ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ወንጌል ማርቆስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ወንጌል ማርቆስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ወንጌል ማርቆስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ወንጌል ማርቆስ ካብተን ኣርባዕተ ወንጌላት እታ ዝሓጸረት እያ። ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ክርስቶስ 30 ዓመት ዚኸውን ጸኒሓ በቲ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስ እተጻሕፈት ኰይና: ብዛዕባ እቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደ ኣገልግሎት የሱስ ሓያሎ ነጥብታት ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ ዝሓዘት እያ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኣህዛብ: ብፍላይ ከኣ ንሮማውያን ተባሂላ እተዳለወት ብምዃና: ንየሱስ ከም ወፈራ ስብከት ዚፍጽም ገባር ተኣምራት ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ ገይራ እያ እትገልጾ። ካብቲ የሱስ ዝመሃሮ ነገራት ንላዕሊ: ኣብቲ ዝገበሮ ነገራት እያ እተተኵር። ንወንጌል ማርቆስ እንተ ኣቕሊብናላ: ኣብቲ መሲሕ ዘሎና እምነት ይድልድል: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀናኣት ኣወጅቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ንኽንከውን ድማ ንድረኽ።—እብ. 4:12

ኣብ ገሊላ እተገብረ ሰፊሕ ኣገልግሎት

(ማር. 1:1–9:50)

ማርቆስ ብዛዕባ ንጥፈታት ዮሃንስ መጥምቕን የሱስ ኣብ በረኻ ዘሕለፎ 40 መዓልትን ኣብ ውሽጢ 14 ቝጽርታት ድሕሪ ምግላጹ: ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ኣገልግሎት ዜደንቕ ጸብጻብ ሃበ። ነታ “ብኡብኡ” እትብል ቃል ብተደጋጋሚ ምጥቃሙ: ነቲ ጸብጻብ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ከም ዚህልዎ ገበረ።—ማር. 1:10, 12

የሱስ ካብ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዚውሕድ እዋን: ኣብ ገሊላ ሰለስተ ወፈራታት ስብከት ዛዘመ። ማርቆስ ንመብዛሕትኡ እቲ ጸብጻብ ብመስርዕ ፍጻመታቱ እዩ ኣቕሪብዎ። እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከትን ካልእ ብዙሕ ነዊሕ መደረታቱን ኣይተጠቕሰን።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:15—እንታይ “ዘመን” እዩ ተፈጺሙ፧ የሱስ: እቲ ኣገልግሎቱ ዚጅምረሉ ምዱብ ዘመን ከም ዝኣኸለ እዩ ዚሕብር ነይሩ። እዚ ንጉስ ኰይኑ ኺሽየም እተመደበ ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነበረ: መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ነበረት። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ዕዮ ስብከት ምላሽ ኪህቡን ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ ዜኽእሎም ስጕምትታት ኪወስዱን ይኽእሉ ነበሩ።

1:44፣ 3:12፣ 7:36—የሱስ ነቲ ተኣምራቱ ኺንገረሉ ዘይደሊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ: ሰባት ኣብ መሳጢ ወይ እተጋነነ ጸብጻባት ተመርኲሶም ኣብ መደምደምታታት ኣብ ክንዲ ዚበጽሑ: ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ነቲ መርትዖ ኺርእዩን ኣብቲ መርትዖ ተመርኲሶም ብሕታዊ ውሳነ ኺገብሩን ይደሊ ነበረ። (ኢሳ. 42:1-4፣ ማቴ. 8:4፣ 9:30፣ 12:15-21፣ 16:20፣ ሉቃ. 5:14) ነቲ ኣብ ሃገር ጌርጌሴኖን ዝረኸቦ ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ዝነበሩ ሰብኣይ ጥራይ እዩ ኸይነግረሉ ዘይከልከሎ። ነቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ቤቱ ኸይዱ ንሰቡ ኺሕብሮም ነገሮ። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት ንየሱስ ካብ ምድሮም ኪርሕቕ ለሚኖምዎ ስለ ዝነበሩ: ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢ ብዙሕ ርክብ ኪህልዎ ኣይክእልን ነበረ። እቲ የሱስ ጽቡቕ ግብሪ ዝገበረሉ ሰብኣይ ኣብቲ ቦታ ምህላዉን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምምስካሩን: ነቲ ብዛዕባ እተን ዝሞታ ሓሰማታት ዚውረ ሕማቕ ወረ ዜዐሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማር. 5:1-20፣ ሉቃ. 8:26-39

2:28—የሱስ “ጐይታ ሰንበት” ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ሕጊ: ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” ምዃኑ ጽሒፉ ኣሎ። (እብ. 10:1) እቲ ሕጊ ኸም ዚገልጾ: ሰንበት ድሕሪ እቲ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ እያ መጺኣ: የሱስ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንብዙሓት ሰባት ኣሕውዩ እዩ። እዚ ድማ ነቲ እቲ ጨቋኒ ግዝኣት ሰይጣን ድሕሪ ምብቃዑ: ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ዚረኽብዎ ሰላማዊ ዕረፍትን ካልእ በረኸትን ጽላሎት ዚኸውን እዩ። ስለዚ: ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ: “ጐይታ ሰንበት” እውን እዩ።—ማቴ. 12:8፣ ሉቃ. 6:5

3:5፣ 7:34፣ 8:12—ማርቆስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚስምዖ ዝነበረ ስምዒታት ከመይ ገይሩ ብዝርዝር ኪፈልጥ ክኢሉ፧ ማርቆስ ካብቶም 12 ሃዋርያት ወይ ካብቶም ናይ ቀረባ ብጾት የሱስ ኣይነበረን። እቲ ምስኡ ኣጸቢቑ ዚቀራረብ ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንመብዛሕትኡ እቲ ዝጸሓፎ ሓበሬታ ምንጪ ኸም ዝዀኖ ኣብ ጥንታዊ ያታ ይእመነሉ እዩ።—1 ጴጥ. 5:13

6:51, 52—እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዘየስተውዓልዎ “ናይ እንጌራ ነገር” እንታይ እዩ ነይሩ፧ ካብቲ እዚ እተዘርበሉ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ: የሱስ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን ኣስታት 5,000 ሰብኡት ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን መጊብዎም ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብቲ ፍጻመ እቲ ኼስተውዕልዎ ዝነበሮም “ናይ እንጌራ ነገር:” የሱስ ተኣምራት ንምግባር ካብ የሆዋ ኣምላኽ ሓይሊ ኸም እተዋህቦ እዩ ነይሩ። (ማር. 6:41-44) ንዕቤት እቲ ንየሱስ እተዋህቦ ሓይሊ እንተ ዜስተውዕልዎ ነይሮም: ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ ማይ ኪኸይድ ምኽኣሉ ብዙሕ ኣይምደንጸዎምን።

8:22-26—የሱስ ነቲ ዕዉር ሰብኣይ ብኽልተ ደረጃ ዘሕወዮ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ሓልዩ እዩ ኸምኡ ገይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ነቲ ንነዊሕ እዋን ጸልማት ለሚዱ ዝጸንሐ ሰብኣይ: በብቝሩብ ከም ዚርኢ ምግባሩ: ምስቲ ድሙቕ ብርሃን ጸሓይ ንኺለማመድ የኽእሎ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

2:18፣ 7:11፣ 12:18፣ 13:3 ማርቆስ ነቲ እቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣንበብቱ ዘይፈልጥዎ ኪኸውን ዚኽእል ልምድታትን ቃላትን እምነታትን ቦታታትን ገሊጹ ኣሎ። ፈሪሳውያን ‘ይጾሙ ምንባሮም:’ ቍርባን ኪበሃል ከሎ “መባእ” ማለት ምዃኑ: ሰዱቃውያን “ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ” ምንባሮም: እታ ቤተ መቕደስ ከኣ “ኣብ ማዕዶ” “ደብረ ዘይቲ” ምንባራ ኣነጺሩ ኣሎ። ወለዶ እቲ መሲሕ ብቐንዱ ንኣይሁድ ስለ ዜገድስ: ኣብ ጽሑፉ ኣየእተዎን። በዚ ኸምዚ ማርቆስ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ክንጽመድ ወይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ መደረ ኸነቕርብ ከለና: ድሕረ-ባይታ ሰማዕትና ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።

3:21 ኣዝማድ የሱስ ዘይኣመንቲ እዮም ነይሮም። ስለዚ: የሱስ ነቶም ብሰንኪ ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራ ቤቶም ኣደዳ ምጽራር ወይ ላግጺ ዝዀኑ ሰባት ይርድኣሎም እዩ።

3:31-35 የሱስ ኪጥመቕ ከሎ: መንፈሳዊ ወዲ ኣምላኽ ኰነ: “እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ድማ ኣዲኡ ዀነት። (ገላ. 4:26) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኻብቶም ብስጋ ኣዝማዱ ንላዕሊ ቐረቦምን ፈተዎምን። እዚ ድማ ኣብ ህይወትና ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህብ ይምህረና።—ማቴ. 12:46-50፣ ሉቃ. 8:19-21

8:32-34 ንዝዀነ ይኹን ካልኦት ዜርእዩና ግጉይ ሕያውነት ቀልጢፍና ኸነለልዮን ክንነጽጎን ኣሎና። ሰዓቢ ክርስቶስ ‘ህይወቱ ኪቐብጽ:’ ማለት ርእሱ ንምኽሓድን ንስሱዕ ባህግታቱን ትምኒታቱን ንምንጻግን ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። ‘መሳቐዪ ዕንጨይቱ ኼልዕል:’ (NW) ማለት ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ምእንቲ ክርስትያናዊ መንነቱ መከራ ኺጸግብ: ኪዋረድ: ኪስጐጕ: ወይ እውን ኪቕተል ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ: ንየሱስ ብቐጸሊ ‘ኺስዕቦ:’ ማለት ምስ ኣነባብራኡ ተሰማሚዑ ኺመላለስ ኣለዎ። ወደ መዝሙር ምዃን: ከም ክርስቶስ የሱስ ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስ ከነማዕብልን ክንዕቅብን ይሓተና።—ማቴ. 16:21-25፣ ሉቃ. 9:22, 23

9:24 እምነትና ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ምግላጽ ወይ እምነት ኪውሰኸልና ምሕታት ኬሕፍረና የብሉን።—ሉቃ. 17:5

እታ ናይ መወዳእታ ወርሒ

(ማር. 10:1–16:8)

ኣብ ኣጋ መወዳእታ 32 ድ.ክ.: የሱስ “ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ:” ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። (ማር. 10:1) ኣብኡ ድሕሪ ምስባኹ: ናብ የሩሳሌም ገጹ ኸደ።

ብ8 ኒሳን ኣብ ቢታንያ ነበረ። ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ: ሓንቲ ሰበይቲ ቕዱይ ቅብኢ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰትሉ። ካብቲ የሱስ ተዓጂቡ ናብ የሩሳሌም ዝኣተወሉ: ክሳዕ እቲ ዝተንስኣሉ እዋን እተገብረ ፍጻመታት ብተርታኡ ተገሊጹ ኣሎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

10:17, 18—የሱስ ንሓደ ሰብኣይ “ሄር መምህር” ወይ “ሕያዋይ መምህር” (ትርጕም 1990) ኢሉ ብምዝራቡ ዝኣረሞ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ነዚ ናይ ሻሕራ መዓርግ ምቕባል ብምእባዩ: ክብሪ ንየሆዋ ሃበ: ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምንጪ ዅሉ ሄር ወይ ሕያውነት ምዃኑ ድማ ሓበረ። ብዘይካዚ: እቲ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ: ናይ ጽቡቕን ክፉእን መለክዒታት ኪሰርዕ መሰል ከም ዘለዎ ኣጕልሐ።—ማቴ. 19:16, 17፣ ሉቃ. 18:18, 19

14:25—የሱስ ንእሙናት ሃዋርያቱ: “ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ: ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ” ኺብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ የሱስ ኣብ ሰማይ ቃል ብቓሉ ወይኒ ኸም ዘሎ ኣይኰነን ዜመልክት ነይሩ። የግዳስ: ሓድሓደ ግዜ ወይኒ ንሓጐስ ስለ ዜመልክት: የሱስ ነቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስቶም ካብ ሞት ዝተንስኡ ቕቡኣት ሰዓብቱ ብምሕባር ዚርከብ ሓጐስ እዩ ዜመልክት ነይሩ።—መዝ. 104:15፣ ማቴ. 26:29

14:51, 52—እቲ “ጥራይ ዝባኑ ሀደመ” እተባህለሉ ጐበዝ መን እዩ ነይሩ፧ ማርቆስ ጥራይ እዩ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ጠቒስዎ ዘሎ: ስለዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ይዛረብ ነይሩ ኣብ ዚብል መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና።

15:34—የሱስ “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ፧” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት እምነት ከም ዝጐደሎ ድዩ ዚሕብር፧ ኣይኰነን። የሱስ ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ብርግጽ ክንፈልጦ እኳ እንተ ዘይከኣልና: እቲ ቓላቱ ግን የሆዋ ንንጽህና ወዱ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍተን ኢሉ ዕቝባኡ ምልጋሱ የሱስ ከም እተፈለጦ ኺሕብር ይኽእል እዩ። የሱስ ነቲ ኣብ መዝሙር 22:1 ዘሎ ብዛዕባኡ ብትንቢት እተነግረ ምእንቲ ኺፍጽም ኢሉ እውን ነዚ ተዛሪብዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 27:46

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

10:6-9 ዕላማ ኣምላኽ: ሰብኣይን ሰበይትን ብሓንሳእ ኪዀኑ እዩ። ስለዚ: ሰብኡትን ኣንስትን ተቐላጢፎም ናብ ፍትሕ ኣብ ክንዲ ዚጐዩ: ኣብ ሓዳር ዚለዓል ዝዀነ ይኹን ጸገም ንምፍታሕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓዩሉ ኺጽዕሩ ኣለዎም።—ማቴ. 19:4-6

12:41-44 ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ በቃቓት ክንከውን ከም ዘይብልና: ካብ ኣብነት እታ ድኻ መበለት ንመሃር።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ነዚ ሰብኣይ እዚ ዅሉ እቲ እተገብረሉ ንሰቡ ኺሕብር ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ፧