ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ

ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ

ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ግበሮ

“ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ።”—መዝ. 16:8

1. እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት ኣባና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

 እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ዜደንቕ ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ንእተኻፈሉ ብዙሓት ሰባት ይጠቅስ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ እተዛረብዎን ዝገበርዎን ነገራት: ንዓና ኼሐጕስ ተባሂሉ እተጻሕፈ ዛንታ ኣይኰነን። የግዳስ: ከምዚ ዝበለ ጸብጻባት ናብ ኣምላኽ ከም እንቐርብ ኪገብረና ይኽእል እዩ።—ያእ. 4:8

2, 3. እተን ኣብ መዝሙር 16:8 ዘለዋ ቓላት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧

2 ካብቲ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ፍሉጣት ሰባት: ማለት ካብ ከም እኒ ኣብርሃም: ሳራ: ሙሴ: ሩት: ዳዊት: ኣስቴር: ሃዋርያ ጳውሎስ: ከምኡውን ካልኦት ዘሕለፍዎ ተመክሮ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: እቲ ብዛዕባ እቶም ብዙሕ ዘይፍለጡ ውልቀ-ሰባት ዚገልጽ ጸብጻብ እውን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ነዚ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነስተንትነሉ: ምስ ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ፣ ንሱ “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ: ብየማነይ ስለ ዝዀነ: ኣይክናወጽን እየ” በለ። (መዝ. 16:8) እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧

3 መብዛሕትኡ እዋን: ሓደ ዓቀይታይ ነቲ ዋልታኡ ብጸጋማይ ኢዱ ሒዙ ንሰይፉ ድማ ብየማነይቲ ኢዱ ስለ ዚጥቀመላ: እታ የማነይቲ ኢዱ ንሓደጋ እተቓልዐት እያ እትኸውን። ይኹን እምበር: ሓደ ብጻዩ ብየማናይ ወገን ኰይኑ ዚቃለስ እንተ ዀይኑ ኺከላኸለሉ ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ንየሆዋ ኣብ ቅድሜና ንገብሮን ፍቓዱ ንገብርን እንተ ዄንና: ኬዕቝበና እዩ። ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምምርማርና: ንእምነትና ኣደልዲሉ ‘ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና’ ኸም እንገብሮ ዚገብረና ብኸመይ ምዃኑ እስከ ንርአ።

የሆዋ ንጸሎትና ይምልሶ

4. ኣምላኽ ንጸሎት ከም ዚምልስ ዜርኢ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ሃብ።

4 ንየሆዋ ኣብ ቅድሜና እንተ ጌርናዮ: ንሱ ንጸሎትና ይምልሶ። (መዝ. 65:2፣ 66:19) ነቲ ኣልኣዛር ዚስሙ ኪኸውን ዚኽእል ብዕድመ ዝዓበየ ግዙእ ኣብርሃም ዘጋጠሞ ነገር ነዚ መረጋገጺ ይዀነና እዩ። ኣብርሃም ንይስሃቅ እትኸውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቲ ንኼምጽኣሉ ናብ መሶጶታምያ ለኣኾ። ኣልኣዛር መለኮታዊ መምርሒ ኺወሃቦ ጸለየ: ርብቃ ነተን ኣግማሉ ማይ ምስ ኣስተየተን ድማ መልሲ ኸም እተዋህቦ ኣስተውዓለ። ጸሎት ዜዘውትር ሰብ ስለ ዝነበረ: ነታ ፍቕርቲ ሰበይቲ ይስሃቅ ረኸባ። (ዘፍ. 24:12-14, 67) ሓቂ እዩ: ኣገልጋሊ ኣብርሃም ፍሉይ መዝነት እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ። ኰይኑ ግን: የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ርግጸኛታት ደይኰናን ክንከውን ዘሎና፧

5. እቲ ናብ የሆዋ ብልብኻ እትጽልዮ ሓጺር ጸሎት ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧

5 ሓድሓደ ግዜ: ኣምላኽ ንኺሕግዘና ቐልጢፍና ኽንጽሊ የድሊ ይኸውን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ: እቲ ኣሰላፊ ሜሱ ዝዀነ ነህምያ ጕህዩ ኸም ዝነበረ ኣስተብሃለ። “እንታይ እሞ ትደሊ፧” ኢሉ ኸኣ ሓተቶ። ‘ሽዑ ነህምያ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ጸለየ።’ መቸም እቲ ብልቡ ዘቕረቦ ጸሎት ሓጺር ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ መልሲ ሃቦ፣ ከመይሲ: ነህምያ ንመካበብያ የሩሳሌም ንምህናጽ ፍቓድ እቲ ንጉስ ረኸበ። (ነህምያ 2:1-8 ኣንብብ።) እወ: እቲ ብልብኻ እትጽልዮ ሓጺር ጸሎት እውን እንተ ዀነ: ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

6, 7. (ሀ) ኤጳፍራስ ብጸሎት ዝመጸ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና፧ (ለ) ምእንቲ ኻልኦት ክንጽሊ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

6 ብዘይካዚ ምእንቲ ኻልኦት እንገብሮ ጸሎት መልሲ ኸም ዚረክብ ወትሩ ቐጥታዊ መርትዖ ዘይንረክብ እኳ እንተ ዀንና: “ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ” ዚብል ምሕጽንታ ግን ተዋሂቡና ኣሎ። (ያእ. 5:16) እቲ “እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ” ዝነበረ ኤጳፍራስ: ምእንቲ እቶም ኣመንቲ ብጾቱ ኢሉ ኣጽኒዑ ይጽሊ ነበረ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዀይኑ ኺጽሕፍ ከሎ ኸምዚ በለ:- “እቲ ሓደ ኻባኻትኩም [ሰብ ቈሎሴ ዝዀነ] ባርያ ክርስቶስ የሱስ: ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ: ኵሉ ሳዕ ብጸሎቱ ዚጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም አሎ። ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘሎዎ: እምስክረሉ አሎኹ።”—ቈሎ. 1:7፣ 4:12, 13

7 ቈሎሴ: ሎዲቅያ: ከምኡውን ሂራጶሊስ ኣብ ሓደ ኸባቢ ንእሽቶ እስያ ዚርከባ ኸተማታት እየን ነይረን። ኣብ ሂራጶሊስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብኣምለኽቲ እታ ሲብሊ እትበሃል ኣምላኽ ተኸቢቦም ነበሩ፣ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ብፍቕረ-ንዋይ ተኸቢቦም ነበሩ: እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ከኣ ብሰንኪ ሰብኣዊ ፍልስፍናታት ኣብ ሓደጋ ነበሩ። (ቈሎ. 2:8) እምበኣር: እቲ ኻብ ቈሎሴ ዝመጸ ኤጳፍራስ ምእንቲ እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ኣመንቲ ኢሉ ‘ብጸሎት ምግዳሉ’ ዜገርም ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ኤጳፍራስ ዝጸለዮ ጸሎት ብኸመይ ከም እተመለሰ ኣይገልጽን እዩ: ምእንቲ ኣመንቲ ብጾቱ ኻብ ምጽላይ ግን ኣየቋረጸን። ንሕና እውን ከነቋርጽ የብልናን። ‘ኣብ ነገር ካልኦት ዘይንጽምበር’ እኳ እንተ ዀንና: ምናልባት ግን ሓደ ኣባል ስድራ ቤትና ወይ ሓደ ፈታዊና ኣብ እምነቱ ኸቢድ ፈተና ኸም ዘጋጠሞ ንፈልጥ ንኸውን። (1 ጴጥ. 4:15) ምእንታኦም ብብሕትና ምጽላይና ግቡእ እዩ። ጳውሎስ ካብቲ ኻልኦት ምእንታኡ ዘቕረብዎ ጸሎት ሓገዝ ረኺቡ እዩ: እቲ ንሕና እነቕርቦ ጸሎት ድማ ብዙሕ ጽቡቕ ኪገብር ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 1:10, 11

8. (ሀ) እቶም ካብ ኤፌሶን ዝመጹ ሽማግለታት ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ ይግደሱ ምንባሮም ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ናብ ኣምላኽ ብዛዕባ ምጽላይ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ይግባእ፧

8 ሰባት ንዓና ኸም ጸሎት ዜዘውትር ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ገይሮም ድዮም ዚርእዩና፧ ጳውሎስ ምስቶም ካብ ኤፌሶን ዝመጹ ሽማግለታት ድሕሪ ምርኻቡ: “ተምበርኪኹ ምስ ኵሎም ሐቢሩ ጸለየ። ኵላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ: ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ። ካብ ኵሉ ኸኣ ስለቲ፤ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም: ዝበሎም ቃል ኣዝዮም ጐሀዩ።” (ግብ. 20:36-38) ንስም እቶም ሽማግለታት ኣይንፈልጦን ኢና: ጸሎት ኣገዳሲ ምዃኑ ይግንዘቡ ኸም ዝነበሩ ግን ፍሉጥ እዩ። ነቲ ናብ ኣምላኽ ናይ ምጽላይ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርና ኽንርእዮን እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዚምልሰልና ብምእማን ‘ቅዱሳት ኣእዳው ከነልዕልን’ ኣሎና።—1 ጢሞ. 2:8

ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ተኣዘዞ

9, 10. (ሀ) ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እንታይ ኣብነት እየን ሓዲገን፧ (ለ) እቲ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ዘርኣያኦ ተኣዛዝነት: ነቲ ንጽል ክርስትያናት ንመርዓ ዘለዎም ኣረኣእያ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

9 ንየሆዋ ዅሉ ሳዕ ኣብ ቅድሜና ምግባርና: ንኽንእዘዞ ይሕግዘና: እዚ ኸኣ በረኸት የምጽኣልና። (ዘዳ. 28:13፣ 1 ሳሙ. 15:22) ከምዚ ንምግባር ግን ምእዙዛት ክንከውን የድልየና። ነተን ብግዜ ሙሴ ዝነበራ ብስጋ ኣሓት ዝዀና ሓሙሽተ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እስከ ርአ። ኣብ እስራኤላውያን ብልምዲ: እቶም ደቂ ተባዕትዮ እዮም ርስቲ ኣቦታቶም ዚወርሱ ነይሮም። ጸሎፍሓድ ወዲ ኸይወለደ ስለ ዝሞተ ግን: የሆዋ እዘን ሓሙሽተ ኣዋልድ ንብምሉኡ እቲ ርስቲ ንኺወርሳኦ መምርሒ ሃበ፣ ቅድሚኡ ግን ሓደ ነገር ኪገብራ ነበረን። እቲ ርስቲ ኣብቲ ነገድ ምእንቲ ኺተርፍ ካብ ደቂ ምናሴ ኼእትዋ ነበረን።—ዘሁ. 27:1-8፣ 36:6-8

10 ኣዋልድ ጸሎፍሓድ: ንኣምላኽ እንተ ተኣዚዘን: ኵሉ ነገራት ብጽቡቕ ከም ዚካየድ እምነት ነበረን። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበራ” ይብል። ቀጺሉ ድማ “ማሕላ: ቲርጻ: ሐግላ: ሚልካ: ኖዓ: ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ኣብ ደቂ ሓወቦታተን ተአትዋ። ኣብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተአትዋ: ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦኤን ተረፈ” ይብል። (ዘሁ. 36:10-12) እዘን እዙዛት ኣዋልድ እዚኣተን ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘን ገበራ። (እያ. 17:3, 4) ብመንፈሳዊ መዳይ ብሱላት ዝዀኑ ንጽል ክርስትናያት እውን: “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ተመርዕዮም ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምሕላው ተመሳሳሊ እምነት የርእዩ።—1 ቈረ. 7:39

11, 12. ካሌብ ኣብ ኣምላኽ እምንቶ ኸም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 ከምቲ እቲ እስራኤላዊ ዝነበረ ካሌብ ዝገበሮ: ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ ኣሎና። (ዘዳ. 1:36) እስራኤላውያን ኣብ መበል 16 ዘመን ቅ.ክ. ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ: ሙሴ ንከነኣን ኪስልይዋ ኢሉ 12 ሰብኡት ለኣኸ፣ እቶም 2 ሰለይቲ: ማለት ካሌብን እያሱን ጥራይ እዮም ግን ነቶም ህዝቢ ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ትውክልቲ ገይሮም ነታ ዓዲ ኺወርስዋ ዘተባብዕዎም። (ዘሁ. 14:6-9) ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት: እያሱን ካሌብን ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ይስዕብዎ ነበሩ፣ ኣምላኽ ድማ ንእስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ንምምራሕ ንእያሱ ተጠቕመሉ። እቶም 10 እምነት ዘይነበሮም ሰለይቲ ግን: ኣብቲ እስራኤላውያን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዝገበርዎ ጕዕዞ ሞይቶም ኪዀኑ ኣለዎም።—ዘሁ. 14:31-34

12 ካሌብ ነቲ እስራኤላውያን ብበረኻ ዝገበርዎ ጕዕዞ ብደሓን ስለ ዝሓለፎ: ኣብ ቅድሚ እያሱ ቐሪቡ “ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ” ኺብል ይኽእል ነበረ። (እያሱ 14:6-9 ኣንብብ።) ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ከሎ: ነቲ ኣብ ዕሩዳት ከተማታት ዝሰፈሩ ጸላእቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ኣምላኽ እተመባጽዓሉ ኣብ ከረን ዚርከብ ቦታ ኺወሃቦ ሓተተ።—እያ. 14:10-15

13. ፈተናታት ዜጋጥመና እኳ እንተ ዀነ: እንታይ ምስ እንገብር ኢና በረኸት ንረክብ፧

13 ልክዕ ከምቲ እሙንን እዙዝን ዝነበረ ካሌብ: ንሕና እውን ‘ፈጺምና ንየሆዋ እንተ ስዒብናዮ’ ኣምላኻዊ ሓገዝ ክንረክብ ኢና። ከቢድ ዕንቅፋት እናኣጋጠመና ኽነሱ: ‘ፈጺምና ንየሆዋ ብምስዓብና’ ኽንባረኽ ኢና። ይኹን እምበር: ከምቲ ካሌብ ዝገበሮ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኸምዚ ምግባር በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ብጽቡቕ እኳ እንተ ጀመረ: እተን ኣንስቱ ግን ኣብ ግዜ እርጋኑ ንልቡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ንኼምልኽ ኣዘንበላኦ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ “ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ኣይሰዐቦን።” (1 ነገ. 11:4-6) እቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ: ወትሩ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንተኣዘዞን ኣብ ቅድሜና ንግበሮን።

ወትሩ ኣብ የሆዋ ተወከል

14, 15. ካብቲ ናእሚ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘሎና ዚሕብር እንታይ ትምህርቲ ተማሂርካ፧

14 ብፍላይ መጻኢና ተስፋ ዜቝርጽ መሲሉ ኺረኣየና ኸሎ ብጭንቀት ስለ እንወሓጥ: ኣብ ኣምላኽ ምውካልና ኣገዳሲ እዩ። ነታ ሰብኣያን ክልተ ደቃን ብሞት ዝሰኣነት ኣረጋዊት ናእሚ እስከ ርአ። ካብ ሞኣብ ናብ ይሁዳ ምስ ተመልሰት: ከምዚ ኢላ ጓሂኣ ገለጸት:- “እቲ ዅሉ ዚኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ: ማራ [ማለት “መሪር”] ደኣ በላኒ እምበር: ናእምስ [ማለት “ደስታይ”] ኣይትበላኒ። ኣነ መሊኤ ኸድኩ: እግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይ: እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ: ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ አሎኽን፧”—ሩት 1:20, 21

15 ናእሚ ተጨኒቓ እኳ እንተ ነበረት: ንመጽሓፍ ሩት ብጥንቃቐ እንተ መርሚርናያ ግን ኣብ የሆዋ ኸም እተወከለት ንርኢ ኢና። እቲ ዜገርም ድማ ኵነታታ ተቐያየረ! እታ ንናእሚ ሰበይቲ ወዳ ዝነበረት ሩት: ንቦኣዝ ተመርዕያ ወዲ ወለደት። ናእሚ ድማ መጕዚት እቲ ቘልዓ ዀነት፣ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እተን ጐረባብታ ኸኣ: ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ: ኢለን ስም ኣውጽአሉ: ስሙ ኸኣ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሰይ ኣቦ ዳዊት እዩ።” (ሩት 4:14-17) ናእሚ ኻብ ሞት ምስ ተንስአት: እታ ሽዑ እውን ካብ ሞት እትትንስእ ሩት: እኖሓጎ የሱስ እቲ መሲሕ ከም ዝዀነት ክትፈልጥ እያ። (ማቴ. 1:5, 6, 16) ልክዕ ከም ናእሚ: ንሕና እውን እቲ ተስፋ ዜቝርጽ ዚመስል ኵነታት ብኸመይ ከም ዚቀያየር ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ: ወትሩ ኣብ ኣምላኽ ንወከል፣ ምሳሌ 3:5, 6 “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ኢላ ትምዕደና።

ኣብ መንፈስ ቅዱስ ተጸጋዕ

16. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ንዝነበሩ ገሊኦም ሰብኡት ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

16 ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና እንተ ጌርናዮ: ብመንፈስ ቅዱሱ ኺመርሓና እዩ። (ገላ. 5:16-18) ነቶም ‘ንጾር እስራኤላውያን ብምጻር’ ንሙሴ ኺሕግዝዎ እተመርጹ 70 ሰብኡት መንፈስ ቅዱስ ወረዶም። ኤልዳድን ሜዳድን ጥራይ እኳ ብስም እንተ ተጠቕሱ: እቲ መንፈስ ቅዱስ ግን ንዅሎም ሓላፍነታቶም ንኺፍጽሙ ሓጊዝዎም እዩ። (ዘሁ. 11:13-29) ልክዕ ከምቶም ቅድሚኦም እተመርጹ ሰባት: ክኢላታት: ንኣምላኽ ዚፈርሁ: እሙናት: ከምኡውን ሓቀኛታት ከም ዝነበሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ዘጸ. 18:21) ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ሽማግለታት እውን ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት እዮም ዜርእዩ።

17. ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ማሕደር ኣብ ምህናጽ ኣገዳሲ ግደ ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧

17 ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ: ነቲ ማሕደር ኣብ በረኻ ኣብ ምህናጽ ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። የሆዋ ንበሳልኤል ቀንዲ ኢደ-ጥበበኛን ሃናጽን ገይሩ ሸሞ፣ ‘ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ ንምዕያይን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዚመልኦ’ መብጽዓ ኣተወ። (ዘጸ. 31:3-5) “ብልሐተኛታት” ሰብኡት ድማ ምስ በሳልኤልን ምስቲ ሓጋዚኡ ዝነበረ ኦሆልያብን ኰይኖም ነቲ ዜደንቕ ዕዮ ዓየዩ። ብዘይካዚ ናይ የሆዋ መንፈስ ነቶም ህዝቢ ብፍታው ልቢ ብዙሕ ወፈያ ንኺገብሩ ደረኾም። (ዘጸ. 31:6፣ 35:5, 30-34) ነቶም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ዚከኣሎም ኪገብሩ ዚድርኾም እዚ መንፈስ እዚ እዩ። (ማቴ. 6:33) እተወሰነ ኽእለት ኪህልወና ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ነቲ የሆዋ ሎሚ ንህዝቡ ኺዓይዎ ዝሃቦም ዕዮ ንምፍጻም: መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ኽንጽልን ንኺመርሓና ኽንፈቕደሉን ኣሎና።—ሉቃ. 11:13

ወትሩ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣኽብሮ

18, 19. (ሀ) መንፈስ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና እዩ ዚገብር፧ (ለ) ካብቲ ስምኦንን ሃናን ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ተማሂርካ፧

18 መንፈስ ቅዱስ: ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ንኽንገብሮ ዚሕግዘና ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከም ዚህልወና ይገብር። ነቶም ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ “ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ንእኡ ቀድስዎ:” ማለት ከም ቅዱስ ጌርኩም ኣኽብርዎ ተባሂሉ ተነግሮም። (ኢሳ. 8:13) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኽልተ ንኣምላኽ ዜኽብሩ ዝነበሩ ስምኦንን ሃናን እስከ ንርአ። (ሉቃስ 2:25-38 ኣንብብ።) ስምኦን ብዛዕባ እቲ መሲሕ ኣብ ዚገልጽ ትንቢታት እምነት ነበሮ: “ምጽንናዕ እስራኤልውን ዚጽበ ነበረ።” ኣምላኽ ድማ መንፈስ ቅዱሱ ኣብኡ ብምፍሳስ: ነቲ መሲሕ ከም ዚርእዮ ኣረጋገጸሉ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ ኰነ። ብ2 ቅ.ክ. የሱስ ምስ ማርያም ኣዲኡን ዮሴፍ ዝስሙ ዘዕበዮ ኣቦኡን ኰይኑ ናብቲ ቤተ መቕደስ መጸ። ስምኦን ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ: ብዛዕባ እቲ መሲሕ ተነበየ: ንማርያም ድማ የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ምስ ተሰቕለ ብዛዕባ ዜጋጥማ ጓሂ ተነበየላ። “ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር” ኣብ ኢዱ ምስ ሓቘፎ እተሰምዖ ሓጐስ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ! እቶም ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ንኣምላኽ ኬኽብርዎ ኸም ዘለዎም ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

19 እታ ንኣምላኽ እተኽብር ዝነበረት ጓል 84 ዓመት መበለት ሃና እውን ‘ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትወጽእን ነበረት።’ ኣብኡ ድማ ለይትን መዓልትን ንየሆዋ “ብጾምን ብጸሎትን” ተገልግል ነበረት። እቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኪመጽእ ከሎ ኣብኡ ነበረት። ነቲ መሲሕ ስለ ዝረኣየት ክሳዕ ክንደይ ኰን እያ ኣመስጊና ኽትከውን ዘለዋ! እወ: “ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።” ሃና ነዚ ብስራት እዚ ንኻልኦት ከተካፍሎም ከም ዘለዋ ዀይኑ ተሰምዓ። ልክዕ ከም ስምኦንን ሃናን: ሎሚ ዘለዉ ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት እውን ዕድሚኦም ብዘየገድስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኬገልግሉ ምኽኣሎም የማስዉሉ እዮም።

20. ዕድመና ብዘየገድስ: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

20 ዕድመና ብዘየገድስ: ንየሆዋ ዅሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ኽንገብሮ ኣሎና። ንሱ ድማ ነቲ ብዛዕባ ንግስነቱን ዜደንቕ ግብርታቱን ንኻልኦት ንምንጋር እንገብሮ ትሕትና ዝመልኦ ጻዕሪ ኺባርኾ እዩ። (መዝ. 71:17, 18፣ 145:10-13) እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ኸነኽብሮ እንተ ደሊና: ኣምላኻዊ ባህርያት ከነንጸባርቕ ኣሎና። ተወሳኺ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• የሆዋ: ጸሎት ከም ዚሰምዕ ብኸመይ ንፈልጥ፧

• ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንእዘዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ብጭንቀት ክንወሓጥ ከለና እውን ከይተረፈ: ወትሩ ኣብ የሆዋ ኽንውከል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ የሆዋ ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ነህምያ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ጸሎት ውጽኢታዊ ነበረ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ናእሚ ዝረኸበቶ በረኸት ምዝካርና: ኣብ የሆዋ ኽንውከል ይሕግዘና