ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናት ከም ስርናይ ኪሕሐዩ ኸለዉ

ክርስትያናት ከም ስርናይ ኪሕሐዩ ኸለዉ

ክርስትያናት ከም ስርናይ ኪሕሐዩ ኸለዉ

የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ: “እንሆ: ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ሉቃ. 22:31) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ብግዜ የሱስ ዓጺድ ስርናይ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ይሓትት ነበረ። እቶም ዓጻዶ ነቲ ስርናይ ካብቲ ግራት ዓጺዶም ይእክብዎ። ደሓር: በቲ ብርዑ ሒዞም ኣብ ባይታ ይዘብጥዎ ወይ ናይ ሕርሻ እንስሳታት ብዚጐትዎ ሰረገላ መኼዳ ተጠቒሞም እቲ እኽልን ሓሰርን ከም ዚፋላለ ይገብርዎ። እዚ መስርሕ እዚ: እቲ እኽሊ ኻብቲ ሓሰር ከም ዚፈላለ ይገብር። ድሕሪኡ: ኣብ ንፋስ ዚርከቦ ስፍራ ዀይኖም ይዘርውዎ። እቲ እኽሊ ተመሊሱ ናብ ዓውዲ ይወድቕ: እቲ ብቝቡቝ ድማ ብንፋስ ይውሰድ። ኣብ መወዳእታ: ነቲ ማእረ ኻብቲ እኽሊ ንምውጋድ ብጥንቃቐ ይሕሐ።

ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝበሎ: ሰይጣን ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዘይምቍራጽ መጥቃዕቲ ኣውሪዱሎም እዩ: ሎሚ ንዓና እውን ከምኡ መጥቃዕትታት የውርደልና እዩ። (ኤፌ. 6:11) ሓቂ እዩ: ኵሉ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና በዳሂ ዝዀነ ነገር ብቐጥታ ኻብ ሰይጣን እዩ ዚመጽእ ማለት ኣይኰነን። (መክ. 9:11) ኰይኑ ግን: ሰይጣን ብእተኻእሎ መጠን ብዝዀነ ይኹን መገድታት ተጠቒሙ ንጽህናና ንምብልሻው ተዓጢቑ እዩ ዘሎ። ንኣብነት: ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኦ ናብራ ንኽንስዕብ: ዘይጥዑይ መዘናግዒ ንኽንመርጽ: ወይ ኣብ ዘይስነ-ምግባራዊ ጾታዊ ተግባር ንኽንወድቕ ኬስድዓና ይኽእል እዩ። ብመማህርቲ ወይ ብመሳርሕቲ ኣቢሉ: ከምኡውን ብዘይኣመንቲ ኣዝማድ ተጠቒሙ: ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ዅሉ ትምህርትታትን ሞያታትን ንኽንስዕብ ጸቕጢ ብምግባር እውን ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ: ሰይጣን ብቐጥታ መስጐጕቲ ብምውራድ ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና ንምብልሻው ይጽዕር እዩ። እወ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሰይጣን ንዓና ንምሕሓይ ዚጥቀመሉ ኻልእ ብዙሕ መገድታት ኣሎ።

ነዚ ሓያል ጸላኢ እዚ ብኸመይ ኢና ኽንቃወሞ እንኽእል፧ ብናትና ሓይሊ ጥራይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ሰይጣን ካባና ዚብርትዕ ሓይሊ እኳ እንተ ኣለዎ: ሓይሊ ሰይጣን ምስ ሓይሊ የሆዋ ኺወዳደር ከሎ ግን ኣብ ቍጽሪ ዚኣቱ ኸም ዘይዀነ ንፈልጥ ኢና። ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ እንተ ኣልዩና: ጥበብን ፈተና ንኽንዕገስ ዜኽእለና ትብዓትን ንኺህበና ኻብ ልቢ እንተ ጸሊና: ከምኡውን ኣብ መምርሒታቱ ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን እንተ ዄንና: ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ንኽንዋጽኣሉ የበርትዓና።—መዝ. 25:4, 5

ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይን’ ክእለት የድልየና: በዚ ኸምዚ ድማ ካብቲ ሰይጣን ንኼስሕተና ዜቕርቦ ውዲት ነምልጥ። (እብ. 5:13, 14) የሆዋ ነዚ ኽእለት እዚ ንኸነማዕብል ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ነገር የጋጥም ብዘየገድስ: ኣብቲ ቕኑዕ መገዲ ኽንለግብ ኢና እንደሊ። መምርሒታት የሆዋ እንተ ስዒብና: ነቲ ቕኑዕ ንምግባር እንገብሮ ቘራጽነት ብቐጻሊ ሓገዝ ይገብረልና።—ኤፌ. 6:10

ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሓሕየና ጻዕሪ ኺገብር ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: በቲ የሆዋ ዚህበና ሓይሊ: ብእምነት ጸኒዕና ኽንቃወሞ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 5:9) እወ: ቃል ኣምላኽ “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ብምባል የረጋግጸልና እዩ።—ያእ. 4:7