ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመገዲ የሆዋ ተመላለስ

ብመገዲ የሆዋ ተመላለስ

ብመገዲ የሆዋ ተመላለስ

“ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ: ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ።”—መዝ. 128:1

1, 2. ሓጐስ ኪርከብ ከም ዚከኣል ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

 ሓጐስ: ኵሉ ሰብ ኪረኽቦ ዚደሊ ነገር እዩ። ክትሕጐስ ምድላይን ደድሕሪኡ ምስዓብን ግን: ካብ ምርካቡ እተፈልየ ኸም ዝዀነ ትሰማማዕ ትኸውን።

2 ይኹን እምበር: ሓጐስ ኪርከብ ይከኣል እዩ። መዝሙር 128:1 “ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ: ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ” ትብል። ንኣምላኽ ከም ቅዱስ ጌርና ነኽብሮን ፍቓዱ እናገበርና ብመገዱ ንመላለስን እንተ ዄንና ብጹኣን ወይ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ኣብ ኣካይዳናን ኣብቲ እነርእዮ ባህርያትን እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

እሙን ምዃንካ ኣርኢ

3. ተኣማንነት ምስቲ ንኣምላኽ እንገብሮ ወፈያና ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

3 እቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ ሰባት: ልክዕ ከምኡ እሙናት እዮም። የሆዋ ንዅሉ እቲ ንጥንታውያን እስራኤላውያን ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጺምዎ እዩ። (1 ነገ. 8:56) ካብቲ ኽንገብሮ እንኽእል መብጽዓ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ: ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይ እዩ፣ እቲ ብተደጋጋሚ እነቕርቦ ጸሎት ድማ ነዚ መብጽዓ እዚ ኽንሕልዎ ይሕግዘና። ልክዕ ከምቲ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ ኽንብል ንኽእል ኢና:- “ዎ ኣምላኽ: ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ . . . ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ: ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።” (መዝ. 61:5, 8፣ መክ. 5:4-6) ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን እንተ ደሊና: እሙናት ክንከውን ኣሎና።—መዝ. 15:1, 4

4. ይፍታሕን ጓሉን ነቲ ንሱ ዝኣተዎ መብጽዓ ዝፈጸምዎ ብኸመይ እዮም፧

4 ኣብቲ መሳፍንቲ እስራኤል ዚገዝኡሉ ዝነበሩ እዋን: ይፍታሕ ንየሆዋ: ኣብ ልዕሊ ዓሞናውያን ዓወት እንተ ሂብዎ: ነቲ ኻብ ውግእ ምስ ተመልሰ ብመጀመርታ ዚቕበሎ ሰብ “ንዚሐርር መስዋእቲ” ኬቕርበሉ ምዃኑ መብጽዓ ኣተወ። ብመጀመርታ እተቐበለቶ ድማ እታ እንኮ ውላዱ ዝነበረት ጓሉ እያ። ኣብ የሆዋ እምነት ብምግባር: ይፍታሕን እታ ዘይተመርዓወት ጓሉን ነቲ ንሱ ዝኣተዎ መብጽዓ ፈጸሙ። ኣብ እስራኤል ሓዳር ምግባርን ቈልዓ ምዕባይን ዓብዪ ግምት ይወሃቦ እኳ እንተ ነበረ: ጓል ይፍታሕ ግን ብፍታው ንጽል ኰይና ኣብቲ ኣብ መቕደስ ዚግበር ኣገልግሎት ናይ ምክፋል ፍሉይ መሰል ረኸበት።—መሳ. 11:28-40

5. ሃና እምንቲ ምዃና ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

5 እታ ንኣምላኽ እትፈርህ ዝነበረት ሃና እውን እምንቲ ምዃና ኣርእያ እያ። ምስቲ ሌዋዊ ዝነበረ ኤልቃና ዝስሙ ሰብኣያን ምስታ ጵኒና ዝስማ ኻልአይቲ ሰበይቱን ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ትነብር ነበረት። ጵኒና ብዙሓት ውሉዳት ስለ ዝነበርዋ: ብፍላይ እታ ስድራ ቤት ናብቲ ማሕደር ኣብ ዝኸደትሉ ግዜ: ነታ መኻን ዝነበረት ሃና ተባጭወላ ነበረት። ሓደ ግዜ: ናብቲ ማሕደር ኣብ ዝኸዱሉ እዋን: ሃና ወዲ እንተ ወሊዳ ንየሆዋ ኸም እትህቦ መብጽዓ ኣተወት። ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ወዲ ወለደት: ስሙ ኸኣ ሳሙኤል ተባህለ። ጡብ ምስ ሓደገ: ናብ ሺሎ ወሲዳ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቕረበቶ: “ኵሉ ዘበን ህይወቱ” ድማ ንየሆዋ ወፈየቶ። (1 ሳሙ. 1:11) ድሕሪኡ ውሉዳት ከም ዚህልውዋ ዘይትፈልጥ እኳ እንተ ነበረት: ነቲ መብጽዓኣ ፈጺማቶ እያ።—1 ሳሙ. 2:20, 21

6. ጥኪቆስ እሙን ምንባሩ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

6 እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጥኪቆስ ዝስሙ ክርስትያን: ትውክልቲ ዚግበረሉን “እሙን ኣገልጋልን” ነበረ። (ቈሎ. 4:7) ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ግሪኽ ተበጊሱ ምናልባት ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ብመቄዶንያን ንእሽቶ እስያን ገይሩ ኺጐዓዝ ከሎ ምስኡ ነበረ። (ግብ. 20:2-4) እቲ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ስኡናት ክርስትያናት ብጾት ዜድልዮም ነገራት ኣብ ምምሕዳር ንቲቶስ ዝሓገዞ “ሓው” እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 8:18, 19 ትርጕም 1990፣ 12:18) ጳውሎስ ንፈለማ እዋን ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ: እዚ እሙን ጥኪቆስ ንዕኡ ወኪሉ ነቲ መልእኽትታት ናብቶም ኣብ ኤፌሶንን ቈሎሴን ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾት ንምብጻሕ ይኸይድ ነበረ። (ኤፌ. 6:21, 22፣ ቈሎ. 4:8, 9) ጳውሎስ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ተኣስረ ድማ ናብ ኤፌሶን ለኣኾ። (2 ጢሞ. 4:12) ንሕና እውን እሙናት እንተ ዄንና: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ በረኸት ክንረክብ ኢና።

7, 8. ዳዊትን ዮናታንን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እዮም ነይሮም እንብል ስለምንታይ ኢና፧

7 ኣምላኽ: እሙናት ኣዕሩኹ ኽንከውን እዩ ዚደልየና። (ምሳ. 17:17) እቲ ወዲ ንጉስ ሳኦል ዝነበረ ዮናታን ንዳዊት ዓርኩ ነበረ። ዳዊት ንጎልያድ ከም ዝቐተሎ ዮናታን ምስ ሰምዐ: “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት: ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።” (1 ሳሙ. 18:1, 3) ሕሉፍ ሓሊፉ: ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ምስ ሓሰበ: ዮናታን ንዳዊት ኣጠንቀቖ። ዳዊት ምስ ሃደመ: ዮናታን ምስኡ ተራኸበ: ኪዳን ድማ ተኣታተዉ። ዮናታን ንዳዊት ብዚምልከት ምስ ሳኦል ብምዝርራቡ ኻብ ሞት ንስክላ እኳ እንተ ኣምለጠ: እዞም ክልተ ኣዕሩኽ ግን ዳግማይ ተራኺቦም ንኺዳኖም ኣሐደስዎ። (1 ሳሙ. 20:24-41) ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ እተራኸቡላ እዋን: ዮናታን ንዳዊት “ብኣምላኽ” ኣተባብዖ።—1 ሳሙ. 23:16

8 ዮናታን ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ከሎ ሞተ። (1 ሳሙ. 31:6) ዳዊት ድማ “ዎ ዮናታን ሓወይ: ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ: ብኣኻ እጭነቕ አሎኹ። እቲ ንአይ ምፍቃርካ ዜገርም ነበረ: ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሐልፍ ነበረ” ኢሉ ኣልቀሰሉ። (2 ሳሙ. 1:26) እዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ዚርአ ደኣ እዩ እምበር: ጾታዊ መልእኽቲ የብሉን። ዳዊትን ዮናታንን ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ነበሩ።

ወትሩ ‘ትሑት’ ኩን

9. ኣገዳስነት ትሕትና ኣብ መሳፍንቲ ምዕራፍ 9 ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

9 ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንምዃን: “ትሑታት” ክንከውን ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:8፣ መዝ. 138:6) ኣገዳስነት ትሕትና ኣብ መሳፍንቲ ምዕራፍ 9 ተገሊጹ ኣሎ። ዮታም ወዲ ጊዴዎን: “ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ” በለ። ኣውልዕን በለስን ወይንን ድማ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ኣሕዋቶም ኪገዝኡ ዘይደልዩ ብቑዓት ውልቀ-ሰባት የመልክቱ። እቲ ኸም ነዳዲ ጥራይ ዜገልግል እሾኽ ግን: ንንግስነት እቲ ጨቋንን ቀታልን ዝነበረ ዕቡይ ኣቢሜሌክ ዜመልክት እዩ ነይሩ። “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት” እኳ እንተ ገዝአ: ሃንደበታዊ ሞት ሞተ። (መሳ. 9:8-15, 22, 50-54) ‘ትሑት’ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!

10. ሄሮድስ “ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ” ኻብ ዘጋጠሞ ውድቀት እንታይ ክትመሃር ትኽእል፧

10 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ መንጎ እቲ ዕቡይ ሄሮድስ ኣግሪጳ ንጉስ ይሁዳን ኣብ መንጎ እቶም ሰላም ኪገብሩ ዝደለዩ ነበርቲ ጢሮስን ሲዶናን ውጥረት ተፈጥረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሄሮድስ መደረ ኬቕርብ ከሎ: እቶም ህዝቢ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር: ድምጺ ሰብ ኣይኰነን” ኢሎም ጨደሩ። ሄሮድስ ግን ነዚ ኸምዚ ዝበለ ሻሕራ ኣይነጸጎን: ብሰንኪ እዚ ድማ መልኣኽ የሆዋ ቐዘፎ: “ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሀበ” ኸኣ ሕማቕ ኣማውታ ሞተ። (ግብ. 12:20-23) ንሕናኸ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምዝራብ ወይ ናይ ምምሃር ክእለት እንተ ኣልዩና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለቲ ኽንገብሮ ዝሃበና ዕዮ ንኣምላኽ ክብሪ ንሃቦ።—1 ቈረ. 4:6, 7፣ ያእ. 4:6

ትባዕን ጽናዕን

11, 12. እቲ ሄኖክ ዘሕለፎ ተመክሮ: የሆዋ ንኣገልገልቱ ትብዓትን ጽንዓትን ከም ዚህብ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ መገድታት የሆዋ ብትሕትና እንተ ተመላሊስና: ትብዓትን ጽንዓትን ኪህበና እዩ። (ዘዳ. 31:6-8, 23) እቲ ኣብ መስመር ወለዶ ኣዳም መበል ሻውዓይ ዝነበረ ሄኖክ: እቶም ኣብ ግዜኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት እኩያት ክነሶም: ብትብዓት ቅኑዕ መገዲ ብምስዓብ ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ። (ዘፍ. 5:21-24) ሄኖክ ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ እኩይ ዘረባን ዝገበርዎ እኩይ ግብርን ሓያል መልእኽቲ ምእንቲ ኼብጽሓሎም: የሆዋ ትብዓት ሃቦ። (ይሁዳ 14, 15 ኣንብብ።) ፍርድታት ኣምላኽ ንምእዋጅ ዜድሊ ትብዓት ኣሎካዶ፧

12 የሆዋ ብዘመን ኖህ ማይ ኣይሂ ብምውራድ ኣብ ልዕሊ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ፍርዲ ፈጸመ። ኰይኑ ግን: እቲ ሄኖክ እተነበዮ ትንቢት የተባብዓና እዩ፣ ከመይሲ: ሎሚ ዘለዉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ድሕሪ ሓጺር እዋን በቶም ናይ ኣምላኽ ኣእላፋት ቅዱሳት ኪጠፍኡ እዮም። (ራእ. 16:14-16፣ 19:11-16) እቲ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ዚፍጽሞ ፍርዲ ይኹን ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ እንረኽቦ በረኸት ብዘየገድስ: የሆዋ ንጸሎትና ሰሚዑ መልእኽቱ ንምእዋጅ ትብዓት ይህበና እዩ።

13. ተስፋ ዜቝርጽ ጸገማት ንኽንሰግር ዜኽእለና ትብዓትን ጽንዓትን ኣምላኽ ከም ዚህበና ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧

13 ተስፋ ዜቝርጽ ጸገማት ንኽሰግር እውን እቲ ኣምላኽ ዚህበና ጽንዓትን ትብዓትን የድልየና እዩ። ኤሳው ክልተ ሔታውያን ኣንስቲ ምስ ኣእተወ: “ንይስሃቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ዀናኦም።” ርብቃ እሞ ኸኣ “ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት: ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ: ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ዀይኑስ: ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧” ኢላ ጓሂኣ ገሊጻ እያ። (ዘፍ. 26:34, 35፣ 27:46) ይስሃቅ: ያእቆብ ካብተን ኣምለኽቲ የሆዋ ሰበይቲ ኺደሊ ብምልኣኽ ስጕምቲ ወሰደ። ይስሃቅን ርብቃን ነቲ ኤሳው ዝገበሮ ኺልውጥዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ: ኣምላኽ ግን ንዕኡ እሙናት ንኪዀኑ ዜኽእሎም ጥበብን ትብዓትን ጽንዓትን ሃቦም። ንሕና እውን ሓገዝ ደሊና እንተ ጸሊና: የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር ኪህበና እዩ።—መዝ. 118:5

14. ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል: ትብዓት ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

14 ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት: ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ብወረርቲ ተማሪኻ ተወስደት፣ ኣብ ቤት እቲ ለምጻም ዝነበረ ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ተገልግል ነበረት። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብነብዪ ኤልሳእ ኣቢሉ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ትፈልጥ ስለ ዝነበረት: ንሰበይቲ ንእማን: ‘ጐይታይ ናብ እስራኤል እንተ ዚኸይድ: ናይ የሆዋ ነብዪ መሕወዮ ነይሩ’ ኢላ ብትብዓት ነገረታ። ንእማን ናብ እስራኤል ከደ: ብተኣምራዊ መገዲ ድማ ሓወየ። (2 ነገ. 5:1-3) እዛ ጓል እዚኣ ነቶም ኣብቲ የሆዋ ዚህቦም ትብዓት ብምውካል ንመምህራኖም: ንመማህርቶም: ከምኡውን ንኻልኦት ዚምስክሩ መንእሰያት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እያ እትዀኖም!

15. እቲ ኣዛዝ ቤት ንጉስ ኣከኣብ ዝነበረ ኦብድያ: እንታይ ትብዓት ዚሓትት ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧

15 እቲ ኣምላኽ ዚህበና ትብዓት: ነቲ ዚወርደና መስጐጕቲ ንኽንጻወሮ ይሕግዘና እዩ። ነቲ ብግዜ ነብዪ ኤልያስ ኣዛዝ ቤት ንጉስ ኣከኣብ ዝነበረ ኦብድያ እስከ ርአ። ንግስቲ ኢዛቤል: ነብያት ኣምላኽ ንኪቕተሉ ምስ ኣዘዘት: ኦብድያ ‘በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ’ ሓብኦም። (1 ነገ. 18:13፣ 19:18) ልክዕ ከምቲ ኦብድያ ንነብያት የሆዋ ዝሓገዞም: ንስኻኸ ነቶም መስጐጕቲ ዚወርዶም ክርስትያናት ብጾትካ ብትብዓት ምሓገዝካዮምዶ፧

16, 17. ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን መስጐጕቲ ምስ ወረዶም እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

16 መስጐጕቲ እንተ ወሪዱና: የሆዋ ምሳና ኸም ዚኸውን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 8:35-39) እቶም መገላግልቲ ጳውሎስ ዝነበሩ ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን: ኣብቲ ኣብ ኤፌሶን ዚርከብ ናሕሲ ዘይብሉ ትያትር ምስቶም ኣሽሓት ኪዀኑ ዚኽእሉ ጭፍራ ተፋጠጡ። እቲ ድሜጥሮስ ዚበሃል ኣንጠረኛ ብሩር እዩ ነዚ ናዕቢ ኣለዓዒልዎ። ንሱን እቶም ብጾቱ ኣንጠረኛታትን ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ይሰርሑ ነበሩ፣ እቲ ናይ ጳውሎስ ዕዮ ስብከት ንብዙሓት ነበርቲ እታ ኸተማ ኻብ ኣምልኾ ጣኦት ከም ዚርሕቁ ስለ ዝገበሮም ግን: እዚ መኽሰብ ዚርከቦ ስራሖም ኣብ ዜስግእ ኵነታት ኣተወ። እቶም ጭፍራ ንኣርስጣርኮስን ጋይዮስን ናብቲ ትያትር ሒዞምዎም ከዱ: “ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ” ኢሎም ድማ ይጭድሩ ነበሩ። ምናልባት ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን ኪቐትልዎም ተጸብዮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም: ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ግን ነቲ ህዝቢ ኣህድኦ።—ግብ. 19:23-41

17 ብኸምዚ ዓይነት ኵነታት እንተ ትሓልፍ: ካብዚ በዳሂ ህይወት እዚ ንድሕሪት ምበልካዶ፧ ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን ከም ዝፈርሁ ዚሕብር ነገር የለን። ኣርስጣርኮስ ካብ ተሰሎንቄ ስለ ዝዀነ: ብስራት ምስባኽ መስጐጕቲ ኼምጽእ ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። ከመይሲ: ኣቐድም ኣቢሉ: ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ምስ ሰበኸ ናዕቢ ተላዒሉ ነይሩ እዩ። (ግብ. 17:5፣ 20:4) ኣርስጣርኮስን ጋይዮስን ብመገድታት የሆዋ ስለ እተመላለሱ: እቲ መስጐጕቲ ንምጽማም ዜኽእል ኣምላኽ ዚህቦ ትብዓትን ጽንዓትን ነበሮም።

ንኻልኦት ዚሕሾም ጠምት

18. ጵርስኪላን ኣኪላስን ንጥቕሚ ኻልኦት ሰባት እዮም ‘ዚጥምቱ’ ነይሮም ኪበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

18 ኣብዚ እዋን እዚ መስጐጕቲ ይውረደና ኣይውረደና ብዘየገድስ: ንክርስትያናት ብጾትና ኽንግደሰሎም ኣሎና። ጵርስኪላን ኣኪላስን ንጥቕሚ ኻልኦት ሰባት እዮም ‘ዚጥምቱ’ ነይሮም። (ፊልጲ 2:4 ኣንብብ።) እዞም ኣብነታውያን ሰብ ሓዳር: ጳውሎስ ኣብታ ድሜጥሮስ ዚበሃል ኣንጠረኛ ናዕቢ ዘለዓዓለላ ኸተማ ኤፌሶን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን መሕደሪ ቦታ ሃብዎ። እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ጳውሎስ ‘ክሳዶም ከም ዜሕልፉ’ ገይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 16:3, 4፣ 2 ቈረ. 1:8) ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና መስጐጕቲ ኺወርድ ከሎ: “ጠቢባን ከም ተመን” ክንከውን ኣሎና። (ማቴ. 10:16-18) ዕዮና ብጥንቃቐ ንዓዪ: ስማት ኣሕዋትና ወይ ካልእ ሓበሬታ ድማ ንሰጐጕቲ ኣይንህብን።

19. ዶርቃስ ንኻልኦት ከመይ ዝበለ ሰናይ ነገራት እያ ገይራትሎም፧

19 ንኻልኦት ዚሕሾም ምጥማት: ብእተፈላለየ መዳይ ኪግበር ይከኣል እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት ዜድልዮም ነገራት ኪረኽቡ ኣይክእሉን ይዀኑ: ንሕና ድማ ነዚ ነገራት እዚ ኸነማልኣሎም ንኽእል ንኸውን። (ኤፌ. 4:28፣ ያእ. 2:14-17) ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዮጴ ዝነበረት ጉባኤ: ሓንቲ ዶርቃስ ዝስማ ለጋስ ሰበይቲ ነበረት። (ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42 ኣንብብ።) ዶርቃስ “ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት” ነበረት: እዚ ኸኣ ነተን ስኡናት መበለታት ክዳን ምስፋይ ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብ36 ድ.ክ. ምስ ሞተን ግን: እተን መበለታት ኣዝየን ጐሃያ። ኣምላኽ ብሃዋርያ ጴጥሮስ ገይሩ ኣተንስኣ: ንብምሉኡ እቲ ምድራዊ ህይወታ ነቲ ብስራት እናሰበኸትን ንኻልኦት ጽቡቕ እናገበረትን ከም ዘሕለፈቶ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ሎሚ ኣብ መንጎና ለጋሳት ክርስትያን ኣንስቲ ምህላወን ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዜብለና!

20, 21. (ሀ) መተባብዒ ምሃብ: ንኻልኦት ዚሕሾም ምስ ምጥማት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንኻልኦት ንምትብባዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

20 ሓደ ኻብቲ ንኻልኦት ዚሕሾም እንጥምተሉ መገዲ ምትብባዖም እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) እቲ መገላግልቲ ጳውሎስ ዝነበረ ሲላስ: ምንጪ ምትብባዕ እዩ ነይሩ። ኣብ ከባቢ 49 ድ.ክ. እቲ ንግዝረት ዚምልከት ጕዳይ ውሳነ ምስ ተዋህበሉ: ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል: እቲ ደብዳበታት ናብቶም ኣብ እተፈላለየ ቦታ ዝነበሩ ኣመንቲ ንኺበጽሕ ልኡኻት ለኣኸ። ሲላስ: ይሁዳ: በርናባስ: ከምኡውን ጳውሎስ ነዚ ደብዳበ እዚ ሒዞም ናብ ኣንጾክያ ኸዱ። ኣብኡ ድማ ሲላስን ይሁዳን “ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን።”—ግብ. 15:32

21 ድሕሪኡ: ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጲ ተኣስሩ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ ግን ተፈትሑ። ነቲ ሓላዉ ቤት ማእሰርቲ ምስ መስከሩሉ: ንሱን ስድራ ቤቱን ኣመንቲ ኪዀኑ ኸለዉ ምርኣዮም ኣሐጒስዎም ኪኸውን ኣለዎ። ካብታ ኸተማ ቕድሚ ምውጻኦም ግን: ነቶም ኣሕዋት ኣተባብዕዎም። (ግብ. 16:12, 40) ልክዕ ከም ጳውሎስን ሲላስን: ብርእይቶኻ: ብመደረኻ: ከምኡውን በቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እተርእዮ ቕንኣትካ ንኻልኦት ከተተባብዕ ጻዕሪ ግበር። “ቃል ምዕዶ” ወይ ቃል ምትብባዕ እንተ ኣልዩካ ድማ ንኻልኦት ‘ንገር።’—ግብ. 13:15

ብመገዲ የሆዋ ተመላለስ

22, 23. ካብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

22 ነቲ ኣብ ቃል እቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምትብባዕ” ዝዀነ የሆዋ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኸነማስወሉ ዘሎና! (2 ቈረ. 1:3 ባይንግተን) ካብዚ ጸብጻባት እዚ ጥቕሚ ኽንረክብ እንተ ዄንና: ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኽንምራሕ ፍቓደኛታት ክንከውንን ኣሎና።—ገላ. 5:22-25

23 ብዛዕባ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምስትንታን: ኣምላኻዊ ባህርያት ንኸነንጸባርቕ ኪሕግዘና እዩ። ምስቲ “ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን” ዚህበና የሆዋ ዘሎና ርክብ የደልድሎ። (መክ. 2:26) ንሕና ድማ ነቲ ፈቃር ልቢ ኣምላኽና ነሐጕሶ። (ምሳ. 27:11) ሃየ እምበኣር: ብመገዲ የሆዋ ብምምልላስ ከምዚ ንኽንገብር ቈራጻት ንኹን።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እሙን ምዃንካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

• “ትሑታት” ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ተባዓት ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• ንኻልኦት ዚሕሾም ክንጥምት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

እቲ እሙን ዝነበረ ይፍታሕ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸቢድ ክነሱ: ንሱን ጓሉን ግን ፈጺሞምዎ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኣቱም መንእሰያት: ካብታ እስራኤላዊት ጓል እንታይ ተማሂርኩም፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ዶርቃስ ነቲ ክርስትያን ብጾታ ዜድልዮም ነገራት ዘማልኣትሎም ብኸመይ እያ፧