ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ዜደንቕ ጸብጻብ ዝጸሓፈ ማቴዎስ: ኣቐዲሙ ተጋዊ ነበረ: ድሕሪኡ ድማ ፈታዊ የሱስ ኰነ። እዛ ፈለማ ብእብራይስጢ እተጻሕፈት ደሓር ግን ናብ ግሪኽ እተተርጐመት ወንጌል ማቴዎስ: ብ41 ድ.ክ. እያ ተዛዚማ፣ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን እተራኽብ ድልድል ኰይና ድማ ተገልግል እያ።

እዛ ብቐዳምነት ንኣይሁድ እተጻሕፈት ክትከውን ዘለዋ እተነቓቕሕን ጠቓሚትን ወንጌል: ንየሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህን ወዲ ኣምላኽን ገይራ እያ እትገልጾ። ስለዚ: ኣብቲ መልእኽታ ኣቓልቦ ምግባር: ነቲ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣብ ወዱን ኣብ መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ኬደልድሎ እዩ።—እብ. 4:12

“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ”

(ማቴ. 1:1–20:34)

ማቴዎስ ንመንግስቲ ኣምላኽን ንትምህርቲ የሱስን እዩ ኣጕሊሑ: ከምዚ ምግባሩ ኸኣ መስርዕ ፍጻመታት ከይሓለወ ኸም ዚጽሕፍ ገበሮ። ንኣብነት: እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ኣብ ፈረቓ ኣገልግሎቱ እኳ እንተ ነበረ: ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ኣብ መጀመርታ እዩ ዚርከብ።

የሱስ ኣብ ገሊላ ኼገልግል ከሎ: ተኣምራት ፈጸመ: ነቶም 12 ሃዋርያቱ ንኣገልግሎት ዚኸውን መምርሒ ሃቦም: ነቶም ፈሪሳውያን ኰነኖም: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ምሳሌታት ተዛረበ። ብድሕሪኡ: ካብ ገሊላ ነቒሉ “ብስግር ዮርዳኖስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ።” (ማቴ. 19:1) ኣብ መገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ‘ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና: ንወዲ ሰብ ሞት ኪፈርድዎ እዮም: ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ እዩ’ በሎም።—ማቴ. 20:18, 19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:16—የሱስ ኪጥመቕ ከሎ ‘ሰማያት እተኸፍተ’ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ነገር እዚ የሱስ ነቲ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበሮ ህይወት ከም ዝዘከሮ ዚሕብር እዩ።

5:21, 22—ቍጥዓ ምግላጽ: ኣብ ውሽጥኻ ኻብ ምሓዙ ብዝያዳ ዝኸበደ ድዩ፧ የሱስ: ሓደ ሰብ ንሓዉ ዘለዎ ቝጥዓ ኣብ ልቡ ዜሕድር እንተ ዀይኑ: ከቢድ ሓጢኣት ከም ዚፍጽም መጠንቀቕታ ሃበ። ንዕቀት ዜንጸባርቅ ዘረባ ብምዝራብ ቍጥዓኻ ምግላጽ ግን ብዝያዳ ዝኸበደ እዩ፣ ከምዚ ዝገበረ ሰብ: ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ዘይኰነስ: ኣብ መጋባእያ ወይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዩ ዚፍረዶ።

5:48—‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ፍጹም ዝዀነ:’ ንሕና እውን “ፍጹማት” ክንከውን ንኽእል ዲና፧ ብእተወሰነ ደረጃ ይከኣል እዩ። የሱስ ብዛዕባ ፍቕሪ እዩ ዚዛረብ ነይሩ: ንሰማዕቱ ድማ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ንኣምላኽ ብምምሳል ፍጹማት ወይ ምሉኣት ኪዀኑ ነገሮም። (ማቴ. 5:43-47) ብኸመይ፧ ነታ ፍቕሮም ንጸላእቶም እውን ከም እትሓቍፍ ገይሮም ብምስፋሕ እዮም ፍጹማት ኪዀኑ ዚኽእሉ።

7:16—እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እትልለየሉ ‘ፍረ’ እንታይ እዩ፧ እዚ ፍረ እዚ ኻብ ኣካይዳና ንላዕሊ የጠቓልል። እምነትና: ማለት እቲ እንስዕቦ ትምህርትታት እውን ምስኡ እዩ ዚድመር።

10:34-38—ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ነቲ ኣብ መንጎ ስድራቤት ዚፍጠር ጋግ ተሓታቲ ድዩ፧ ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ጋግ ብምኽንያት እቶም ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤት እዩ ዚመጽእ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንክርስትና ይነጽግዎ ወይ ይጻረርዎ ይዀኑ: እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እታ ስድራቤት ምክፍፋል የምጽእ።—ሉቃ. 12:51-53

11:2-6—ዮሃንስ: ስምረት ኣምላኽ ዚገልጽ ድምጺ ብምስማዑ የሱስ መሲህ ምዃኑ ድሮ ይፈልጥ እንተ ነይሩ: ንየሱስ “እቲ ዚመጽእ” እንተ ዀይኑ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ ዮሃንስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝሓተተ: ካብ የሱስ መረጋገጺ ስለ ዝደለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ግን: “ካልእ” ብሓይሊ መንግስቲ መጺኡ ንተስፋታት ኣይሁድ ዚፍጽም እንተ ኣልዩ ኺፈልጥ ስለ ዝደለየ እዩ። እቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ: ካልእ ከም ዘየለ ዚሕብር ነበረ።

19:28—እቶም ዚፍረዱ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል” ንመን የመልክቱ፧ ነቶም 12 ነገድ መንፈሳውያን እስራኤል ዜመልክቱ ኣይኰኑን። (ገላ. 6:16፣ ራእ. 7:4-8) እቶም የሱስ ዚዛረበሎም ዝነበረ ሃዋርያት: ክፍሊ እዚ መንፈሳዊ እስራኤል እዮም ኪዀኑ እምበር: ንኣባላቱ ኣይኪፈርዱን እዮም። የሱስ ‘መንግስቲ ስለ ዝመደበሎም’ ወይ ከኣ ምስኦም ናይ መንግስቲ ኺዳን ስለ ዝገበረ: ‘ንኣምላኽ ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን’ ኪዀኑ እዮም። (ሉቃ. 22:28-30፣ ራእ. 5:10) ኣባላት እዚ መንፈሳዊ እስራኤል ‘ንዓለም ኪፈርድዋ’ እዮም። (1 ቈረ. 6:2) ስለዚ: እቶም በቶም ኣብ ሰማያዊ ዝፋናት ዘለዉ ዚፍረዱ “ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል:” ነቶም ነገስታትን ካህናትን ዘይኰኑ ደቅሰብ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚኣቶም ምስቶም ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዝነበሩ 12 ነገድ ይመሳሰሉ እዮም።—ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

4:1-10 እዚ ጸብጻብ እዚ: ሰይጣን እኩይ ባህርይ ዘይኰነስ: ብሓቂ ዘሎ ኣካል ምዃኑ ዚሕብር እዩ። ንኺፍትነና ኢሉ ድማ “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” ይጥቀም። ይኹን እምበር: ንቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዕዒልናዮ: ንኣምላኽ እሙናት ንኽንከውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—1 ዮሃ. 2:16

5:1–7:29 ብመንፈስ ዜድልየካ ነገራት ኣስተውዕል። ሰላማዊ ኹን። ንርኹስ ሓሳባት ንጸጎ። ቃልካ ሓሉ። ክትጽሊ ኸለኻ: ካብ ንስጋዊ ድሌታት ንላዕሊ: ንመንፈሳዊ ጕዳያት ቀዳምነት ሃብ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ኩን። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለ። ንኻልኦት ኣይትፍረድ። ፍቓድ ኣምላኽ ግበር። እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት: ከመይ ዝበለ ግብራዊ ትምህርቲ ዝሓዘ ዀን እዩ ነይሩ!

9:37, 38 ምስቲ ነቲ ጐይታ እኽሊ “ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ” ዝለመንናዮ ለመና ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና፣ ነዚ ኸኣ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብቕንኣት ብምክፋል ኢና እንገብሮ።—ማቴ. 28:19, 20

10:32, 33 ብዛዕባ እምነትና ንምዝራብ ፈጺምና ኽንፈርህ የብልናን።

13:51, 52 ንሓቅታት መንግስቲ ኣምላኽ ምርዳእ: ንኻልኦት ናይ ምምሃርን ነቲ ዝፈለጥናዮ ሓቅታት ንኺርድእዎ ናይ ምሕጋዝን ሓላፍነት የምጽእ።

14:12, 13, 23 ትርጕም ዘለዎ ምስትንታን ንኽንገብር: ብሕት እንብለሉ ግዜ ምምዳብና ኣገዳሲ እዩ።—ማር. 6:46፣ ሉቃ. 6:12

17:20 ነቲ መንፈሳዊ ዕቤት ንኸይንገብርን ንጸገማት ንኸይንዋጽኣሉን ዚዕንቅፈና ኸም ከረን ዝኣመሰለ ዕንቅፋት ንኽንሰግሮ: እምነት ተድልየና። ነቲ ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ምህናጽን ምድልዳልን ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን።—ማር. 11:23፣ ሉቃ. 17:6

18:1-4፣ 20:20-28 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምናን ብሰንኪ እቲ ስልጣን ዜጕልሕ ዝነበረ ዝዓበዩሉ ሃይማኖትን: ብዛዕባ ዕቤት እምብዛ ይጭነቑ ነበሩ። ንሕና እውን ምስ ሓጥእ ዝንባለታት ክንቃለስ ከለና: ትሕትና ኸነማዕብል ከምኡውን ብዛዕባ ፍሉይ መሰላትን ሓላፍነታትን ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ።

‘ወዲ ሰብ ኣሕሊፍካ ኺወሃብ እዩ’

(ማቴ. 21:1–28:20)

የሱስ ብ9 ኒሳን 33 ድ.ክ. ‘ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ’ ናብ የሩሳሌም መጸ። (ማቴ. 21:5) ንጽብሒቱ ድማ ናብታ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኣጽረያ። ብ11 ኒሳን ኣብታ ቤተ መቕደስ መሃረ: ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኰነኖም: ከምኡውን ንደቀ መዛሙርቱ ‘ትእምርቲ [‘ህላወኡን:’ NW] መወዳእታ ዓለምን’ ነገሮም። (ማቴዎስ 24:3) ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ኸኣ “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም: ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል: ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም” በሎም።—ማቴ. 26:1, 2

ብ14 ኒሳን ንበዓል ዝኽሪ እቲ ቐሪቡ ዝነበረ ሞቱ ድሕሪ ምቛሙ ተኸድዐ: ተታሕዘ: ኣብ ፍርዲ ቐረበ: ከምኡውን ተሰቕለ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ካብ ሞት ተንስአ። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንሰዓብቱ: “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም።—ማቴዎስ 28:19

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

22:3, 4, 9—እዚ ሰለስተ ናይ መርዓ ጻውዒት ዝቐረበ መዓስ እዩ፧ እቲ ናይ መጀመርታ ነቶም ክፍሊ እታ መርዓት ዘበሉ ንምእካብ እተገብረ ጻውዒት: የሱስን ሰዓብቱን ብ29 ድ.ክ. ኪሰብኩ ምስ ጀመሩ እዩ ቐሪቡ፣ ክሳዕ 33 ድ.ክ. ድማ ቀጸለ። እቲ ኻልኣይ ጻውዒት: ካብቲ መንፈስ ቅዱስ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ዝፈሰሰሉ ኽሳዕ 36 ድ.ክ. ቀጸለ። ክልቲኡ ጻውዒት ንኣይሁድን ነቶም ናብ ኣይሁድ እተቐየሩ ጵሮሴሊታትን ንሳምራውያንን ዝቐረበ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ ሳልሳይ ጻውዒት ነቶም ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ቀራና መገዲ ዝነበሩ: ማለት ነቶም ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ዝቐረበ እዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ 36 ድ.ክ. እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሮሜ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ክርስያን ምስ ኰነ ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜናን ይቕጽል ኣሎ።

23:15—እቲ በቶም ፈሪሳውያን እምነቱ ናብ ኣይሁድነት ዝቐየረ ጵሮሴሊት: ካብቶም ፈሪሳውያን ዝገደደ ‘ኻዕበት ወዲ ገሃነም’ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧ ብፈሪሳውያን ጵሮሴሊታት ዝዀኑ ገሊኦም ሰባት: ቅድሚኡ ኸቢድ ሓጢኣት ዚፍጽሙ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እምነቶም ቀይሮም ጥሩፋት ፈሪሳውያን ምስ ኰኑ ግን: ዝገደዱ ዀኑ: ምናልባት እውን ካብቶም እተዀነኑ መምህራኖም ንላዕሊ ጥሩፋት ኰይኖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ: እዞም ጵሮሴሊታት ምስቶም ኣይሁድ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኪወዳደሩ ኸለዉ: ብዕጽፊ ‘ደቂ ገሃነም’ እዮም ነይሮም።

27:3-5—ይሁዳ ብምንታይ እዩ ተጣዒሱ፧ እቲ ይሁዳ እተጣዕሶ ጣዕሳ: ናይ ሓቂ ንስሓ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ነገር የለን። ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚደሊ: ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ከይዱ ሓጢኣቱ ተናዘዘ። “ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት” ስለ ዝፈጸመ: ብጣዕሳን ተስፋ ምቝራጽን እንተ ተዋሕጠ ዜገርም ኣይኰነን። (1 ዮሃ. 5:16) ስለዚ: እቲ ጣዕሳኡ ተስፋ ኻብ ምቝራጽ ዝመነጨ እዩ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

21:28-31 ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባርና እዩ። ንኣብነት: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ብቕንኣት ክንካፈል ኣሎና።—ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20

22:37-39 እዘን ክልተ ትእዛዛት: ነቲ ኣምላኽ በቶም ዜምልኽዎ ሰባት ኪማላእ ዚደልዮ ብቕዓት ጽምቝ ኣቢለን የቕርባኦ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ዕዮ ቐውዒ ብቕንኣት ትካፈልዶ ኣለኻ፧

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ወንጌል ማቴዎስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተጕልሕ

[ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com