ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጌጋታት እስራኤላውያን ተምሃር

ካብ ጌጋታት እስራኤላውያን ተምሃር

ካብ ጌጋታት እስራኤላውያን ተምሃር

እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ኸለዉ: የሆዋ ኻባታቶም እንታይ ከም ዚጽበ ይፈልጡ ነበሩ። ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ:- “ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም: ኵሉ ምስልታቶም ሰባብሩ: ኵሉ ዝፈሰሰ ምስልታቶም ድማ ሰባብሩ: ኵሉ በረኽቲ ቦታኦም ኣፍርሱ።”—ዘሁ. 33:52

ህዝቢ እስራኤል ምስ ተቐማጦ እታ ምድሪ: ኪዳን ኪተኣታተዉ ዀነ ኺዋሰቡ ኣይነበሮምን። (ዘዳ. 7:2, 3) ነቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ: “ኣብ ማእከልካ ንመፈንጠራ ኸይኰኑስ: ምስቶም ኣብታ ንስኻ እትአትዋ ምድሪ ዚነብሩ ኺዳን ከይትአቱ ተጠንቀቕ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋህቦም። (ዘጸ. 34:12) ኰይኑ ግን: እስራኤላውያን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን: ኣብ መፈንጠራ ድማ ወደቑ። ናብ ውድቀት ዝመርሖም እንታይ እዩ፧ ካብ ተመክሮኦም እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧—1 ቈረ. 10:11

ካብ ምቅርራብ ናብ ኣምልኾ ጣኦት

እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ንምውራስ: ነቶም ተቐማጦኣ ሰዓርዎም። ይኹን እምበር: ደቂ እስራኤል: ትእዛዛት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣይሓለዉን። ንጸላእቶም ፈጺሞም ኣየልቀቕዎምን። (መሳ. 1:1–2:10) ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብታ ምድሪ ሰፊሮም ዝነበሩ ‘ሸውዓተ ህዝብታት’ ተቐመጡ: ምስቶም ህዝብታት እቲኣቶም ዝነበሮም ቀጻሊ ርክብ ድማ ዕርክነት ከም ዚምስርቱ ገበሮም። (ዘዳ. 7:1) እዚ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ጸለዎም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣዋልዶም ከኣ ኣንስቲ ኪዀናኦም ወሰዱ: ኣዋልዶም ድማ ነወዳቶም ሀቡ: ንኣማልኽቶምውን ኣገልገልዎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ።” (መሳ. 3:5-7) ህዝቢ እስራኤል ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ህዝብታት ምቅርራቦም: ምሳታቶም ናብ ምውሳብን ናብ ኣምልኾ ጣኦትን መርሖም። ሓንሳእ ምስ ተኣታተዉ: ነቶም ኣረማውያን ካብታ ምድሪ ንኺሰጕዎም ዝነበረ ኣጋጣሚ ነከየ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ተበከለ: እስራኤላውያን ንባዕሎም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኼምልኹ ጀመሩ።

እቶም ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝብታት ከም ፈተውቶም ምስ ኰኑ: ንእስራኤላውያን ካብቲ ጸላእቶም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝገደደ መንፈሳዊ ሓደጋ ኣምጽኡሎም። ቀጺልና ኻልእ ንመንፈሳዊ ብልሽውና ጠንቂ ዀይኑ ኪኸውን ዚኽእል ኣጋጣሚ እስከ ንርአ።

ካብ ሕርሻ ናብ ኣምልኾ በዓል

ደቂ እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ: ናብራ ዘላን ሓደግዎ: ብዙሓት ከኣ ሓረስቶት ኰኑ። እቲ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ሕርሻ: ምስቲ ቕድሚኦም ነታ ምድሪ ዚሓርስዋ ዝነበሩ ህዝቢ ዚጥቀሙሉ ኣገባብ ተመሳሳሊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እስራኤላውያን መነባብሮኦም ኪቕይሩ ኸለዉ: ነቲ ከነኣናውያን ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ሕርሻ ኻብ ምጥቃም ንላዕሊ ገይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ህዝቢ ብምቅርራቦም: ምስ ሕርሻ እተተሓሓዘ እምነት ንኪቕበሉ ኣስሒትዎም ኪኸውን ኣለዎ።

ከነኣናውያን ንመሬቶም ፍርያም ይገብሩ ኢሎም ዚኣምኑሎም ሓያሎ በዓላት ዚበሃሉ ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ኻብ ምሕራስን ፍሪኣ ኻብ ምዕጻድን ሓሊፎም: ኣማልኽቲ ከነኣን ብልጽግና ኸም ዜምጽኡ ገይሮም ኬምልኽዎም ጀመሩ። ስለዚ: ብዙሓት እስራኤላውያን ንየሆዋ ዜምልኹ እኳ እንተ መሰሉ: ከም ሓቂ ግን ብግህዶ ኣብ ክሕደት እዮም ተጸሚዶም ነይሮም።

ንዓና ዚኸውን ሓያል መጠንቀቕታ

እስራኤላውያን ምስቶም ኣብታ ምድሪ ተስፋ ዝነበሩ ሰባት ፈለማ ኣብ እተቐራረቡሉ እዋን: ኣብ ኣምልኾ በዓል ኰነ ኣብቲ ርኽሰቶም ኪሳተፉ ዚብል ሓሳብ ኣይነበሮምን ይኸውን። ኰይኑ ግን: ምሳታቶም ዝነበሮም ሕብረት ናብኡ መርሖም። ምስቶም ምቕሉላት ግናኸ ኸም ናትና ክርስትያናዊ እምነታትን ስርዓታትን ዘይብሎም ሰባት እንተ ተቐራሪብና: ተመሳሳሊ ጐዳኢ ሳዕቤን ክንጽበዶ ኣይግባእን፧ ልክዕ እዩ: ምስ ዘይኣመንቲ ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ እውን ኣብ ገዛ እተወሰነ ርክብ ክንገብር ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ካብ ተመክሮ እስራኤላውያን ከም ዝረኣናዮ: ምስ ከምዚኣቶም ምቅርራብ ባዕልኻ ሽግር ምጽዋዕ ምዃኑ መለበሚ ኪዀነና ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል ከነምልጠሉ ዘይንኽእል ሓቂ ይነግረና።—1 ቈረ. 15:33

ሎሚ ምስቲ ናይ እስራኤላውያን ዚመሳሰል ብዙሕ ብድሆታት የጋጠመና እዩ። እዚ ሕጂ ዘሎ ሕብረተሰብ እውን ከም ጣኦት ዝኣመሰለ ዜምልኾ ነገራት ኣለዎ። ገንዘብ: ስሙያት ኣዘናጋዕቲ: ውሩያት ስፖርተኛታት: ፖለቲካዊ ስርዓት: ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት: ከምኡውን ኣባላት ስድራ ቤት ኣብዚ ይጠቓለሉ እዮም። እዚኣቶም ቀንዲ ኣትኵሮ ህይወትና ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ምስቶም ንየሆዋ ዘየፍቅሩ ዕርክነት ምምስራትና: ናብ መንፈሳዊ ዕንወት ኪመርሓና ይኽእል እዩ።

ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ንእስራኤላውያን ዝማረኸን ዘስድዐን ዘይንጸል ክፍሊ ኣምልኾ በዓል እዩ ነይሩ። ሕጂ እውን ተመሳሳሊ መፈንጠራ ንገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ የውድቖም ኣሎ። ንኣብነት: ሓደ ህንጡይ ወይ ዘይጥንቁቕ ሰብ ኣብ ቤቱ ንበይኑ ዀይኑ ብኮምፕዩተር ኣቢሉ ንሰናይ ሕልናኡ ኼበላሹ ዚኽእል ነገር ኪርኢ ይኽእል እዩ። ሓደ ክርስትያን በቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ስእለ-ጽዩፍ እንተ ተሓቢሉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዜሕዝን እዩ!

‘ምስክራቱ ዚሕልዉ ብጹኣን እዮም’

ኣብ ናይ ኣዕሩኽ ምርጫና ንየሆዋ ኽንእዘዞ ወይ ከይንእዘዞ ብብሕትና እንገብሮ ውሳነ እዩ። (ዘዳ. 30:19, 20) ስለዚ: ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና:- ‘እዋን ዕረፍተይ ምስ መን እየ ዘሕልፎ፧ ንሳቶምከ እንታይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እዮም ዚስዕቡ፧ ንየሆዋ የምልኽዎ ድዮም፧ ምሳታቶም ምቅርራበይ ዝሓሽኩ ክርስትያን ንክኸውን የተባብዓኒ ድዩ፧’

እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ: ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም። ምስክራቱ ዚሕልዉ: ብምሉእ ልቢ ዚደልይዎ ብጹኣን እዮም” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 119:1, 2) እወ: “ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ: ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ።” (መዝ. 128:1) እምበኣር: ኣዕሩኽ ብምምራጽ ዝመጸ: ካብ ጌጋታት እስራኤላውያን ንመሃር: ንየሆዋ ድማ ምሉእ ብምሉእ ንተኣዘዞ።—ምሳ. 13:20

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስቶም ንየሆዋ ዘየፍቅርዎ ምቅርራብ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ኪመርሓና ይኽእል