚ ሓቅታት እዚ ንኺርድኦ ምሁር ኪኸውን ኣየድልዮን እዩ።—ማቴ. 11:25፣ ግብ. 4:13፣ 1 ቈረ. 1:26, 27

ተመሃሮ ነቲ እተማህርዎ ኼማስውሉ ሓግዞም

12, 13. እቲ ተመሃራይ ነቲ እተማህሮ ነገር ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኪድርኾ ዘለዎ እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

12 ኣመሃህራና ውጽኢታዊ ንኪኸውን ንልቢ እቲ ተመሃራይ ኪትንክፍ ኣለዎ። ሓደ ተመሃራይ: እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብኡ ኸም ዚውዕል: ብኸመይ ከም ዚጠቕሞ: ከምኡውን ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ እንተ ስዒቡ ብኸመይ ህይወቱ ኸም ዚመሓየሽ ኪርዳእ ኣለዎ።—ኢሳ. 48:17, 18

13 ንኣብነት: ብዛዕባ እብራውያን 10:24, 25 ንዘራረብ ኣለና ንበል፣ እዛ ጥቕሲ እዚኣ: ክርስትያናት ቅዱስ ጽሑፋዊ ምትብባዕን ፍቕራዊ ምሕዝነትን ንምርካብ ምስ ኣመንቲ ብጾቶም ብሓባር ንኺእከቡ እያ እተተባብዕ። እቲ ተመሃራይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምክፋል ዘይጀመረ እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣብኡ ዚቐርብ ትምህርትታት ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። ኣኼባታት ጉባኤ ኽፍሊ ኣምልኾና ምዃኑን ብብሕቲ ኸም ዚጠቕመናን ክንነግሮ ንኽእል ኢና። ብድሕርዚ: ኣብቲ ኣኼባ ኺካፈል ክንዕድሞ ንኽእል ኢና። ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ እዚ ዚሕልዎ: ነቲ መጽናዕቲ ዚመርሓሉ ሰብ ንኼሐጕስ ዘይኰነስ: እቲ ንየሆዋ ንኺእዘዞ ዘለዎ ድሌት ስለ ዝደረኾ ኪኸውን ኣለዎ።—ገላ. 6:4, 5

14, 15. (ሀ) ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኪመሃር ይኽእል፧ (ለ) ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባህርያት ኣምላኽ ምፍላጡ ዚጠቕሞ ብኸመይ እዩ፧

14 ሓደ ተመሃራይ ንየሆዋ ብብሕቲ ኺፈልጦን ኬፍቅሮን ምኽኣሉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ካብ ዚረኽቦ መሰረታዊ ጥቕሚ ሓደ እዩ። (ኢሳ. 42:8) የሆዋ: ፈቃር ኣቦን ፈጣርን ወናኒ ዅሉ ፍጥረታትን ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ዜፍቅርዎን ኬገልግልዎ ዚደልዩን ሰባት ባህርያቱን ክእለታቱን ይገልጸሎም እዩ። (ዘጸኣት 34:6, 7 ኣንብብ።) ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኼውጽኦም ቅድሚ ምኻዱ: የሆዋ: “ከምቲ ክዀኖ ዘሎኒ ክኸውን እየ” እትብል ሓረግ ብምጥቃም ንመንነቱ ገለጸሉ። (ዘጸ. 3:13-15 NW) እዚ ኸኣ: የሆዋ ነቲ ምስቶም ሕሩያት ህዝቡ ዚተሓሓዝ ዕላማኡ ንምፍጻም: ኣድላዪ ዝዀነ ዅሉ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዜርኢ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ እስራኤላውያን: የሆዋ መድሓኒ: ተዋጋኢ: ኣላዪ: ከምኡውን ፈጻሚ መብጽዓታት ምዃኑ ርእዮም እዮም።—ዘጸ. 15:2, 3፣ 16:2-5፣ እያ. 23:14

15 የሆዋ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ሙሴ ዝገበሮ: ኣብ ህይወት እቶም ተመሃሮና ብተኣምራዊ መገዲ ኢዱ ኣየእቱን ይኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ እተማህርዎ ነገራት ዝያዳ እምነት ኬሕድሩን ኬማስውሉን ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎን ከለዉ: ትብዓትን ጥበብን መምርሕን ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኸም ዘለዎም ኪርእዩ እዮም። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ: የሆዋ ጥበበኛን ዚእመንን መኻሪ: መዕቈቢ: ከምኡውን ነቲ ዜድልዮም ነገራት ዜማልኣሎም ለጋስ ወሃቢ ምዃኑ ኺርእዩ እዮም።—መዝ. 55:22፣ 63:7፣ ምሳ. 3:5, 6

ፍቕራዊ ተገዳስነት ኣርኢ

16. ውጽኢታውያን መምህራን ንምዃን ተፈጥሮኣዊ ኽእለት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ከምቲ ኽትኰኖ እትደልዮ ዓይነት ክኢላ መምህር ዘይኰንካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዚግበር ዘሎ መደብ ትምህርቲ ዜመሓድርዎ ዘለዉ የሆዋን የሱስን እዮም። (ግብ. 1:7, 8፣ ራእ. 14:6) ቃላትና ኣብቲ ቕኑዕ ዝልቡ ሰብ ግቡእ ጽልዋ ንኼሕድር ድማ ንጻዕርታትና ኺባርኽዎ ይኽእሉ እዮም። (ዮሃ. 6:44) ሓደ መምህር ንተመሃራዩ ዜርእዮ ልባዊ ፍቅሪ ንጕድለት ተፈጥሮኣዊ ኽእለቱ ኺሽፍኖ ይኽእል እዩ። ነቶም እትምህሮም ሰባት ምፍቃር ኣገዳሲ ምዃኑ ሃዋርያ ጳውሎስ ተረዲእዎ ነበረ።—1 ተሰሎንቄ 2:7, 8 ኣንብብ።

17. ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልባዊ ተገዳስነት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ንሕና እውን ብተመሳሳሊ: ንነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ንኽንፈልጦ ግዜ ብምምዳብ ልባዊ ተገዳስነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ክንመያየጥ ከለና: ንዅነታቱ ብዝያዳ ኸም እንፈልጦ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንህይወቱ ምስቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመሃሮ ዘሎ ነጥብታት ብዚሰማማዕ መገዲ ይመርሕ ከም ዘሎ ኽንዕዘብ ንኽእል ኢና። ብኻልእ መዳያት ምትዕርራይ ኪገብር ግን የድልዮ ይኸውን። ስለዚ: እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምራሕ ከሎ ዚረኽቦ ትምህርቲ ኣብኡ ብኸመይ ከም ዚውዕል ምስ እነረድኦ: ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር የሱስ ንኪኸውን ብፍቕራዊ መገዲ ኽንሕግዞ ንኽእል ኢና።

18. ምስ ተመሃራይና ዄንናን ምእንታኡ ኢልናን ምጽላይና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ልዕሊ ዅሉ ግን ምስ ተመሃራይና ዄንናን ምእንታኡ ኢልናን ክንጽሊ ኣሎና። እቲ ተመሃራይ: ዕላማና ንፈጣሪኡ ብዝያዳ ንኺፈልጦ: ናብኡ ንኪቐርብ: ከምኡውን ካብ መምርሒኡ ንኺጥቀም ምሕጋዝ ከም ዝዀነ ኺርዳእ ኣለዎ። (መዝሙር 25:4, 5 ኣንብብ።) ነቲ ዚመሃሮ ዘሎ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንዚገብሮ ጻዕሪ ኺባርኸሉ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና: “ገበርቲ ቓል” ምዃን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኺርዳእ እዩ። (ያእ. 1:22) ነቲ ልባዊ ጸሎትና ኺሰምዕ ከሎ ድማ ንሱ እውን ብኸመይ ኪጽሊ ኸም ዘለዎ ኺመሃር እዩ። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብብሕቶም ምስ የሆዋ ርክብ ኪምስርቱ ምሕጋዝ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

19. ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

19 ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ጥበብ ኣመሃህራ” ኣብ ምምዕባል ትሑዛት ምዃኖም ዜተባብዕ እዩ፣ ከምዚ ዚገብሩሉ ዕላማ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንዅሉ እቲ የሱስ ዝኣዘዞም ንኺሕልዉ ንምሕጋዝ እዩ። እቲ ዕዮ ስብከትና እንታይ ፍረ እዩ ዜፍሪ ዘሎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ: ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

ትዝክሮዶ፧

• ክርስትያናት “ጥበብ ኣመሃህራ” ኼማዕብሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

• እንታይ ሜላታት እንተ ተጠቐምና እዩ ኣመሃህራና ውጽኢታዊ ዚኸውን፧

• ነቲ ዘሎና ጕድለት ተፈጥሮኣዊ ኽእለት ኪሽፍኖ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

[ምንጪ ስእሊ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተመዝጊብካዶ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ተመሃራይካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብብ ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ተመሃራይካ ዄንካን ምእንታኡ ኢልካን ጸሊ