ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

“ትእምርቲ ህላወኻን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” —ማቴ. 24:3 NW

1. ሃዋርያት የሱስ እንታይ ኣገዳሲት ሕቶ እዮም ሓቲቶምዎ፧

 ዳርጋ ኽልተ ሽሕ ዓመት ይገብር: ኣርባዕተ ሃዋርያት የሱስ ኣብቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ምስ ጐይታኦም ዝገበርዎ ብሕታዊ ዝርርብ ሓንቲ ሕቶ ሓተትዎ። “እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ህላወኻን መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ማቴ. 24:3 NW) ኣብታ ሕቶ እቲኣ: እቶም ሃዋርያት ክልተ ኣዝዩ ኣገዳሲ መግለጺታት ተጠቒሞም እዮም፣ እዚ ኸኣ “ህላወኻ” ኸምኡውን “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ዚብል እዩ። እዚ መግለጺታት እዚ ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧

2. ትርጕም እታ “መደምደምታ” እትብል ቃል እንታይ እዩ፧

2 ፈለማ ነታ ኻልአይቲ መግለጺ እንተ ወሲድና: እታ “መደምደምታ” እትብል ቃል ካብታ ሲንተለያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት እያ። ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እዛ ቓል እዚኣ ብስሩዕ “መደምደምታ” ተባሂላ ኽትትርጐም ከላ: እታ ምስኣ እትዛመድ ተሎስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ግን “መወዳእታ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ቓላት ዘሎ ፍልልይ: ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብዚቐርብ መደረ ጌርካ ኺግለጽ ይከኣል እዩ። መደምደምታ እቲ መደረ ኺበሃል ከሎ: እቲ ተዛራባይ ነቶም ሰማዕቲ ብዛዕባ እቲ ዝገለጾ ነገራት እናኣዘኻኸረን እዚ ሓበሬታ ንዓታቶም ብኸመይ ከም ዚምልከቶም እናሓበረን ዜሕልፎ ሕጽር ዝበለ ናይ መዛዘሚ ኽፋል እዩ። መወዳእታ እቲ መደረ ግን እቲ ተዛራባይ ካብቲ መድረኽ ኪወርድ ከሎ እዩ። ብተመሳሳሊ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” ነቲ ናብ መወዳእታ ዚመርሕ ግዜን ነቲ መወዳእታ ንባዕሉን የጠቓልል።

3. ገለ ኻብቲ ኣብ ግዜ ህላወ ክርስቶስ ዚኸውን ነገራት እንታይ እዩ፧

3 እታ ሃዋርያት ኣብ ሕቶኦም እተጠቕሙላ “ህላወ” እትብል ቃል ንምንታይ እያ እተመልክት፧ እዛ ቓል እዚኣ ኻብታ ፓሩሲያ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት እያ። a ፓሩሲያ ወይ ህላወ ክርስቶስ: ካብቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ንጉስ ምስ ኰነ ጀሚሩ: ክሳዕ እቲ ንእኩያት ንምጥፋእ ኣብቲ ዓብዪ “መከራ” ዚመጸሉ ግዜ የጠቓልል። (ማቴ. 24:21) ኣብዚ ህላወ ክርስቶስ ዚበሃል እዋን ብዙሕ እተፈላለየ ነገራት: እንተላይ “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ስርዓት: ምእካብ እቶም ሕሩያት: ከምኡውን ናብ ሰማያዊ ህይወት ዚረኽብዎ ትንሳኤ ይጠቓልል። (2 ጢሞ. 3:1፣ 1 ቈረ. 15:23፣ 1 ተሰ. 4:15-17፣ 2 ተሰ. 2:1) እቲ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” (ሲንተለያ) ዚበሃል እዋን: ጐድኒ ጐድኒ እቲ ህላወ ክርስቶስ (ፓሩሲያ) ዚበሃል ግዜ ይኸይድ ኪበሃል ይከኣል እዩ።

ንውሕ ዝበለ እዋን

4. ህላወ የሱስ ምስቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

4 እታ ፓሩሲያ እትብል ቃል ንንውሕ ዝበለ ግዜ እተመልክት ምዃና: ምስቲ የሱስ ብዛዕባ ህላወኡ ዝበሎ ነገር ዚሰማማዕ እዩ። (ማቴዎስ 24:37-39 ኣንብብ።) የሱስ ንህላወኡ ምስቲ ብዘመን ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ዝመጸሉ ብተዛማዲ ሓጺር እዋን ከም ዘየመሳሰሎ ኣስተብህል። የግዳስ: ነቲ ህላወኡ ምስቲ ዝያዳ ንውሕ ዝበለ ናብቲ ማይ ኣይሂ ዚመርሕ ግዜ ኣመሳሰሎ። ኖህ ነታ መርከብ ዚሰርሓሉን ዚሰብከሉን ዝነበረ ግዜ: ክሳዕ እቲ ኣብ መወዳእታ ማይ ኣይሂ ዝመጸሉ ግዜ ኣብኡ እቱው እዩ። እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ ነዊሕ ዓመታት እዩ ተፈጺሙ። ብተመሳሳሊ: ህላወ ክርስቶስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ጸበባ ዘሎ ግዜን ነቲ ዓብዪ ጸበባን የጠቓልል።—2 ተሰ. 1:6-9

5. እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 6 ተመዝጊቡ ዘሎ ሓሳብ: ህላወ የሱስ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምዃኑ ዜመልክት ብኸመይ እዩ፧

5 ህላወ ክርስቶስ ንንውሕ ዝበለ እዋን ደኣ እምበር: ነቲ ክርስቶስ ንእከይ ኬጥፍእ ዚመጸሉ ግዜ ጥራይ ከም ዘየመልክት: ካልእ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይሕብር እዩ። መጽሓፍ ራእይ ንየሱስ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ ከም እተወጥሐን ኣኽሊል ከም ዝደፍአን ገይራ ትገልጾ። (ራእይ 6:1-8 ኣንብብ።) የሱስ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ኣኽሊል ምስ ደፍአ: “እናሰዐረስ ኪስዕር” ከም ዝወጸ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ንዕኡ ስዒቦም ኣብ እተፈላለየ ዝሕብሮም ኣፍራስ እተወጥሑ ኸም ዚወጹ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። እዚ ትንቢት እዚ ንውግእን ሕጽረት ምግብን ፌራን ዜመልክት ኰይኑ: እዚ ዅሉ ድማ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ንውሕ ዝበለ ግዜ እዩ ኣጋጢሙ። ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ህይወትና ንርእዮ ኣሎና።

6. ራእይ ምዕራፍ 12 ብዛዕባ ህላወ ክርስቶስ ንኽንርዳእ ብኸመይ ትሕግዘና፧

6 ራእይ ምዕራፍ 12 ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እትምስረተሉ ግዜ ተወሳኺ ዝርዝር ነገር ትገልጽ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ኣብቲ ዘይርአ ዓለም ብዛዕባ ዚግበር ውግእ ነንብብ። ሚካኤልን—እዚ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊ ቦታኡ ዜመልክት እዩ—መላእኽቱን ምስ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ተዋግኡ። ከም ውጽኢቱ: ሰይጣን ድያብሎስን ጭፍራታቱን ናብ ምድሪ ተደርበዩ። እቲ ጸብጻብ ኣስዕብ ኣቢሉ: ድያብሎስ “ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ” ብብርቱዕ ቍጥዓ ኸም ዝወረደ ገሊጹ ኣሎ። (ራእይ 12:7-12 ኣንብብ።) እምበኣር: መንግስቲ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ምስ ተመስረተት: ንምድርን ኣብኣ ዚነብሩን “ወይለኹም” እተባህለሉ መዓት እዩ ኣምጺኡ።

7. እታ ኻልአይቲ መዝሙር ብዛዕባ እንታይ እያ እትዛረብ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኽፈት፧

7 እታ ኻልአይቲ መዝሙር እውን ብዛዕባ እቲ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማያዊ ኸረን ጽዮን ዚነግሰሉ እዋን ብትንቢት ትዛረብ እያ። (መዝሙር 2:5-9፣ 110:1, 2 ኣንብብ።) ይኹን እምበር: እዛ መዝሙር እዚኣ: ገዛእቲ ምድርን ተገዛእቶምን ንግዝኣት ክርስቶስ ኪግዝኡ ኣጋጣሚ ዚወሃበሉ እዋን ከም ዚህሉ እውን ትሕብር እያ። “ለብሙ” ኸምኡውን “ተአረሙ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ። እወ: ኣብቲ ግዜ እቲ ንየሆዋን ነቲ እተሸመ ንጉሱን ብምግልጋል: “ኣብኡ [ኣብ ኣምላኽ] ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።” እምበኣር: ኣብቲ የሱስ ኣብ ንጉሳዊ ስልጣኑ ዚህልወሉ እዋን: ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም እዩ።—መዝ. 2:10-12

ነቲ ትእምርቲ ምልላዩ

8, 9. ትእምርቲ ህላወ ክርስቶስ ዜስተውዕሉን ትርጕሙ ዚርድኡን መን እዮም፧

8 እቶም ፈሪሳውያን ንየሱስ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣምላኽ እትመጸሉ ግዜ ምስ ሓተትዎ: ብናታቶም ኣረኣእያ “ብምትሕልላው” ከም ዘይትመጽእ ነገሮም። (ሉቃ. 17:20, 21) ዘይኣመንቲ ኣይርድእዎን እዮም። ከመይ ገይሮምከ ኺርድእዎ፧ የሱስ ናይ መጻኢ ንጉሶም ከም ዚኸውን እውን ኣፍልጦ ኣይሃብዎን። ንትእምርቲ ህላወ ክርስቶስ ኬስተውዕልዎን ትርጕሙ ኺርድኦምን ዚኽእሉ ደኣ እሞ መን እዮም፧

9 የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዚበርቕን ከም ዜብርህን:” ደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምኡ ብንጹር ነቲ ትእምርቲ ኸም ዚርእይዎ ተዛረበ። (ሉቃስ 17:24-29 ኣንብብ።) ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ዚምልከት ማቴዎስ 24:23-27 ነዚ ነጥቢ እዚ ምስ ትእምርቲ ህላወ ክርስቶስ ብቐጥታ ኣተሓሒዛቶ ምህላዋ ኸነስተብህለሉ ዚግባእ ጕዳይ እዩ።

ነቲ ትእምርቲ ዚርኢ ወለዶ

10, 11. (ሀ) ብዛዕባ እታ ኣብ ማቴዎስ 24:34 ተጠቒሳ ዘላ “ወለዶ” እትብል ቃል: ኣቐዲሙ እንታይ መግለጺ እዩ ዚወሃብ ነይሩ፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እቲ “ወለዶ” እቲ ንመን እውን ከም ዝሓቍፍ እዮም ብዘይጥርጥር ሓሲቦም ነይሮም ኪዀኑ ዘለዎም፧

10 እዛ መጽሔት እዚኣ ኣቐዲማ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:34 “እዚ ወለዶ እዚ” ተባሂሉ ዘሎ: “እቲ ኣብ ሓደ እዋን ዝነበረ ናይ ዘይኣምኑ ኣይሁድ ወለዶ” ምዃኑ ገሊጻ ነይራ። b ኵሉ እቲ የሱስ ነታ “ወለዶ” እትብል ቃል እተጠቐመላ ዝተረፈ ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት: ኣሉታዊ ትርጕም ዝሓቘፈ ብምንባሩ: ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ከኣ የሱስ ነቲ ወለዶ ንምግላጽ ከም “ክፉእ” ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ቕጽል ብምጥቃሙ: እዚ ኣቐዲሙ ዝነበረ መግለጺ ርትዓዊ ይመስል ነይሩ። (ማቴ. 12:39፣ 17:17፣ ማር. 8:38) በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብ ዘመናዊ ፍጻሜኡ: የሱስ ነቲ “መደምደምታ እቲ ስርዓትን” (ሲንተለያ) መወዳእታ እቲ ስርዓትን (ተሎስ) ዜርኢ ብዘይኣመንቲ ዝቘመ ኽፉእ “ወለዶ” ዜመልክት ጌርካ ይርአ ነይሩ።

11 የሱስ ነታ “ወለዶ” እትብል ቃል ብኣሉታዊ መገዲ ኺጥቀመላ ኸሎ: ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ኽፉኣት ሰባት ወይ ብዛዕባኦም ይዛረብ ምንባሩ ሓቂ እዩ። ነታ ኣብ ማቴዎስ 24:34 እትርከብ ቃል ግን ብተመሳሳሊ መገዲ ድዩ ተጠቒሙላ፧ ኣርባዕተ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ብሕት ኢሎም” ከም ዝቐረብዎ ዘክር። (ማቴ. 24:3) የሱስ ንዓታቶም ብዛዕባ “እዚ ወለዶ እዚ” ኺዛረቦም ከሎ ኣሉታዊ ገላጺ ቓላት ብዘይምጥቃሙ: እቶም ሃዋርያት ንርእሶምን ንብጾቶም ደቀ መዛሙርትን ክፍሊ እቲ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን” ዘይሓልፍ “ወለዶ” ገይሮም ሓሲቦም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣየጠራጥርን እዩ።

12. የሱስ ነታ “ወለዶ” እትብል ቃል ኪጥቀም ከሎ ንመን የመልክት ምንባሩ: እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

12 ከመይ ኢልና ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ንኽእል፧ ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ትሕዝቶ ተጠንቂቕና ምምርማርና: ኣብዚ መደምደምታ እዚ የብጽሓና። ኣብ ማቴዎስ 24:32, 33 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሱስ: “ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ: ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ: ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም: ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ” በሎም። (ምስ ማርቆስ 13:28-30፣ ሉቃስ 21:30-32 ኣረኣኢ።) ድሕሪኡ ኣብ ማቴዎስ 24:34: “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ዚብል ነንብብ።

13, 14. እቲ የሱስ እተዛረበሉ “ወለዶ” ንደቀ መዛሙርቱ የመልክት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

13 የሱስ ነቲ “እዚ ዅሉ” እተባህለ ኺፍጸም ከሎ ኣብ መደምደምታ ኺበጽሑ ዚኽእሉ: እቶም ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡ ዝነበሮም ደቀ መዛሙርቱ ምዃኖም እዩ ተዛሪቡ። ስለዚ የሱስ: “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” ኺብል ከሎ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ።

14 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብቶም ዘይኣመንቲ ብእተፈልየ መገዲ: ነቲ ትእምርቲ ይርእይዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ትርጕሙ እውን ይርድእዎ እዮም። ካብቲ ምስላ ‘ይምሃሩ:’ ናይ ሓቂ ትርጕሙ ድማ ‘ይፈልጡ’ እዮም። “ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ” ምሉእ ብምሉእ ይርድኡ እዮም። ዘይኣመንቲ ኣይሁድን እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናትን ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብእተወሰነ ደረጃ ኺፍጸም ከሎ እኳ እንተ ረኣይዎ: እቶም ሽዑ ዝነበሩ ቕቡኣት ሰዓብቱ ጥራይ እዮም ካብቲ ፍጻመታት እቲ ኺመሃሩን ናይ ሓቂ ትርጕም እቲ ዝረኣይዎ ኺርድኡን ዝኸኣሉ።

15. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ነቲ የሱስ እተዛረበሉ “ወለዶ” ዜቝሙ መን እዮም፧ (ለ) ንውሓት “እዚ ወለዶ እዚ” ክንደይ ምዃኑ ብልክዕ ክንጽብጽቦ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

15 እቶም ሎሚ መንፈሳዊ ምርዳእ ዘይብሎም ሰባት: ንትእምርቲ ህላወ የሱስ ብዚምልከት “ምትሕልላው” ከም ዘየለ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ኵሉ ኸም ቀደሙ ይቕጽል ከም ዘሎ ይሓስቡ። (2 ጴጥ. 3:4) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: እቶም ኣብዚ ግዜና ብዮሃንስ ዚምሰሉ ጕጅለ ዝዀኑ ቕቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ: ከም ማሕታ በርቂ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኣለልዮምዎ: ናይ ሓቂ ትርጕሙ ድማ ተረዲኦምዎ ኣለዉ። እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም ብደረጃ ጕጅለ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን” ዘይሓልፍ “ወለዶ” የቝሙ። c እዚ ኸኣ ገለ ኻብቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ዓብዪ ጸበባ ኺጅምር ከሎ ኣብ ምድሪ ብህይወት ከም ዚጸንሑ ይሕብር።

“ንቕሑ”

16. ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

16 ነቲ ትእምርቲ ምልላይ ጥራይ ግን እኹል ኣይኰነን። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ” ኢሉ ተዛረበ። (ማር. 13:37) እዚ ነገር እዚ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰነ ኻብቶም ብዙሓት ሰብ ዝዀንና ዅላትና ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። የሱስ ብ1914 ኣብ ሰማይ ካብ ዚነግስ ልዕሊ 90 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። በዳሂ እኳ እንተ ዀነ: እተዳለና ኽንከውንን ወትሩ ኽንነቅሕን ኣሎና። ክርስቶስ ብሓይሊ መንግስቱ ብዘይንርእዮ መገዲ ኣብዚ ኸም ዘሎ ምርዳእና: ከምኡ ንኽንገብር ይሕግዘና። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ‘ብዘይሓሰብናያ ግዜ’ ንጸላእቱ ኼጥፍእ ከም ዚመጽእ ንኸነተኵረሉ እውን ይሕግዘና።—ሉቃ. 12:40

17. እዚ ምርዳእ እዚ እንታይ ስምዒት ኬሕድረልና ኣለዎ፧ እንታይ ንምግባርከ ቘራጽነት ክንገብር ይግባእ፧

17 ብዛዕባ ትርጕም ህላወ ክርስቶስ ዘሎና ምርዳእ: ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ንምውዕዋዕ ይሕግዘና እዩ። የሱስ ድሮ ኣብዚ ምህላዉ: ካብ 1914 ኣትሒዙ ኸኣ ብዘይርአ መገዲ ኣብ ሰማይ ነጊሱ ኸም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንእኩያት ንምጥፋእን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ለውጥታት ንምግባርን ኪመጽእ እዩ። ስለዚ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብቲ የሱስ: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ [ተሎስ] ይመጽእ” ኢሉ እተነበዮ ዕዮ ብንጥፈት ንምስታፍ ቈራጽነት ንግበር።—ማቴ. 24:14

[እግረ-ጽሑፍ]

a ትርጕም እታ ፓሩሲያ እትብል ቃል: ካብቲ ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2 ቈረንቶስ 10:10, 11 ኸምኡውን ፊልጲ 2:12 ዚርከብ ብዛዕባ ‘ርሑቕ ከሎን’ ‘ኣብኡ ኸሎን’ ከምኡውን ብዛዕባ ‘ምህላውን’ ‘ዘይምህላውን’ ኣብ እተዛረቦ ቓላት ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ኪርአ ይከኣል። ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 676-9 ተወከስ።

b ናይ 1 ሕዳር 1995 ግምቢ ዘብዐኛ: ገጽ 11-15, 19, 30, 31 ተወከስ።

c እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ዚነብረሉ ግዜ ምስቲ በቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ እተራእየ ቐዳማይ ራእይ ዚሽፈን እዋን ዚዛመድ ይመስል። (ራእ. 1:10–3:22) እዚ መዳይ መዓልቲ ጐይታ እዚ ኻብ 1914 ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ እሙን ቅቡእ ዚሞተሉን ዚትንስኣሉን እዋን ይሽፍን።—ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!: ገጽ 24: ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ህላወ የሱስ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

• ትእምርቲ ህላወ የሱስ ዜለልዩን ትርጕሙ ዚርድኡን መን እዮም፧

• እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:34 ተገሊጹ ዘሎ ወለዶ: ኣብዚ ግዜና ብመን ዝቘመ እዩ፧

• ልክዕ ንውሓት እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ኽንጽብጽብ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ንውሓት እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ኽንጽብጽቦ ንኽእልዶ፧

እታ “ወለዶ” እትብል ቃል: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ዚርከቡ ኣብ ሓደ እዋን ወይ ፍጻመ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ተመልክት። ንኣብነት: ዘጸኣት 1:6: “ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን: እቲ ወለዶ ዅሉ ኸኣ ሞቱ” ኢላ ትነግረና። ዮሴፍን ኣሕዋቱን እተፈላለየ ዕድመ ነበሮም: ኣብ ሓደ እዋን ግን ሓባራዊ ተመክሮ ኣሕሊፎም እዮም። ቅድሚ ዮሴፍ እተወልዱ ገለ ኻብቶም ኣሕዋቱ: ኣብ “እቲ ወለዶ” ተጠቓሊሎም ነበሩ። ገለ ኻብዚኣቶም ድሕሪ ሞት ዮሴፍ ብህይወት ጸኒሖም እዮም። (ዘፍ. 50:24) ገሊኦም ከም ብንያም ዝኣመሰሉ ኽፍሊ “እቲ ወለዶ” ኸኣ: ድሕሪ ዮሴፍ እተወልዱ ዀይኖም: ምስ ሞተ እውን ብህይወት ጸኒሖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ስለዚ: እታ “ወለዶ” እትብል ቃል ኣብ እተወሰነ እዋን ንዝነበሩ ሰባት ብዚምልከት ኪዕየየላ ኸሎ: እቲ ግዜ እቲ መወዳእታ ኸም ዘለዎን ብዘይመጠን ከኣ ነዊሕ ከም ዘይኰነን ካብ ምእማት ሓሊፋ: ልክዕ ንውሓት እቲ ግዜ ኣይትሕብርን እያ። በዚ ምኽንያት እዚ: የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:34 “እዚ ወለዶ እዚ” ኺብል ከሎ: እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” መዓስ ከም ዜብቅዓ ዚሕብር ቀመር ኣይኰነን ዚህቦም ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣስዕብ ኣቢሉ “እታ መዓልቲ እቲኣን . . . እታ ሰዓት እቲኣን” ከም ዘይፈልጥዋ ኣጕልሐ።—2 ጢሞ. 3:1፣ ማቴ. 24:36

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ኣኽሊል ምስ ደፍአ: “እናሰዐረ” ኸም ዚወጽእ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

“እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን: እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”