ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ምሰሎ

ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ምሰሎ

ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ምሰሎ

“ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።”—1 ቈረ. 11:1

1. ንየሱስ ክርስቶስ ክንመስሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ መሰሎ። ንክርስትያን ብጾቱ ድማ: “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” በሎም። (1 ቈረ. 11:1) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣእጋሮም ብምሕጻብ ብዛዕባ ትሕትና ውድዓዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምሃቡ: “ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ” በሎም። (ዮሃ. 13:12-15) ሎሚ ዘለና ክርስትያናት እውን ንየሱስ ክርስቶስ ብዘረባናን ብግብርናን ብባህርይናን ክንመስሎ ግዴታ ኣሎና።—1 ጴጥ. 2:21

2. ከም ሚስዮናዊ ዄንካ በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እኳ እንተ ዘይተሸምካ: እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወካ ይኽእል፧

2 ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ: ሚስዮናዊ ኺበሃል ከሎ ወንጌላዊ ኪኸውን ወይ ብስራት ንኻልኦት ኪነግር እተላእከ ማለት ምዃኑ ርኢና ኔርና። ኣብዚ መዳይ እዚ: ጳውሎስ ገለ ኣገዳሲ ሕቶታት ሓቲቱ ኣሎ። (ሮሜ 10:11-15 ኣንብብ።) እቲ ሃዋርያ: “ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ኢሉ ኸም ዝሓተተ ኣስተብህል። ኣስዕብ ኣቢሉ ኻብ ትንቢት ኢሳይያስ ብምጥቃስ: “ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ [ኽ]ንደይ ጽቡቕ እዩ” በለ። (ኢሳ. 52:7) ኣብ ወጻኢ ሃገር ሚስዮናዊ ዄንካ ንኸተገልግል እኳ እንተ ዘይተለኣኽካ: ቀናእ ኣዋጂ እቲ ብስራት ብምዃን ንየሱስ ምስ እትመስሎ: መንፈስ ወንጌላውነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ዓሚ 6,957,852 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ 236 ሃገራት ‘ግብሪ ወንጌላዊ ገይሮም’ እዮም።—2 ጢሞ. 4:5

“ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ”

3, 4. የሱስ ኣብ ሰማይ እንታይ እዩ ሓዲጉ፧ ሰዓብቱ ምእንቲ ኽንከውንከ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

3 የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ እተዋህቦ ዕዮ ንምፍጻም: ነቲ ሰማያዊ ህይወትን ክብርን ሓዲጉ “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ።” (ፊል. 2:7) ንክርስቶስ ብምምሳል እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር: ምስቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ምስ መጸ ዝገበሮ ነገር ኪወዳደር ኣይክእልን እዩ። ኰይኑ ግን: ነቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝሓደግናዮ ብናፍቖት ንድሕሪት ከይጠመትና: ከም ሰዓብቱ መጠን ጽኑዓት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ዮሃ. 5:19

4 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ: “እንሆ: ንሕና ዅሉ ሐዲግና ሰዐብናካ” ኢልዎ ነይሩ። (ማቴ. 19:27) የሱስ ንጴጥሮስን ንእንድርያስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም: ተቐላጢፎም መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ። ዕዮ ምግፋፍ ዓሳ ሓዲጎም: ነቲ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕዮኦም ገበርዎ። ብመሰረት እቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ እተመዝገበ ጸብጻብ: ጴጥሮስ: “እንሆ: ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሐዲግና ስዒብናካ አሎና” በለ። (ሉቃ. 18:28) መብዛሕትና ንየሱስ ክንስዕብ ኢልና ዅሉ “ጥሪትና” ኽንሓድግ ኣየድለየናን። ይኹን እምበር: ሰዓብቲ ክርስቶስን ብምሉእ ልብና እንዓዪ ኣገልገልቲ የሆዋን ንኽንከውን ‘ህይወትና ኽንቀብጽ’ ነይሩና። (ማቴ. 16:24) እዚ መገዲ እዚ ብዙሕ በረኸት ኣምጺኡልና እዩ። (ማቴዎስ 19:29 ኣንብብ።) ንየሱስ ብምምሳል መንፈስ ወንጌላውነት እንተ ኣርኢና: ብፍላይ ከኣ ንሓደ ሰብ ንኣምላኽን ነቲ ፍቑር ወዱን ኪቐርቦም ኣብ ምሕጋዝ ንእሽቶ እጃም እኳ እንተ ኣልዩና: ልብና ብሓጐስ ይመልእ።

5. ሓደ ስደተኛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ተማህረ እንታይ ኪውስን ከም ዚኽእል ዚሕብር ሓደ ተመክሮ ኣዘንቱ።

5 ቫልሚር ኣብ ሱሪናም ዚነብር ብራዚላዊ ዓዳኒ ወርቂ ነበረ። ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ብዕሉግ ህይወትን ነበሮ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኸሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብሩ ጀመሩ። መዓልታዊ ኼጽንዕ ጀመረ: ብዙሕ ለውጥታት ገበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ተጠምቀ። ምስቲ ሓድሽ ዝረኸቦ እምነቱ ተሰማሚዑ ንኪኸይድ ስራሑ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀኖ ምስ ኣስተውዓለ: ነቲ ብዙሕ መኽሰብ ዚረኽበሉ ስራሑ ሸይጡ: ስድራ ቤቱ ነቲ መንፈሳዊ መዝገብ ንኺረኽቡ ንምሕጋዝ ናብ ብራዚል ተመልሰ። ብዙሓት ስደተኛታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምስ ተማህሩ: ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ስራሕ ሓዲጎም: ንኣዝማዶምን ካልኦትን ብመንፈሳዊ መዳይ ንምሕጋዝ ናብ ዓዶም ይምለሱ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንፈስ ወንጌላውነት የርእዩ እዮም።

6. ናብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ክንግዕዝ እንተ ዘይክኢልና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

6 ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ግዒዞም እዮም። ገሊኦም ኣብ ወጻኢ ሃገር እውን የገልግሉ ኣለዉ። ብውልቅና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ኢልና ኽንግዕዝ ኣይንኽእልን ንኸውን: ኰይኑ ግን ኣብ ኣገልግሎት ዝከኣለና ዘበለ ብምግባር ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና።

የሆዋ ዜድሊ ስልጠና ይህብ

7. ነቶም ከም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ክእለቶም ኬመሓይሹ ዚደልዩ ዜሰልጥን እንታይ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣሎ፧

7 ከምቲ የሱስ ካብ ኣቦኡ ስልጠና ዝረኸበ: ካብቲ ሕጂ የሆዋ ዚህቦ ዘሎ ስልጠና እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። የሱስ ባዕሉ: “ኣብ ነብያትውን፤ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪዀኑ እዮም: ዚብል ጽሑፍ አሎ” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 6:45፣ ኢሳ. 54:13) ሎሚ ኸም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዜዕጥቐና ኣብያተ-ትምህርቲ ኣሎ። ኵላትና ኻብቲ ኣብ ገጉባኤና ዚግበር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ከም እተጠቐምና ዜጠራጥር ኣይኰነን። ፈለምቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ ናይ ምክፋል ፍሉይ መሰል ኣለዎም። ሓያሎ ተመክሮ ዘለዎም ፈለምቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ንኻልኣይ ግዜ ናይ ምክፋል ባህ ዜብል ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ናይ ምምሃር ክእለቶምን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዚህብዎ ኣገልግሎትን ንምምሕያሽ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ተኻፊሎም እዮም። ሓያሎ ንጽል ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን በቲ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ዕዮ ስብከት ንኺሕግዙ ዜዕጥቖም ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ሓሊፎም እዮም። ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ሰልጢኖም እዮም።

8. ገሊኦም ኣሕዋት ነቲ የሆዋ ዚህቦም ስልጠና ኽሳዕ ክንደይ እዮም ኣኽቢሮም ዚርእይዎ፧

8 ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዘን ኣብያተ-ትምህርቲ ንምክፋል ምትዕርራያት ገይሮም እዮም። ዩጉ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ምእንቲ ኺካፈል ኢሉ ፍቓድ ዕረፍቲ ኺወሃቦ ምስ ሓተተ: ኣስራሒኡ ስለ ዝኣበዮ: ዓለማዊ ስራሑ ለቐቐ። ዩጉ: “በዚ ኣይጠዓስን እየ። ንዓይ ሓለፋ ብምግባር ፍቓድ ዕረፍቲ እንተ ዚህቡኒ ነይሮም: ኣብታ ኩባንያ ንሓዋሩ ብምቕጻል ተኣማንነተይ ከርኢ ትጽቢት ምገበሩለይ ነይሮም። ሕጂ ግን ካብ የሆዋ ንዚወሃበኒ ዝዀነ ይኹን ምደባ ድሉው እየ” በለ። ብዙሓት ካብቲ ኣምላኽ ዚህቦ ስልጠና ንምጥቃም: ነቲ ሓደ ግዜ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ነገር መስዋእቲ ገይሮም እዮም።—ሉቃ. 5:28

9. ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትን ዕቱብ ጻዕርን ውጽኢታዊ ምዃኑ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

9 ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትን ዕቱብ ጻዕርን: ውጽኢታዊ ፍረ የፍሪ። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ኣብ ጓተማላ ዚነብር ሳውሎ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ እተወሰነ ኣእምሮኣዊ ስንክልና ኣለዎ: ሓንቲ መምህሩ ድማ ንኣዲኡ ንባብ ንኺመሃር እንተ ኣገዲዳቶ ብስጭት ጥራይ ስለ ዜፍርየሉ: ከተገድዶ ኸም ዘይብላ ነገረታ። ሳውሎ ንባብ ከይተማህረ ኻብ ቤት ትምህርቲ ወጸ። ይኹን እምበር: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሳውሎ በታ ኣፕላይ ዮርሰልፍ ቱ ሪዲን ኤንድ ራይቲን እትብል ምንባብ እትሕግዝ ብሮሹር ገይሩ ንባብ መሃሮ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዕቤት ብምግባር መደረ ኬቕርብ ጀመረ። ኣደ ሳውሎ ጸኒሓ ኻብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከላ ነታ መምህር ረኸበታ። እታ መምህር: ሳውሎ ንባብ ከም እተማህረ ምስ ሰምዐት: ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ሒዛቶ ኽትመጽእ ሓተተታ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን: እታ መምህር ንሳውሎ: “እንታይ ኢኻ ኽትምህረኒ፧” ኢላ ሓተተቶ። ሳውሎ ኻብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ኬንብበላ ጀመረ። እታ መምህር: “ሕጂ ንዓይ ትምህረኒ ምህላውካ ዜስደምም እዩ” በለቶ። ንብዓት እናሰዓራ ድማ ንሳውሎ ሓቘፈቶ።

ልቢ ዚትንክፍ ትምህርቲ

10. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምምሃር እትሕግዝ እንታይ ብልጽቲ ንዋት ኣላትና፧

10 የሱስ ንትምህርቱ ኣብቲ የሆዋ ብቐጥታ ዝመሃሮን ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽን እዩ መስሪትዎ። (ሉቃ. 4:16-21፣ ዮሃ. 8:28) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብን ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምልጋብን ንዕኡ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ዅላትና ሓደ ዘረባ ንዛረብ: እዚ ኸኣ ንሓድነትና ኣበርክቶ ይገብር። (1 ቈረ. 1:10) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ ትምህርትና ሓድነትና ንኽንዕቅብን ከም ወንጌላውያን መጠን ዘሎና ዕዮ ንኽንፍጽምን ዜኽእለና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ዜዳልወልና ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነመስግኖ! (ማቴ. 24:45፣ 28:19, 20) ሓንቲ ኻብዚ ጽሑፋት እዚ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኰይና: ሕጂ ብ179 ቋንቋታት ትርከብ።

11. ኣብ ኢትዮጵያ እትነብር ሓብቲ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ገይራ ንዘጋጠማ ምጽራር ዝሰገረት ብኸመይ እያ፧

11 በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ መጽናዕቲ ምግባር: ንልቢ ተጻረርቲ እውን ኪቕይር ይኽእል እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ኢትዮጵያ እትነብር ሉላ እትበሃል ፈላሚት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናመርሐት ከላ: ዘመድ እታ ተመሃሪታ ብሃንደበት ናብቲ ኽፍሊ ብምእታው መጽናዕቲ ኺገብራ ኸም ዘይግባእ ተዛረበተን። ሉላ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 15 ዘሎ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ገንዘብ ዚገልጽ ምሳሌ ገይራ ብህድኣት ኣረድኣታ። እታ ሰበይቲ ሃድአት: መጽናዕተን ኪቕጽላ ድማ ፈቐደትለን። አረ ኣብቲ ዚቕጽል መጽናዕቲ ዚገብራሉ እዋንሲ ንሳ እውን መጺኣ: ንዓኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓላ ሓተተት: ነዚ ኸኣ ገንዘብ ክትከፍል ፍቓደኛ ምዃና ገለጸት። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሳዕ ከተጽንዕ ጀመረት: ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ድማ ገበረት።

12. ንኣሽቱ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብውጽኢታዊ መገዲ ኺምህሩ ኸም ዚኽእሉ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

12 ንኣሽቱ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ገይሮም ንኻልኦት ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ኪያኑ ዚበሃል ኣብ ሃዋይ ዚነብር ወዲ 11 ዓመት ቈልዓ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኼንብባ ኸሎ: ሓደ ወዲ ኽፍሉ: “ስለምንታይ ኢኻ በዓላት ዘይተብዕል፧” ኢሉ ሓተቶ። ኪያኑ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኻብቲ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ዚርከብ “በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧” ዚብል ኣርእስቲ ኣንበበሉ። ድሕሪኡ ናብ ሰሌዳ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ገንጺሉ: ኣየናይ ርእሰ ነገር ዝያዳ ኸም ዜገድሶ ሓተቶ። በዚ ኸምዚ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ዓሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: 6,561,426 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም: ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ እዮም ተጠቒሞም። ነዛ ንዋት እዚኣ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትጥቀመላዶ ኣለኻ፧

13. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰባት ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

13 በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ ቕዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕ: ኣብቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ዚደልዩ ሓያል ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ኣብ ኖርወይ ዚነብሩ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ጽምዲ ሰብ ሓዳር: ካብ ዛምብያ ምስ ዝመጹ ስድራ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። እቶም ዛምብያውያን ሰብ ሓዳር: ሰለስተ ኣዋልድ ነበራኦም: ካልእ ውሉድ ድማ ኣይደልዩን ነበሩ። ስለዚ: እታ ሰበይቲ ምስ ጠነሰት: ነቲ ጥንሲ ኺንጽልዎ ሓሰቡ። ንሓኪም ቅድሚ ምምኻሮም ሒደት መዓልትታት ይገብር: “ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ” ዘርእስታ ምዕራፍ ኣጽንዑ። እቲ ኣብታ ምዕራፍ ዘሎ ዘይተወልደ ሕጻን ዜርኢ ስእሊ ነቶም ሰብ ሓዳር ውሽጦም ተንከፎም: ነቲ ጥንሲ ኻብ ምንጻል ድማ ተቘጠቡ። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ገበሩ: ነቲ ሓድሽ እተወልደ ወዶም ከኣ ስም እቲ መጽናዕቲ ዚመርሓሎም ኣውጽኡሉ።

14. ምስቲ እንምህሮ ተሰማሚዕና ምምልላስና ብኸመይ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዜፍሪ ብምሳሌ ግለጽ።

14 ሓደ ኻብቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኣገዳሲ መዳያት ኣመሃህራ: ምስቲ ዚምህሮ ዝነበረ ተሰማሚዑ ምንባሩ እዩ። ብዙሓት ሰባት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሱስ ብምምሳል ዜርእይዎ ጽቡቕ ኣካይዳ ይምሰጡ እዮም። ኣብ ኒው ዚላንድ ዚነብር ነጋዳይ ኣብ ማኪናኡ ሓዲግዋ ዝኸደ ቦርሳኡ ተሰርቀቶ። ነዚ ናብ ፖሊስ ከይዱ ምስ ሓበረ: እቲ ኣባል ፖሊስ: “ንብረትካ ኽትረክብ እትኽእል: ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ረኺብዋ ጥራይ እዩ” በሎ። ሓንቲ ጋዜጣ እተበጻጽሕ ናይ የሆዋ ምስክር ነታ ቦርሳ ረኸበታ። እቲ ዋና ቦርሳኡ ኸም እተረኽበት ምስ ተሓበሮ: ናብ ቤት እታ ሓብቲ ኸደ። እቲ ብዋጋ ዘይሽነን ሰነዱ ኣብታ ቦርሳኡ ምስ ጸንሖ እፎይ በለ። እታ ሓብቲ: “ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝዀንኩ: ነቲ ንብረት ናብ ዋናኡ ኺመልሶ ነይሩኒ” በለቶ። እቲ ነጋዳይ ነቲ እቲ ኣባል ፖሊስ በታ ንግሆ እቲኣ ዝነገሮ ዘኪሩ ተገረመ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሱስ ብምምሳል በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታት ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ንጹር እዩ።—እብ. 13:18

ነቲ የሱስ ንሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ ቕድሓዮ

15, 16. ንሰባት ናብቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ብኸመይ ክንስሕቦም ንኽእል፧

15 እቲ የሱስ ንሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ ናብ መልእኽቱ ይስሕቦም ነበረ። ንኣብነት: ፍቕሩን ትሕትናኡን ንትሑታት ዘበሉ ናብኡ ሰሓቦም። ነቶም ናብኡ ዝመጹ ርሕራሐኡ ገሊጹሎም: ብሕያውነት ዝመልኦ ቓላት ኣጸናኒዕዎም: ንብዙሓት እውን ኣሕውይዎም እዩ። (ማርቆስ 2:1-5 ኣንብብ።) ንሕና ተኣምራት ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና: ነተን ንሰባት ናብ ሓቂ ዚስሕባኦም ከም ፍቕርን ትሕትናን ርሕራሐን ዝኣመሰለ ባህርያት ግን ከነርኢ ንኽእል ኢና።

16 ታሪዋ እትበሃል ፍልይቲ ፈላሚት ናብ ቤት ሓደ ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ግሉላት ደሴታት ኪሪባቲ ዚነብር ቢረ ዚበሃል ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ክትምስክር ምስ ከደት: ኣብቲ ምስክርነታ ርሕራሐ ኣበርክቶ ገይራ እያ። እቲ ሰብኣይ ንታሪዋ ኺሰምዓ ኸም ዘይደሊ እኳ እንተ ሓበረ: ፍርቂ ኣካላቱ ኸም ዝለመሰ ስለ ዘስተብሃለት: ራሕርሐትሉ። “ኣምላኽ ንሕሙማትን ንኣረጋውያንን እንታይ መብጽዓ ኸም ዝኣተወሎም ሰሚዕካዶ፧” ኢላ ሓተተቶ። ድሕሪኡ ኻብ ትንቢት ኢሳይያስ እተወሰነ ኽፋል ኣንበበትሉ። (ኢሳይያስ 35:5, 6 ኣንብብ።) እቲ ሰብኣይ በዚ ስለ እተገረመ: “መጽሓፍ ቅዱስ ንሓያሎ ዓመታት ኣንቢበ እየ: ናይ ሃይማኖትና ሚስዮናዊ እውን ንብዙሕ ዓመታት በጺሑኒ እዩ: እዚ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ረኺበዮ ኣይፈልጥን እየ” በላ። ምስ ቢረ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ: ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ድማ ገበረ። እወ: ስንኩል እኳ እንተ ነበረ: ሕጂ ጥሙቕ እዩ፣ ነታ ግልልቲ ጕጅለ ኣብ ምእላይ መሪሕ ግደ ኣለዎ: ነቲ ብስራት ንምስባኽ ከኣ ኣብ ኵላ እታ ደሴት ይዘውር እዩ።

ብሕጂ እውን ንክርስቶስ ምሰሎ

17, 18. (ሀ) ዕዉት ወንጌላዊ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ለ) እቶም ንኣገልግሎቶም ብርዝነት ዚርእይዎ እንታይ ተነቢሩሎም ኣሎ፧

17 ካብ ኣገልግሎት እተረኽበ ዜሐጕስ ተመክሮታት ብተደጋጋሚ ኸም ዚሕብሮ: ነቲ የሱስ ዘርኣዮ ባህርያት እንተ ኣማዕቢልናን እንተ ኣርኢናን: ዕዉታት ወንጌላውያን ክንከውን ንኽእል ኢና። ከም ቀናኣት ወንጌላውያን መጠን ንክርስቶስ ክንመስሎ ይግባእ።

18 ገሊኦም ሰባት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ ኰኑ: ጴጥሮስ: “እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” ኢሉ ሓተተ። የሱስ ድማ: “ስለ ስመይ ኢሉ: ኣባይቲ ዀነ: ወይስ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ: ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 19:27-29) ብሕጂ እውን ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ሚስዮናዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እንተ መሲልናዮ: ነዚ ተጠቒሱ ዘሎ በረኸት ብርግጽ ክንረኽቦ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ ወንጌላውያን ንኽንከውን ብኸመይ የሰልጥነና ኣሎ፧

• እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ኣገልግሎትና ውጽኢታዊት ዝዀነ ስለምንታይ እያ፧

• ንየሱስ ኣብቲ ንሰባት ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንጴጥሮስን ንእንድርያስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ምስ ጸውዖም: ብኡንብኡ ጻውዒቱ ተቐበሉ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ከምታ “መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር” እትበሃል መጽሓፍ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ኣብ ትምህርትና ሓድነትና ንኽንዕቅብ ይሕግዘና